“ሓያልን ዘእምንን”
ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ካብ ጽባሕ ጀሚረ ኣብ ዕዮ ስብከት ክጥቀመላ ኢየ: ከመይሲ እቲ ሒዛቶ ዘላ መረድኢ ነጥብታት ብሓቂ ሓያልን ዘእምንን ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ሓደ ምስክር ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሽዑ ንሽዑ ኢየ ኣንቢበያ: ተገዳስነት ዘይብሎምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምኑን ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ስለ እንረክብ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳዕ እንጥቀመላ ክጽበ ኣይከኣልኩን።” ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ዝዛረቡ ነይሮም፧ ብዛዕባ እታ ኣብ 1997/98 እተኻየደ “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘወጸት ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር ኢዮም።
እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነቶም ዝለዓለ ትምህርቲ ክህልዎም ዝኽእል: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡ ሰባት ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት: ዋላ እኳ ብብሕቶም ኣንቢቦምዎ ዘይፈልጡ እንተዀኑ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ውዱእ ዝዀነ ሓሳባት ኣለዎም። ዕላማ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ንኣንባቢ: እንተወሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርመር ዝግብኦ መጽሓፍ ምዃኑ ንምእማን ኢዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ንኣንባቢ: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ንኽቕበል ኣይትግድዶን ኢያ። ኣብ ክንድኡ: እቲ መርትዖታት ባዕሉ ክዛረብ ኢያ እትገድፎ። እቲ ኣመራርጻ ቓላት እተሓላለኸ ዘይኰነስ: ንጹርን ግልጽን ኢዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ርእይቶታት ከም ዝሕብሮ: እቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባታት እተኻፈሉ ኣሕዋት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክጥቀሙላ ተሃንጥዮም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ፈረንሳ ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት በጻሕቲ ናይ ዓለም መዓልቲ መንእሰያት ንምኽባር ኣብ ፓሪስ ተኣኪቦምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን: 23, 24 ነሓሰ: ፍሉይ ናይ ስብከት ወፈራ ክግበር ተመደበ። ዳርጋ: 2,500 ዝዀኑ መሰኻኽር (ዝበዝሑ ዕድሚኦም ካብ 16 ክሳዕ 30 ዓመት) ብቛንቋ እንግሊዝ: ፈረንሳ: ጀርመን: ፖሊሽ: ከምኡውን ስጳኛ እተዳለወ: 18,000 ቅዳሓት ናይዛ ብሮሹር ዓደሉ።
ብእተኻእለና መጠን: ነዛ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትበሃል ብሮሹር ኣብ ኣገልግሎትና ንጠቐመላ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ መስተውዓልቲ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕላቶም ክምርምርዎ ከም ዘለዎም ኣብ ምእማኖም ጠቓሚት እትኸውን ይግበራ።