ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/00 ገጽ 7
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰላምን ንጽህናን እታ ጉባኤ ንሓሉ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ወትሩ ተግሳጽ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ነቲ ናይ የሆዋ ምሕረት ቅድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ሓጥኣን ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ተንጸባርቖ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 2/00 ገጽ 7

ሕቶ ሳጹን

◼ ሓደ እተወገደ ወይ ርእሱ ፈልዩ ዝነበረ ሰብ ከም እተመልሰ ምልክታ ክንገር ከሎ ምጥቓዕ ግቡእ ድዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕራዊ ሕያውነቱ ገይሩ እተናስሑ በደልቲ: ሞገሱ እንደገና ዝረኽቡሉን ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝምለሱሉን ቅዱስ ጽሑ​ፋዊ መገዲ ኣዳልዩ ኣሎ። (መዝ. 51:​12, 17) እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ነዞም ካብ ልቦም እተመልሱ ሰባት ፍቕርና ከነረጋግጸሎም ምትብባዕ ይወሃበና ኢዩ።​—⁠2 ቈረ. 2:⁠6-8

ሓደ ዘመድና ወይ እንፈልጦ ሰብ ክምለስ ከሎ ኣጸቢቕና እኳ እንሕጐስ እንተዀንና: እቲ ሰብ ከም እተመልሰ ኣብ ጉባኤ ምልክታ ኣብ ዝንገረሉ እዋን ግን ግቡእ ኣገባብ ክንሕሉ ኣሎና። ናይ 1 ጥቅምቲ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ: ኣብ ገጽ 17 ነዚ ጕዳይ እዚ ከምዚ ኢላ ትገልጾ:- “መብዛሕትኦም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት እቲ ንሓደ ሰብ ካብ ጉባኤ ኣብ ምውጋድን ኣብ ምምላስን ዘብጽሖ ነገር እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጡ ምዃኖም ክንዝክር ይግብኣና። ኣብ ርእሲ እዚ ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ብእከይ ናይቲ ዝናሳሕ ዘሎ ሰብ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ተጠቒዖም ወይ ተጐዲኦም ይዀኑ ኢዮም: እዚ ኸኣ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ክኸውን ይኽእል። እዞም ሰባት እዚኣቶም በዚ ከምዚ ዝበለ ነገራት ተጐዲኦም ስለ ዘለዉ እምብኣር እቲ እተናስሐ ሰብ ከም እተመልሰ ክንገር ከሎ ብብሕትና ክንገልጸሉ ክሳዕ እንኽእል: ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ መግለጺታት ካብ ምግባር ከም እንቑጠብ ርዱእ ኢዩ።”

ሓደ ሰብ ናብ ሓቂ ክምለስ ከሎ ምርኣይ ኣጸቢቑ ዘሐጕሰና እኳ እንተዀነ: ከም እተመልሰ ወይ ከም እተመልሰት ምልክታ ክንገር ከሎ ምጥቓዕ ግን ግቡእ ኣይኰነን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ