ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
10 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ኵላቶም ነቲ 24 ለካቲት ኣብ እትጅምር ሰሙን ዝውሰድ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ተዳልዮም ምእንቲ ኽመጹ: ነታ ፈይዝፉል ኣንደር ትሪያልስ—ጂሆቫስ ዊትነስስ ኢን ዘ ሶቭየት ዩንየን ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኽርእዩ ኣተባብዓዮም። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ናይ 1 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ናይ ጥቅምቲ-ታሕሳስ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ።
35 ደቒቕ:- “ስበኽ: ምሉእ ምስክርነት ድማ ሃብ።” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ። ዝኽእሉ ዘበሉ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ኣተባብዓዮም። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ዝኽሪ በዓል ወቕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓሳብ ክህቡ ሕተቶም። ሓገዝቲ ፓይነራት ንክዀኑ መደባቶም ዘተዓራረዩ ብኸመይ እዮም፧ እንታይ ጻዕርን ምትዕርራይን እዩ ኣድልይዎም፧ እንታይ ሓጐስን በረኸትን እዮም ረኺቦም፧ ነቲ ኣብ ገጽ 4 ኣብ ዝርከብ ሳጹን ዘሎ መርኣያ ዝኸውን መደባት ግለጾ። እቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝደልዩ ድሕሪ እቲ ኣኼባ መመልከቲ ወረቐት ክረኽቡ ኸም ዝኽእሉ ሓብር።
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
17 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝዕደል ጽሑፍ ሓብር። ካብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ነጥብታት መጽሓፍ ፍልጠት ንምዕዳል ዝጠቕመና ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ጥቐስ። ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ናይ ምርካብ ሸቶ ኣጕልሕ።
15 ደቒቕ:- “ቤትካ ንኽንጥቀመሉ ፍቓደኛ ዲኻ፧” ብናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ዝቐርብ ዝርርብ። ካብቲ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ሕቶ ሳጹን እውን ሓሳባት ኣቕርብ። ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍ ክንደይ ምዃነን ከምኡውን ብዝሒ ገምጋም ተኣከብቲ ጥቐስ። ኣብ ቤቶም ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበር ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ንሳቶምን ስድራቤቶምን ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኸም ዝገልጹ ግበር። ቤቶም ንትምህርቲ መጽሓፍ ከገልግል ፍቓደኛ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኸፍልጥዎ ኣለዎም።
20 ደቒቕ:- “ቀዳምነት እትህቦ እንታይ እዩ፧” ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ተሳትፎ ምእንቲ ኽህልዎም ኵነታቶም ብኸመይ ከም ዘተዓራረዩ ሓሳባት ምእንቲ ኽህቡ ኣቐዲምካ ኣዳልዎም።
መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን
24 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ለካቲት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ናይ 15 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ከም እትዕደል ዘርኢ መርኣያ ከም ዝቐርብ ግበር።
10 ደቒቕ:- “ኣብቲ ዝድለ እዋን እተረኽበ ሓገዝ።” ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ነቶም ዝዛሕተሉ ንምሕጋዝ ዝግበር ሓገዝ: የሆዋ ንዓታቶም ዘለዎ ሓልዮት ከም ዘንጸባርቕ ኣጕልሕ።
25 ደቒቕ:- “ምስትውዓል እትህብን እተነቓቕሕን ቪድዮ!” በቲ ቐሪቡ ዘሎ ሕቶታት ጌርካ ብቐጥታ ብዛዕባ እታ ፈይዝፉል ኣንደር ትሪያልስ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ምይይጥ ግበር። ኣብታ ናይ መወዳእታ ሕቶ ብዙሕ ሓሳባት ምእንቲ ኽወሃብ ተጠንቂቕካ ነቲ ግዜ ኣመቓርሓዮ። ነቲ ኣብ ገጽ 192 ናይታ ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ሳጹን ብምዝንታው ዛዝም።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
3 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10 (82)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነታ “ንኣብያተ-መጻሕፍቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝምልከት እተገብረ ሓድሽ ምድላው” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርባ። ዓቃቢ ናይቲ ኣብ ናትኩም ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ መን ምዃኑ ጥቐስ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
20 ደቒቕ:- “መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ብጥንቃቐ ተመላለስ።” ቍጽሪ 3-4 ክትመያየጡለን ከለኹም: ኣስፋሕቲ ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ መንፈሳዊ ሸቶ ይስዕቡ ኸም ዘለዉ ኽነግሩኹም ሕተቶም። ነቲ ኣብታ ዎርሽፕ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 176 ዝርከብ ሓሳባት እውን ኣቕርብ።
መዝሙር 15 (127)ን መዕጸዊ ጸሎትን