‘በቲ ሃይማኖታዊ ምልምማዶም ኢዮም ዝነብሩ’
ሓንቲ ጓል ሚያሚ: ፍሎሪዳ: ሕ.መ.ኣ. እዚ ዝስዕብ ደብዳበ ናብ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ እትሕተም ጋዜጣ ሰደደት:- “ወደይ ብዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ዕዳጋ ከሎ ካብ ጅቡኡ ቦረሳ ተሰርቀ። ኣብኡ ኸኣ ፍቓድ መምርሒ መኪና: ናይ መድሕን ወረቐት: ወዘተ . . . ከምኡውን 260 ዶላር ነበረ።
“ከም ዝጠፍኦ ነቲ ሓላፊ ድሕሪ ምንጋሩ: ናብ ገዛ ተመልሰ። ምሸት ብእዋኑ ኸሎ ካብ ሓንቲ ቋንቋ ስጳኛ እትዛረብ ሰበይቲ ተደወለሉ: ብናይ [ተሌፎን] ሰራሕተኛ እናተተርጐመላ ኸኣ ቦርስኡ ከም ዝረኸበታ ነገረቶ።
“ኣድራሽኣ ሃበቶ . . .። እታ ቦርሳ ዋላ ሓንቲ: እቲ 260 ዶላር እውን እንተዀነ ከይተተንከፈ ሃበቶ።
“እቲ ሰራቒ ቦርስኡ ክወስደሉ ከሎ ርእያ ኣእወየት። እቲ ሰራቒ ኸኣ ነታ ቦረሳ ደርበይዋ ሃደመ። ሽዑ ወደይ ካብኣ ብምስዋሩ: ነታ ቦርሳ ንገዝኣ ሒዛታ ከደት እሞ ኣብኡ ኰይና ኸኣ ደወለት።
“ንሳን ስድራቤታን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። በቲ ሃይማኖታዊ ምልምማዶም ከም ዝነብሩ ርኡይ ኢዩ።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛታት ዝዀኑ ብሰባት ክውደሱ ኢሎም ኣይኰኑን። (ኤፌሶን 6:7) ኣብ ክንድኡ: ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም የሆዋ ውዳሴ ከምጽኡሉ ኢዮም ካብ ልቦም ዝብህጉ። (1 ቈረንቶስ 10:31) እቲ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዘሎዎም ፍቕሪ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽሰብኩ ይደፋፍኦም። (ማቴዎስ 24:14) በታ መንግስቲ ኣቢሉ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ጽብቕቲ ገነት ክልውጣ ተማባጺዑ ኣሎ። ሽዑ ምድሪ ዝርአ ጽባቐ ክህልዋ ጥራይ ዘይኰነስ: ሓቀኝነት ንዘለኣለም ዝነብረላ ብሉጽ ስነ-ምግባራዊ ኵነታት እውን ክህልዋ ኢዩ።—እብራውያን 13:18፣ 2 ጴጥሮስ 3:13