ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/3 ገጽ 25-30
  • የሆዋ ዕላማኡ ከም ዝፍጽም፣ ብኡኡ ተኣማመን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ዕላማኡ ከም ዝፍጽም፣ ብኡኡ ተኣማመን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኩነታት ዘበላሸዎ እንታይ ኰን ይኸውን
  • ዕላማ ኣምላኽ ኣይተለወጠን
  • ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ነበሮም
  • ክርስትያን መሰኻኽር ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ምትእምማን ኣለዎም
  • የሆዋ ነቶም እሙናት መብጽዓታቱ ይፍጽመሎም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ እምነት ፈተና
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/3 ገጽ 25-30

የሆዋ ዕላማኡ ከም ዝፍጽም ፣ ብኡኡ ተኣማመን

“ጻድቃን ንሃገር [ንምድሪ ት.ሓ.ዓ.] ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” — መዝሙር 37:29።

1. ዕላማ የሆዋ ብዛዕባ ሰብን እዛ ምድሪ እዚኣን እን ታይ ኢዩ ?

የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ወለድና : ኣዳምን ሄዋንን ክፈጥሮም ከሎ ፍጹማት ገይሩ ፈጠሮም ። ንሕጉ እንተ ተኣዚዞም : ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንዘልኣለም ክነብሩ ኢሉ ፈጠሮም ። (ዘፍጥረት 1:26, 27 ። 2:17) ብተወሳኺ ድማ ኣምላኽ ኣብ ገነታዊ ኣከባቢ ኣቐመጦም ። (ዘፍጥረት 2:8, 9) የሆዋ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም :- “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን ።” (ዘፍጥረት 1:28) በዚ ድማ ዘርኦም ኣብ ብዘላ ምድሪ ፋሕ ክብል : ምድሪ ድማ ብፍጹማትን ሕጉሳትን ሰባት ዝመልአት ውቅብቲ ገነት ክትከውን ማለት ኢዩ ። ንሰብኣዊ ስድራቤት ኣየ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣጀማምራ ኢዩ ተዋሂብዎ ዝነበረ ! “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ኹሉ ረኣየ : እንሆ : ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ ።” — ዘፍጥረት 1:31 ።

2. እዚ ናይ ሰብ ኵነታት ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኣልዓለ ?

2 ይኹን እምበር : ኣብዚ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ከም ዝተራእየ : ናብራ ናይ ወዲ ሰብ : ምስቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ ናይ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይመሳሰል ኢዩ ። ወዲ ሰብ ካብ ፍጽምና ኣዝዩ ርሒቑ : ሓጐስ ዝበሃል ሲኢኑ ይርከብ ኣሎ ። ናይ ዓለም ኩነታት ኣዝዩ ዘጨንቕ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ : ከምቲ ብትንቢት ዝተነግረ ድማ እቲ ኩነታት ኣብ ግዜና ኣዝዩ ከፊኡ ይርከብ ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5, 13) እሞ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክፍጸም ምዃኑ ደኣ ኸመይ ገይርና ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ? ጌናዶ ምስዚ ኩሉ ዘጨንቕ ኩነታት ነዊሕ ግዜ ክሓልፍ ከድለዮ ኢዩ ?

ነቲ ኩነታት ዘበላሸዎ እንታይ ኰን ይኸውን

3. የሆዋ ነቲ ዕልወት ናይ ወዲ ሰብ ብኡንብኡ መወዳእታ ዘይገብረሉ ስለምንታይ ኢዩ ?

3 የሆዋ ነዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ክፉእ ኵነታት ክቕጽል ዘፍቀደሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እቶም ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍልጠት ኣጥሪዮም ዘለዉ ይፈልጥዎ ኢዮም ። ብዛዕባ እዚ ክፉእ ኵነታት እዚ ድማ እንታይ ክገብር ምዃኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ነቲ ወዲ ሰብ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዘደንቕ ህያብ ናይ ምምራጽ ሓርነት ብዘይ ግቡእ ከም ዝተጠቕምሉ ካብ ጸብጻባት ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ተማሂሮም ኢዮም ። (ምስ 1 ጴጥሮስ 2:16 ኣነጻጽርዎ) ርእሶም ካብ ኣምላኽ ብምፍላዮም ግጉይ ምርጫ ገበሩ ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 2 ን 3 ን) እቲ ክድዓቶም ድማ አዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣልዓለ ። ከም እኒ :- እዚ ናይ ጠቕላላ ፍጥረት ልዑል ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ክገዝእ መሰል ኣለዎዶ ? እቲ ናቱ ምምሕዳርከ : ንሰባት እቲ ዝበለጸ ድዩ ? ብዘይጥንቁቕ ኣላይነት ናይ ኣምላኽ ግዝኣት ወዲ ሰብ ክዕወት ይኽእልዶ ? እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዝምለሽሉ ርግጸኛ መገዲ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ንዘበናት ክጸንሕ ብምግባር ጥራይ ኢዩ ። በቲ ውጽኢቱ ድማ ብዘይጥርጥር ወዲ ሰብ ካብ ፈጣሪኡ ተፈልዩ ክዕወት ዝኽእል እንተኾይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ክረጋገጽ ኢዩ ።

4, 5. (ሀ) ሰባት ንግዝኣት ኣምላኽ ብምንጻጐም እንታይ ኣስዓበሎም ? (ለ) እዚ ዝሓለፈ ግዜ ብዘየማትእ መገዲ እንታይ ከረጋግጽ ከኣለ ?

4 ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ምስ ሓደግዎ : ንሱ ድማ ፍጹማት ኰይኖም መታን ክነብሩ ኢሉ ካብኡ ንደሓር ደገፉ ኣይሃቦምን ። ብዘይናቱ ሓገዝ ወይ ደገፍ ስለዝኾኑ እናሓመቑ ከዱ ። ውጽኢቱ ድማ ዘይፍጽምናን እርጋንን መወዳእታኡ ድማ ሞት ኰነ ። ብመሰረት እቲ ናይ ውርሻ ሕጊ : እቶም ቀዳሞት ወለድና ነዚ ኹሉ ጐዳኢ ባህርያት ናብ ዘርኦም ንኣናውን ጭምር ኣሕለፉልና ። (ሮሜ 5:12) እዚ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ግዝኣት ናይ ወዲ ሰብከ : እንታይ ኣፍረየ ? እቲ ዘፍረዮ ልክዕ ከምቲ ኣብ መክብብ 8:9 “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝገዝኦስ ንጉደኣቱ እዩ” [ት.ሓ.ዓ. ] ዝበሎ : ዕንወትን መቕዘፍትን ኰይኑ ተረኽበ ።

5 እዚ ዝሓለፈ ግዜ ብዘይጥርጥር ዘረጋገጾ ነገር እንተሎ : ወዲ ሰብ ካብ ፈጣሪኡ ተፈልዩ : ንበይኑ ጉዳዩ ከቕንዕ ፈጺሙ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ኢዩ ። እቲ ብመንፈስ ዝተመርሐ ጸሓፊ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ነቢይ ኤርምያስ ከምዚ በለ :- “ ጐይታየ [ዎ የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] : መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ : እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ : እፈልጥ ኣሎኹ ።” — ኤርምያስ 10:23

ዕላማ ኣምላኽ ኣይተለወጠን

6, 7. (ሀ) እዚ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ናይ ታሪኽ ነቲ ዕላማታት ናይ የሆዋዶ ክቕይሮ ክኢሉ ኢዩ ? (ለ) ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣትዩ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ ?

6 እዚ ዝሓለፈ እከይን ስቓይን ዝመልኦ ኣሽሓት ዓመታት ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽዶ ንዕላማ ኣምላኽ ለዊጥዎ ይኸውን ? ቃሉ ከምዚ ይብል :- “እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ንሱ ኣምላኽ እዩ : ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን : ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር : ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል : ኣነ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] እየ : ብጀካይውን ካልእ የልቦን ።” (ኢሳይያስ 45:18) ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ማሕደር ሰብ ክትከውን ኢሉ ኢዩ : ሕጂውን እንተኾነ ዕላማኡ ንሱ ኢዩ ።

7 የሆዋ ንምድሪ ክፈጥራ ኸሎ ሰባት ክነብሩዋ ጥራይ ዘይኰነስ ፍጹማትን ሕጉሳትን ዝኾኑ ሰባት ዝድሰቱላ ገነት ክትከውን ዝብል ዕላማውን ነበሮ ። በዚ እዩ እምበኣር መጽሐፍ ቅዱስ ክንበ ኸሎ “ጽድቂ ዝነብረሉ” “ሓዲሽ ምድሪ” ማለት ሓዲሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክመጽእ ኢዩ ዝብል ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ቃል ኣምላኽ ኣብ ራእይ 21:4 ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝኸውን ከምዚ ይብለና :- “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም [ናይ ደቂ ሰብ] ኪደርዝ እዩ ። እቲ ቀዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ : ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን : ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን : ወይ ጫውጫው ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ ።” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ ነታ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም “ገነት” እናበለ ክዛረበላ ዝኸኣለ ። — ሉቃስ 23:43 ።

8. የሆዋ ዕላማኡ ክፍጽም ምዃኑ ርግጸኛታት እንኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ ?

8 የሆዋ እቲ ካብ ኩሉ ዝሓየለን ልዑል ጥበብ ዘለዎ ፈጣሪ ናይ ጠቕላላ ፍጥረትን ስለ ዝኾነ ንዕላማኡ ከሰናኽል ዝኽእል ሓደ እኳ የለን ። “እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሓለ : ብሓቂ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኪኸውን ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቕውም እዩ ።” (ኢሳይያስ 14:24) ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ንምድሪ ብፍጹማት ሰባት ዝመልኤት ገነት ክገብራ እየ ክብል ከሎስ : ልክዕ ከምኡ ክትከውን እያ ማለት እዩ ። የሱስ ከምዚ በለ :- “ዓቃላት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ : ብጹኣን እዮም ።” (ማቴዎስ 5:5 ። ምስ መዝሙር 37:29 ኣነጻጽርዎ) ነዚ መብጽዓ እዚ ብልክዕ ከም ዝፍጽሞ ርግጸኛታት ኰይንና ምስኡ ተሰማሚዕና ክንመላለስ ንኽእል ኢና ። ነዚ ተስፋዝስ ህይወትና እኳ ምሰዋእናሉ ።

ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ነበሮም

9. ኣብርሃም ኣብ ኣምላኽ ምሉእ እምነት ከም ዝነበሮ ዘረጋግጽ እንታይ ገበረ ?

9 ኣብ ኩሉ እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ናይ ወዲ ሰብ : ብዙሓት ፈሪሃ ኣምላኽ ዝነበሮም ሰባት እቲ ብዛዕባ ምድሪ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ብርግጽ ክፍጸም ምዃኑ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበሮም : ህይወቶም ነዚ ዕላማ እዚ ሰዊኦማ ኢዮም ። ሽሕኳ ፍልጠቶም ኣዝዩ ውሱን እንተነበረ : ብኣምላኸ ተኣማሚኖም ንህይወቶም ኣብ ፍቓዱ ምፍጻም ሃነጽዋ ። ንኣብነት መጽሐፍ ቅዱስ ክጽሓፍ ቅድሚ ምጅማሩ ማለት ቅድሚ የሱስ ናብዛ ምድሪ ምምጻኡ 2000 ዓመታት ኣቐዲሙ ዝነብር ዝነበረ ኣብርሃም ኣሎ ። የሆዋ መብጻዓታቱ ክፍጽም ከም ዝኾነ ምሉእ እምነት ነበሮ ። ኣብርሃም ምናልባት ብዛዕባ ፈጣሪ ካብቲ ኖህ ባዕሉ ዝመሃሮ እሙን ኣባሓጉኡ ሴም ተማሂርዎ ክኸውን ይኽእል ። ስለዚ ኣምላኽ ንኣብርሃም ካብታ ብልጽግቲ ከተማ ኡር ናይ ከለዳውያን ወጺኡ ናብቲ ሓደገኛን ዘይፈልጦን ምድሪ ከነኣን ኪድ ክብሎ ከሎ እዚ ርእሲ ኣቦታት እዚ ኣብ የሆዋ ከም ዝውከል ዝገብሮ ፍልጠት ነይርዎ እዩ : በዚ መሰረት እዚ ድማ ተኣዚዙ ከደ ። (እብራውያን 11:8) ጸኒሑ ድማ የሆዋ “ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ” በሎ ። — ዘፍጥረት 12:2 ።

10, 11. ኣብርሃም ነቲ ሓደ ወዱ ይስሃቅ ክስውኦ ድልው ዝነበረስ ስለምንታይ ኢዩ ?

10 ይስሃቅ ንኣብርሃም ምስ ተወልደሉኸ : እንታይ ተፈጸመ ? የሆዋ ንኣብርሃም ብይስሃቅ ኣቢሎም ዝመጹ ዘርኡ ዓብዪ ህዝቢ ክሳዕ ዝኾኑ ክዓብዩ ምዃኖም ሓበረሉ ። (ዘፍጥረት 21:12) ስለዚ ኸኣ የሆዋ ንኣብርሃም ነታ እምነቱ ክፍትን ነቲ ሓደ ወዱ ይስሃቅ ሰውኣለይ ክብሎ ከሎ : እዚ ብርግጽ ዝጋጮ ነገር መሲሉ ተራእዩ ክኸውን ኣለዎ ። (ዘፍጥረት 22:2) ኰይኑ ግን : ኣብርሃም ምሉእ ተኣማንነት ኣብ የሆዋ ስለ ዝነበሮ ንምፍጻሙ ስጉምቲ ወሰደ : አረ ንይስሃቅ ንምስዋእ ካርኡ ኣልዒሉ ኢዩ ። ኣብታ ናይ መጨረሻ ደቒቕ : ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ ንኣብርሃም ከልከሎ ። — ዘፍጥረት 22:9 – 14 ።

11 ኣብርሃም ክሳዕ ክንድዚ እዙዝ ዝኾነስ ስለምንታይ ኢዩ ነይሩ ? መልሱ እብራውያን 11:17 – 19 ከምዚ እናበለ ይገልጾ :- “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ : ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ ብይስሃቅ ዘርኢ ክጽወዓልካ እዩ : ተባሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ ። ኣምላኽ ካብ ምውታት ድማ ኬተንስኦ ከም ዝከኣሎ ሓሲቡ : ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ ።” ብተመሳሰሊ ሮሜ 4:20, 21 ከምዚ ትብል :- “[ኣብርሃም] ንምእማን በረትዔ እምበር : ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተወላወለን ። ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ : ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ ።”

12. ኣብርሃም ናይ እምነቱ ዓስቢ ብኸመይ ረኸቦ ?

12 ኣብርሃም ናይ እምነቱ ዓስቢ : ይስሃቅ ተናሒፉን ብኡኡ ድማ “ዓብዪ ህዝቢ” ምርካቡ ጥራይ ዘይኰነስ ብካልእ መገዲውን ተጸጊዩ ኢዩ ። ኣምላኽ ንኣብርሃም “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኩላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም በሎ ።” (ዘፍጥረት 22:18) ብኸመይ ? እቲ ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ መስመር ትውልዲ ናይ ኣብርሃም እዩ ዝመጽእ ። እዛ መንግስቲ እዚኣ እያ ነዛ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘላ እክይቲ ዓለም እተጥፍኣ ። (ዳንኤል 2:44 ። ሮሜ 16:20 ። ራእይ 19:11 – 21) ቀጺላ እዛ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ መንግስቲ ዝኣተወት ዝነጽሀት ምድሪ ናብ ዓለምለኻዊ ገነት ክትልወጥ እያ : ካብ ኵሎም “ህዝብታት” ዝተዋጽኡ : ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ዝገብሩ ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ብናይ ዘልኣለም ህይወት ባህ ክብሎም ኢዩ ። (1 ዮሃንስ 2:15–17) ሽሕኳ ኣብርሃም ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣዝዩ ውሱን ፍልጠት እንተነበሮ : ኣብ ኣምላኽ ፍጹም ምትእምማን ብምግባር ናብቲ እታ መንግስቲ እትቖመሉ ኣማዕድዩ ይጥምት ነበረ ። — እብራውያን 11:10 ።

13, 14. እዮብ ናብ ኣምላኽ ምሉእ እምነት ዝነበሮስ ስለምንታይ ኢዩ ?

13 ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ : ኣብዚ ሕጂ ሃገራት ኣዕራብ ዝበሃል ዘሎ ኣብ መንጐ 17ን 16ን ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ እዮብ ዝተባህለ ነበረ ። ንሱውን እንተኾነ ቅድሚ መጽሐፍ ቅዱስ ክጽሓፍ ምጅማሩ ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኢዩ ። እዮብ “ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዝረሓቐን ሰብኣይ ነበረ ።” (እዮብ 1:1) ሰይጣን ንእዮብ ብኣዝዩ ዘፈንፍን ብርቱዕ ስቓይ ዘለዎ ሕማም እኳ እንተወቕዖ : እዚ እሙን ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ኩሉ እቲ ጸበባኡ “ብኸናፍሩ አይሓጥአን ።” (እዮብ 2:10) እዮብ ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ምትእምማን ነበሮ ። ሽሕ እኳ እዮብ ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ከም ዝበጽሖ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እንተ ዘይነበረ : ንሱስ ንህይወቱ ናብ ኣምላኽን መብጻዓታቱን ሰዊኡዋ ኢዩ ነይሩ ።

14 እዮብ ዋላ እኳ እንተ ሞተ : ኣምላኽ ሓደ መዓልቲ እንደገና ናብ ህይወት ብትንሳኤ ክመልሶ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ ። እዚ ተስፋ እዚ ከም ዝነበሮ ኣብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ “ኣብ ሲኦል እንተ ትሓብኣኒ መዓልቲ ቆጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ : ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ ። ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ ? . . . ንስኻ ምጸዋዕካኒ : ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ” ኢሉ ክዛረቦ ከሎ ኣርእዩዎ ኣሎ ። (እዮብ 14:13 – 15) ኣብ ብርቱዕ ቃንዛ እኳ እንተነበረ : “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይጉድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ብምባሉ : እዮብ ኣብ ልዕልነት የሆዋ ዝነበሮ እምነት ኣርእዩ ኢዩ ። — እዮብ 27:5 ።

15. ዳዊት ኣብ ዕላማ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ከም ዝነበሮ ብኸመይ ገለጾ ?

15 ሽድሽተ ዘበናት ድሕሪ እዮብ ወይ ሓደ ሽሕ ዓመት ቅድሚ የሱስ ናብ ምድሪ ምምጻኡ ዝነብር ዝነበረ ዳዊት ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝነበሮ እምነት ገሊጹ ኣሎ ። ንሱ ብመዝሙር ከምዚ በለ “ንእግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም : ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺውርስዋ እዮም : ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ክብሎም እዩ ። ጻድቃን ንሃገር [ንምድሪ ት.ሓ.ዓ.] ኪወርስዋ : ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ።” ዳዊት ነቕ ዘይትብል ተስፋ ስለ ዝነበረቶ ኢዩ “ብእግዚኣብሄር [ብየሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ተማዕቈብ . . . ብእግዚኣብሄር [ብየሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ተሓጐስ : ልብኻ ዚደልዩ ንሱ ኪህበካ እዩ” እናበለ ዘተባብዓና ። — መዝሙር 37:3, 4, 9 – 11, 29 ።

16. እዞም ‘ኩምራ ደበና ምስክር’ እንታይ ተስፋ ነበሮም ?

16 ኣብዚ ዝሓለፈ ኵሉ ዘበናት : እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እዚ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣብ ምድሪ ዝብል ተስፋ ነይሩዎም ኢዩ ። ብሓቂ እኳ ደኣ : ቃል ብቃሉ ህይወቶም ንመብጸዓታት የሆዋ ዝሰውኡ ስለ ዝኾኑ እዩ ‘ዓቢ ኩምራ ደበና ምስክር’ ሃኒጾም ዘለዉ ። ብዙሓት ካብቶም ናይ ጥንቲ መሰኻኽር የሆዋ “ዝሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም” ብእምነቶም ምኽንያት ተሳቒዮምን ተቐቲሎምን ኢዮም ። እዚ ግና ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝኸውን ? ኣብታ ሓዳስ ዓለም : ኣምላኽ ብዝሓይሽ ትንሳኤን በቲ ዝጓናጸፍዎ በረኸት ናይ ዘልኣለም ህይወትን ገይሩ ክጽግዎም ኢዩ ። — ዮሃንስ 5:28, 29 ። እብራውያን 11:35 ። 12:1።

ክርስትያን መሰኻኽር ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ምትእምማን ኣለዎም

17. እቶም ናይ ቀዳማይ ዘበን ክርስትያናት ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ምትእምማን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጽኑዕ ነይሩ ?

17 ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. የሆዋ ነታ ሽዑ ዝቖመት ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዋ ግዝኣትን ከመይ ከም ዝኾነ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ገሊጹላ ኢዩ ። ንኣብነት : ንሃዋርያ ዮሃንስ : እቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓብሩ 144, 000 ጥራይ ከም ዝኾኑ ንኽጽሕፍ መንፈስ የሆዋ መርሖ ። እዚኣቶም “ካብ ደቂ ኣዳም እተዓደጉ” እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢዮም ። (ራእይ 7:4 ። 14:1 – 4) ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ “ነገስታት” ኰይኖም ንምድሪ ክገዝእዋ ኢዮም ። (ራእይ 20:4 – 6) የሆዋ ብዛዕባ እታ ሰማያዊት መንግስትን እቲ ምድራዊ ግዝኣታን ዘለዎ ዕላማ ብርግጽ ክፍጽሞ ምዃኑ ጽኑዕ ምትእምማን ስለ ዝነበሮም : እቶም ናይ ቀዳማይ ዘበን ክርስትያናት ንእምነቶም ክብሉ ህይወቶም ክስውኡ ድልዋት ነበሩ ። ብዙሓት ካብኣቶም ነዚ ነገርዚ ብልክዕ ገይሮሞ ኢዮም : ማለት ተሰዊኦም እዮም ።

18. እዞም ናይ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢዮም ነቶም ናይ ጥንቲ ብጾቶም ዝመስልዎም ዘለዉ ?

18 እዞም ሎሚ ዘለዉ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኣኽሉ መሰኻኽር የሆዋ ልክዕ ከምቶም ዘበናት ይገብር ዝነበሩ ብጾቶም : ከምኡ ዝበለ ምትእምማን ኣብ ኣምላኸ ኣለዎም ። እዞም ዘመናውያን መሰኻኽር : ንመብጽዓታት ናይ ኣምላኽ ክብሉ ህይወቶም ንመስዋእቲ ኣሕሊፎም ሂቦማ ኢዮም ። ህይወቶም ንኡኡ ወፍዮም ኢዮም : ንእምነቶም ጽንዕቲ ዝገብር ምሉእ መጽሐፍ ቅዱስ ድማ ኣለዎም ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14 – 17) እዞም ሎሚ ዘለዉ መሰኻኽር የሆዋ ኣሰር ኣሰር ናይቶም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ” ዝበሉ ናይ ቀዳማይ ዘበን ሰዓብቲ የሱስ ኢዮም ዝኽተሉ ። (ግብሪ ሐዋርያት 5:29) ኣብዚ ዘበን እዚ : እዞም ክርስትያን መሰኻኽር ብጭካኔ ተሰጒጎም ኢዮም : ገሊኦምውን ብሰሪ እምነቶም ተቐቲሎም ኢዮም ። ገሊኦም ከኣ ብምኽንያት ሕማም : ሓደጋ : ወይ እርጋን ሞይቶም እዮም ። ልክዕ ከምቶም ናይ ጥንቲ እሙናት መሰኻኽር : እዚኣቶም እውን ኣምላኽ ብትንሳኤ ገይሩ አንደገና ኣብታ ሓዳስ ዓለም ናብ ህይወት ክመልሶም ምዃኑ ብምፍላጦም ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ምትእምማን ነይርዎም ኢዩ ። — ዮሃንስ 5:28, 29 ። ግብሪ 24:15 ። ራእይ 20:12, 13 ።

19, 20. ከመይ ዝበለ ንግዜና ዝኸውን ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ትንቢት ኢና ኣፍልጦ እንህበሉ ?

19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር : እዚ ሕጂ ካብ ኵሎም ህዝብታት ተዋጺኦም ረኺቦሞ ዘለዉ ዓለምለኻዊ ሕውነት : ነዊሕ ግዜ ይገብር ኣብ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ትንቢት ሰፊሩ ዘሎ ነገር ምዃኑ ይግንዘብዎ ኢዮም ። (ኢሳይያስ 2:2 – 4 ። ራእይ 7:4, 5 – 17) የሆዋ ጌና ነቶም ካልኦት ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ናብ ስምረቱን ዑቕባኡን መታን ከምጽኦም : በዞም መሰኻኽሩ ገይሩ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከት ዕዮ የካይድ ኣሎ ። (ምሳሌ 18:10 ። ማቴዎስ 24:14 ። ሮሜ 10:13) ኩሎም እዚኣቶም ኣብታ መስተንክር ሓዳስ ዓለም ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ክኣትዉ ምዃኖም ስለ ዝፈልጡ : ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ኣለዎም ። — ምስ 1 ቈረንቶስ 15:58 ። እብራውያን 6:10 ኣነጻ ጽርዎ ።

20 ትንቢታት መጽሐፍ ቅዱስ ከም ዝሕብሮ ካብታ ፍልጥቲ ዓመት ናይ 1914 ጀሚሩ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣብተን ዳሕሮት መዓልታታ ካብ እትኣቱ እንሆ ዳርጋ 80 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ ። እዛ ዓለም እዚኣ ብሓቂ መወዳእታኣ ቀሪቡ ኢዩ ። (ሮሜ 16:20 ። 2 ቈረንቶስ 4:4 ። 2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምበኣር መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ንጉዳያት ናይ ምድሪ ባዕላ ክትቋጻጸሮ ምዃና ስለ ዝፈልጡ ምሉእ ትብዓትን ቆራጽነትን ኢዩ ዘለዎም ። ኣምላኽ ነዛ እክይቲ ዓለም ኣጥፊኡ ነታ ጻድቕ ናቱ ዝኾነት ሓዳስ ዓለም ብምምጻእ : ነዚ ንዘበናት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝተራእየ ክፉእ ኵነታት ፈጺሙ ክሓኮ ኢዩ ።

21. እዚ ሕጂ ዘሎ ሽግራት ከየገደሰ ስለምንታይ ኢና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል ?

21 ካብኡ ንደሓር ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እተወጻዕናዮ ወጽዓ ካብ ካሕሳ ንላዕሊ ዝኾነ በረኸቱ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሌና ብምዝናም ነቲ ዓብዪ ሓልዮቱ ከርኢ ኢዩ ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም ንኹሉ እቲ ዝሓለፈ ጸበባና ካብ ተዘክሮና ፈጺሙ ከም ዝሕከኽ ዝገብር ማእለያ ዘይብሉ ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ክህሉ ኢዩ ። ሽዑ የሆዋ ‘ኢዱ ከፊቱ ንህያው ዘበለ ኩሉ ብበረኸት ከጽግቦ’ ምዃኑ ምፍላጥናስ : ኣየ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ ! — መዝሙር 145:16 ። ኢሳይያስ 65:17, 18 ።

22. ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ክህልወና ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ ?

22 ኣብታ ሓዳስ ዓለም : እቶም እሙናት ደቂ ሰብ : ንፍጻሜ ሮሜ 8:21 ክርእዩ ኢዮም ። ከምዚ ይብል :- “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ ።” እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ጸሎት ክምህሮም ከሎ “መንግስትኻ ትምጻእ ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ : ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝበሎ ፍጻሜኡ ክርእዩዎ ኢዮም ። (ማቴዎስ 6:10) ስለዚ እምበኣር እቲ ፈጺሙ ዘይወድቕ መብጽዓ ናይ የሆዋ “ጻድቃን ንሃገር [ንምድሪ ት.ሓ.ዓ.] ክውርስዋ : ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዝብል ኢዩ እሞ : ሃየ ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ይሃሉኻ ። — መዝሙር 37:29

ከመይ ኢልኩም ምመለስኩም ?

◻ ዕላማ የሆዋ ብዛዕባ ሰብን እዛ ምድሪ እዚኣን እንታይ ኢዩ ?

◻ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሕማቕ ኵነታት ክህሉ ዘፍቀደስ ስለምንታይ ኢዩ ?

◻ እቶም ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት : ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ምትእምማን ብኸመይ ኣርኣዩ ?

◻ እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ዝገብሩስ ስለምንታይ ኢዮም ?

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንሰባት ዝፈጠሮም ተሓጒሶም ንዘልኣለም ኣብ ገነት ክነብሩ ኢሉ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም የሆዋ ንምዉታት ከተንስኦም ከም ዝከኣሎ ምሉእ ምትእምማን ነበሮ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ