ብዛዕባ ሲኦል ዘሎ ሓቂ
በቲ ኣብ ቸርች ኦቭ ኢንግላንድ ዝርከብ ኮምሽን ሰረተ-እምነት እተዋህበ ጸብጻብ: ሲኦል ዘቃጽል ሓዊ ዘለዎ እቶን ኣይኰነን፣ ኣብ ክንድኡ: ዋላ ሓደ ነገር ዘይብሉ ናይ ሓሳብ ቦታ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ “እዚ ለውጢ እዚ ዘድልየሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ገለ ካብኡ ግን እቲ ካብ ክልቲኡ ማለት ካብ ውሽጥን ካብ ወጻእን እምነት ክርስትና: ኣንጻር ናይ ፍርሂ ሃይማኖት እተላዕለ ስነ-ምግባራዊ ተቓውሞ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ዝልእኽ ኣምላኽ ዘለዎ ምስሊ ምስቲ ኣብ ክርስቶስ እተገልጸ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝጻረር ምንባሩ: እናዓበየ ዝኸደ ምርዳእ ኢዩ ነይሩ።”
እዚ ንልምዳዊ ኣረኣእያ ሲኦል ዝምልከት ምሽቓል ግን ኣብ ቸርች ኦቭ ኢንግላንድ ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ዘለዉ ሰባት ንሓጢኣተኛታት ብሓዊ ዘቃጽል ተቐያሚ ኣምላኽ ከምልኹ ኣሸጋሪ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ናይቲ ኣብ ዱዩክ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት: ናይ ሃይማኖትን ሕብረተሰብን ፕሮፌሰር ጃክሰን ካረል “ሰባት: ዝድንግጽን ንኽትቀርቦ ድማ ባህ ዘብልን ኣምላኽ ኢዮም ዝደልዩ። ብዛዕባ ሓጢኣትን በደልን ምዝራብ ኣንጻር ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ኢዩ” ይብል።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ሲኦል—ሓዊ ዘለዎ መሳቐዪ ቦታ ዘይኰነስ—ናይ ዝሞቱ ደቅሰብ ተራ መቓብር ጥራይ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ነዚ ኣረኣእያ ዝሓዝዎ ተፈላጥነት ዝረኸበ ብምዃኑ ዘይኰነስ: ብምኽንያት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ኢዮም:- “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።”—መክብብ 9:5, 10
ቀዳማይ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: ቻርለስ ቴዝ ራስል: ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት እዚ ንጹር ምርዳእ እዚ ብምሓዝ: ብ1896 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ሃይማኖታዊ ሕግታትን ሃይማኖታዊ ናይ መዝሙር መጻሕፍትን ቅዳሴታትን ብጌጋ ዝምህርዎ: [ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ] ናይ ዘለኣለማዊ ስቓይ ቦታ ዝበሃል ከም ዘሎ ኣይንረክብን ኢና። እንተዀነ ግን ኵሉ ሰብኣዊ ዓሌት ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ናብኡ ክኣቱ እተፈርደሉ: ኵላቶም ድማ ብሞት ጐይታና ካብኡ በጅነት ዝረኸብሉ ‘ሲኦል:’ ሺኦል: ሃደስ ዝብል ረኺብና ኢና፣ ስለዚ ሲኦል: መቓብር—ናይ ሞት ኵነታት—ኢዩ።”
በዚ ኸኣ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ ሓደ ዘበን ዝኸውን ነቲ ንሲኦል ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝማሃሩ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
ቻርለስ ቲ. ራስል