መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ብጥንቃቐ ተመላለስ
1 ቃል ኣምላኽ ንመዓልቲ የሆዋ “ኸም ሰራቒ” ማለት ብሃንደበት ሰላሕ ኢላ ኸም እትመጽእ ገይሩ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጻ። (1 ተሰ. 5:2፣ ማቴ. 24:43፣ 2 ጴጥ. 3:10፣ ራእ. 3:3፣ 16:15) በዚ ምኽንያት እዚ የሱስ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” በለ። (ማቴ. 24:44) እታ መዓልቲ ኽትቀርብ ከላ ብመንፈሳዊ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መልሲ ናይዚ ኣብቲ “ርእስኹም ግትኡ” ዝብል ብጥንቃቐ ንኽንነብር ዝምሕጸን መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ይርከብ እዩ።—1 ጴጥ. 4:7
2 ብጥንቃቐ ምምልላስ ክበሃል ከሎ ንነገራት ብዓይኒ የሆዋ ምርኣይ እውን ዘጠቓልል እዩ። (ኤፌ. 5:17) ኣብዚ ኣገባብ እዚ ንገዛእ ርእስና “ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን” ጌርና ንኽንርእያ ይሕግዘና። (1 ጴጥ. 2:11) ብሓቂ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ንኸነስተውዕል: ቀዳምነት ክወሃቦ ንዝግባእ ቀዳምነት ንኽንህብ: ከምኡውን ጽቡቕ ውሳነ ንኽንገብር የኽእለና።—ፊል. 1:10
3 መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ:- መንፈሳዊ ሸቶታት ምስ እነውጽእን ዘውጻእናዮ ሸቶ ምስ እንወቅዕን ጥንቁቓት ንኽንከውን የኽእለና። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘውጻእካዮ መንፈሳዊ ሸቶ ኣሎካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ንምንባብ: ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብ: ነፍሲ ወከፍ ሕታም መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንምንባብ: ወይ ኣብ ኣገልግሎት እተበርክቶ እጃም ንምዝያድ ትጽዕርዶ ኣሎኻ፧ ምሳኻ ዝሰማማዕ ሸቶ እንተ ኣውጺእካ: ኣብ ሸቶኻ ክትበጽሕ እንተ ጽዒርካ: ከምኡውን የሆዋ ጻዕርታትካ ንኽባርኾ እንተ ጸሊኻ: በቲ እትረኽቦ ፍረ ኽትድነቕ ኢኻ።
4 ሓደ ግዜ ሓደ ሽማግለ ንኽልተ መንእሰያት ሰብ ሓዳር ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታቶም ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ናብርኦም ቀሊል ብምግባርን ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ብዘይምእታውን: ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ኸም ዝኽእሉ ኣስተውዓሉ። ነዚ ኸኣ ሸቶኦም ገበርዎ። ተጊሆም ዕዳኦም ከፈሉ: ግዜኦምን ጕልበቶምን ዝወስድ ዝነበረ ዘየድሊ ንጥፈታት ዝንክዩሉ መገድታት ከኣ ረኸቡ። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ሸቶኦም ወቕዑ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሎም፧ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ሸቶታት እንተ ዘይነውጽእ ኔርና ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ኣይምበጻሕናን። ሕጂ ዝያዳ ሓጐስ ኣሎና። ህይወትና ዝያዳ ህድኣት ዝመልኦን ዝሓሸን ኰይኑ። ናይ ሓቂ ትርጕምን ዕላማን ህይወት ኣሎና።”
5 መዓልቲ የሆዋ ኽንጽበ ኸሎና: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እናኣተኰርና ብጥንቃቐ ብምምልላስ ብመንፈሳዊ መዳይ ወትሩ ድሉዋት ንኹን።—ቲቶ. 2:11-13