መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕ.
“ብዙሓት ሰባት ‘ኣርማጌዶን’ እትብል ቃል ኪሰምዑ ኸለዉ: ዜስካሕክሕ ጃምላዊ ህልቂት እዩ ቕጅል ዚብሎም። [ኣብ ገጽ 3 ዘላ ሳጹን ኣርኢ።] ኣርማጌዶን ሓንቲ ኻብቲ ኼጋጥመና ዘለዎ ዝበለጸ ነገራት ምዃና ኽትፈልጥ ከለኻስ ኣይትግረምንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኸምዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ትገልጽ።” 2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ።
Awake! Dec. 8
“ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍና ምሹእ መንበሪ ቤት እንውንነሉ ግዜ ኽነግረካ እየ ደልየ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት መንበሪ ገዛ ዘይብሎም ምዃኖምሲ ዜሕዝንዶ ኸይኰነ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ኢሳይያስ 65:21, 22 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ጠንቂ ስእነት ኣባይቲ እንታይ ከም ዝዀነ ትምርምር። ኣምላኽ ነዚ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ትንቢት ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ እውን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ታሕ.
“ብዙሓት ሰባት: በዓላት ናብ ንግዳዊ ንጥፈታት ምቕያሩ የተሓሳስቦም እዩ። እዝስ ዕላማኡ ዝሰሓተዶ ኣይመስለካን፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ በዓላት ብኸመይ ናብዚ ዘለዎ ደረጃ ኸም እተለወጠ ትምርምር። ንኣምላኽን ክርስቶስን ብኸመይ ብሓቂ ኸነኽብሮም ከም እንኽእል እውን ትገልጽ።” ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።
Awake! Dec. 22
“85 ዓመት ኣቢሉ ይገብር: ሓደ ተመሓላላፊ ሕማም ኣብ ውሽጢ 24 ሰሙን ካብቲ ሕማም አይድስ ኣብ ውሽጢ 24 ዓመት ዝቐተሎም ሰባት ንላዕሊ ቐዘፈ። ገለ ሰባት ነዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝኸፍአ መቕዘፍቲ ኢሎም ይጽውዕዎ። ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ኺበሃል ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከም ብሓድሽ ኬጋጥም ተኽእሎ ምህላዉን ዘይምህላዉን ትምርምር። ተስፋ ኸም ዚህልወና እውን ትገብር።” ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።