መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግን.
“ብዙሓት ሰባት: ኣብ ዚርእይዎ ነገራት ጥራይ ከም ዚኣምኑ ይዛረቡ። ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ትሰማማዕዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: ሮሜ 1:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣብ ፍጥረት ብንጹር ክንርእየን እንኽእል ሰለስተ ባህርያት ኣምላኽ ተጕልሕ፣ ነዘን ባህርያት እዚኣተን ምፍላጥ ብኸመይ ኪጸልወና ኸም ዚኽእል ድማ ትመያየጥ።”
Awake! May
“ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንመጻኢ ብፍርሂ ይጽበይዎ። ነገራት ዚመሓየሽዶ ይመስለካ ወይስ መመሊሱ ዚኸፍእ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነዚ ሰባት ኬዐርይዎ ዘይከኣሉ ኸቢድ ጸገማት ኪፈትሖ ምዃኑ ኸም እንተኣማመን ዚገብረና ምኽንያት ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግን.
“ኣብዚ ግዜና ባህርያዊ ሓደጋታት ምብዛሑ: ንገሊኦም ሰባት ብኣምላኽ ንቕጻዕ ከይንህሉ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ገይርዎም ኣሎ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: 1 ዮሃንስ 4:8 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ኣምላኽ ነቲ ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋ ዚወርድ ስቓይ ስለምንታይ ከም ዘይሕተተሉ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 30 ዘላ ዓንቀጽ ኣርእዮ።
Awake! May
“ብዛዕባ እዛ ፍልጥቲ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘሎካ ኽፈልጥ ምደለኹ። [ማቴዎስ 6:10 ኣንብብ።] ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንምድሪ ኺፈጥራ ኸሎ ኣትሒዙ ዕላማ ነይርዎ እዩ፣ እዚ ዕላማ እዚ ድማ ኣይተቐየረን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እዚ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።