ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/6 ገጽ 32
  • ንየሆዋ ብትሕትና ኣገልጊልዎ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ብትሕትና ኣገልጊልዎ ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/6 ገጽ 32

ንየሆዋ ብትሕትና ኣገልጊልዎ ኢዩ

“እቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ኣበይ ከም እተገልግል ዘይኰነስ ንመን ከም እተገልግል ኢዩ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ጆን ቡዝ ንኸውስአን ዝፈትወን ዝነበረ ቃላት ኢየን: ኣብ ህይወቱ ድማ ከም መምርሒ ተጠቒሙለን ኢዩ። እቲ ሰኑይ 8 ጥሪ 1996 ዘብቅዐ ምድራዊ ህይወቱ: ንመን ከገልግል ከም ዝመረጸ ብንጹር ኣርእዩ ኢዩ።

ጆን ቡዝ ብ1921 መንእሰይ ከሎ: ናይ ህይወት ዕላማ ንምርካብ ሃለው እናበለ ይደሊ ፈሊጠ ኢየ ከምኡ ገይረዮ ምኽንያቱ ድማ ይደሊ ጥራይ እንተድኣ ኢልና WANT ክመስል ኢዩ ነበረ። ኣብ ዳች ሪፎርምድ ቸርች ትምህርቲ ሰንበት ይምህር ነይሩ: ግናኸ ኣቕሽሽቲ ብስሱዕ ናብራ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ስለ እተሰምዖ ነቲ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ንኽትከውን ኢልካ ምልምማድ ዝብል ሓሳብ ነጸጎ። እቲ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ንዝብል ዝርርብ መፋለጢ ምስ ረኣየ: ብኡንብኡ ነቲ ትሕዝቶ ናይቲ ኣርእስቲ እቲ ዝገልጽ ጽሑፍ ክስደደሉ ሓተተ። በቲ ዘንበቦ ተማሪኹ ድማ: ብብሽግሌታ ገይሩ ቀልጢፉ 24 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ናብቲ ኣኼባ ናይቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከደ። ብ1923 ተጠምቀ: ኣብቲ ስድራቤቱ ከብቲ ዘርብሕሉ ዝነበሩ ቦታ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ኣውራጃ ዎልኪል ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ክሰብኽ ጀመረ።

ሓው ቡዝ ኣብ ሚያዝያ 1928 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ንመግቡን ንገዛ ኽራይን ዝዀኖ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እናሸጠ ድማ ኣብ ዓዱን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ወገን ዝነበረ ገጠርን እናኸደ ይሰብኽ ነበረ። ናይቶም ዘይሕጋውያን ወነንቲ መጻረዪ ኣልኮል ብጠበንጃ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓደገኛ ምፍርራሕ ብትብዓት ክጋጠሞ ነበሮ: አረ ሓደ ካብዚኣቶምሲ ነቲ መገላግልቲ ናይ ሓው ጆን ቡዝ ዝነበረ ፓይነር ተኲሱ ኣቝሲልዎ ኢዩ። ብ1935 ሓው ቡዝ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ከገልግል ተመዘዘ: ኣብ ከባቢ እቲ ዓዲ ኣብ ዝርከባ ጉባኤታትን ናእሽቱ ጉጅለታትን ከኣ ክበጽሕ ጀመረ። ኣሰምብሊታት ሰርዐ: ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ምጽራር እናጋጠሞም ጽኑዓት ኰይኖም ክርከቡ ሓገዞም። ምስ ቁጥዓት መናዓብቲ ክጋጠም: ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስቓይ ከሕልፍ: እዚ ዅሉ ንሓው ቡዝ ልሙድ ናብራኡ ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ እኳ ባዕሉ “ብዛዕባ እዚ ደስ ዘብል ግዜያት እዚ ተንቲንካ ንምግላጽ መጽሓፍ የድልየካ” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ።

ብ1941 እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ: ንሓው ቡዝ ኣብ ጥቓ ኢታካ: ኒው ዮርክ ዝርከብ ኪንግደም ፋርም ክሰርሕ መደቦ። ኣብኡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብዘይምቍራጽ ብምፍጻም ብተኣማንነት ን28 ዓመታት ኣገልገለ። እቲ ሚስዮናውያን ዘዳሉ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክሳዕ 1961 ኣብኡ ኣብቲ ኪንግደም ፋርም ይርከብ ስለ ዝነበረ: ኣብቲ ዓመታት እቲ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ በሽሓት ዝቝጸሩ ተማሃሮ ብምሕባሩ ተሓጒሱ ኢዩ: እቲ ናይ ኣገልግሎት ቅንኡ ኸኣ ኣይቀሃመን። ብ1970 ሓው ቡዝ: ኣብ ዎልኪል: ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ዎችታወር ፋርም ንኸገልግል ተሓተተ: እዚ ቦታ እዚ ቅድሚኡ 45 ዓመታት ይገብር ናይ ፓይነር ዕዮኡ ዝጀመረሉ ኢዩ።

ኣብ 1974 ሓው ቡዝ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ኣባል ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ከገልግል ተመዘዘ። ክሳዕ እቲ ኣብ 93 ዕድሜኡ ዝሞተሉ ግዜ ድማ ኣብቲ ቦታ እቲ ኰይኑ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ኢዩ። ጆን ቡዝ ትሕትናን ሕያውነትን ዝመልኦ ክርስትያናዊ ጠባይ ስለዝነበሮ ፍትዊ ኢዩ ነይሩ። ክሳዕ እቲ ጥዕናኡን ሓይሉን ዝደኸመሉ ግዜ ድማ ብተኣማንነት ካብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ ናይ ከተማ ጐደናታት ብዘይምቍራጽ ሰቢኹ ኢዩ።

እቶም ምስኡ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ: ብሞት ስለ እተፈለዮም ዝሓ​­ዝኑ እኳ እንተዀኑ: በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ንሰማያዊ ህይወት ክትንስኡ እሞ ‘ግብሮም ኪስዕቦም’ ምዃኑ ዝገልጾ መብጽዓ ምጽንናዕ ይረኽቡ ኢዮም። (ራእይ 14:13፣ 1 ቈረንቶስ 15:51-​54) ሰማይ ብርግጽ ንጆን ቡዝ ሓዲሽ ከባቢ ኢዩ! ይኹን እምበር ኣብኡ ኰይኑ ንዘለኣለም ንየሆዋ ከገልግለሉ ዝኽእል ቦታ ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ጆን ቡዝ 1902-​1996

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

HERALD-AMERICAN, ANDOVER 1234

76 Jehovites Jailed in Joliet

[ምንጪ ስእሊ]

Chicago Herald-American

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ