ብህይወት ምንባር ትፈቱዶ፧
ጃኮሞ ሊዮፓርዲ እተባህለ ኢጣልያዊ ገጣሚ ቀቅድሚ ሞቱ ነቶም ዝኣልይዎ ዝነበሩ ሰባት “ብርሃን እስከ ኣርእዩኒ” ኸም ዝበሎም ተነጊርሉ ኣሎ። እዘን ቃላት እዚኣተን ወድሰብ ነታ ብብርሃን እትምሰል ህይወት ዘለዎ ሓያል ፍቕሪ ዝገልጻ ኢየን።
ብህይወት ክትነብር ናይ ምድላይ ስምዒት እቲ ንመብዛሕትኦም ሰባት ካብ ሓደጋታት ንኽእለዩን ብህይወት ንምንባር ከም ዝጽዕቱን ዝገብሮም ኣዝዩ ክቡር ባህርያዊ ድራኸ ኢዩ። እዚ ግን ንወድሰብ ካብቶም ብህይወት ንምንባር ብርቱዕ ባህርያዊ ድራኸ ዘለዎም እንስሳታት ብዙሕ ዝፈልዮ ኣይኰነን።
ኣየናይ ዓይነት ህይወት ደኣ ኢዩ እሞ ልዑል ግምት ክውሃቦን ሓብሒብካ ክተሓዝን ዘለዎ፧ ህይወት ክብሃል ከሎ እቲ ምስትንፋስን ምንቅስቓስን ጥራይ ዝሓዘ ኣካላዊ ህላወ ኣይኰነን። እቲ ‘ህይወት እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ኻብ ኰነ ነዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ ኽንሕጐሰሉ ኣሎና’ ዝብል ኣረኣእያ ንብዙሓት ዕግበት ኣየምጽኣሎምን። “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዝብል ናይ ኤጲቁሬዎስ ፍልስፍና ንብዙሓት ሰባት ኣየርውዮምን ኢዩ ዘሎ። (1 ቈረንቶስ 15:32) ወድሰብ ኣብ ርእሲ እቲ መሰረታዊ ዝዀነ ብዙሕ ስጋዊ ድሌታት ካልእ ባህላውን ማሕበራውን ባህግታት እውን ኣለዎ: እዚ ነቲ ወድሰብ ኣብ ሓደ ዝለዓለ ኣካል ንምእማን ዘለዎ መንፈሳዊ ድሌት ከይወሰኽካ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: አረ ቢልዮናት እውን ክዀኑ ዝኽእሉ: ብሰንኪ እቲ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም ዘሎ ሕማቕ ማሕበራውን ኣከባብያውን ኵነታት ሕማቕ ናብራ ኢዮም ዘሕልፉ ዘለዉ። እንተ እቶም ኣብ ምብላዕን ምስታይን: ጥሪት ኣብ ምኽዕባት: ወይ ድማ ጾታዊ ባህጎም ኣብ ምርዋይ ሃረምረም ዝብሉ ሰባት ካብቲ ዳርጋ ናብራ እንስሳ ዝዀነ ናብርኦም ዝረኽብዎ ዕግበት የብሎምን። ነቲ ህይወት ንሰብኣዊ ኣእምሮን ስምዒትን ከተዕግብ ዘለዋ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ተኽእሎ ሸለል ኢዮም ዝብልዎ። ብዘይካ እዚ እቶም ስሱዕ ባህግታቶም ከዕግቡ ዝደልዩ ሰባት ንህይወቶም ብዝበለጸ ኣይጥቀሙላን ኢዮም ጥራይ ዘይኰነስ ንሕብረተሰቦም እውን ኢዮም ዘበላሽዉ: ንኻልኦት ብዘርብሕ መገዲ ድማ ኣይኰኑን ዝመላለሱ።
ሓደ መንእሰያት ንዝፍጽምዎ ገበን ዝከታተል ዳኛ ነዚ ኸረጋግጾ ኸሎ “ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምድኻሙ: እቲ ሕማቕ ጽልዋ ዘለዎ ኣነባብራ ሰባት ይውደስ ምህላዉ: ከምኡውን ብቕልጡፍን ኣቋራጭ ዘለዎን ሜላታት ሃብቲ ምኽዕባት . . . ሕልፍ ዝበለ ናይ ውድድር መንፈስ ከም ዝሰፍን” ዝገብር ረቛሒ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ናብቲ ንሕብረተሰብን መንእሰያትን ዘበላሹ ባህርይ ዘምርሕ ኢዩ: ብፍላይ መንእሰያት ሓሽሽ ምውሳድ እንተ ጀሚሮም እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ።
ህይወት ከም ኣብ ዘደንቕ ቦታታት እተሕልፎ ናይ ዕረፍቲ ግዜ: ዝምስጥ ንባብ ወይ ምርምር: ዘሐጕስ ብጻይነት: ጥዑም ሙዚቃ ዝኣመሰሉ ዝማርኹ መዳያት ዘለዋ ምዃና ትፈልጥ ኢኻ። ይውሓድ ይብዛሕ ዕግበት ዘምጽኡልና ካልኦት ንጥፈታት እውን ኣለዉ። እቶም ኣብ ኣምላኽ: ብፍላይ ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ ዝዛረበሉ የሆዋ ኣምላኽ: ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ሰባት ብህይወት ምንባር ዝፈትውሉ ብዙሕ ምኽንያት ኣለዎም። ናይ ሓቂ እምነት ምንጪ ብርታዐን ቅሳነትን ብምዃና ሰባት ጽንኩር እዋናት ከጋጥሞም ከሎ ንኽዋጽእሉ ክትሕግዞም ትኽእል ኢያ። ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝኣምኑ ሰባት ከይተወላወሉ “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ” ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም። (እብራውያን 13:6) እቶም ንፍቕሪ ኣምላኽ ብብሕቲ ዝፈልጥዎ ሰባት: ንሱ ኸም ዘፍቅሮም ይርድኡ። ውሽጣዊ ሓጐስ ስለ ዝስምዖም ድማ ነቲ ፍቕሩ ክምልስሉ ይድረኹ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 4:7, 8, 16) ምንጪ ዕግበት ዝዀነ ንጡፍን ብድሕነት ካልኦት ዝግደስን ዓይነት ህይወት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝበሎ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
እቲ ዘሕዝን ግን: ሎሚ ዘሎ ህይወት ካልእ መዳይ ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስቓይ: ምጕዳል ፍትሒ: ድኽነት: ሕማም: ሞት ገለ ኻብቲ መብዛሕትኡ እዋን ንህይወት መሪር ዝገብሮ ዘሰቅቕ መዳያት ኢዩ። እቲ ሃብትን ክቡር ዝናን ጥበብን ዝነበሮ ሰሎሞን ንጉስ ጥንታዊት ሃገር እስራኤል ኵሉ እቲ ንሰባት ሓጐስ ከምጽኣሎም ዝኽእል ኣጋጣሚታት ነይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንዅሉ እቲ ‘ብጥበብን ፍልጠትን ብልሓትን ዝጸዓረሉ ጻዕሩ’ ንኻልእ ሰብ ሓዲግሉ ክመውት ምዃኑ ብምፍላጡ ይጭነቕ ነበረ።—መክብብ 2:17-21
ልክዕ ከም ሰሎሞን መብዛሕትኦም ደቅሰብ: ህይወት ሓጺር ዕምሪ ዘለዋ ብምዃና ቀልጢፋ ኸም እትሓልፍ ይፈልጡ ኢዮም። ኣምላኽ ‘ኣብ ኣእምሮና ዘለኣለምነት ከም ዘንበረ’ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ ኢዩ። (መክብብ 3:11 ባይንግተን ) እዚ ስምዒት ዘለኣለምነት እዚ ኸኣ ኢዩ ንሰብ ብዛዕባ ሓጺር ዕምሪ ህይወት ኣጸቢቑ ከም ዝሓስብ ዝገብሮ። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ: ሓደ ሰብ ንትርጕም ህይወትን ሞትን ዝምልከት ሕቶታት ዘእምን መልሲ ከይረኸበሉ ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ሒዙን ናይ ከንቱነት ስምዒት ጸቒጥዎን ይተርፍ። እዚ ንህይወት እተሕዝን ከም እትኸውን ይገብራ።
ነቲ ወድሰብ ዘለዎ ዘጨንቕ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ ኣሎዶ፧ ንህይወት ዝያዳ መሳጢትን ነባሪትን ዝገብራ ዅነታት ዝሰፍነሉ ግዜ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧