ናይ ጊልዓድ መበል 101 ክፍሊ ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት
ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ: ንሰናይ ግብሪ ቀናእ ኢዩ: ወዱ የሱስ ክርስቶስ እውን ቀናእ ኢዩ። ከም ኣብነትና መጠን የሱስ: “ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ: ነፍሱ” ምሃብ ዘጠቓልል ዝነበረ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ብምፍጻም ቅንኢ ኣርኣየ። (ቲቶስ 2:14) እቶም 48 ኣባላት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መበል 101 ክፍሊ: ንሰናይ ግብሪ ዘለዎም ቅንኢ ብርግጽ ኣርእዮም ኢዮም። እቲ ናይዞም ሚስዮናውያን ናይ ምረቓ ፕሮግራም ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ብ7 መስከረም 1996 ተገይሩ።
ቀናእ ኴንካ ንምቕጻል ዝሕግዝ ተግባራዊ ምኽሪ
ንልዕሊ 70 ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተኻፈለ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ካሪ ባርበር ናይቲ ምርቓ ፕሮግራም ኣቦ-መንበር ነበረ። ሓው ባርበር ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ሓሳባቱ ናብ ናይ ስብከትን ምምሃርን ንጥፈት ናይቲ “ብርሃን ዓለም” ዝነበረ የሱስ ኣተኰረ። (ዮሃንስ 8:12) የሱስ ነቲ ክቡር ግደ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ከም ዘይገበሮ: ኣብ ክንድኡስ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ብርሃኖም ከብርሁ ከም ዘተባበዖም ኣመልከተ። (ማቴዎስ 5:14-16) እዚ ናይ ኣገልግሎት መሰል እዚ ንክርስትያናዊ ህይወት ትርጕም ይውስኸሉን ኣብ ልዕሊ ኵሎም እቶም ‘ከም ደቂ ብርሃን ኰይኖም ዝመላለሱ’ ኸኣ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክምን ኢዩ።—ኤፌሶን 5:8
ካብቲ ናይ መእተዊ ሓሳባት ብምቕጻል ዳን ኣዳምስ ኣባል ናይቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝርርብ ከም ዝህብ ተነግረ። “ንድሕሪት ዘይኰነስ ንቕድሚት ምኻድ” ዝብል ዝርርብ ከኣ ሃበ። ሓው ኣዳምስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ዕላምኡን—እቲ ስብከት ብስራት ናብ ወጻኢ ሃገራት ምዝርጋሕ—ኣተኰረ። ብዛዕባ ምዕባለ ናይታ ኣብ ብዘላ ዓለም ብልዕሊ 300 ቋንቋታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ዝዘርገሐት ማሕበር ኣምላኽ ድማ ጠቐሰ። ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል ብ1995 እተሓትመት መጽሓፍ ብ111 ቋንቋታት ከም እትትርጐም ተገይሩ: ጌና ድማ ብዝያዳ ቋንቋታት ክትሕተም መደብ ኣሎ። ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ክበጽሑ ንምሕጋዝ ድሮ ኣስላጢት ኰይና ኣላ። ስለዚ እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እዚኣቶም ንዕዮኦም ዝኸውን ሓድሽ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሳርሒ ክህልዎም ኢዩ።
ቀጺሉ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሊማን ስዊንግል ኣብ ራእይ 7:15 እተመስረተ “ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎትኩም ምቕራብ ቀጽሉ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ሃበ። የሆዋ ሕጕስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ብቐጻሊ ንዕኡ ምግልጋል: ንሓደ ሰብ ሕጕስ ይገብሮ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW ) ከም ውጽኢት ናይዚ ዘሐጕስ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ: ንዕኡ ከምልኹ ኢሎም ብውልቀ-ሰባት ዝቘሙ ዓቢ ጭፍራ ካብ ኵሉ ክፍልታት ምድሪ መጺኦም ኣለዉ። እቶም ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ: ንብዙሓት ካብዚኣቶም ናብቲ ርጡብ ፍልጠት ሓቂ ንኽመጹ ኣብ ምሕጋዝ ተኻፊሎም ኢዮም። በዚ ኸምዚ: የሆዋ ነዞም ሕጂ ዝያዳ ኣባላት ናይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓቢ ጭፍራ ንምእካብ ዝልኣኹ ዘለዉ ምብራኹ ክቕጽል ኢዩ ኢልና ንኽንኣምን ቅቡል ምኽንያት ኣሎና።
እቲ ብዳንኤል ሲድሊክ: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል: ዝጐልሐ ቀንዲ ኣርእስቲ “ሓጐስ የሆዋ ምንጽብራቕ” ዝብል ነበረ። ነዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እውን ሓዊስካ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ንሰባት መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወትን ሕጂ ድማ ብኸመይ ዝበለጸ ናብራ ከም ዝርከብን ናይ ምምሃር መሰል ከም ዘለዎም ገለጸ። ሓው ሲድሊክ “ምምሃር ንገዛእ ርእስኻ ዓስቢ ዘምጽእ ሞያ ኢዩ። ኣብ ገጽ ናይቶም ዝምህሩ ሰባትን ናይቶም ዝማሃሩን ከኣ ይንጸባረቕ” ብምባል ገለጸ። (መዝሙር 16:8-11) ንሓደ ከምዚ ኢሉ እተዛረበ ኣብ ኢስቶንያ ዘሎ ሚስዮናዊ ጠቐሰ:- “ኣብ ምልእቲ ምድሪ ካብ ዘሎ እቲ ዝዓበየ መልእኽቲ ኣሎና: ነዚ ዘንጸባርቖ ኸኣ ገጽና ኢዩ።” ትርኢት ገጽና ብዙሓት ሰባት ከም ዝሰምዑን ተገዳስነት ከም ዘርእዩን ክገብር ይኽእል ኢዩ። ሰባት: ንህዝቢ የሆዋ ዘሐጕሶም ዘሎ እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ ይደልዩ ኢዮም። ሓው ሲድሊክ ከምዚ ኢሉ መኸረ:- “ስለዚ እምብኣር ንትርኢት ገጽኩም ኣስተብህልሉ። ሰባት: ሕጕሳት ሰባት ክርእዩ ባህ ኢዩ ዝብሎም።”
ብ1949 ካብ መበል 12 ክፍሊ ጀሚሩ ንተማሃሮ ጊልዓድ ኣብ ምምሃር ዝሳተፍ ዘሎ ዩሊሰስ ግላስ ነቶም ተኣከብቲ “ብትዕግስቲ: ነፍስኹም ሓልዉ” ዝብል ዝርርብ ሃቦም። ትዕግስቲ እንታይ ኢዩ፧ ንገለ ነገር ብህድኣት ናይ ምጽባይ: ኣብ ትሕቲ ተጽዕኖ ወይ ውጥረት ናይ ምኽኣል መንፈስ ምንጽብራቕ ሓሳብ ተመሓላልፍ። ዕጉስ ሰብ ረጊኡ ይቕጽል፣ እቲ ዘይዕጉስ ግን ህዉኽን ሓራቕን ይኸውን። “ብዙሓት ትዕግስቲ ናይ ድኻም ወይ ክትውስን ናይ ዘይምኽኣል ምልክት ገይሮም ይሓስብዎ” ምስ በለ ሓው ግላስ: “ንየሆዋ [ግን] ናይ ብርታዐን ዕላማን ምልክት ኢዩ” በለ። (ምሳሌ 16:32) ካብ ትዕግስቲ ዝርከቡ ዓስብታት እንታይ ኢዮም፧ ሓደ ናይ ቻይናውያን ምስላ “ኣብ ግዜ ሕርቃን ትዕግስቲ ምግባር: ካብ ናይ ሚእቲ መዓልታት ጓሂ ይባልሃካ ኢዩ” ይብል። ሓው ግላስ ከኣ “ትዕግስቲ ንናይ ሓደ ሰብ ባህርያት የማዕብሎ ኢዩ። ብርግጽ: ንኻልእ ጽቡቕ ባህርያት ብነባሪ ቀለም ገይሩ ይስልሞ ኢዩ። ንእምነት ተባሃጊ: ንሰላም ነባሪ: ከምኡውን ንፍቕሪ ዘይነቓነቕ ይገብሮ” ብምባል ሓሳባት ሃበ።
ኣብ ኬንያ ን11 ዓመታት ሚስዮናዊ ኰይኑ ዘገልገለ: ሕጂ ኸኣ መምህር ናይ ጊልዓድ ዘሎ ማርክ ኑማር “ብማሕበሩ ኣቢልካ ካብ የሆዋ መዝነት ምቕባል: መሰል ኢዩ” ኢሉ ገለጸ። ነታ “እምነት እንተ ዘይሃልይኩም: ነዊሕ ኣይክትቅጽሉን ኢኹም” እትብል ቀንዲ ኣርእስቲ ከጕልሕ ከሎ ናብቲ ናይ ኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብነት ኣተኰረ። ኢሳይያስ: ኣብ ዕይኡ ናይ የሆዋ ደገፍ ከም ዘለዎ ነቲ ንጉስ ኣረጋጊጽሉ ነይሩ ኢዩ: ኣሃዝ ግን ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ኣይገበረን። (ኢሳይያስ 7:2-9) ቀጺሉ ሓው ኑማር ሚስዮናውያን—ብርግጽ ኵላትና—ኣብቲ ቲኦክራስያዊ መዝነቶም ነዊሕ ዝቕጽሉ ምእንቲ ክዀኑ ኣብ የሆዋ እምነት ምግባር ከም ዘድልዮም ሓበረ። ናይ ሚስዮናዊ መዝነት ቀንዲ ብድሆታት ሓያል እምነት ዝሓትት ኢዩ። ሓው ኑማር “ኣብዚ ኣገባብ እዚ ፍጹም ኵነታት ከም ዘየለ ኵሉ ግዜ ዘክሩ” ኢሉ ገለጸ።
ቅንኢ ዘለዎ ንጥፈት ንኽትገብር ዘተባብዕ ተመክሮታት
ኣብ እዋን ናይ ጊልዓድ ልምምዶም እቶም ተማሃሮ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣሕሊፎም ኢዮም: እዚ ድማ ኣብ ሚስዮናዊ መዝነቶም እውን ቀንዲ ጕዳዮም ክኸውን ዘለዎ ኢዩ። ኣባል ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝዀነ ዋለስ ሊቨራንስ: ተመክሮኦም ንዝነገሩ 15 ተማሃሮ ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። ቀጺሎም: ኣባል ኮሚቴ ክፍሊ ኣገልግሎት ዝዀነ ሊዮን ዊቬር ከምኡውን ላን ሺሊን ኣባል ኮሚቴ ዕዮ ቤትኤል ነቶም ካብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ዝመጹ ካብ ናይ ሚስዮናዊነት ኣገልግሎት እተረኽቡ ተመክሮታት ዝነገሩን ነቶም ምሩቓት ሚስዮናውያን ዝኸውን ገለ ጽቡቕ ምኽርታት ዝነበሮምን ናይ ጨንፈር ኮሚቴ ኣባላት ቃለ-መጠይቕ ገበርሎም። ኣብ ሴራልዮን 90 ካብ ሚእቲ ካብቶም ኣብ ናይ 1995 ናይ ኣገልግሎት ዓመት እተጠመቑ ብሚስዮናውያን እተሓገዙ ኢዮም። ኣየ ከመይ ዝበለ መዝገብ ናይ ብቕንኢ እተገብረ ንጥፈት ኰን ኢዩ!
ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ማሕበር ፕረዚደንት ሚልተን ሄንሸል ነቶም 2,734 ተኣከብቲ “እትርአ ማሕበር የሆዋ ብርቂ ኢያ” ዝብል ዝርርብ ሃቦም። ማሕበር ኣምላኽ መዘና ዘይብላ ዝገብራ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ዕቤታ ወይ ሓይላ ኣይኰነን: በቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ሕግታትን ናይ ፍርዲ ውሳነታትን እትምራሕ ስለ ዝዀነት ኢዩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ህዝቢ እስራኤል ቅዱስ ሕግታት ሕድሪ እተዋህቦም ህዝቢ የሆዋ ኢዮም ነይሮም: እዚ ድማ ፍሉይ ህዝቢ ገበሮም። (ሮሜ 3:1, 2) ሎሚ ማሕበር የሆዋ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ትዓዪ ስለ ዘላ ሕብረት ኣለዋ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ትብልጽግን ትዓብን ኣላ። ቅድሚ ኣገደስቲ ውሳነታት ምግባሩ: ንቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዝውከስ ኣማሓዳሪ ኣካል ዘለዋ ካልእ ማሕበር ኣብ ምድሪ ኣላዶ፧ በዝን ካልእ መገድታትን ማሕበር የሆዋ ብሓቂ ብርቂ ኢያ።
እቲ ባህ ዘብል ፕሮግራም: ዲፕሎማ ብምዕዳልን ነቲ ፍሉይ ስልጠና ዘለዎም ሞሳ እትገልጽ ደብዳበ ናይቶም ተማሃሮ ብምንባብን ተዛዘመ።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ
ቊጽሪ ዝመጹለን ሃገራት፦ 9
ቊጽሪ እተመደበሉ ሃገራት፦ 12
ቊጽሪ ተማሃሮ፦ 48
ገምጋም ዕድመ፦ 31.7
ኣብ ሓቂ ዝጸንሕሉ ገምጋም ዓመታት፦ 13.8
ኣብ ናይ ምአሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሕሉ ገምጋም ዓመታት፦ 9.8
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 101 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ
(1) ሄስተር ስዊንት፣ ኤሌሰን ዜዚንስኪ፣ ሎሪ ሃይፊልድ፣ ሶንያ ማርካዶ፣ ኣኔት ዲል፣ ቨርጂንያ ቻቬዝ፣ ጂል ስሚዝ፣ ሶይንቱ ሰሊኒዩስ፣ (2) ደቤ ኩርትስ፣ ሲንዲ ክላርክ፣ ጃነት ሌስቦርን፣ ወንዲ ሞርተንሰን፣ ኤፕሪል ብራሜሊ፣ ሊሳ ቶይካ፣ ኣኒታ ማርተን፣ ዳን ስሚዝ፣ (3) ዳቪድ ዜዚንስኪ፣ ሊነ ባየርጎር፣ ቦኒ ጋራፋሎ፣ ሊነ ካልዳል፣ ኤድዋርድ ቻቬዝ፣ ስቫይላነ ፍሮይዲን፣ ረናተ ካን፣ ራይነር ሰለኒዩስ፣ (4) ብራያን ስዊንት፣ ማርቲን ባየርጎር፣ ፓውል ጋራፋሎ፣ ሊልዬን ሆልምብላድ፣ ማርዮን ኪሰር፣ ቶማስ ፍሮዲን፣ ጆኣን ፖልፍሪማን፣ ዳቪድ ፖልፍሪማን፣ (5) ሊንዴ ሚንግዋስ፣ ማርተን ሊስቦርን፣ ማንዌል ማርካዶ፣ ማትዩ ኩርትስ፣ ሃንዝ ዲል፣ ዩሲ ቶይካ፣ ስኮት ክላርክ፣ ኣሽሊ ካን፣ (6) ፌርናንዶ ሚንግዋስ፣ ቤኒ ማርተን፣ ሌዊስ ሃይፊልድ፣ ቦ ሆልምብላድ፣ ኬን ብራሜሊ፣ ሃይነ ካልዳል፣ ፔር ሞርተንሰን፣ ሮኢ ኪሰር