ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/06 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 13 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 20 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 27 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 3 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 3/06 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

13 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11 (85)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ ተጠቒምካ: ነተን ናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ጥሪ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ መዛዘሚ ናይ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: እቲ ኣስፋሒ ናይ በዓል ዝኽሪ ወረቐት ዕድመ ተጠቒሙ ነቲ ብዓል ቤት ናብ በዓል ዝኽሪ ኸም ዚዕድሞ ግበር።

15 ደቒቕ:- “ካልኦት ካብቲ በጃ ኺጥቀሙ ሓግዞም።” እዛ ቐጺላ እትቐርብ ክፍሊ: ኣብ ገጽ 206-8 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ ሓሳባት ተጠቒምና ብኸመይ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድሞም ከም እንኽእል ክትገልጽ እያ።

20 ደቒቕ:- ድራር ጐይታ​—⁠ንኣምላኽ ዜኽብር በዓል። ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 206-8 ተመርኲስካ ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ነቲ ናይ መእተዊ ሕጡብ ጽሑፍ ብምንባብ ብኸመይ ነቲ ብዓል ቤት ምስቲ ኣርእስቲ ኸም እተላልዮ ኣርኢ። ብድሕሪኡ ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ከየንበብካ ሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪምልሱ ዓድሞም:- (ሕጡብ ጽሑፍ 2) የሱስ ንዝኽሪ ሞቱ መዓስ እዩ ኣቚምዎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 3) ድራር ጐይታ ኽንደይ ሳዕ እዩ ኺበዓል ዘለዎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4) መጽሓፍ ቅዱስ ንበዓል ዝኽሪ ብኸመይ እዩ ዚገልጾ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5) የሱስ ነቲ እንጌራ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋኡ: ነቲ ወይኒ ድማ ናብ ደሙ ኸም ዘይቐየሮ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6) እቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7) እቲ ቐይሕ ወይኒ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8) ካብቲ ቕጫን ወይንን መን ጥራይ እዩ ኺወስድ ዚግብኦ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9) በዓል ዝኽሪ መዓስ እዩ ዚበዓል: ኣብኡ ኽንርከብ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧ ግዜ ኸም ዜፍቅዶ ነቲ ቐንዲ ጥቕስታት ኣጕልሓዮ። ነቲ ሕጡብ ጽሑፋት ብምንባብ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብምምይያጥ: ከምኡውን ከምቲ ኣብዛ ኽፍሊ እዚኣ ዘሎ ቐሊል ሕቶታት ብምሕታት ምስቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ኣብ በዓል ዝኽሪ ንኺመጹ ዚዕድምዎም ሰባትን ኬጽንዕዎ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

20 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 15 (127)

10 ደቒቐ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብታ “ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪ” እትብል ሳጹን ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት ድገሞ።

23 ደቒቕ:- ክርስቶስ ኣብ ምድላዋት ኣምላኽ ዘለዎ ግደ። ኣብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 10-13 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ነተን ኣብ ትሕቲ እታ “ግደ ክርስቶስ እንታይ እዩ፧” እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘለዋ ቐዳሞት ክልተ ሕጡብ ጽሑፋት ክትመያየጠለን ከለኻ: ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ደቒቕ ነቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ሓሳባትን መርኣያን ኣቕርብ። ነቲ ኣብ ናይ ለካቲት 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 3 ቍ. 3 ዘሎ ሓሳባት ደጊምካ ርኣዮ።

12 ደቒቕ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ብምምርማር ምጽናዕ። ኣብ መቕድም እታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር​—⁠2006 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን መርኣያን። ሓንቲ ስድራቤት ናይታ መዓልቲ ዕለት ጥቕሲ ኸተንብብን ክትመያየጠሉን ከላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

27 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16 (143)

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ መጋቢት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከምኡውን ካብ ማሕበር እተላእከ ናይ ምስጋና ደብዳበ ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ንተገደስቲ ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል እውን ኣርኢ።

15 ደቒቕ:- ሓድነት ኣሕዋት ኣይተናወጸን። ኣብ ዓንቀጻት ንቕሑ! ተመርኲሱ ሓደ ሽማግለ ዘቕርቦ መደረ። እቲ ተዛረባይ ነቲ ብ31/01/06 ኣብ እተላእከት ደብዳበ ተሓቢሩ ዘሎ ብኣምሓርኛ ዚርከብ መወከሲታት ክጥቀም ይኽእል እዩ። ንመእተዊ ኻብ ናይ g3/22/02 ገጽ 9 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3 (እንግሊዝኛ) ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ውሰድ። ቀጺልካ ነቲ ኣብ ገጽ 6 እዛ ሕታም እዚኣ ዘሎ ሳጹን ተጠቒምካ: ኣብቲ ሓደጋ ኼጋጥመሉ ዚኽእል ከባቢታት ኣቐዲምካ ጥንቃቐ ምግባር ነቲ ኼስዕቦ ዚኽእል ጕድኣት ወይ መቝሰልቲ ብኸመይ ክንክዮ ኸም ዚኽእል ግለጽ። (ካብቲ ኣብ g12/22/87 ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 1-4 [እንግሊዝኛ] ተጠቒሱ ዘሎ: ብፍላይ ከኣ ነቲ ምርዓድ ከም ዘየድሊ ዝገልጽ ሓሳባት ኪውሰድ ይከኣል እዩ።) ካብ g11/8/85 ገጽ 26-27 (እንግሊዝኛ) “Help Needed Fast!” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ: g9/8/00 ገጽ 27 (እንግሊዝኛ) ከምኡውን g02 1/8 ገጽ 24-27 [g10/22/01 ገጽ 24-27 እንግሊዝኛ] ተመርኲስካ ጓሶት (ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ: ካልኦት ሽማግለታት: ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ: ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚዓዩ ኣሕዋት) ብዛዕባ ድሕነት ኣሕዋትና ኣብ ምሕላይ እንታይ ግደ ኸም ዘለዎም ኣጕልሕ። እቶም ኣሕዋት ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ምስ ሽማግለታቶም: ቀጺሎም ከኣ ምስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብምርኻቦምን ዘርኣይዎ ጥበብን ስርዓትን ከምኡውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት እውን ከይተረፈ ንኻልኦት ምምስካሮምን ነቶም ዜድልዮም ምጽንናዕ ምሃቦምን ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኸም ዝነበረ ኣጕልሓዮ። መብዛሕትና ብብሕቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እኳ እንተ ዘየጋጠመና እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ካልእ ኣሸጋሪ ዅነታት ኪጠቕመና ኸም ዚኽእል ብምጥቃስ ደምድም።

18 ደቒቕ:- ኣብታ ኣብ ለካቲት 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትርከብ “ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ” እትብል ኣርእስቲ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።

መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

3 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

22 (130)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። “ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጽናዕና ተሓጐስ” እትብል ኣብ ናይ ለካቲት 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ዝወጸት ዓንቀጽ ኣሕጽር ኣቢልካ ጥቐስ። ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ ዚጽናዓሉ መደብ ከም ዜቕልቡ ግበር። ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ንተገደስቲ ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል እውን ኣርኢ።

15 ደቒቕ:- ኣብታ ጉባኤ እተረኽበ ተመክሮታት። ሰማዕቲ ኣብ መጋቢት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኪዕድሉ ኸለዉ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ከዘንትዉ ዓድሞም። እተጀመረ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተልዩ ኣጕሊሕካ ኣቕርቦ። ሓደ ወይ ክልተ ብሉጽ ተመክሮታት ብመርኣያ መልክዕ ኪቐርብ ይኽእል እዩ።

20 ደቒቕ:- “ንትሑታት ብመገዲ ኣምላኽ ኪመላለሱ ምሃሮም።”* ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16 ቍጽሪ 9 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 20 (93)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ