ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/5 ገጽ 30-31
  • ኤጳፍራስ—“እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኤጳፍራስ—“እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሽንጭሮ ሊቁስ ወንጌላዊ
  • ናይ ኤጳፍራስ ጸብጻብ
  • ንጸሎት ክብሪ ዝሃበ ሰብኣይ
  • ካልኦት ንየሆዋ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • የሆዋ ከበርተዓካ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/5 ገጽ 30-31

ኤጳፍራስ—“እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ”

ነተን ኣብ ቈረንቶስ: ኤፌሶን: ከምኡውን ኣብ ፊልጲ ዝነበራ ክርስትያን ጉባኤታት ዝመስረተን መን ኢዩ፧ ብምሉእ ምትእምማን ‘እቲ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ዝዀነ ጳውሎስ’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። (ሮሜ 11:⁠13) ቅኑዕ ኢኻ መሊስካ።

ይኹን እምበር: እቲ ነተን ኣብ ቈሎሴ: ሂራጶሊስ: ከምኡውን ኣብ ሎዲቅያ ዝነበራ ጉባኤታት ዘቘመንከ መን ኢዩ፧ ርግጸኛታት እኳ እንተ ዘይኰንና: እቲ ኤጳፍራስ ዝስሙ ሰብኣይ ኢዩ ዝኸውን። ዝዀነ ዀይኑ: ብዛዕባ እዚ ወንጌላዊ እዚ ዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን ኢኻ: ከመይሲ ንሱ “እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።​—⁠ቈሎሴ 1:7

ናይ ሽንጭሮ ሊቁስ ወንጌላዊ

እታ ኤጳፍራስ እትብል ስም ናይ ኤጳፍሮዲጦስ ኣሕጽሮተ-ስም ኢያ። ኤጳፍራስ ግን ምስቲ ናይ ፊልጲ ኤጳፍሮዲጦስ ከደናግር የብሉን። ኤጳፍራስ ናይ ቈሎሴ ኢዩ ነይሩ: ቈሎሴ ድማ ካብተን ኣብ ሽንጭሮ ናይ ፈለግ ሊቁስ: ንእሽቶ እስያ: ዝርከባ ዝነበራ ሰለስተ ቀንዲ ናይ ክርስትያን ጉባኤታት ሓንቲ ኢያ ነይራ። ቈሎሴ ካብ ሎዲቅያ 18 ኪሎ ሜተር: ካብ ሂራጶሊስ ድማ 19 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ: ኣብቲ ጥንታዊ ዞባ ናይ ፍርግያ ትርከብ ነበረት።

መጽሓፍ ቅዱስ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ናብ ፍርግያ ከም ዝበጽሐ ብግልጺ ኣይነግርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ሰብ ፍርግያ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ነይሮም ኢዮም: ገለ ካብኣቶም ድማ ሰብ ቈሎሴ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​1, 5, 10) ኣብቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝገበሮ ኣገልግሎት (52-55 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን): እቲ ኣብቲ ከባቢ ተዋሂቡ ዝነበረ ምስክርነት ሓያልን ስሉጥን ብምንባሩ: ሰብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰኑስ ‘ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ሰምዕዎ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠10) ብዙሓት ኣብቲ ዞባ እቲ ክርስትያናት ዝዀኑ ንጳውሎስ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ብምንባሮም: ነቲ ብስራት ኣብ ብምሉኡ ሽንጭሮ ሊቁስ ዝሰበኾ ኣይመስልን ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 2:1

ከምቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ: እቲ ንሰብ ቈሎሴ ‘ጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ’ ዝማሃሮም ኤጳፍራስ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ነዚ መተዓይይቲ እዚ “ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ” ኢሉ ምጽውዑ: ኤጳፍራስ ኣብቲ ከባቢ ንጡፍ ወንጌላዊ ከም ዝነበረ ዘርኢ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:​6, 7

ክልቲኦም ማለት ሃዋርያ ጳውሎስን እቲ ወንጌላዊ ኤጳፍራስን ንመንፈሳዊ ድሕንነት ናይቶም ኣብ ሽንጭሮ ሊቁስ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቶም ዝምልከት ኣዝዮም ይግደሱ ነበሩ። ከም “ነህዛብ ሃዋርያኦም” መጠን: ጳውሎስ ንዕቤቶም ዝመልከት ጸብጻብ ክሰምዕ ተሓጒሱ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ብርግጽ: ጳውሎስ መንፈሳዊ ኵነታት ናይ ሰብ ቈሎሴ ካብ ኤጳፍራስ ኢዩ ሰሚዕዎ።​—⁠ቈሎሴ 1:​4, 8

ናይ ኤጳፍራስ ጸብጻብ

ሰብ ቈሎሴ: ከቢድ ግድላት ኣጓኒፍዎም ነበረ: ኤጳፍራስ ድማ ነቲ ጕዳያት ምስ ጳውሎስ ንምምይያጥ ብዝብል ፍሉይ ዕላማ ናብ ሮሜ ነዊሕ ጕዕዞ ንምግባር ተገደደ። ጳውሎስ ነቶም ኣሕዋት ዘይፈልጦም እኳ እንተ ነበረ ክልተ ደብዳበታት ንኽጽሕፈሎም እቲ ኤጳፍራስ ዘምጽኣሉ ሰፊሕ ጸብጻብ ደሪኽዎ ኢዩ። እታ ሓንቲ ደብዳበ ናብ ሰብ ቈለሴ ኢያ ነይራ። እታ ዘይተዓቀበት ካልኣይቲ ደብዳበ ኸኣ ናብ ሰብ ሎዲቅያ ኢያ ነይራ። (ቈሎሴ 4:​16) ትሕዝቶ ናይተን ደብዳበታት: ነቲ ኤጳፍራስ ኣቕሊብሉ ዝነበረ ነቶም ክርስትያናት ዝኸውን ኣድላዪ ነገራት ንምምላስ ኢዩ ነይሩ ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ኢዩ። ኣየኖት ኣድለይቲ ዝዀኑ ነገራት ኢዩ ኣቕሊቡሎም ዝነበረ፧ እዚኸ ብዛዕባ ባህርያቱ እንታይ ይነግረና፧

እታ ናብ ሰብ ቈሎሴ እተላእከት ደብዳበ ኤጳፍራስ ተጨኒቑ ከም ዝነበረ እትሕብር ኢያ ትመስል: ምኽንያቱ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት በቲ ባሕታዊ ምዃን: ሓተታ መናፍስቲ: ከምኡውን ኣምልኾ ጣኦታዊ ማሪት ዝሓዘ ናይ ኣረማውያን ፍልስፍናታት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ መግቢ ምሕሳምን ንገለ መዓልትታት ምብዓልን የድሊ ኢዩ ዝብል ዝነበረ ትምህርቲ ኣይሁድ ንገለ ኣባላት ናይታ ጉባኤ ጽልዋ ገይርሎም ነይሩ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 2:​4, 8, 16, 20-​23

ጳውሎስ ብዛዕባ እዞም ጕዳያት እዚኣቶም ምጽሓፉ: ኤጳፍራስ ንናይ ብጾቱ ክርስትያናት ድሌታት ክሳዕ ክንደይ ንቑሕን ዘስተብህልን ከም ዝነበረ የርእየና። ናይቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ ሓደጋታት ብምስትብሃል: ንመንፈሳዊ ድሕንነቶም ዝኸውን ፍቕራዊ ሓልዮት ኣርእዩ ኢዩ። ኤጳፍራስ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ደለየ: እዚ ድማ ትሑት ምንባሩ የርኢ። ምናልባት ካብ ሓደ ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎ ሰብ ምኽሪ ምቕባል ኣድላዪ ምዃኑ ተሰሚዕዎ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ: ኤጳፍራስ ጥበባዊ ስጕምቲ ኢዩ ወሲዱ።​—⁠ምሳሌ 15:22

ንጸሎት ክብሪ ዝሃበ ሰብኣይ

ጳውሎስ ኣብ መደምደምታ ናይታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝሰደዳ ደብዳበ ከምዚ ይብል:⁠- “እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ: ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ: ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ። ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ: እምስክረሉ አሎኹ።”​—⁠ቈሎሴ 4:​12, 13

እወ: ኤጳፍራስ ኣብ ሮሜ ‘መተኣስርቲ’ ጳውሎስ ኰይኑ ከሎ እውን ከይተረፈ: በቶም ኣብ ቈሎሴ: ሎዲቅያ: ከምኡውን ኣብ ሂራጶሊስ ዝነበሩ ፍቑራት ኣሕዋቱ ይሓስብን ይጽልየሎምን ነበረ። (ፊልሞን 23) ቃል ብቓሉ: ብጸሎት ‘ተጋዲሉሎም ኢዩ።’ ብመሰረት ዲ. ኣድመንድ ሃይበርት እተባህለ ምሁር ዝበሎ: እታ ኣብዚ ተዘውቲራ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ንሓደ ዘድክምን ብዙሕ መስዋእቲ ዝሓትትን ንጥፈት” ኢያ እተመልክት: እዚ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌተሴማኔ ስፍራ ኣታኽልቲ ክጽሊ ኸሎ ዘሕለፎ: እተሰምዖ “ጻዕረ ሞት” ዝመሳሰል ኢዩ። (ሉቃስ 22:44) ኤጳፍራስ: እቶም ብመንፈስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ጽንዓትን ምሉእ ክርስትያናዊ ብስለትን ክረኽቡ ኣጸቢቑ ይደሊ ነበረ። እተን ጉባኤታት ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ሓው ክህልወንሲ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ዝነበረን!

ኤጳፍራስ ‘ፍቑር መዓይይቲ’ ተባሂሉ ስለ እተጸውዐ ብክርስትያናት ብጾቱ ይፍቶ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ቈሎሴ 1:7) ኵነታት ኣብ ዘፍቅደሉ: ኵሎም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ምዉቕ ስምዒቶምን ፍቕሮምን ክልግሱ ይግባእ። ንኣብነት: ንሕሙማት: ንኣረጋውያን: ወይ ነቶም ፍሉይ ደገፍ ዘድልዮም ምሕጋዝ ኣድህቦ ክግበረሉ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ጉባኤ ክውሰዱ ዝኽእሉ እተፈላለዩ ሓላፍነታት ክህልዉ ይኽእሉ ይዀኑ: ወይ ድማ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት እጃምካ ከተበርክት ይከኣል ይኸውን።

ከምቲ ኤጳፍራስ ዝገበሮ: ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ኵሉ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል: ርእሱ ዝኸኣለ ቅዱስ ኣገልግሎት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት: ምእንቲ እቶም ብመንፈስ ወይ ብኣካል እተፈላለየ ሓደጋታት ወይ ግድላት ዝጋጠሙ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ ሓልዮት መግለጺታት ዘጠቓለለ ክኸውን ይኽእል። ከምዚ ገይርና ብምጽዓርና: ንኤጳፍራስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ንነፍሲ ወከፍና ድማ ኣብቲ ናይ የሆዋ እሙናት ኣገልገልቲ ዘለዉዎ ስድራቤት ‘ፍቑር መተዓይይቲ ባርያ’ ናይ ምዃን መሰልን ሓጐስን ክህልወና ይኽእል ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ