ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ናይ 15 ነሓሰ 1996 “ግምቢ ዘብዐኛ ” “ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ጸበባ ናብ ወገን የሆዋ ዝሃደመ ‘ስጋ’ ክድሕን ኢዩ ” ኢላ ነበረት። እዚ ግን ድሕሪ እቲ ቐዳማይ መድረኽ ናይቲ ዓቢ ጸበባ: ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ናብ ወገን የሆዋ ክመጹ ኢዮም ማለት ድዩ፧
እቲ እተባህለ ነጥቢ ከምዚ ሓሳብ እዚ ኣይኰነን።
እተን ኣብ ማቴዎስ 24:22 ዘለዋ ቃላት የሱስ ቀዳማይ ፍጻሜአን ኣብ መጻኢ ግዜ ኢዩ ዝኸውን። እዚ ኸኣ: ካብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዓቢ ጸበባ: ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝወርድ መጥቃዕቲ: ብዝርከብ ድሕነት ኢዩ። እታ ዓንቀጽ “‘ስጋ’ ናይ ክልቲኦም: ማለት ናይቶም ቅቡኣት ተረፍን ‘ዓቢ ጭፍራ’ን: ዓባይ ባቢሎን ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ጸበባ ብቕጽበትን ምሉእ ብምሉእን ክትጠፍእ ከላ ድሮ ድሒኑ ከም ዘሎ ዘክር” በለት።
ከምዚኦም ዝበሉ እሙናት ሰባት: የሱስን ሰማያዊ ሰራዊቱን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ጸበባ ስጕምቲ ክወስዱ ከለዉ ሓደጋ ኣይከጋጥሞምን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብቲ ናይ መወዳእታ መድረኽ ናይቲ ጸበባ ዝድሕን መን ኢዩ፧ ራእይ 7:9, 14 ሓደ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎ ዓቢ ጭፍራ ክድሕን ምዃኑ ትገልጽ። ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ናይ 15 ነሓሰ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ብዛዕባ እቲ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንሰማይ ዝውሰድሉ ግዜ ርግጸኛታት ክንከውን ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ገሊጻ ነይራ ኢያ። ስለዚ ኸኣ ኢያ እዛ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ዓንቀጽ (15 ነሓሰ 1996) “ብተመሳሳሊ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ጸበባ ናብ ወገን የሆዋ ዝሃደመ ‘ስጋ’ ክድሕን ኢዩ” ዝብል ሓፈሻዊ ሓሳባት ብምሃብ ነቲ ጕዳይ ከም ዘለዎ ዝሓደገቶ።
ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ ምጅማሩ: ብዛዕባ እቲ ሓደስቲ ሰባት ሓቂ ክፈልጡን ናብ ወገን የሆዋ ክመጹን ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ዝብል: ነተን ኣብ ማቴዎስ 24:29-31 ተመዝጊበን ዘለዋ ቃላት የሱስ ኣስተብህለለን። ድሕሪ ምጅማር እቲ ጸበባ: ምልክት ወዲ ሰብ ክርአ ኢዩ። የሱስ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ክበኽዩ ምዃኖም ተዛሪቡ ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ሽዑ ዝነቕሑ: ዝናስሑ: ኣብ ወገን ኣምላኽ ዝዀኑ: ከምኡውን ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ ሰባት ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይተዛረበን።
ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እተዋህበ ምሳልያዊ ዛንታ: እቲ ወዲ ሰብ ይመጽእ እሞ ንሰባት ብመሰረት እቲ ቕድም ዝገበርዎን ክገብርዎ ዝነበሮምን ነገራት ብፍርዳዊ መገዲ ይፈላልዮም። የሱስ ብዛዕባ ንነዊሕ እዋን ጤል መሰል ባህርያት ዘርእዩ ዝነበሩ እሞ ብቕጽበት በጊዕ መሰል ናብ ምዃን ዝልወጡ ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን። ብመሰረት እቲ ሰባት እንታይ ዓይነት ምዃኖም ድሮ ዘረጋገጽዎ ነገራት ኢዩ ክፈርድ ዝመጽእ።—ማቴዎስ 25:31-46
ይኹን እምበር: ሕጂ እውን ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ርግጸኛታት ክንኰነሉ ዘሎና ምኽንያት የለን። ክልቲኦም ህዝቢ ኣምላኽ: ማለት እቶም ቅቡኣትን ዓቢ ጭፍራን: እቲ ሕጂ ክገብርዎ ዘለዎም ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ማርቆስ 13:10) ነቲ “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ: ንሕና መዓይይቲ ዄንና: ንምዕደኩም አሎና። ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ: ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ: ይብል እዩ እሞ: እንሆ: እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ: እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” ዝብል ምኽሪ ኣብ ልብና እነሕድረሉ ግቡእ ግዜ ሕጂ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 6:1, 2