ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/08 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 14 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 21 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 28 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 5 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 4/08 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

14 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 27 (221)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መጋቢት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

15 ደቒቕ:- “መማሰውቲ ኹኑ።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።

20 ደቒቕ:- “ንሓዘንተኛታት ኣጸናንዕ።” ሰማዕቲ: ብሞት ዜፍቅሮ ሰብ ንዝሓዘነ ብምጽንናዕ ዝረኸብዎ ፍልይ ዝበለ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም።

መዝሙር 21 (191)

21 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 29 (222)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ሰማዕቲ ኣብ ዚመጽእ ዘሎ ሰሙን ናይ 1 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መጋቢት ንቕሑ! ኪማልእወንን ነቲ ኽሊ ዚኸውን ኣቀራርባ ንኽንመያየጠሉ ተዳልዮም ኪመጹን ኣዘኻኽሮም።

10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ። ከም ኣማራጺ “ንኣሽቱ እውን ከይተረፉ ኽጥመቑዶ ኣለዎም ኢዩ፧” እትብል ዓንቀጽ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። (km 10/02 ገጽ 8)

25 ደቒቕ:- መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 4-7 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ኣብ ሕ.ጽ. 6 ኣድላይነት ጽቡቕ ጠባይ ኣጕልሕ። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ነጥብታት ክትጠቕሶ ኸለኻ: ንኣገልግሎት ወፍሪ ምስልጣን ዘለዎ ጥቕሚ ሓብር።

መዝሙር 22 (130)

28 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ንናይ 1 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንናይ መጋቢት ንቕሑ! ዚምልከት ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ: ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነንን ስለምንታይን ሕተቶም። ሰማዕቲ ነተን ኪዕድልወን ዝመደቡ ዓንቀጻት ተጠቒሞም ኣቀራርባ ኺጠቕሱ ዓድሞም። ዝርርብ ንምጅማር እንታይ ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ፧ ድሕሪኡ ኻብታ ዓንቀጽ ኣየነይቲ ጥቕሲ ኸተንብቡሎም ትኽእሉ፧ እታ ጥቕሲ ምስቲ ሓሳባት ብኸመይ ክትተሓሓዝ ትኽእል፧ በቲ እቶም ሰማዕቲ ዝሃብዎ ኣቀራርባ ወይ በቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ: ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ከም እትዕደል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

10 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ።

20 ደቒቕ:- “ኣስኣሰሩ ስዓብ።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።

መዝሙር 20 (93)

5 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 25 (204)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- የሆዋ ኸቶ ኣይኪሓድገካን እዩ። ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-11 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዜተባብዕ መደረ።

20 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ ኣገልጋሊ ኹን።” ንሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ዕቤት ዜርኢ ኣገልጋሊ: “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከነመያይጠካ ንደሊ ኣሎና። ክትሰምዓና ፍቓደኛ ዲኻ፧” ኣብ ክንዲ ዚብል: ዚስሕብ መእተዊ ኸም ዚጥቀም ኣጕልሕ። ብዘይካዚ: ዕቤት ዜርኢ ኣገልጋሊ ናብቲ ዝመስከረሉ ሰብ ካልእ ግዜ ተመሊሱ: “ነታ ጽሕፍቲ ኣንቢብካያዶ፧ ሕቶታት ኣሎካዶ፧” ኣብ ክንዲ ዚብል: ካልእ ግዜ ዚመያየጡሉ ነጥቢ ብምብጋስ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን ባይታ የንጽፍ እዩ። ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብ ገጽ 6-8 እታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ እትርከብ “ከመይ ጌርካ ምሉእ ብምሉእ ከም እትጥቀም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 8 (53)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ