ነቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ንሰባት ንምፍላጥ ዚግበር ዓለምለኻዊ ወፈራ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዚርከብ ኣስፋሒ ፍሉይ ወረቐት ዕድመ ይዕድል
1 ካብ ጽድያ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ብምጅማር: ኣብ ምሉእ ዓለም ዚግበር ተኸታታሊ ናይ ኣውራጃ ኣኼባታት ክሳዕ ዚዛዘም: ነቲ ኣብ 155 ሃገራት ዚግበር ናይ ኣውራጃ ኣኼባታት ንሰባት ንምፍላጥ ዓለምለኻዊ ወፈራ ኺግበር እዩ። እዚ ወፈራ እዚ ነቲ ኣብ ሓምለን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ነሓሰን 2006: ኣብ ጀርመንን ሪፓብሊክ ቸክን ፖላንድን ኪግበር ተመዲቡ ዘሎ ፍሉይ ዓበይቲ ኣኼባታት ዜጠቓልል እዩ።
2 እዚ ግዜ መወዳእታ ኣብ ዚጽንቀቐሉ እዋን ንነብር ስለ ዘለና: እቲ ነቲ ኣምላኽ ካብዚ እኩይ ኣገባብ ከም ዜድሕን ዝኣተዎ መብጽዓ ዜጕልሕ ኣኼባታት: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣጸቢቑ ኺስሕቦም ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ንኺሓስቡ ኺድርኾም ኣለዎ። ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናይ ምጽንናዕን ተስፋን መልእኽቲ ንኺሰምዑ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺወሃቦም: ልዕሊ 98,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ እተዓደማሉ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ብውዕዉዕ ስምዒት ንኼፋልጣ ምትብባዕ ተዋሂቡወን ኣሎ።
3 ጉባኤታት ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኽሳዕ 50 ወረቐት ዕድመ ንኺበጽሖ ዚኣክል ወረቐት ዕድመ ኺለኣኸለን እዩ። ተረፍ እንተ ኣልዩ: እቶም ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ፓይነራት ኪጥቀሙሉ ኣለዎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ: እቲ ወፈራ ኻብቲ እታ ጉባኤ እተመደበትሉ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ዕለት ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲሙ ኺጅምር ኣለዎ። እዚ ንመብዛሕትኡ: ምናልባትውን ንብምሉኡ ዞባ እታ ጉባኤ ንምሽፋን እኹል ግዜ ይህብ እዩ።
4 ብእተኻእለ መጠን ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት ብኣካል ቀሪብካ ወረቐት ዕደመ ኺወሃቦ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ገሊኦም ኣብ ቤቶም እንተ ዘይተረኺቦም: ኣብ ማዕጾኦም ብሜላ ወረቕት ዕድመ ኺግደፈሎም ይከኣል እዩ። ንዅሉ ወረቐት ዕድመ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰለስተ ሰሙን ንምዕዳል ብትግሃት ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ።
5 ነቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኣብዚ ኸም እተገልጸ ጌርካ ንምፍላጡ ጽዑቕ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ብምግባርና: ዓብዪ ምስክርነት ከም ዚወሃብ ንተኣማመን ኢና። ኣብዚ ዓለምለኻዊ ወፈራ ኽትሳተፉ ኸለኹም ንእትገብርዎ ብሕታዊ ጻዕርታትኩም: የሆዋ ኣብዚሑ ኺባርኾ ንጽሊ።