ብኸመይ ከም እትሰምዕ ጥንቃቐ ግበር
ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ዓበይቲ ኣኼባታት: ከምኡውን ኣሰምብሊታት ክትካፈል ከሎኻ ተጠንቂቕካ ክትሰምዕ የድልየካ። (ሉቃ. 8:18) ናይ ምስማዕ ክእለትካ ብኸመይ ከተመሓይሾ ትኽእል፧
◼ ቅድሚ ኣኼባታት ከቢድ ምግቢ ኣይትብላዕ።
◼ ኣእምሮኻ ከይኵብልል ከልክሎ።
◼ ካብቲ ቀንዲ ነጥብታት ሓጺር መዘኻኸሪ ውሰድ።
◼ ጥቕስታት ክንበብ ከሎ ገንጺልካ ተኸታተል።
◼ ኣጋጣሚ ክትረክብ ከሎኻ ተሳተፍ።
◼ ነቲ ዝቐረበ ትምህርቲ ኣስተንትነሉ።
◼ ነቲ ዝሰማዕካዮ ኣብ ግብሪ እተውዕለሉ መገዲ ሕሰብ።
◼ ነቲ እተማሃርካዮ ተመያየጠሉ።
ካብታ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ መጽናዕቲ 5 ርአ።