ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/08 ገጽ 1
  • ዕቤት ዜርኢ ኣገልጋሊ ኹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕቤት ዜርኢ ኣገልጋሊ ኹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ኣሰልጥኖም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 4/08 ገጽ 1

ዕቤት ዜርኢ ኣገልጋሊ ኹን

1 ሰማያዊ ኣቦና: ኣገልገልቱ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኸለዉ ይሕጐስ እዩ። እዚ ድማ ከም ብሱልን ውጽኢታውን ኣገልጋሊ እቲ ብስራት መጠን ዕቤት ምርኣይ የጠቓልል። ጳውሎስ ነቲ ሓላዊ ዝነበረ ጢሞቴዎስ: እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ምእንቲ ኺግለጽ ገዛእ ርእሱ ኺውፊ ኣተባብዖ። (1 ጢሞ. 4:13-15) ምኩራት ኣስፋሕቲ እውን ንኹን ብዘየገድስ: ኵልና ኣገልግሎትና ንምምሕያሽ ክንጽዕር ኣለና።

2 ብሕታዊ ሸቶታት ኣውጽእ:- ዕቤት ምግባር ናይ ብሕቲ ሸቶታት ምውጻእ ይሓትት። እንታይ ሸቶታት ከነውጽእ ንኽእል፧ ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ መንፈሳዊ ሰይፍና ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ዝያዳ ኽኢላታት ንምዃን ክንጽዕር ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 6:17) ምናልባት ኣብ ከም ናይ መገዲ ምስክርነት: ናይ ተሌፎን ምስክርነት: ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት ምግልጋል ዝኣመሰለ ምምሕያሽ ክንገብረሉ ዜድልየና መዳይ ኣገልግሎት ይህሉ ይኸውን። ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር እውን ክንጽዕር ንኽእል ንኸውን። ካልእ ከነውጽኦ እንኽእል ጽቡቕ ሸቶ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምርን ንኽንመርሕን ዘለና ኽእለት ምምሕያሽ እዩ።

3 መሰናድዎታት:- ኣኼባታት ጉባኤ: ብፍላይ ድማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ዕቤት ንኸነርኢ ኺሕግዘና ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ተዳሊና ንምምጻእን ኣብኡ ንምእካብን ነቲ ዚወሃበና ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዝያዳ ጻዕሪ ብዝገበርና መጠን: ብዙሕ ጥቕምታት ከም እንረክብ እተረጋገጸ እዩ።—2 ቈረ. 9:6

4 ዕቤት ንኽንገብር ንሓድሕድና ኽንተሓጋገዝ እውን የድልየና እዩ። (ምሳ. 27:17) ነቲ መገላግልትና ዚጥቀመሉ ኣቀራርባ ብጥንቃቐ ምስማዕ: ዕቤት ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ: ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ: ብሕታዊ ሓገዝ ንኽንረክብ ኪምድብ ይኽእል እዩ። ሓደ ምኩር ፈላሚ ወይ ካልእ ኣስፋሒ: ዝያዳ ውጽኢታውያን ንኽንከውንን ካብ ኣገልግሎት ዓብዪ ሓጐስ ንኽንረክብን ኪሕግዘናስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ኣብታ እንካፈለላ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣሎዶ፧ ኣብ ኣገልግሎት ምሳና ኺዓዪ ተበግሶ ወሲድና ኽንዕድሞ ንኽእል ኢና።

5 ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ሎሚ ዝዕየ ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እዩ። ንየሆዋ “መስዋእቲ ምስጋና” ኸነቕርበሉ ኸለና: እቲ ዝበለጸ ኽንህቦ ኢና እንደሊ። (እብ. 13:15) ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታውያን ክንከውን እንተ ጽዒርና: “እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ” ዓያዪ ኽንከውን ኢና።—2 ጢሞ. 2:15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ