ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/08 ገጽ 1
  • “መማሰውቲ ኹኑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “መማሰውቲ ኹኑ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “መማሰውቲ ኹኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “መማሰውቲ ኹኑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ኣመስጋኒዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሞሳና ኽንገልጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 4/08 ገጽ 1

“መማሰውቲ ኹኑ”

1 የሱስ ንዓሰርተ ለምጻማት ምስ ኣሕወዮም: ሓደ ኻብኣቶም ጥራይ እዩ ኼመስግኖ እተመልሰ። የሱስ ድማ: “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧” ኢሉ ሓተተ። (ሉቃ. 17:11-19) ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝገበረልና ዅሉ ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን መማሰውቲ ኽንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—ቈሎ. 3:15፣ ያእ. 1:17

2 ከነማስወሉ ዘሎና ገለ ነገራት እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣምላኽ ንሰባት ዝሃቦም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት: ማለት በጃ ነማስወሉ ኢና። (ዮሃ. 3:16) የሆዋ ናብኡ ስለ ዝሰሓበና: ነመስግን ኢና። (ዮሃ. 6:44) ክርስትያናዊ ሕብረትና እውን ከነማስወሉ ዘሎና ኻልእ ምኽንያት እዩ። (መዝ. 133:1-3) የሆዋ ዝሃበና ኻልእ ብዙሕ ውህበታት ከም እትዝክር ፍሉጥ እዩ። ከምቶም የሆዋ ዝገበረሎም ዝረስዑ ዘየማስዉ እስራኤላውያን ክንከውን ኣይንደልን ኢና።—መዝ. 106:12, 13

3 ሞሳኻ ኣርኢ:- እቶም ዓሰርተ ለምጻማት ነቲ የሱስ ዝገበረሎም ኣማስዮምሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ እንተዀነ ግን: ሓደ ጥራይ እዩ ሞሳኡ ኣርእዩ። (ሉቃ. 17:15) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ብምስታፍ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ነቲ ፈቃር ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ዝገበረልና ዅሉ ነገራት ናይ ብሓቂ ነማስወሉ እንተ ዄንና: ልብና ንኻልኦት ብዛዕባኡ ንኽንነግር ብምልዕዓል ንፍቕርን ልግስን የሆዋ ኼንጸባርቕ እዩ። (ሉቃ. 6:45) ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ‘ተኣምራትን ንኣና ዝሓሰቦ ሓሳባትን’ ምስ እንነግሮም: ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ኪዓቢ እዩ።—መዝ. 40:5

4 ካልኦት መማሰውቲ ኪዀኑ ሓግዞም:- ውሉዳትናን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባትን መማሰውቲ ኪዀኑ ኽንሕግዘሉ እንኽእል መገድታት ከነናዲ ኣሎና። ወለዲ ኣብ ምስ ውሉዳቶም ኰይኖም ፍጥረታት የሆዋ ኺዕዘቡ ኸለዉ ዀነ ኣብ ካልእ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።። (ሮሜ 1:20) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: “እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧” ኢልና ንተመሃራይና ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ሞሳ እቲ ተመሃራይ እናዓበየ ምስ ከደ: ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ንዕኡ ንኼሐጕስ ዘለዎ ቈራጽነትን እውን ኪዓቢ እዩ።

5 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: ብዙሓት ሰባት ዘየማስዉ እዮም። (2 ጢሞ. 3:1, 2) የሆዋ: እቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ብምስታፍ ሞሳኦም ኬርእዩ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ!—ያእ. 1:22-25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ