‘ኣብ ኣምላኽ ክጽጋዕ ኢየ’
ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” ፈተናታትን ጸቕጥታትን እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንኣብነት: ተኣማንነትና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ይፍተን ይኸውን። ንጽህናና ኣብ መንጎ መማህርትና ክንከውን ከሎና ይፍተን ይኸውን። ንጹህ ኣቕዋም ምሓዝና ኸኣ በዛ ብስነ-ምግባር ተባላሽያ ዘላ ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ ይፍተን ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ኣሳፍ እውን እከይ ኣዝዩ ኣብ ዝበዝሓሉ ግዜ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። አረ ገለ ካብቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩስ በቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ጠባያቶም ዝንየቱ ኢዮም ነይሮም። ኣሳፍ ድማ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦም: ግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም። የላግጹ: ብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ: ካብ ላዕሊ ይዛረቡ አለዎ።” (መዝሙር 73:6, 8) እዚ ባህርያት እዝስ ቅድሚ ሕጂ ትፈልጦ ኰይኑዶ ተሰሚዑካ፧
እዚ ኸምዚ ዝበለ ጠባያት: ነቶም ቅኑዕ ዘበለ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ዘጨንቖምን: አረ ተስፋ እውን ዘቝርጾም ኢዩ። ኣሳፍ “ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ: . . . ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ” ብምባል ጓሂኡ ገለጸ። (መዝሙር 73:14, 16) ንዓኻውን ልክዕ ከምዚ ይስምዓካ ይኸውን ተስፋ ግን ኣይትቝረጽ! ኣሳፍ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ እከይ ብዓወት ክዋጽኣሉ ኽኢሉ ኢዩ: ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ኢኻ ግን ከምኡ ክትገብር እትኽእል፧
ኣሳፍ ኣብ ትሕቲ ዘይፍጹም ምምሕዳር ናይ ሰብ ሓቀኛ ፍትሒ ክትረክብ ዳርጋ ከም ዘይከኣል ተገንዚብዎ ነበረ። (መዝሙር 146:3, 4፣ ምሳሌ 17:23) ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ነቲ ኽቡር ግዜኡን ሓይሉን ሃብቱን ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ እከይ ኣብ ምልጋስ ዘውዕሎ: ናብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ዝምድና ዘተኰረ። ኣሳፍ ከምዚ ብምባል ኣፍለጠ:- “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ: ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ: እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።”—መዝሙር 73:28
ሎሚ: እቶም ኣብ ብልሹው ዝዀነ ተግባራት ንግድ ዝጽመዱ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ስጋዊ ረብሓታት ይረኽቡ ኢዮም። አረ ብዙሓትሲ በቲ ንናይ ኣምላኽ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት ግዲ ዘይምግባሮም ይንየቱ ይዀኑ ኢዮም። ንሓዋሩ ግን በልጺጎም ኣይክነብሩን ኢዮም። ኣሳፍ “ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም: ናብ ጥፍኣት ተውድቖም” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ።—መዝሙር 73:18
እወ: እቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ከልግስዎም ዘለዎም ከም ምድልሓቕ: ዓመጽ: ከምኡውን ብልሹውና ዝኣመሰሉ ካልኦት ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ተግባራት እውን ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ መወዳእታ ክግበረሎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ብምባል ይመባጻዕ። (መዝሙር 37:9) ክሳዕ ሽዑ ግን: ነተን “እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ: ዕርደይ: መናገፍየይ: ኣምላኸይ: ዝሀድመሉ ጸግዔይ” ዝብላ ቓላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር እነቃልሕ ይግበረና።—መዝሙር 18:2