ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/06 ገጽ 1
  • ካልኦት ካብቲ በጃ ኺጥቀሙ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካልኦት ካብቲ በጃ ኺጥቀሙ ሓግዞም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣኼባታት ምእካብና ብዛዕባና እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በዓል ዝኽሪ 5 ሚያዝያ ኪኽበር እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ሞሳና ነርኢ በዓል ዝኽሪ 17 ሚያዝያ ኪኽበር እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 3/06 ገጽ 1

ካልኦት ካብቲ በጃ ኺጥቀሙ ሓግዞም

ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ 12 ሚያዝያ ኪኽበር እዩ

1. ሓደ ኻብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ በጃ ዘለዎም ሞሳ ዚገልጹሉ መገዲ እንታይ እዩ፧

1 “ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።” (2 ቈረ. 9:15) እዘን ቃላት እዚኣተን: ነቲ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገለጸልና ሕያውነትን ሳህልን ዘሎና ስምዒት ጽቡቕ ገይረን ዚገልጻ እየን። እዚ ሞሳ እዚ 12 ሚያዝያ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምኽባር ኣብ እንእከበሉ እዋን ብፍላይ ጐሊሑ ኺርአ እዩ።

2. ኣብ በዓል ዝኽሪ ምስ ኣገልገልቲ የሆዋ ሓቢሮም ዚእከቡ መን እዮም፧ ካብቲ በጃ ምእንቲ ኺጥቀሙኸ እንታይ ኪገብሩ የድልዮም፧

2 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት ዓሰርተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት: ምስ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ በዓል ዝኽሪ ይእከቡ እዮም። ከምዚ ብምግባሮም ንመስዋእቲ ክርስቶስ ዘለዎም ሞሳ ብእተወሰነ ደረጃ ይገልጹ። ይኹን እምበር: ካብቲ በጃ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኣብኡ ኺኣምኑ የድልዮም። (ዮሃ. 3:16, 36) ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ንኼጥርዩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ኣብ እዋን እቲ በዓል ዝኽሪ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩን ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኪካፈሉን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። እዚ ዚስዕብ ርእይቶታት እስከ ንርአ።

3. ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድሞም ከለና: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት:- ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽትዕድሞም ከለኻ: በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ዘይትጅምረሎም፧ ኣብ ገጽ 206-8 ገንጺልካ ነታ “ድራር ጐይታ​—⁠ንኣምላኽ ዜኽብር በዓል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብምምይያጥ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ግለጸሉ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ብመልክዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቱ ሓንሳእ ወይውን ክልተ ሳዕ ብምብጻሕ ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ምስ ተመያየጥኩምሉ: እቲ ሰብ ነታ “እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ” ዘርእስታ ምዕራፍ 5 ኺመያየጠላ ይደሊ ይኸውን። ስርዓታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርካ: ተመሊስካ ነተን ኣርባዕተ ናይ መጀመርታ ምዕራፋት እታ መጽሓፍ ምስኡ ተመያየጠለን።

4. ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሎም እንኽእል መን ኣለዉ፧

4 ነዚ ኣቀራርባ እዚ ተጠቒምና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመን ክንጅምረሎም ንኽእል፧ መሳርሕትኻ: መማህርትኻ: ከምኡውን ጐረባብትኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ ኪገብሩ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣሕዋት: ንዘይኣመንቲ ሰብኡት እተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ኣሓት ኬዘራርብዎም ይኽእሉ እዮም። ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማድካ እውን ኣይትረስዓዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን: ነቶም ናብ ጉባኤ ኣዘውቲሮም ዚመጹ ዝነበሩ: ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድሞም ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። (ሉቃ. 15:3-7) ንዅሎም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ካብቲ በጃ ምእንቲ ኺጥቀሙ ንሓግዞም።

5. ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ተገደስቲ ሰባትን ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኺካፈሉ ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧

5 ናይ ጉባኤ ኣኼባታት:- በዓል ዝኽሪ: ብዙሓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ተገደስቲ ሰባትን ንመጀመርታ ግዜኦም ዚካፈልዎ ኣኼባ እዩ። ስለዚ: ካብቲ ኻልእ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትና ምእንቲ ኺጥቀሙ ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧ ናይ ሚያዝያ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 8: እዚ ዚስዕብ ርእይቶ ትህብ:- “ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ዚቐርብ ህዝባዊ ዝርርብ ንገሮም። ኣብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዚውሰድ ጽሑፍ ሓብሮም። ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኸምኡውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እንታይ ምዃኑ ግለጸሎም። ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽፍሊ ምስ ዚህልወካ እውን ምስ ተመሃሮኻ ዄንካ ኽትለማመደሉ ትኽእል ኢኻ። ገለ ኻብቲ ኣብ ጉባኤ ዝቐረበ ጕሉሕ ነጥብታት ምስኦም ተመያየጠሉ። ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ስእልታት ተጠቒምካ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ንጥፈታት ኣብ ኣእምሮኦም ኪስእልዎ ሓግዞም። ካብታ ፈለማ መጽናዕቲ ዝጀመሩላ ግዜ ኣትሒዝና ናብ ጉባኤ ኺመጹ ንዓድሞም።”

6. ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብቲ በጃ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኽንሕግዞም እንኽእል በየናይ ክልተ መገድታት እዩ፧

6 ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣዘውቲሮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዚገብሩን ኣኼባታት ምስ ዚካፈሉን: መብዛሕትኡ ግዜ ቐልጢፎም እዮም መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩ። ስለዚ እምበኣር: ካልኦት ካብዚ መንፈሳዊ ምድላዋት እዝን ካብቲ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃን ምእንቲ ኺጥቀሙ ነተባብዓዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ