ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/8 ገጽ 4-7
  • በቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ተሓጐስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ተሓጐስ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ሽዑ ዝህሉ “ናይ ሓቂ ህይወት”
  • “ናይ ሓቂ ህይወት” ርግጽ ኢዩ —⁠ኣደልዲልካ ሓዞ!
  • የሆዋ ነቶም እሙናት መብጽዓታቱ ይፍጽመሎም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • የሆዋ ዕላማኡ ከም ዝፍጽም፣ ብኡኡ ተኣማመን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም
    ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም
  • ገነት እትኸውን ሓዳስ ዓለም ቀሪባ እያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/8 ገጽ 4-7

በቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ተሓጐስ

የሆዋ ኣምላኽ ንወድሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ዘለኣለምነት ኣስሪጽሉ ኢዩ። (መክብብ 3:⁠11) እዚ ግን ንደቅሰብ ኣብ ቅድሚ ሞት ተስፋ ኸም ዝቘርጹ ዝገብሮም እኳ እንተዀነ: ቀጻሊ ናይ ምንባር ድሌት ኣብ ውሽጦም ዘሕድር ኢዩ።

እቲ ኣምላኽ መንፈሱ ዘንፈሰሉ ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ተስፋ ኢዩ ዝህበና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) እቲ ቐንዲ ባህርዩ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ንወድሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ዘለኣለምነት ኣስሪጽሉ ኸብቅዕ ንሒደት ዓመታት ጥራይ ከም ዝነብር ገይሩ ክዅንኖ ዘይከውን ነገር ኢዩ። ብዕድልና ክንሳቐ ኢሉ ክፈጥረና ምስ ባህርይ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ኢዩ። ህላወና ልክዕ ከምታ “ንማእሰርትን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ” ኣይኰነን።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:⁠12

የሆዋ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ስምዒት ኣብ ውሽጦም ከም ዝሓድሮም ገይሩ ኽፈጥሮም ከሎ ንሓደ ኻብቲ “ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” እተባህለሉ ነገራት ኢዩ ዝፈጥር ነይሩ። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተኽእሎ ከም ዝህልዎም ገይሩ ኸኣ ፈጠሮም። (ዘፍጥረት 1:⁠31) እቲ ዘሕዝን ግን: እዞም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበ​ይትን እዚኣቶም ነቲ ፈጣሪ ዘውጽኦ ንጹር ሕጊ ካብ ምእዛዝ ብምስናፍን ነቲ ናይ መጀመርታ ፍጽምናኦም ከም ዝጠፍእ ብምግባርን ንናጻ ድሌቶም ብጌጋ ተጠቐምሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ናብ ደቆም ዘይፍጽምናን ሞትን ብምሕላፍ ንባዕሎም ግዳይ ሞት ኰኑ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠17፣ 3:⁠1-24፣ ሮሜ 5:⁠12

መጽሓፍ ቅዱስ ንዕላማ ህይወትን እንታይነት ሞትን ብሽፍንፍን ኣይኰነን ዝሓድጎ። ኣብ ሞት “ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ምዉታት እውን “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ብምባል ይገልጽ። (መክብብ 9:⁠5, 10) ብኻልእ ኣዘራርባ ሞት ክበሃል ከሎ ዘይምህላው ማለት ኢዩ። እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ⁠-​እምነት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይኰነ: ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ክግለጽ ዘለዎ እተሓላለኸ ምስጢር የለን።​—⁠ዘፍጥረት 3:19፣ መዝሙር 146:⁠4፣ መክብብ 3:⁠19, 20፣ ህዝቅኤል 18:⁠4a

ኣምላኽ ዕላማ ስለ ዝነበሮ ንምድሪ ‘ጥራያ ኽትከውን ኣይፈጠራን።’ “ማሕደር” እቶም ኣብ ገነታዊ ኵነታት ዝነብሩ ፍጹማት ሰባት ክትከውን ኢዩ ደኲንዋ: ንዕላምኡ ኸኣ ኣይለወጦን። (ኢሳይያስ 45:⁠18፣ ሚልክያስ 3:⁠6) ነዚ ንምፍጻም ድማ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኸ። የሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት እሙን ኰይኑ ብምጽናዕ ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዝብጀውሉ መገዲ ኣርሓወ። ከምዚ ኢሉ እውን ተዛሪቡ ኢዩ:- “ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።”​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

ነዊሕ ይገብር ኣምላኽ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ክፈጥር ምዃኑ ተመባጺዑ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:⁠17፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እዚ ኸኣ ውሱን ቍጽሪ ዘለዎም ሰማያዊ ህይወት ዝወሃቦም እሙናት ጕጅለ ክርስትያናት ምሕራይ ዘጠቓልል ኢዩ። እዚኣቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ነቲ ምምሕዳር ከቝሙ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ምምሕዳር እዚ “መንግስተ ሰማያት” ወይ ድማ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖ: እዛ መንግስቲ እዚኣ ኸኣ ነቲ ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ’ ከተመሓድር ኢያ። (ማቴዎስ 4:⁠17፣ 12:⁠28፣ ኤፌሶን 1:⁠10፣ ራእይ 5:⁠9, 10፣ 14:⁠1, 3) ኣምላኽ ንዅሉ እከይ ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኦን ኣጽረዮን ሓደ ጻድቕ ዝዀነ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ወይ ድማ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ኸም ዝህሉ ክገብር ኢዩ። እዚ ሕብረተሰብ እዚ ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዚ ኣምላኽ ንዘዕቍቦም ሰባት ከጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠3, 7-14, 21፣ ራእይ 7:⁠9, 13, 14) ነዚኣቶም ከኣ እቶም በቲ መብጽዓ ተገይርሉ ዘሎ ተስፋ ትንሳኤ ህያዋን ዝዀኑ ምዉታት ክሓብርዎም ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

እቲ ሽዑ ዝህሉ “ናይ ሓቂ ህይወት”

ኣምላኽ ኣብታ እትመጽእ ገነታዊት ምድሪ ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ከም ዝህሉ ንምርግጋጽ “እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ” ብምባል ተዛረበ። (ራእይ 21:⁠5) እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣብ መጻኢ ግዜ ዝገብረሎም መስተንክር ግብርታት ሰብኣዊ ኣእምሮ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ኣይክእልን ኢዩ። ኣምላኽ ከምታ ኣብ ኤደን ዝነበረት ዝዓይነታ ዓለምለኻዊት ገነት ከምጽእ ኢዩ። (ሉቃስ 23:⁠43) ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤደን ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ባህ ዘብልን ተበሃግን ሕብርታት: ዝምስጥ ድምጽታት: ከምኡውን ጥዒምካ ዘይምኖ እተፈላለየ መቐረት ክህሉ ኢዩ። ደጊም ድኽነትን ዋሕዲ መግብን ኣይክህሉን ኢዩ: ከመይሲ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ” ብምባል ይገልጽ። (ራእይ 21:⁠4፣ መዝሙር 72:⁠16) ደጊም ዋላ ሓደ እኳ “ሕማቕ [“ሕሙም:” NW  ] እየ” ዝብል ኣይክህሉን ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:24) እወ: ነቲ ንመዋእላት ጸላኢ ደቅሰብ ኰይኑ ዝጸንሐ ሞት ሓዊስካ ኵሉ ጠንቅታት ስቓይ ክውገድ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠26) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ዝህሉ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝዀነ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ዝገልጽ ዘደንቕ ራእይ ክርኢ ኸሎ ከምዚ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ኢዩ:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” እዚ መለኮታዊ መብጽዓ እዚ ክፍጸም ከሎ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ከጸናንዕን ከሐጕስን ዝኽእል እንታይ ኣሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዝህሉ ህይወት ክዛረብ ከሎ ብፍላይ ነቲ ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ድሌታት ወድሰብ ዘዕግብ ኵነታት ኢዩ ዘጕልሕ። ኵሉ እቲ ወድሰብ ክሳዕ ሕጂ ብዘይ ገለ ፍረ ዝቃለሰሉ ዘሎ ቅኑዕ ትምኒት ምሉእ ብምሉእ ክጭበጥ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠10) ካብ መንጎ እዞም ትምኒታት እዚኣቶም ሓደ እቲ ፍትሒ ናይ ምርካብ ባህጊ ኢዩ። ወድሰብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ በቶም ንመሳኪን ጎምጺጾም ዝገዝኡ ንሕስያ ዘይብሎም ጨቈንቲ ይጥቃዕ ስለ ዘሎ እዚ ባህጊ እዚ ገና ኣይዓገበን። (መክብብ 8:⁠9) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ዝህሉ ኵነታት ብመልክዕ ትንቢት ክዛረብ ከሎ “ብዘመኑ ጽድቂ ኽዕምብብ ብዝሒ ሰላም ከኣ ክህሉ ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 72:⁠7 ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ)።

ብዙሓት መስዋእቲ ዝኸፈልሉ ካልእ ሓያል ባህጊ ድማ እቲ ማዕርነት ንኽትረክብ ዘሎ ድሌት ኢዩ። ኣምላኽ ኣብ እዋን “ዳግማይ ፍጥረት” ንኣድልዎ ሓኺኹ ኸጥፍኦ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠28 NW ) ኵሎም ደቅሰብ ማዕረ ክብሪ ክህልዎም ኢዩ። እዚ ግን ብተሪር መንግስታዊ ስርዓት ዝትግበር ዓይነት ማዕርነት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ንሰባት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ንኽዕብልሉ ወይ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ጥሪት ንኸኻዕብቱ ዝድርኾም ስስዐን ትዕቢትን ሓዊስካ ኵሉ ጠንቅታት ኣድልዎ ጠሪሱ ኸልግስ ኢዩ። ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ተነብዩ ኢዩ:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21, 22

ወድሰብ በቲ ብውልቀ⁠-​ሰባትን ኣብ ጃምላዊ ውግኣትን ዝፈስስ ደም ክንደይ ኰን ኢዩ ተሰቂቑ ዘሎ! እዚ ምፍሳስ ደም እዚ ካብቲ ኣቤል እተቐትለሉ እዋን ጀሚሩ ክሳዕ እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ውግኣት ይቕጽል ኣሎ። ምንም እኳ ተስፋ ዘይብሉ እንተ መሰለ: ወድሰብ ሰላም ንኽሰፍን ንመዋእላት ሃረር ክብል ጸኒሑ ኢዩ። ኣብታ እንደገና እትመጽእ ገነት ኵሎም ደቅሰብ ሰለማውያንን ትሑታትን ክዀኑ ኢዮም: “ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ” ክብሎም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:⁠11

ኢሳይያስ 11:9 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ብምባል ትገልጽ። ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምናን ካልእ ረቛሒታትን ኣብዚ እዋን እዚ ንመፈጸምታ እዘን ቃላት እዚኣተን ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ብዛዕባ ኣምላኽ ፍጹም ፍልጠት ምሓዝ ብኸመይ ምስኡ ከም ዘሕብረና: እዚ ኸኣ ብግዲኡ ከመይ ገይሩ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልና ገና ብሕጂ እንምሃሮ ትምህርቲ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ቅዱሳት ጽሑፋት የሆዋ ዘደንቕ ሓይልን ጥበብን ፍትሕን ፍቕርን ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝሕብረና ግን: ንዅሉ እቲ ብተቐማጦ እታ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ዝቐርብ ጸሎት ከም ዝሰምዖ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

“ናይ ሓቂ ህይወት” ርግጽ ኢዩ —⁠ኣደልዲልካ ሓዞ!

ንብዙሓት ሰባት ኣብ ሓንቲ ጽብቕቲ ዓለም ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ወይ ዘይጭቡጥ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝህቦ መብጽዓ ናይ ሓቂ እምነት ዘለዎም ሰባት እዚ ርግጸኛ ተስፋ ኢዩ። እዚ ብዘይ​ምግናን ንህይወቶም መልህቕ ኢዩ ዝዀና። (እብራውያን 6:⁠19) ከምቲ መልህቕ ንመርከብ ምንቕ ከም ዘይትብል ገይሩ ብምሓዝ ትኺድ ዘይሓድጋ: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት እውን ንሰባት ርግእ ዝበሉን እምንቶ ዘለዎምን ንኽዀኑ ከምኡውን ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥሞም ከቢድ ሽግራት ክገጥምዎ ካብኡ ሓሊፎምውን ክዋጽእሉ የኽእሎም።

ኣምላኽ መብጽዓታቱ ኸም ዝፍጽም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። በቲ ዘይዕጸፍ ማሕልኡ ገይሩ ውሕስነት ሂቡ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣምላኽ: እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዩ ኼርእዮም ምስ ደለየ: ብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ: በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከአል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና: ንሕና: ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ . . . ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።” (እብራውያን 6:⁠17, 18) እተን ኣምላኽ ክስርዘን ዘይክእል “ክልተ ዘይልወጣ ነገር” መብጽዕኡን ማሕልኡን ኢየን: መሰረት ኵሉ ትጽቢታትና ኸኣ ንሳተን ኢየን።

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ምግባር ዓቢ ምጽንናዕን መንፈሳዊ ብርታዐን ዝህብ ኢዩ። እቲ ንህዝቢ እስራኤል መራሒኦም ዝነበረ እያሱ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ነበረቶ። እያሱ ንእስራኤላውያን ናይ ስንብታ ቃል ክዛረቦም ከሎ ኣሪጉ ኢዩ ነይሩ ኣብ ደንደስ ሞት ምንባሩ እውን ይፈልጥ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ስለ ዝነበሮ ብርታዐን ክምህ ዘይብል ተኣማንነትን ኣርእዩ ኢዩ። በታ ንዅሎም ደቅሰብ ናብ ሞት እትመርሕ “መገዲ ዅላ ዓለም” ይጕዓዝ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።” እወ: እያሱ ሰለስተ ግዜ ኢዩ ኣምላኽ ንብምልኡ መብጽዓታቱ ኵሉ ሳዕ ኸም ዝሕሉ እተዛረበ።​—⁠እያሱ 23:⁠14

ንስኻውን ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዝሃቦ መብጽዓ ተመሳሳሊ እምነት ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ብምጽናዕ የሆዋ መን ምዃኑን ስለምንታይ ምሉእ ብምሉእ ክትውከሎ ከም ዝበቅዕን ክትርዳእ ኢኻ። (ራእይ 4:⁠11) ኣብርሃም: ሳራ: ይስሃቅ: ያእቆብ: ከምኡውን ካልኦት ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰብ ጥንቲ ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብቐረባ ሌላ ኣብ ምግባር እተመስረተት ክምህ ዘይትብል እምነት ነይራቶም ኢያ። ሽሕኳ ‘[“ንፍጻሜ:” NW  ] እተን ተስፋታት’ ብህይወቶም ከለዉ ‘እንተ ዘይረኸብወን’ ተስፍኦም ክሳዕ መወዳእታ ድልዱል ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ: “ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን።”​—⁠እብራውያን 11:⁠13

ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምርዳእና እታ ምድሪ ኻብ ኵሉ እከይ እትጸርየላ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ምቕራባ ፈሊጥና ኢና። (ራእይ 16:⁠14, 16) ልክዕ ከምቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰብ ጥንቲ ንሕናውን ብእምነትን በቲ ንኣምላኽ ኰነ ነቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ዘሎና ፍቕርን ተደሪኽና ነቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ፍጻመታት ክሳዕ መወዳእታ ርግጸኛታት ኴንና ኽንጽበዮ ይግባእ። ሓዳስ ዓለም ምቕራባ ነቶም ኣብ የሆዋ እምነት ዝገብሩን ዘፍቅርዎን ዓቢ ምትብባዕ ኢዩ። ኣብታ እናቐረበት እትመጽእ ዘላ ዓባይ መዓልቲ: ስምረት ኣምላኽን ዕቝብኡን ንምርካብ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነትን ፍቕርን ምዅስኳስ የድሊ።​—⁠ጸፎንያስ 2:⁠3፣ 2 ተሰሎንቄ 1:⁠3፣ እብራውያን 10:⁠37-39

ስለዚ እቲ ሕቶ ‘ብህይወት ምንባር ትፈቱዶ፧’ ዝብል ኢዩ። ብዝያዳኸ ነቲ ኸም ብቑዕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኴንካ: ሓጐስ ዝመልኦ መጻኢ ግዜ ብተስፋ እናተጸበኻ: እወ ነቲ ዘለኣለማዊ ህይወት እናኣማዕዶኻ “ናይ ሓቂ ህይወት” ክትረክብ ኣይትብህግንዶ፧ ድሌትካ እዚ እንተድኣ ዀይኑ ንምኽሪ እቲ ‘ብኣምላኽ እምበር በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይንእመን’ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣቕልበሉ። ጳውሎስ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ’ በቲ ንኣምላኽ ዘኽብር ‘ሰናይ ግብሪ ክንህብትም’ ተማሕጺኑና ኣሎ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠17-19

ነቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ዝቐርበልካ ዕድመ ብምቕባል: ናብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ዝመርሕ ፍልጠት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 17:⁠3) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዝስዕብ ንዅሉ ሰብ ብፍቕራዊ መገዲ ዝቐረበ ኣባታዊ ዕድመ ኣስፊሩ ኣሎ:- “ወደየ: ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ እሞ: ንሕገይ ኣይትረስዓዮ: ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን።”​—⁠ምሳሌ 3:⁠1, 2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝያዳ ምርምር ንምግባር: ኣብታ ብትካል ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመት ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ እትበሃል ብሮሹር ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ