ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/06 ገጽ 7
  • ንየሆዋ ተጸበዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ተጸበዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመንፈስ እንምገበሉን እንሕጐሰሉን ኣጋጣሚ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ክብረት ብምንጽብራቕ ንክርስቶስ ስዓቦ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ኣብ ዓብዪ ማሕበር ንየሆዋ ኣመስግኖ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ኣኼባታት ኣውራጃ—ብታሕጓስ ኣምልኾ እነቕርበሉ እዋን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 9/06 ገጽ 7

ንየሆዋ ተጸበዮ

1. ኣርእስቲ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ እንታይ እዩ፧ እዋናዊ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

1 ኢሳይያስ: “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ: እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዅላቶም ብጹኣን እዮም” ብምባል ጸሓፈ። (ኢሳ. 30:18ለ) ኣምላኽ: ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ፍርዲ ኸም ዘውረደን ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዘድሓነን ዚገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ሎሚ ንኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈሎም፧ ነታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ተቐሪብና ምእንቲ ኽንጸንሓ ሕጂ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ዮኤ. 2:31, 32) እቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ: ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ክንሓስበለንን ርእስና ኽንምርምርን ኬለዓዕለና እዩ። ንየሆዋ ኽንጽበዮ እውን ኪሕግዘና እዩ።

2. ንኣኼባ ኣውራጃ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

2 ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትካፈልን ካብኡ ኽትጥቀምን ምድላዋት ጌርካዶ፧ ንኣብነት: ኣስራሒኻ ኣብቲ ኣኼባ ንኽትካፈል ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ኺህበካ ሓቲትካዮዶ፧ እዚ ብኣጋጣሚ ኪዀነልካ ኣይትጸበ። ብዛዕባ እዚ ናብ የሆዋ ጸሊ። ብድሕሪኡ: ንኣስራሒኻ ፍቓድ ኪህበካ ሕተቶ። (ነህ. 2:4, 5) ኣብ ርእሲ እዚ ንመጓዓዝያ: መደቀሲ: ከምኡውን ካልእ ኣገዳሲ ነገራት ዚምልከት ምድላዋት ንምግባር እውን ኣይትደንጒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ መደባት ምግባር: ነቲ የሆዋ ዚሰርዓልና መንፈሳዊ ድግስ ዓሚቝ ሞሳ ኸም ዘሎና ዜንጸባርቕ እዩ። ሽማግለታት ነቶም ንኣኼባ ኣውራጃ ዚምልከት ምድላዋት ኣብ ምግባር ሓገዝ ዜድልዮም: ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣረጋውያን ንምሕጋዝ ንቑሓት ኪዀኑ ይግባእ።—ገላ. 6:10

3. ህዝቢ የሆዋ ኣብታ ዓብዪ ኣኼባ ዝካየደላ ኸተማ እንታይ ባህርያት እዮም ኬንጸባርቑ ዘለዎም፧

3 ጽቡቕ ጠባይ ንኣምላኽ የኽብር:- ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብብዝሒ ኽንእከብ ከለና: እቲ እነርእዮ ጽቡቕ ጠባይ ነቲ ማሕበረሰብ ምስክርነት ይህብ እዩ። ካባና እንታይ እዩ ዚድለ፧ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ኸባቢ ዘሎ ሆቴላት: ኣብያተ ምግቢ: ከምኡውን ካልእ ናይ ስራሕ ቦታታት ዚሰርሑ ሰባት: በቲ ኸም እኒ ዓቕሊ: ህድኣት: ይኣኽለኒ ምባል: ከምኡውን ለውሃት ዝኣመሰለ እነርእዮ ክርስትያናዊ ጠባያት ባህ ከም ዚብሎም ክንገብር ይግባኣና። (ገላ. 5:22, 23፣ ፊል. 4:5) ኵላትና ነታ ‘ዘይተስተሓፍር: ናታ ዘይትደሊ: ዘይትምረር’ ፍቕሪ ኸነንጸባርቕ ኣሎና። ዋላውን ገለ ገለ ጸገማት ወይ ዘይምርድዳእ እንተ ኣጋጠመ: ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ’ ኢና እንደሊ።—1 ቈረ. 10:31፣ 13:5

4. ወለዲ: ውሉዳቶም ብጠባዮም ንየሆዋ ኬኽብሩ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

4 መንእሰያትና ዜርእይዎ ጽቡቕ ጠባይ ወለዲ ንደቆም ብጽቡቕ ከም ዜሰልጠንዎምን ከም እተቘጻጸርዎምን ዜርኢ እዩ። ወለዲ ንደቆም ብዘይቍጽጽር ንበይኖም ኪገድፍዎም ጥበባዊ ኣይኰነን። ውሉዳት ኵሉ ግዜ ግቡእ ቍጽጽር ኪግበረሎም ኣለዎ። (ምሳ. 29:15) ውሉዳትና ብጽቡቕ ጠባዮም ንየሆዋ ዜኽብሩን ንልቡ ዜሐጕሱን ይኹኑ!—ምሳ. 27:11

5. ንየሆዋ ብኽዳንናን ብትርኢትናን ከነኽብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ሕንኪ ዘለዎ ኽዳንን ትርኢትን:- ኵላትና ፋሽን ዚኽተል: ሕሉፍ: ሕንኪ ዘይብሉ: ወይ ወጃሃላይ ኣካዳድና ብምርሓቕ ሰባት ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ኣኼባ ኸም ዚምሰጡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። እዚ ናብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ኽንከይድን ክንምለስን ከሎና: ነቲ ኣኼባ ዚካየደሉ ቦታ ንምድላው ክንዓዪ ኸሎና: ከምኡውን ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ዚውዕል እዩ። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን: እቲ ቐንዲ ኼገድሰና ዘለዎ ነገር ስምን ክብርን የሆዋ ደኣ እምበር ብሕታዊ ምርጫናን ጣዕሚ ገዛእ ርእስናን ኪኸውን የብሉን። ርእሲ ስድራቤታት: ኵሉ ግዜ ትርኢት ስድራቤቶም ሕንክን ምቕጻዕ ነፍስን ከም ዜንጸባርቕ ኬረጋግጹ ኣለዎም።—1 ጢሞ. 2:9

6. ኣብ እነዕርፈሉ እዋን ከምቲ ኣብ እዋን ኣኼባ እንኽደኖ ምዕሩግ ትርኢት ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

6 ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘሎ ናይ ዕረፍቲ ግዜና ናብ ሆቴላት: ድኳናት: ከምኡውን ኣብያተ-ምግቢ ኽንከይድ ከሎና እውን ምዕሩግ ትርኢት ኪህልወና ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኽንምገብ ኣብ እንወጸሉ እዋን ከምቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝለበስናዮ ኽዳን ምልባስ ግቡእ እዩ። ባጅ ካርድ እቲ ኣኼባ ምግባር ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 6:3, 4

7. ንስርዓትን ሓጐስን እቲ ኣኼባ ኣስተዋጽኦ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (“መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ” ርአ።)

7 ኢሳይያስ: “እግዚኣብሄር: ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ: ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 30:18ሀ) ነቲ የሆዋ ዜርእየና ምሕረትን ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ዘሎና ሞሳ: ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ብሓባር ክንእከብ ከሎና ብጠባይናን ብትርኢትናን ንኸነኽብሮ ኼለዓዕለና ይግባእ። እቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ: ንኣምላኽ ዜኽብርን ንዕኡ ኣብ ምጽባይ ዚሕግዘናን ይኹን!

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ

◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ:- እቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:30 ቅ.ቐ. እዩ ዚጅምር። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቕ.ቐ. ኪኽፈት እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሙ: መእተዊ ሙዚቃ መንግስቲ ኣምላኽ እናተሰምዐ እቲ ኣቦ መንበር ኣብቲ መድረኽ ኮፍ ኪብል እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅምር: ኣብቲ ግዜ እቲ ዅላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርቢ 5:15 ድ.ቐ.: ቀዳም 5:05 ድ.ቐ. ከምኡውን ሰንበት 4:10 ድ.ቐ. ኺዛዘም እዩ።

◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ:- ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻትኩም ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳኻትኩም ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።

◼ ምሳሕ:- ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ: በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ጠራሙዝ: ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።

◼ ወፈያታት:- ኣኼባ ኣውራጃ ንምድላው ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዚግበር። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ብቸክ እተዋህበ ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ን“የይሖዋ ምሥክሮች” ኪለኣኽ ኣለዎ።

◼ ሓደጋታትን ድንገተኛ ዅነታትን:- ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ ቦታ ንሕክምና ዚምልከት ድንገተኛ ዅነታት እንተ ተላዒሉ: በጃኹም ነቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ኣአንጋዲ ንገርዎ። ንሱ ድማ ብኡንብኡ ነቶም ክፍሊ ቐዳማይ ረድኤት ኬፍልጦም እዩ።

◼ ምቕዳሕ:- ዝዀነ ይኹን መቕድሒ መሳርሒ: ምስቲ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ናይ ኤለክትሪክ ኰነ ናይ ድምጺ ገመድ ኪተሓሓዝ የብሉን። ንኻልኦት ብዘይርብሽ መገዲ ጥራይ ከኣ ኢና ኽንጥቀመሉ ዚግባእ።

◼ ምስኣል:- ክትስእል እንተደኣ ደሊኻ: ኣብ መንጎ እቲ ኣኼባ ማሕታ ኽትጥቀም ኣይግባእን።

◼ ሞባይል ተሌፎን:- እዚ ምእንቲ ኸይርብሽ ድምጹ ኺጠፍእ ኣለዎ።

◼ ተኸታተሎ እትበሃል ፎርም:- እታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም: ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። እዛ ፎርም እዚኣ ኻብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዘሎ ኽፍሊ መጻሕፍቲ እውን ክትርከብ ትኽእል እያ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ ምእንቲ ኺከታተልዎ ናብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚርከብ ክፍሊ መጻሕፍቲ ወይ ናብ ጉባኤ ምስ መጻኻ ነቲ ናይ ጉባኤኻ ጸሓፊ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።—ናይ ለካቲት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ