ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/00 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 2/00 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ኵሉ እቲ ከም መንግስትኻ ትምጻእ: ድሕነት: ንእስነትካ: ናብራ ስድራቤት: ኣምልኾ: ከምኡውን ዘለኣለማዊ ዕላማ ዝኣመሰለ ናይ ቀደም ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ተዓዲሉ ምስ ተወድአ መጽሓፍ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ምዕዳል ይከኣል ኢዩ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ሚያዝያን ግንቦትን:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት። እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ክትዕድላ ምሳኻ ተማላኣያ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከኣ ጻዕሪ ግበር።

◼ ናይዚ ዓመት እዚ ፍሉይ ዝርርብ “ንደቅ​ሰብ በጅነት ዘድልየሉ ምኽንያት” ዝብል ኢዩ። ሰንበት 16 ሚያዝያ 2000 ክወሃብ መደብ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ዝርርብ እዚ ነቲ ኣብታ እትቕጽል ረቡዕ ጸሓይ ምስ ዓረበት ዝግበር በዓል ዝኽሪ ጽቡቕ ገይሩ ከዳልወና ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ኣብ ግዜኡ ክለኣኽ ኢዩ። እተን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ሰሙን ንኽወሃብ መደብ ክገብራ ኣለወን።

◼ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን በዓላት ስለ ዘለወን: ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል ዝጥዕማ ኢየን። ኵሎም እቶም ሓጋዚ ፓይነር ኰይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ ካብ ሕጂ መደብ ክገብሩ ነተባብዖም።

◼ ምሕድግ ዝበለ ዞባ ንምሽፋን ፍሉይ ወፍሪ ክግበር ከሎ: ኣስፋሕቲ ኰኑ ፓይነራት እኹል ትራክትታት: ቅዳሓት ናይታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር: ከምኡውን መጽሓፍ ፍልጠት ሒዞም ክኸዱ ነተባብዕ። ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ንምሕጋዝ ናይ ቀደም መጻሕፍትን መጽሔታትን እውን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበር ምእንቲ ክከኣል ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ብግቡእ መዝግብዎም።

◼ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ደድሕሪ እተን ብሮሹራት እታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ክትጽናዕ ኢያ። እተን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘይብለን ጉባኤታት ከኣ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከብ ዓንቀጻት ከጽንዓ ኢየን።

◼ እቲ ጸሓፍን ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈት ክምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ኣብ 1 ጥቅምቲ ካብ ማሕበር ዝለኣኽ ዓመታዊ ደብዳበታት S-201 ርኣዩ። ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው (እንግሊዝኛ) ቍጽሪ 12-20 እውን ርኣዩ።

◼ ሽማግለታት ነቶም ምንባብን ምጽሓፍን ንኽምሃሩ ሓገዝ ዘድልዮም ኣስፋሕቲ ዝያዳ ክግደሱሎም ነተባብዖም። ነቲ ዘሎ ኣጋጣሚታት ምስቶም እቲ ጕዳይ ዝምልከቶም ተመያየጡሉ፣ ምስ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ድማ ተዘራረቡሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ