እቲ ብዓል ቤት ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ምስ ዚኸውን
1. ኣብ ሓደ ኽሊ ኽንዓዪ ኸለና ብዙሕ ምትሕብባር ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
1 ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ኣስፋሕቲ: ካብቲ ኣብ ጉባኤኦም ዚዝረብ ቋንቋ ወጻኢ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ተገደስቲ ሰባት ብብዝሒ ይረኽቡ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር: ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዞም: ብእተፈላለየ ቛንቋታት ዚካየድ ጕጅለታትን ጉባኤታትን ምቛም ኣገዳሲ ዀይኑ ይረኽባኦ ኣለዋ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ብዙሕ ቋንቋታት ኪዝረብ ስለ ዚኽእል: እተፈላለየ ቋንቋታት ዚዛረባ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ኽሊ ኺሰብካ ይኽእላ እየን። እዘን ጉባኤታት እዚኣተን: ነቲ ዕዮ ስብከት ብኣገባብ ንምዕያይ ብኸመይ ኪተሓባበራ ይኽእላ፧—1 ቈረ. 14:33
2. ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከለና: ኣብቲ ኸባቢ ምስ እትርከብ ካልእ ቋንቋ እትዛረብ ጕጅለ ወይ ጉባኤ ብኸመይ ክንተሓባበር ንኽእል፧
2 ጽቡቕ ምትሕብባር:- ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ናይ መገዲ ወይ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ከሎ: ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ እውን ሓዊስካ: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኪምስክርን እቲ ሰብ ብዚደልዮ ቋንቋ ጽሑፋት ኪዕድልን ይኽእል እዩ። ካልእ ቋንቋ ብእትጥቀም ጕጅለ ወይ ጉባኤ ኣብ ዚዕየ ኽሊ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግል ከሎ ግን: እቲ ኣስፋሒ ብሓፈሻኡ ኣብቶም ከምቲ እታ ጉባኤኡ እትጥቀመሉ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ከተኵር ኣለዎ። እተፈላለያ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ኸባቢ ኺሰብካ ኸለዋ: ጽቡቕ መዝገብ ኪሕዛ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ሓለውቲ ኣገልግሎት እውን ንሓድሕዶም ኪመያየጡን ንዅሎም ብዚጠቅም መገዲ ኺተሓባበሩን ኣለዎም። (ምሳ. 11:14) ኰይኑ ግን: ሓደ ኣስፋሒ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገለ ኸሎ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ ምስ ዚረክብ እሞ ኣብቲ ኸባቢ ድማ በቲ ቛንቋ እቲ ዚቘማ ጉባኤታት ምስ ዘይህልዋ: እቲ ኣስፋሒ ኺምስክረሉን ንዘርኣዮ ተገዳስነት ኪከታተልን ኪጽዕር ኣለዎ።
3. ኣብቲ እነገልግለሉ ኽሊ: ካብ ካልእ ቋንቋ እትዛረብ ጕጅለ ዚመጹ ኣስፋሕቲ ምስ እንረክብ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧
3 ሓደ ዕዮ:- ካብ እተፈላለያ ጉባኤታት ዚመጹ ኣስፋሕቲ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ኸባቢ ኼገልግሉ ምስ ዚራኸቡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ልክዕ እዩ: ክርስትያናዊት ፍቕሪ ንዅሉ ናይ ቋንቋ ጸገም ትሰግሮ እያ፣ ኵላቶም ድማ እቲ ብቐዳምነት ዜገድሶም ነገር ድሌታት እቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ስለዚ: እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣየነይቲ ጕጅለ ንግዚኡ ናብ ካልእ ክሊ ኸይዳ ኸም እተገልግል ብሚዛናውን ፍቕራውን መገዲ ኺውስኑ እዮም።—ያእ. 3:17, 18
4. ሎሚ ኣየናይ ትንቢት እዩ ዚፍጸም ዘሎ፧
4 መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ዝቛንቋኦም ሰባት ነቲ ብስራት ኪሰምዕዎ ምዃኖም ተነብዩ ነበረ። (ራእ. 14:6, 7) ኣብ መንጎ እቶም ሰበኽቲ ጽቡቕ ምትሕብባር ምስ ዚህሉ: ዘየድሊ ምድግጋም ይውገድ: እቲ ብስራት ከኣ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ዚርከብዎም ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ይበጽሖም።—ኤፌ. 4:16