ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎዶ ኢዩ፧
ኣምላኽ ንሰብ መንፈሳዊ ድሌት—ናይ ምምላኽ ድሌት—ዘለዎ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎ። ዝፈለቐ ነገር ኣይኰነን። ኣምልኾ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ናይ ወድሰብ ክፍሊ ኢዩ።
ዘሕዝን ግን: ደቅሰብ ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነት ኣምልኾ ኣማዕቢሎም ኢዮም: ዝበዝሕ ከኣ ሕጕስን ሕቡርን ስድራቤት ክምስርት ኣይከኣለን። ኣብ ክንድኡስ: ብስም ሃይማኖት ጌና ደማዊ ውግኣት ይግበር ኣሎ። እዚ ድማ: ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘምልኾ ኣገዳሲ ድዩ፧ ዝብል ዓቢ ሕቶ የልዕል።
ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዘተሓታትት ኣምልኾ
እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሮም ዝነበሩ ህዝብታት: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶ ክንምልሰሉ ዝሕግዘና ታሪኻዊ ኣብነት ይህቡና ኢዮም። ብዙሓት በዓል እተባህለ ኣምላኽ የምልኹ ነበሩ። ከም እኒ ኣሻራህ ዝኣመሰላ ምስ በዓል ሕብረት ዝነበረን ኣንስቶት ኣማልኽቲ እውን የምልኹ ነይሮም ኢዮም። ናይ ኣሻራህ ኣምልኾ ንጾታዊ ርክብ ዘመልክት ኢዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ቅዱስ ዓንዲ ምጥቃም ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዝሰርሑ ኰዓትቲ መሬት: ጥራሕ ነብሳ ዘላ ሰበይቲ ዘርኢ ብዙሕ ምስልታት ኲዒቶም ረኺቦም ኢዮም። እቲ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን (እንግሊዝኛ): እዚ ምስልታት እዚ “እተጋነነ ብልዕትታት ዘለዋ: ኣጥባታ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢላ ዝሓዘት ኣንስተይቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኢዩ:” ከምኡውን “ምናልባት . . . ንኣሻራህ ዘመልክት ይኸውን” ብምባል ይገልጽ። ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ኣሎ: ንሱ ድማ ናይ በዓል ኣምልኾ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።
ስለዚ: ናይ በዓል ኣምልኾ ናይ ጾታዊ ርክብ ፈንጠዝያ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣየገርምን ኢዩ። (ዘሁልቍ 25:1-3) ሰኬም እቲ ከንኣናዊ: ነታ ድንግል ዝነበረት መንእሰይ ዲና ዓሚጽዋ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ስድራቤቱ እቲ ኣዝዩ ክቡር ሰብ ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። (ዘፍጥረት 34:1, 2, 19) ምስ ቀረባ ቤተሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: ግብረ-ሰዶም: ከምኡውን ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ልሙድ ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 18:6, 22-24, 27) እታ ግብረ-ሰዶም ንዝገብሩ ሰባት እትገልጽ “ሶዶሚ” እትብል ቃል: ካብ ስም ናይታ ሓደ ግዜ ኣብ ገለ ቦታ ናይ ክፍሊ ዓለም ዝነበረት ከተማ ዝወጸት ኢያ። (ዘፍጥርት 19:4, 5, 28) ናይ በዓል ኣምልኾ ምፍሳስ ደም እውን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ንበዓል ዘምልኹ ዝነበሩ ሰባት ንኣምላኾም መስዋእቲ ከቕርቡ ንደቆም ብህይወቶም ከለዉ ናብቲ ሃልሃልታ ሓዊ ይድርብይዎም ነበሩ! (ኤርምያስ 19:5) እዚ ዅሉ ተግባራት እዚ ምስ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት እተተሓሓዘ ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧
ዶ/ር መሪል ኣነር ኣብታ ኣርኪኦሎጂ ኤንድ ዘ ኦልድ ቴስታመንት (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፉ “እቲ ኣራዊታዊ: ህሩፍ ጾታዊ ርክብ: ከምኡውን ፍኑው ዝነበረ ናይ ከንኣናውያን ጽውጽዋይ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቀረባ ምብራቕ ካብ ዝነበረ ካልእ ቦታታት ኣዝዩ ዝኸፍአ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣዝዩ ዘደንጹ ባህርያት ናይቶም ዝዀነ ይኹን ናይ ስነ-ምግባር ባህሪ ዘይነበሮም ከንኣናውያን ኣማልኽቲ: ኣብቶም ኣምለኽቶም እቲ ዝኸፍአ ባህርያት ኣስዒቡ፣ ንብዙሓት ከኣ ካብቲ ከም እኒ ቅዱስ ምንዝር: [ከምኡውን] ቈልዓ ምስዋእ ዝኣመሰለ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣዝዩ ዘዋርድ ተግባራት ኣውሪሱ ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ ይገልጽ።
ኣምላኽ ናይ ከንኣናውያን ኣምልኾ ተቐቢልዎዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ኣይተቐበሎን። ንእስራኤላውያን ብጽሩይ መገዲ ብኸመይ ከም ዘምልኽዎ ምሂርዎም ኢዩ። ብዛዕባ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ተግበራት ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖም:- “እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ዅሉ ረኺሶም እዮም እሞ: በዚ ዅሉ ኣይትርከሱ። እታ ምድሪ በዚ ረኸሰት: ኣነ ኸኣ ሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ: እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዋ ኽትተፍኦም እያ።”—ዘሌዋውያን 18:24, 25
ጽሩይ ኣምልኾ ተበኪሉ
ብዙሓት እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጽሩይ ኣምልኾ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣይተቐበልዎን። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ሃገሮም ናይ በዓል ኣምልኾ ክቕጽል ኣፍቀዱ። ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ እስራኤላውያን ነቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ምስቲ ናይ በዓል ክሓዋውስዎ ኣብ ምፍታን ወደቑ። ኣምላኽከ ነቲ እተሓዋወሰ ኣምልኾ ተቐቢልዎዶ፧ ኣብ ግዜ ግዝኣት ንጉስ ምናሴ ዝዀነ ነገር ርአ። ንበዓል መሰውኢታት ኣቘመ: ወዱ ንመስዋእቲ ብሓዊ ኣንደደ: ናይ ጥንቁልና ተግባራት ድማ ገበረ። “ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ኣስታርተ [ብእብራይስጢ ʼኣሻ·ራህʹ] ድማ ኣብታ ቤት ኣንበሮ። ብዛዕባ እታ ቤት ግና እግዚኣብሄር . . . ኣብዛ ቤት እዚኣ . . . ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ” በለ።—2 ነገስት 21:3-7
ኣብ ትሕቲ ምናሴ ዝግዝኡ ዝነበሩ ሰባት ናይ ንጉሶም ኣብነት ሰዓቡ። አረ “ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍኤ ኺገብሩ ኣስሐቶም።” (2 ነገሰት 21:9) ነቲ ካብ ነብያት ኣምላኽ ዝወሃቦ ዝነበረ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ኣብ ክንዲ ዝሰምዕ: ንየሩሳሌም ብንጹህ ደም ክሳዕ ዝመልኣ ቅትለት ፈጸመ። ሽሕ’ኳ ምናሴ ድሓር እንተ ተዓረየ: እቲ ንዕኡ ዝተክአ ወዱ ንጉስ ኣሞን ግን ንናይ በዓል ኣምልኾ ኣሐደሶ።—2 ነገስት 21:16, 19, 20
ድሕሪ ገለ ግዜ: ደቂ ተባዕትዮ ኣመንዝራታት ኣብቲ ቤተ-መቕደስ እኩይ ተግባራቶም ክፍጽሙ ጀመሩ። ኣምላኽ ነዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ኣምልኾ በዓል መግለጺ ብኸመይ ረኣዮ፧ ብሙሴ ኣቢሉ “ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ: ኣብ ክንዲ ዝዀነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን [ምስ ወዲ ጾታዊ ርክብ ዝገብር ክኸውን ይኽእል] ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ።—ዘዳግም 23:17, 18: ትሓዓ እግረ-ጽሑፍ
ንጉስ ዮስያስ ወዲ ወዱ ንምናሴ: ነቲ ቤተ-መቕደስ ካብ ዘይጽፉፍ ናይ በዓል ኣምልኾ ኣጽረዮ። (2 ነገሰት 23:6, 7) እንተዀነ ግን: እቲ ኵነታት ኣዝዩ እተበላሸወ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሞት ዮስያስ ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣምልኾ ጣኦት እንደገና ኣብ ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ ክግበር ጀመረ። (ህዝቅኤል 8:3, 5-17) ስለዚ ድማ የሆዋ ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌምን ንቤተ-መቕደሳን ከም ዘጥፍኦም ገበረ። እዚ ሓቂ ዝሓዘለ ዘሕዝን ታሪኽ እዚ: ገለ ዓይነት ኣምልኾ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ ኢዩ። ኣብዚ ግዜና ዘሎኸ ከመይ ኢዩ፧