ኣምላኽ ንናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣምልኾ ብኸመይ ይርእዮ፧
የሱስ ክርስቶስ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: . . . ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ: ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ ክብሎም እየ።”—ማቴዎስ 7:21-23
ኣምላኽ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ በቲ ቅዱስ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣቢሉ ግልጺ ገይርዎ ኢዩ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ፍቓድ ኣምላኽ ይገብራዶ ኣለዋ ኢየን፧ ወይስ ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ገበርቲ ዓመጻ” ኢየን፧
ምፍሳስ ደም
ጴጥሮስ ኣብታ ቅድሚ ናይ ጐይታኡ ሞት ዝነበረት ምሸት: ምስቶም ንየሱስ ክሕዝዎ እተላእኩ ጕጅለ ብመሳርያ ዳርጋ ቃልሲ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:3, 10) የሱስ ግን ነቲ ዝነበረ ህድኣት ብምምላስ: ንጴጥሮስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” ብምባል ኣጠንቀቖ። (ማቴዎስ 26:52) እዚ ንጹር መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ራእይ 13:10 ተደጊሙ ኣሎ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ነዚ ኣቕሊበናሉዶ፧ ወይስ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ምድሪ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ሓላፍነት ኣብ ምውሳድ ይካፈላ ኢየን፧
ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰርቢያውያንን ክሮአሽያውያንን ብስም ሃይማኖት ተቐቲሎም ኢዮም። እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) “ኣብ ክሮአሽያ እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ፋሽሽታውያን ገዛእቲ: ካብቲ ናይ ናዚ ተግባራት እውን ከይተረፈ ሕልፍ ዝበለ ‘ዓሌታዊ ምጽራይ’ ዝብል ፖሊሲ ክትግብሩ ጀመሩ። . . . ካብቶም ሰርቢያውያን ነበርቲ ሓደ ሲሶ ክጥረዙ: ሓደ ሲሶ ናብ ናይ ሮማ ካቶሊክ እምነት ክልወጡ: ሓደ ሲሶ ድማ ኣብኡ ከለዉ ክሓቁ ከም ዝዀኑ ተኣወጀ። . . . እቶም ናይ ካቶሊክ ኣቕሽሽቲ ኣብዚ ተግባራት እዚ ብኸፊሉ ብምሕባሮም: ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ መንግስትን ቤተ-ክርስትያንን ዝነበረ ርክብ ኣጸቢቑ ተባላሽዩ ኢዩ” ይብል። ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ናብ ናይ ካቶሊክ እምነት ክልወጡ ወይ ድማ ክሞቱ ተገዲዶም ኢዮም፣ አረ ኣሽሓት ካልኦትሲ ምርጫ እውን ከይተዋህቦም ተቐቲሎም ኢዮም። ምሉእ ዓድታት—ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ—ኣብቲ ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ-ክርስትያናቶም ተገዲዶም ምስ ኣተዉ ተቐቲሎም ኢዮም። እቶም ተጻረርቲ ናይ ኮምኒስት ሓይልታትከ፧ ንሳቶም እውን ሃይማኖታዊ ደገፍ ነይርዎምዶ ኢዩ፧
እታ ሂስትሪ ኦቭ ዩጎዝላቭያ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ገለ ካብቶም ካህናት ብወገን እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኰይኖም ኣብቲ ውግእ ተኻፊሎም ኢዮም” ብምባል ጸብጻብ ትህብ። እታ ዩጎዝላቭያ ኤንድ ዘ ኒው ኮሙኒዝም እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “እቶም ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ሓይልታት ካብ ክልቲኡ ወገን ማለት ካብ ሰርቢያውያን ኦርቶዶክስን ናይ ሮማ ካቶሊክን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝነበሩ ካህናት እውን ከይተረፈ ዘጠቓልሉ ኢዮም ነይሮም” ኢላ ጸብጻብ ትህብ። ሃይማኖታዊ ፍልልያት ነቲ ኣብ ናይ ቦልካን ሃገራት ዘሎ ውግኣት ኣብ ምጕህሃር ጌና ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ሩዋንዳኸ፧ እቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ካቶሊክ ትካል ኣህጉራዊ ርክባት ኢኣን ሊንደን ኣብታ ዘ ማንዝ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ተኣመነ:- “እቲ በቲ ኣብ ለንዶን ዘሎ ኣፍሪካን ራይትስ እተገብረ መርመራ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ናይ ካቶሊክ: ናይ ኣንግሊካን ከምኡውን ናይ ባብቲስት ቤተ-ክርስትያናት መራሕቲ ክገብርዎ ዝነበሮም ብዘይ ምግባሮም ክገብርዎ ዘይነበሮም ከኣ ብምግባሮም: ኣብቲ ናይ ምልሻ ምቅታል እቱዋት ምዃኖም ከም እተኸሰሱ ዘርኢ ሓደ ወይ ክልተ ኣብነታት ሃበ። . . . ብዙሕ ዝቝጽሮም ኣብቲ ቍምስና ዝነበሩ ምርኡያት ክርስትያናት ኣብ ቅትለት ከም እተኻፈሉ ዘጠራጥር ነገር ፈጺሙ የሎን።” ዘሕዝን ከኣ: ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያን ዝበሃሉ ዘሎ ቃልሲ: ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ መዓት ምምጻኡ ይቕጽል ኣሎ።
ምንዝርን ዝሙትን
ብመሰረት ቃል ኣምላኽ: ጾታዊ ርክብ ክቡር ዝዀነሉ ሓደ መገዲ ጥራይ ኢዩ ዘሎ: ንሱ ኸኣ ኣብ ናይ መርዓ ማእሰር ጥራይ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ኢሉ ይገልጽ። (እብራውያን 13:4) ናይ ቤተ-ክርስትያን መራሕቲ: ነዚ ናይ ኣምላኽ ትምህርቲ እዚ ክብ ኣቢሎም ይርእይዎዶ ኣለዉ ኢዮም፧
ብ1989 እታ ኣብ ኣውስትራልያ ዘላ ናይ ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን: ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ሰብኣይን ሰበይትን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ንሓድሕዶም ቃል እንተድኣ ተኣታትዮም ኰይኖም: ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ነውሪ የብሉን ዝብል ሓሳባት ኣውጽአት። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ እቲ ኣብ ስኮትላንድ ዘሎ ናይ ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን መራሒ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ቤተ-ክርስትያን ከምዚ ዝበለ ርክብ ከም ሓጢኣትን ነውርን ገይራ ክትኵንኖ የብላን። ዝሙት በቲ ሓጥእ ውርሻና ዝመጸ ምዃኑ ቤተ-ክርስትያን ክትቅበሎ ይግብኣ።”
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ኣቕሽሽቲ ንግብረ-ሶዶም ብምድጋፍ ብግልጺ ተዛሪቦም ኢዮም። ንኣብነት እታ ዩ እትበሃል ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ብ1990 ንሓደ ምሩኡይ ናይ ኣንግሊካን ኣገልጋሊ “ቅዱስ ጽሑፍ ኵሉ ግዜ ኣሲሩ ዝሕዝ ኣይኰነን። . . . እታ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ግብረ-ሶዶም ዝገብሩ ሰባት ዘለዋ ኣረኣእያን ፖሊሲታትን ለውጥታት ክትገብር ምዃና እኣምን ኢየ” ከም ዝበለ ጠቒሳ ኣላ።—ምስ ሮሜ 1:26, 27 ኣነጻጽሮ።
ብመሰረት እቲ ናይ 1994 ብሪታኒካ ቡክ ኦቭ ዘ ይር (እንግሊዝኛ) ኣብ ናይ ኣመሪካ ኣብያተ-ክርስትያናት ንጾታዊ ርክብ ዝምልከት: ብፍላይ ከም እኒ “ፍሉጣት ግብረ-ሶዶም ዝገብሩ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብቲ ኣገልግሎት [ናይ ቤተ-ክህነት] ምሻም: ናይ ግብረ-ሶዶም ዝገብሩ ሰባት ሃይማኖታዊ መሰላት ምርዳእ: ‘ወዲ ምስ ወዲ ዝግበር መርዓታት’ ምብራኽ: ከምኡውን ምስ ግብረ-ሶዶም ዝተሓሓዝ ኣነባብራ: ሕጋዊ ምግባር ወይ ምዅናን” ዝኣመሰለ ነገራት ዓብላሊ ጕዳያት ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ቀንዲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣመሓደርቲ: ነቶም ንዝሰፍሐ ናጽነት ናይ ጾታዊ ርክብ ክህሉ ጐስጓስ ዝገብሩ ኣቕሽሽቲ ይጻወርዎም ኢዮም። ብመሰረት እቲ ናይ 1995 ብሪታኒካ ቡክ ኦቭ ዘ ይር: 55 ናይ ኤፒስኮፖልያን ኣቡናት ነቲ “ንግብረ-ሶዶም ዝገብሩ ሰባት ምሻምን ነቲ ተግባር ምቕባሉን ዘረጋግጽ” ውዕል: ክታሞም ኣንቢሮምሉ ኢዮም።
ገለ ኣቕሽሽቲ የሱስ ኣንጻሩ ፈጺሙ ኣይተዛረበን ብምባል ንግብረ-ሶዶም ደጊፎም ይካትዑ ኢዮም። ብሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧ የሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:17) እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 18:22 ተጠቒሱ ዘሎ “ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ: እዚ ጽያፍ እዩ” ዝብል ኣምላኽ ብዛዕባ ግብረ-ሶዶም ዘለዎ ኣረኣእያ ደጊፍዎ ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ: የሱስ ንምንዝርን ዝሙትን ኣብ መንጎ እቶም “ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ: ንሰብ ከኣ የርክሶ” ዝበሎም ዘርዚርዎም ኣሎ። (ማርቆስ 7:21-23) እታ ምንዝር እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ካብታ ዝሙት እትብል ንላዕሊ ዝሰፍሐ ትርጕም ዘለዋ ስያመ ኢያ። ንግብረ-ሶዶም እውን ሓዊስካ ካብ ሕጋዊ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ኵሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ትገልጽ። (ይሁዳ 7) የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዝዀነ ይኹን ናይ ምንዝር ክብደት ዘቃልል ናይ ክርስትያን መምህር ስቕ ኢሎም ክርእይዎ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቕዎም ኢዩ።—ራእይ 1:1፣ 2:14, 20
ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንግብረ-ሶደም ዝገብሩ ኣወዳትን ኣዋልድን መዝነት ክወሃቦም ጐስጓስ ክገብሩ ከለዉ: ኣብ ኣባላት ናይ ኣብያተ-ክርስትያናቶም: ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኢዩ ዝህልዎ፧ ካብ መርዓ ወጻኢ ንዝግበር ጾታዊ ርክብ ንኽፍትንዎ ዘተባብዕዶ ኣይኰነን፧ ኣንጻር ናይዚ ግን ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ብምባል ኢዩ ዘተባብዖም። (1 ቈረንቶስ 6:18) ሓደ ኣማኒ ብጻይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓጢኣት ምስ ዝወድቕ: እንደገና ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ክረክብ ብምባል ፍቕራዊ ሓገዝ ይወሃቦ ኢዩ። (ያእቆብ 5:16, 19, 20) ነዚ ሓገዝ እዚ ምስ ዝነጽጎኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት እንተ ዘይተናሲሖም ‘መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱ’ ይገልጽ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10
‘መውስቦ ምኽልካል’
መጽሓፍ ቅዱስ “ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና . . . ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ” ኢሉ ይገልጽ። (1 ቈረንቶስ 7:2, 9) እዚ ከምዚ ዝበለ ጥበበኛ ምኽሪ እናሃለወ: ብዙሓት ካብ ኣቕሽሽቲ ከይተመርዓዉ ክነብሩ ኢዮም ዝሕተቱ። ኒኖ ሎ ቤሎ ኣብታ ዘ ቫቲካን ፔፐርስ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ካህን: ፈላሲ ወይ ፈላሲት ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጽሙ እቲ ከይተመርዓዉ ክነብሩ ዝገበርዎ መብጽዓ ኣይፈረሰን። . . . ኣብ እዋን ኑዛዜ ቅንዕና ዘለዎ ነስሓ ምስ ዝግበር ይቕረታ ክርከብ ይኽእል ኢዩ: ናይ ዝዀነ ይኹን ካህን መርዓ ግን በታ ቤተ-ክርስትያን ኣፍልጦ ኣይወሃቦን ኢዩ።” እዚ ትምህርቲ እዝስ ጽቡቕዶ ወይስ ሕማቕ ፍረ ኢዩ ዘፍረየ፧—ማቴዎስ 7:15-19
ብዙሓት ካህናት ብስነ-ምግባር ዝመጸ ንጽህና ዘለዎ ናብራ ከም ዝነብሩ ጥርጥር የብሉን: ብዙሓት ግን ከምኡ ኣይኰኑን። ብመሰረት እታ ናይ 1992 ብሪታኒካ ቡክ ኦቭ ዘ ይር ዝበለቶ “ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣቕሽሽቲ ዝፈጸምዎ ናይ ጾታዊ ርክብ ዓመጽ ንምድቃስ: 300 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፈለት ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ።” ዳሕራይ እታ ናይ 1994 ሕታም ከምዚ በለት:- “ብዙሓት ኣቕሽሽቲ ብአይድስ ሙማቶም: ግብረ-ሰዶም ዝገብሩ ካህናት ምህላዎምን ኣዝዮም ብዙሓት . . . ግብረ-ሶዶም ዝገብሩ ሰባት ድማ ናብ ክህነት ከም ዝኣትዉን ዘርኢ ኢዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ‘መውስቦ ምኽልካል’ ‘ምህሮ ኣጋንንቲ’ ምባሉ ዘገርም ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 4:1-3) ፒተር ዳ ሮዛ ኣብታ ቪካርስ ኦቭ ክራይስት እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ “ብኣረኣእያ ናይ ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ [ናይ ካህናት ዘይምምርዓው] ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ምዕራብ ዘሎ ካልእ ትካላት ንላዕሊ: ምንዝርና ሓዊስካ: ንስነ-ምግባር ኣበላሽይዎ ኢዩ። . . . ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ንናይ ክርስትና ስም ኣመራሲሕዎ ኢዩ። . . . እዚ ብግዲ ዝግበር ከይተመርዓኻ ምጽናሕ: ኵሉ ግዜ ኣብቲ ናይ ኣቕሽሽቲ መዓርጋት ናብ ግብዝና ምስ መርሐ ኢዩ። . . . ሓደ ካህን ሽሕ ግዜ ክጋገ ይኽእል ኢዩ: ሓደ ግዜ እውን ይኹን ክምርዖ ግን በቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕጊ ክልኩል ኢዩ።”
ነቲ ኣምላኽ ንናይ በዓል ኣምልኾ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ብምእታው: ነዘን እተኸፋፈላ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ብኸመይ ከም ዝርእየን ንምስትውዓል ከቢድ ኣይኰነን። እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ንዅሉ ዓይነት ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብሓባር “ዓባይ ባቢሎን: ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን” ኢላ ትጽውዖ። መጽሓፍ ቅዱስ ወሲኹ “ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ” ይብል።—ራእይ 17:5፣ 18:24
ስለዚ ድማ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቱ ክዀኑ ዝደልዩ ከምዚ ኢሉ ይላበዎም:- “ኣቱም ህዝበይ: ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ . . . እዩ እሞ: ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ። . . . እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ: እቲ መዓታ: ሞትን ሓዘንን ጥሜትን: ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ: ብሓዊውን ክትነድድ እያ።”—ራእይ 18:4, 8
ሕጂ ከምዚ ዝብል ሕቶ ይለዓል:- ሓደ ሰብ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ወጸ: ናበይ ኢዩ ክኸይድ ዘለዎ፧ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኢዩ ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ዝረክብ፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ኣምልኾ ጣኦት
ናይ በዓል ኣምልኾ: ጣኦታት ምዝውታር ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። እስራኤላውያን: ንኣምልኾ የሆዋ ምስ ናይ በዓል ኣምልኾ ክሓዋውስዎ ፈቲኖም ኢዮም። ጣኦታት እውን ከይተረፈ ናብ ቤተ-መቕደስ የሆዋ ኣምጽኡ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ቤተ-መቕደሳን ጥፍኣት ምስ ኣምጽአ: ብዛዕባ ንጣኦታት ምምላኽ ዝነበሮ ኣረኣእያ ግልጺ ኰይኑ ኢዩ።
ብዙሓት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት መስቀል: ምስለ-ቅዱሳን: ወይ ምስልታት ማርያም ይኹን ብዘየገድስ ብጣኦታት ዝመልአ ኢዩ። ብተወሳኺ: ብዙሓት ንቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ኣብ ቅድሚ እዚ ስእልታት ክጕንብሑ: ክሰግዱ: ወይ ድማ ናይ መስቀል ምልክት ብምግባር ክሳለሙ ተማሂሮም ኢዮም። ኣንጻር ናይዚ ግን ሓቀኛታት ክርስትያናት “ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:14) ንኣምላኽ ብሓገዝ ናይ ዝርአ ነገራት ገይሮም ከምልኽዎ ኣይፍትኑን ኢዮም።—ዮሃንስ 4:24
[ምንጪ ስእሊ]
Musée du Louvre, Paris
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
“እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን መራሒ መንቅብ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ”
እዚ ኣገላልጻ እዚ ብመሰረት ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ካብ ቲቶስ 1:7 እተወስደ ኢዩ። ኪንግ ጀምስ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ድማ ከምዚ ይንበብ:- “እቲ ኣቡን መንቅብ ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ።” እታ “ኣቡን” እትብል ቃል ካብታ “ተዓዛቢ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ። ስለዚ እቶም ነታ ሓቀኛ ጉባኤ ክመርሑ እተመዘዙ ሰብኡት: ምስቲ መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ተሰማሚዖም ክነብሩ ኣለዎም። ከምኡ እንተድኣ ዘይገይሮም ግን “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ስለ ዘይኰኑ ካብቲ ናይ ሓላፍነት ቦታኦም ከልግሱ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ነዚ ስርዓት እዚ ክሳዕ ክንደይ ኢየን ኣርዚነን ዝርእያኦ፧
ዶ/ር ኤቭራት ዎርዚንግቶን ኣብታ ኣይ ኬር ኣባውት ዩር መሬጅ እትብል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ቪርጂንያ: ሕ.ሃ.ኣ.: መጽናዕቲ እተኻየደሎም 100 ኣቕሸሽቲ ይጠቅስ። ልዕሊ 40 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ምስ ናይ መርዓ ብጻዮም ዘይኰነ ሰብ ስምዒት ዘለዓዕል ገለ ዓይነት ጠባይ ከም ዘንጸባረቑ ተኣሚኖም ኢዮም። ካብኣቶም ኣዝዮም ብዙሓት ድማ ዝሙት ፈጺሞም ኢዮም።
ክርስችያኒቲ ቱደይ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት: ቤተ-ክርስትያን ገለ ካብቶም ኣዝዮም ሕፉራት መራሕታ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ዘይኰነ ጠባያት ምክፋሎም ዘቃልዕ ተደጋጋሚ ምንዋጻት ኣጋጢምዋ ኢዩ።” እታ “ዘመውቲ ኣቕሽሽቲ ናብ ኣገልግሎቶም ዘይምለሱሉ ምኽንያት” እትብል ዓንቀጽ ነቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ልሙድ ዝዀነ: መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን “ናይ ጾታዊ ርክብ ሓጢኣት ገበነኛታት ምዃኖም ምስ ተረጋገጸ” ኣብ ናይ ቅድም ቦታኦም ቀልጢፍካ ምምላስ ትቃወሞ።