ካብቲ ዓቢ ጸበባ ብህይወት ዝደሓኑ
“እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም: ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ።”—ራእይ 7:14
1. ነቶም ኣብቲ ምድራዊ ትንሳኤ ዝትንስኡ መን ኪቕበሎም ኢዩ?
ማእለያ ዘይብሎም ሚልዮናት በቲ ‘ትንሳኤ ናይ ጻድቃንን ሓጥኣንን’ ምስ ተንስኡ ናብ ሓንቲ ጥራያ ዝኾነት ምድሪ ኣይኰኑን ብህይወት ዝምለሱ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ንሳቶም ናብ ሓደ ብምልኩዕ ኣገባብ እተመሓየሸ ከባቢ ኢዮም ዝበራበሩ ከምኡውን ንዕኦም ተባሂሉ እተዳለወ መንበሪ ኣባይቲ: ክዳውንቲ: ከምኡውን ኣኽል–ታርፍ መግቢ ኪረኽቡ ኢዮም። ነዚ ኩሉ ምድላዋት መን ኢዩ ኪገብሮ? ብርግጽ: ቅድሚ እቲ ምድራዊ ትንሳኤ ምጅማሩ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ኪህልዉ ኢዮም። እዚኣቶም መን ኢዮም? መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ካብቲ ዝመጽእ ዓቢ ጸበባ ዚድሕኑ ምዃኖም ይሕብር። ካብ ኩሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት: ብዘይጥርጥር እዚ እቲ ኣዝዩ ቀስቃሲ ዝኾነ ኢዩ—ማለት ገለ ውሑዳት ሰባት ካብቲ ዓቢ ጸበባ ብህይወት ኪድሕኑ ኢዮም ከምኡውን ኣኪሞቱን ኢዮም። እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓቅነቱ እተረጋገጸ ኢዩ።
ከምቲ ብመዓልትታት ኖህ
2, 3. (ሀ) ኣብ መንጎ መዓልትታት ኖህን ግዜናን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ? (ለ) በቲ ናይ ኖህን ስድራቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ምድሓን እንታይ ኢዩ ተመልኪቱ ዘሎ?
2 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ 24:37-39: ኣብ መንጎ መዓልትታት ኖህን ኣብዘን ንሕና እንነብረለን ዘሎና ዳሕሮት መዓልትታትን ሓደ ምንጽጻር ገይሩ ነበረ። ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝ[ኾ]ነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአትወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንኹሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”
3 እቲ ማይ ኣይሂ ንኹሎም እቶም ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ዘየቕለብሉ ኣጥፍኦም። ንኖህን ስድራቤቱን ግን ኣየጥፍኦምን። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ናብታ መርከብ ኣተዉ።’ ብምኽንያት እቲ ኣምላኻዊ ተወፋይነቶም: የሆዋ ሓደ ክድሕንሉ ዝኽእሉ መገዲ ሃቦም። ካልኣይ ጴጥሮስ 2:5, 9 ነቲ ምድሓን ናይ ኖህን ስድራቤቱን ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል:- “ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ. . . እምበኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ።” የሱስ: ሰባት ብሓፈሻ ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከም ዘየቕልብሉ ንኸርኢ ኣብ መንጎ መዓልትታት ኖህን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታትን ሓደ ምንጽጻር ገይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ከምዚ ክብል ከሎ: ኖህን ስድራቤቱን ንየሆዋ ኣምላኽ ብምእዛዝ: ናብ መርከብ ኣትዮም: ካብ ማይ ኣይሂ ከም ዝደሓኑ እውን ኣረጋጊጹ ኢዩ። ምድሓን ናይ ኖህን ስድራቤቱን: ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝኸውን ምድሓን ናይቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት።
ናይ ቀዳማይ ዘበን መርኣያ
4. ንፍጻሜ ናይ የሱስ ቃላት: እንታይ ፍጻመታት ኢዩ ናብቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ጥፍኣት የሩሳሌም ዘብጽሐ?
4 የሱስ ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝህልዉ ፍጻመታት እውን ተዛሪቡ ነበረ። ኣብ ማቴዎስ 24:21, 22 ከምዚ ነንብብ “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ: እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ: ስጋ ዝለበሰ [ኹ]ሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።” እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ መጀመርያ ክፍለ ዘበን ናይ ኣቈጻጽራ ዘበንና ናይ መጀመርያ ፍጻሜ ነበረን። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ከተማ የሩሳሌም በቲ ሴስቴዩስ ጋሉስ ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሮሜ ተኸበት። እቶም ናይ ሮማ ወተሃደራት ክሳዕ ነቲ መናድቕ ናይቲ ቤተ መቕደስ ምቁጽጻር በጺሖም ብምንባሮም: ብዙሓት ኣይሁድ ኢዶም ንምሃብ ተቐሪቦም ነበሩ። ይኹን እምበር: ብሃንደበት: ብዘይብሩህ ምኽንያት ሴስቴዩስ ጋሉስ ንወተሃደራቱ ኣዝለቖም። ነቲ ምዝላቕ ናይ ሮማውያን ምስ ረኣዩ: ክርስትያናት ነቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣቐዲሙ እተዘርበ ቃላት የሱስ ዓየይሉ ከምዚ ዝብል:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።” (ሉቃስ 21:20, 21) እቶም ክርስትያን ዝኾኑ ኣይሁድ: እቶም ሕሩያት: ብቕልጡፍ ነታ ንጥፍኣት እተኾነነት ከተማ የሩሳሌም ጠንጠኑዋ: በዚ ኸኣ ካብቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ልዕሊኣ ዝወረደ ዘስካሕክሕ ጥፍኣት ደሓኑ። ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ጀነራል ቲቱስ ናይ ሮማ ሌጌዎናት ሰራዊት እንደገና ተመልሱ። ንሳቶም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ሰፈሩ: ነታ ከተማ ከቢቦም ድማ ደምሰሱዋ።
5. ብምንታይ መገዲ ኢዩ እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ጸበባ ሓጺር ዝነበረ?
5 ጆሴፉስ እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ: 1,100,000 ዝኾኑ ኣይሁድ ክሞቱ ከለዉ: 97,000 ድሒኖም ናብ ምርኮ ከም እተወስዱ የዘንቱ። እቶም ዝደሓኑ ክርስትያን ዘይኮኑ ኣይሁድ: ብርግጽ እቶም ኣብ ትንቢት የሱስ ዘለዉ: “እቶም ሕሩያት” ኣይነበሩን። ብዛዕባ እቲ ዓላዊ ህዝቢ ኣይሁድ ክዛረብ ከሎ: የሱስ ከምዚ ኢሉ ነበረ:- “ደጊም: ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ ክሳዕ እትብሉ: ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ: እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ: እብለኩም ኣሎኹ።” (ማቴዎስ 23:38, 39) እቶም ኣብ የሩሳሌም ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣይሁድ: ኣብታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ንየሱስ ከም መሲህ ተቐቢሎሞ: ክርስትያናት ኰይኖም: ከምኡውን ስምረት የሆዋ ረኺቦም ኢዮም ዝብል ጸብጻብ የሎን። የግዳስ: እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝወረደ ጸበባ ሓጺር ኢዩ ነይሩ። እቲ ብሰራዊት ሮሜ እተገብረ ናይ መወዳእታ ከበባ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣየነበረን። እዚ ንገለ ብስጋ ኣይሁድ ዝኾኑ ንኽድሕኑ ኣኽኣሎም። እዚ ድማ ባሮት ብምዃን ናብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይ ሃጸይ ሮሜ እንተ ተሰዲዶም ጥራይ ኢዩ።
ሓደ ዓቢ ጭፍራ ናይ ደሓንቲ
6, 7. (ሀ) ኣየነይቲ ዓባይ ሃይማኖታዊት ከተማ ኢያ ገና ብሕጂ ክትጠፍእ ዘለዋ: ከም ክፍሊ ናይ ኣየናይ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጸበባኸ? (ለ) ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ናይዛ ዓለም እዚኣ እንታይ ኢዩ እተነበየ?
6 እቲ ናይ 70 ከ.ኣ.ዘ. ጥፍኣት የሩሳሌም ሽሕኳ ኣብታ ሃይማኖታዊት ከተማ ብርግጽ “ብርቱዕ ጸበባ” እንተ ኣምጽአ: እቲ ዝዓበየ ፍጻሜ ናይቲ ቃላት የሱስ ገና ኣብ ግብሪ ክውዕል ነበሮ። ሓንቲ ዓባይ ከተማ: ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ሞት–ዘስዕብ ዓቢ ጸበባ ከጋጥማ ኢዩ: ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተረፈ ኣገባብ ሰይጣን ዝወርድ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጸበባ ክስዕቦ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:29, 30፣ ራእይ 18:21) ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም 26 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ሃዋርያ ዮሃንስ: ኣብ ራእይ 7:9-14: ብዛዕባ እዚ ዓለምለኸ ዓቢ ጸበባ ጸሓፈ። ዓቢ ጭፍራ ናይ ሰባት ከም ዝድሕኑ ኸኣ ገሊጹ ነበረ።
7 እዞም “ዓቢ ጭፍራ” ተባሂሎም ዝጽውዑ: ደሓንቲ: ብገለ ገለ ዝወሰድዎ ዘየማትእ ስጉምትታት ኢዮም ዝልለዩ። ብመሰረት ራእይ ዮሃንስ 7:14: ሓደ ካብቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ 24 ሽማግለታት ንዮሃንስ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም: ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ” በሎ። እወ: እዞም ዓቢ ጭፍራ ንየሆዋ ከም ምንጪ ናይ ድሕነቶም መጠን መርሓባ ይብልዎ። ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እምነት የርእዩ ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦምን ቅቡእ ንጉሱ: የሱስ ክርስቶስን ጻድቕ ኣቃውማ ኣለዎም።
8. ኣብ መንጎ እቲ “ዓቢ ጭፍራን” እቶም ቅቡኣት ተረፍ ኣሕዋት ክርስቶስን እንታይ ጽቡቕ ዝምድና ኢዩ ዘሎ?
8 ሎሚ: ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኾኑ ኣባላት ናይዚ ዓቢ ጭፍራ ኣብ ትሕቲ እቲ ንጡፍ መሪሕነት ናይቲ ሰማያዊ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ይነብሩ ኣለዉ። ንሳቶም ንክርስቶስ ኢዮም ዝግዝኡ ከምኡውን ምስቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ኣሕዋቱ ከኣ ጥብቂ ርክብ ኣለዎም። ብዛዕባ እቶም ዓቢ ጭፍራ ነዞም ቅቡኣት ዝገብሩዎ ኣተሓሕዛ ኣመልኪቱ የሱስ “እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ:” በለ። (ማቴዎስ 25:40) እዞም ካብዚ ዓቢ ጭፍራ ዝኾኑ: ንቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ብዘይ ስስዐ ስለ ዝደገፉ: ንዕኡ ንየሱስ ጽቡቕ ከም ዝገበሩ ኢዮም ዝሕሰቡ። እዚ ምስ የሱስ ክርስቶስን የሆዋ ኣምላኽን ዘተኣማምን ዝምድና ንኽህልዎም ይሕግዞም ኢዩ። ነቶም ቅቡኣት ተረፍ: መሰኻኽር ኣምላኽ ከምኡውን ጸወርቲ ስሙ ብምዃን ክሓብርዎምስ መሰል ረኺቦም ኢዮም።—ኢሳይያስ 43:10, 11፣ ዮኤል 2:31, 32
ነቒሕካ ምጽባይ
9, 10. (ሀ) ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ጽድቃዊ ኣቃውማና ኣጽኒዕና ምእንቲ ክንሕዝ እንታይ ክንገብር ይግብኣና? (ለ) ‘ንቑሓት’ ምእንቲ ክንከውንከ ብኸመይ ኢና ስጉምቲ ክንወስድ ዘሎና?
9 እዞም ዓቢ ጭፍራ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ብዘይ ምቍራጽ ጽድቃዊ ኣቃውማኦም ኣጽኒዖም ክሕዙ ኣለዎም: እዚ ኸኣ ክሳዕ መወዳእታ ነቒሕካ ምጽባይ ኢዩ ዝሓትት። የሱስ ከምዚ ብምባል ነዚ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ይርከብ:- “ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላ[ቍ]ን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ”።—ሉቃስ 21:34–36
10 ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባል መታን ክንክእል: ስምረቱ ክህልወና ኣለዎ። እዚ ኸኣ ብኣተሓሳስባ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክንጽሎ እንተደኣ ኣፍቂድና ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ዓለማዊ ኣተሓሳስባ መታለሊ ከምኡውን ንሓደ ሰብ ብስጋዊ ደስታታት ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝተሓዝ ወይ ብናይ ህይወት ግድላት ክኸብዶ እሞ ንረብሓታት ናይታ መንግስቲ ፈጺሙ ከም ዘየቐድም ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 6:33) ከምዚ ዝበለ መገዲ ንሓደ ሰብ ብመንፈስ የድክሞ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ናብ ኣምላኽን ካልኦትን ዘለዎ ሓላፍነታት ዘይግደስ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻም ዝሕቱል ክኸውን ወይ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ ቦታ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ይኽእል: ምናልባት ናይ ዘይምጥዓስ መንፈስ እውን ከርኢ ይኽእል። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝርከብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ካብዛ ኣምላኽ ዘይብላ ዓለምን ግብርታታን ክፍለ ኣለዎ።—ዮሃንስ 17:16
11. ነየናይ ጽሑፋዊ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ ካብ ኣርማጌዶን ምእንቲ ክንድሕን ዝሕግዘና?
11 ነዚ ዝኸውን ድማ: የሆዋ ብቃሉ: ብመንፈስ ቅዱሱ: ከምኡውን በታ እትርአ ማሕበሩ ገይሩ ዘድልየና ሂቡና ኢዩ። ነዚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ: ስምረቱ ክህልወና ንጽበ እንተደኣ ኰይና ጸሎተኛታት ከምኡውን ንኣምላኽ እንእዘዝ ክንከውን ኣሎና። ሓደ ካብኡ: ኣብቲ ሕማቕ ዘበለ ነገራት ብርቱዕ ጽልኢ ከነማዕብል ኣሎና። እቲ መዝሙራዊ ከምዚ ይብል:- “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን: ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን። ንማሕበር እኩያት እጸልኣ: ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ. . . ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን: ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ።” (መዝሙር 26:4, 5, 9) ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ: ምስቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዘይወፈዩ ዘለዎም ሕብረት ደረት ክገብርሉ የድልዮም ኢዩ። ስምረት ኣምላኽ ንኽንቅበል ንጹሃት ከምኡውን ካብዛ ዓለም መንቅብ ዘይብልና ንምዃን ንጽዓር። (መዝሙር 26:1-5፣ ያእቆብ 1:27፣ 4:4) በዚ ድማ: የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ብሞት ገይሩ ምስቶም ረሲኣን ከም ዘይጸራርገና ርግጸኛታት ክንከውን ኢና።
ገሊኦም ‘ንዘለኣለም ኣይኪሞቱን ኢዮም’
12, 13. (ሀ) የሱስ ቅድሚ ንኣልኣዛር ምትንስኡ: ነየኖት ማርታ መሊኣ ክትርድኦም ዘይከኣለት ቃላት ኢዩ ዘውስአ? (ለ) ገሊኦም ‘ፈጺሞም ኣይኪሞቱን ኢዮም’ ዝብል ቃላት የሱስ እንታይ ማለት’ዩ ዘይነበረ?
12 ነቲ ካብዚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ምድሓንን ነቲ ፈጺምካ ናይ ዘይሙማት ተኽእሎን ከተስተንትኖ ከሎኻስ ስምዒትካ ዝቕስቅስ ኢዩ። እዚ ብየሱስ እተዋህበና ተስፋ ኢዩ። ልክዕ ነቲ ሞይቱ ዝነበረ ዓርኩ ኣልኣዛር ቅድሚ ምትንስኡ: የሱስ ንማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዝአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ[?]” በላ። ማርታ ኣብ ትንሳኤ ትኣምን ነይራ ኢያ: ንብምሉኡ የሱስ ዝብሎ ዝነበረ ግን ኣይተረድኣቶን።—ዮሃንስ 11:25, 26
13 የሱስ እቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብስጋ ምንባር ክቕጽሉ ከምኡውን ፈጺሞም ኣይሞቱን ኢዮም ማለቱ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: ቁሩብ ጸኒሑ ደቀ መዛሙርቱ ክሞቱ ምዃኖም ሓቢሩ ነበረ። (ዮሃንስ 21:16-23) እቲ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብመንፈስ ቅዱስ ምቅብኦም: ብርግጽ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም እቲ ሰማያዊ ውርሻኦም ምእንቲ ክቕበሉ ክሞቱ ነይርዎም ማለት ኢዩ። (ራእይ 20:4, 6) ስለዚ: ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ: እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ክርስትያን ብምሉኦም ሓሊፎም ኢዮም። ይኹን እምበር: የሱስ እቲ ዝገበሮ ንሓደ ዕላማ ምዃኑ ተዛሪቡ ነበረ። ብዛዕባ ፈጺምካ ከይሞትካ ምንባር ዝብል ቃላቱ ኪፍጸም ኢዩ።
14, 15. (ሀ) እተን ገሊኦም ‘ፈጺሞም ኣይኪሞቱን ኢዮም’ ዝብላ ቃላት የሱስ ከመይ ኢለን ኢየን ዝፍጸማ? (ለ) ኩነታት ናይዛ ዓለም እዚኣኸ ከመይ ኢዩ ዘሎ: ግንከ እቶም ጻድቃን እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም?
14 እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ብናይ ዘለኣለማዊ ሞት ፈጺሞም ኣይጥቅዑን ኢዮም። (ራእይ 20:6) ከምኡውን ናይ የሱስ ቃላት ኣብ መጻኢ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ጉዳይ ሰብ ኢዱ ዘእትወሉ: ከምቲ ብመዓልትታት ኖህ ዝገበሮ ንእኩያት ካብ ምድሪ ዝጸራረገሉ: ፍሉይ ግዜ ዘመልክታ ኢየን። እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ዝጸንሑ እሙናት ሰባት: በቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ፍርዲ ስጉምትታት ኣይኪሞቱን ኢዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ልክዕ ከም ኖህን ስድራቤቱን: ካብ ጥፍኣት ናይ ዓለም ዝድሕኑሉ ኣጋጣሚ ኪህልዎም ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ተስፋ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን ብኣብነታት እተገልጸን ብምዃኑ ርግጽ ኢዩ። (ምስ እብራውያን 6:19፣ 2 ጴጥሮስ 2:4-9 ኣነጻጽሮ።) እቲ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ድሕሪ ቀረባ ግዜ: እዛ ሓጥእ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ሒዛ ዘላ ዓለም ብጥፍኣት ከተብቅዕ ምዃና ኢዩ ዘርኢ። እዛ ዓለም እዚኣ ክትእረም ዘይተኽእል ረሲእ ኰይና ስለ ዘላ: እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ዘይምለስ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ኣብ መዓልትታት ኖህ ዝነበረት ዓለም እተዛረቦ: ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም እውን ዘመልክት ኢዩ። እከይ ንኣልባብ ናይ ዝበዝሑ ሰባት መሊኡዎ ኢዩ: ሓሳቦም ከኣ ኵሉ ግዜ ሕማቕ ጥራይ ኢዩ።—ዘፍጥረት 6:5
15 የሆዋ ንሰባት ብዘይ መለኮታዊ ኢድ ምእታው ንምድሪ ንብዙሕ ዘበናት ከመሓድርዋ ኣፍቂድሎም ኢዩ። ሕጂ ግን ግዚኦም ዳርጋ ኣብቂዑ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ: የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንኹሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እኩያት ከጽንቶም ኢዩ። (መዝሙር 145:20፣ ምሳሌ 2:21, 22) ይኹን እምበር: ንሱ ነቶም ጻድቃን ምስቶም ረሲኣን ኣይከጥፍኦምን ኢዩ። ኣምላኽ ፈጺሙ ከምዚ ገይሩ ኣይፈልጥን ኢዩ! (ምስ ዘፍጥረት 18:22, 23, 26 ኣነጻጽሮ።) ከመይ ገይሩ ኢዩ እሞ ነቶም ንዕኡ ብተኣማንነት: ብኣምላኻዊ ፍርሒ ከገልግሉ ዝጽዕሩ ከጥፍእ? ልክዕ ከምቲ እታ ብግዚኦም ዝነበረት እክይቲ ዓለም ብመቕዘፍቲ ክትጠፍእ ከላ ኖህን ስድራቤቱን ዘይጠፍኡ: እቶም እቲ ዓቢ ጸበባ ክጅምር ከሎ ብህይወቶም ዝጸንሑ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ስምረት ረኺቦም ዘይምጥፍኦም ምኽንያታዊ ኢዩ። (ዘፍጥረት 7:23) ንሳቶም መለኮታዊ ዑቕባ ኪህልዎም ኢዩ ከምኡውን ካብቲ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኪድሕኑ ኢዮም።
16. ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ዘገርም ነገራት ኢዩ ኪፍጸም: ነቶም ደሓንቲኸ እንታይ ማለት ኢዩ?
16 ድሕሪ እዚኸ? ኣብታ ሓዳስ ዓለም: እቲ ጥቕምታት ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ንደቅሰብ ዝፍውስ በረኸታት ኪውሕዘሎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት. . . ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ: ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ” ብምባል ይዛረብ። (ራእይ 22:1, 2) እቲ “ፈውሲ” ነቲ ኣዳማዊ ሞት ከይተረፈ ምስዓር ዘጠቓለለ ኢዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ዘገርም ኢዩ! “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።” (ኢሳይያስ 25:8) በዚ: እቶም ካብቲ ዓቢ ጸበባ ናብታ ሓዳስ ዓለም ዝድሕኑ ሞት ፈጺሙ ኣየጋጥሞምን ኢዩ!
ርግጽ ተስፋ
17. እቲ ገሊኦም ካብ ኣርማጌዶን ድሒኖም ‘ፈጺሞም ኣይኪሞቱን ኢዮም’ ዝብል ተስፋ ክሳዕ ክንደይ ርግጽ ኢዩ?
17 ኣብዚ ዘገርም ተስፋ ምሉእ ምትእምማን ክህልወና ይኽእልዶ? ከመይ ደኣ! የሱስ ንማርታ: ሰባት ፈጺሞም ከይሞቱ ዝነብርሉ ግዜ ክህሉ ምዃኑ ሓቢሩላ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:26) ብተወሳኺ: ኣብ ምዕራፍ 7 ናይቲ የሱስ ንዮሃንስ ዘርኣዮ ራእይ: ሓደ ዓቢ ጭፍራ ካብቲ ዓቢ ጸበባ ወጺኡ: ከም ዝድሕን ተገሊጹ ነበረ። ንየሱስ ክርስቶስ ከምኡውን ነቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ማይ ኣይሂ ናይ መዓልትታት ኖህ ክንኣምኖ ንኽእልዶ? ብዘይጥርጥር! ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ፍርዲ ከውርድ ከሎን መንግስታት ክወድቁ ከለዉን ንኣገልገልቱ ብህይወት ዘዕቍበሉ ኣጋጣሚታት ዝገልጽ ካልእ ጸብጻባት ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ መወዳእታኸ ካብዚ ዝውሕድ ዲኻ እትጽበ? ንፈጣሪ ዘይከኣሎ ገለ ነገር ኣሎ ድዩ?—ምስ ማቴዎስ 19:26 ኣነጻጽሮ።
18. ኣብታ ናይ የሆዋ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ኢና ውሕስነት ናይ ህይወት ክንረክብ እንኽእል?
18 ሕጂ ንየሆዋ እሙናት ኰይና ብምግልጋል: ኣብታ ናቱ ሓዳስ ዓለም ውሕስነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣሎና። ማእለያ ዘይብሎም ሚልዮናት: ኣብታ ሓዳስ ዓለም ብትንሳኤ ህይወት ኪረኽቡ ኢዮም። ገና ግን: ኣብ ግዜና ሚልዮናት ህዝቢ የሆዋ—እወ: ሓደኳ ኪቈጽሮም ወይ ኪውስኖም ዘይክእል ዓቢ ጭፍራ—ብህይወት ካብቲ ዓቢ ጸበባ ናይ ምድሓን ፍሉይ መሰል ኪህልዎም ኢዩ። ፈጺሞም ከኣ ኣይኪሞቱን ኢዮም።
በጃኻ ግለጽ
◻ ካብ ኣርማጌዶን ምድሓን ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣቐዲሙ ኣብ መዓልትታት ኖህ ጽላሎቱ እተራእየ?
◻ የሱስ ነቲ ናይ የሆዋ ፍርዲ ክፍጽም ምስ መጸ ኣብ ቅድሚኡ ደው ምእንቲ ክንብል እንታይ ክንገብር ይግብኣና?
◻ ናይ ኣርማጌዶን ደሓንቲ ‘ፈጺሞም ኣይኪሞቱን ኢዮም’ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢዩ?
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ካብቲ ጸበባ የሩሳሌም ኣምሊጦም ኢዮም