ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/03 ገጽ 1
  • ቤትካ ንኽንጥቀመሉ ፍቓደኛ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቤትካ ንኽንጥቀመሉ ፍቓደኛ ዲኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ንምንታይ የድልየና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ብኸመይ ይሕግዘና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 2/03 ገጽ 1

ቤትካ ንኽንጥቀመሉ ፍቓደኛ ዲኻ፧

1 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ኣባይቶም ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከገልግል ፍቓደኛታት ኰይኖም ነይሮም። (1 ቈረ. 16:19፣ ቈሎ. 4:15፣ ፊሞ. 1, 2) ኣብዚ ግዜና ኣብ ገሊአን ጉባኤታት ንጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍን ንናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታትን ዘገልግል እኹል ቦታታት የለን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ገሊአን ጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍ ከምቲ ግቡኡ 15 ኣቢሉ ዘይኰነስ 30 ወይ ካብኡ ዝዛይዱ ተኣከብቲ ኣለዉወን።

2 ፍሉይ መሰል:- ቤትካ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክግበረሉ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ እኹል ስፍሓት ዘለዎ: ጽሩይ: ዝኣክል ብርሃን ዝኣትዎ: ከምኡውን ዘይተዓፈነ ኽፍሊ ነዚ ዕላማ እዚ ኸገልግል ይኽእል እዩ። ትምህርቲ መጽሓፍ ሓደ ኻብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስለ ዝዀነን የሆዋ ንህዝቡ ንምምሃር ዝገበሮ ምድላው ብምዃኑን: ኣብ ቤትካ ትምህርቲ መጽሓፍ ምስ ዝግበር ንዓኻ ፍሉይ መሰል እዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ቤቶም ነዚ ኣገልግሎት እዚ ብምውዓሎም ብመንፈስ ከም እተጠቕሙ ይገልጹ።

3 ቤትካ ነዚ ዘማልእ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ: እዚ ንሽማግለታት ኣፍልጦም። ምናልባት ተወሳኺ መአከቢ ቦታታት የናድዩ ይህልዉ ይዀኑ። ኣብ ቤትካ ትምህርቲ መጽሓፍ ክግበር ዘይክኣል እንተደኣ ዀይኑ: ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባኸ ክግበርዶ ይከኣል፧ ኣብዚ ግዜ እዚ ሓድሽ መአከቢ ቦታ ዋላ እውን እንተ ዘይተደልየ: እቶም ሽማግለታት ቤትካ ንመአከቢ ኸም እተፍቅድ ምፍላጦም የማስዉሉ እዮም። ኣብ መጻኢ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

4 ጠባይ ምግባር:- ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኽንእከብ ከሎና: ኵላትና ተኣከብቲ ንንብረት እቲ በዓል ቤት ክንጥንቀቕ ይግባእ። ወለዲ ንደቆም ካብቲ ንኣኼባ ክኸውን እተዋህበ ቦታ ወጻኢ ኸይዶም ኣብ ናይ ብሕቲ ኽፍልታት ንኸይኣትዉ ኽቈጻጸርዎም ኣለዎም። ንጐረባብቲ እውን ከይነሸግሮም ክንሓሊ ኣሎና።​—⁠2 ቈረ. 6:​3, 4፣ 1 ጴጥ. 2:12

5 እብራውያን 13:16 “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ብምባል ተተባብዓና እያ። ቤትካ ንናይ ጉባኤ ኣኼባ ኸገልግል ምፍቃድ ንኻልኦት ሰናይ ነገር እተማቕለሉ ሓደ መገዲ እዩ: ‘ብጥሪትካ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ተኽብሮ።’​—⁠ምሳ. 3:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ