ክንዮ እቲ እትርእዮ ዘሎኻ ነገራት ጠምት!
ብስጋዊ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ክትርኢ ምኽኣል በረኸት ኢዩ። አረ ብዙሓት ሰባትስ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዝውንንዎ ነገር ከም ዘየሎ ይዛረቡ ኢዮም። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ካብዚ ጽቡቕ ናይ ስጋዊ ምርኣይ ክእለት ዝዓበየ ዋጋ ዘለዎ: ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረበሉ ዓይነት ምርኣይ ኣለዎም። ጳውሎስ “ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር: ነቲ ዝርኤ ኣይንጥምትን ኢና” በለ። (2 ቈረንቶስ 4:18) ንሓደ ሰብ ነቲ ዘይርአ ከም ዝርእዮ ዝገብሮ እንተድኣ ዀይኑ: ኣዝዩ ፍሉይ ዓይነት ምርኣይ ክኸውን ኣለዎ! ብሉጽ መንፈሳዊ ናይ ምርኣይ ክእለት ክበሃል ይከኣል ኢዩ።
ስለምንታይ ኣድለየ፧
ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ምርኣይ ብሓቂ ኣድልይዎም ነበረ። ነቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ሸግር ኰይኖም ኢዮም ዝፍጽምዎ ነይሮም። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ: ግናኸ ኣይጸበናን: እንገብሮ ይጠፍኣና: ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና: ንስጐጕ: ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና: ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።”—2 ቈረንቶስ 4:8, 9
ከምዚ ዝበለ ኵነታት እናሃለወ ኸሎ: እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ጸኒዖም ደው ኢሎም ኢዮም። ኣብ ኣምላኽ ብርቱዕ እምነት ብምግባር: ከም ጳውሎስ “እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ: እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ: ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና” ክብሉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣብ ጸጽባሕ ከም ዝሕደሱ ዝገበሮም እንታይ ኢዩ፧ ጳውሎስ ቀጺሉ “እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ . . . እቲ ዝርኤ ንጊዜኡ እዩ: እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ: ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር: ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና” በለ።—2 ቈረንቶስ 4:16-18
ጳውሎስ ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ግድላት: ሽግራት: ስደት—ዝዀነ ዓይነት ጸበባ—ነቲ ኣብ ቅድሚኦም እተነብረ ክቡር ተስፋ ከይርእዩ ክሽፍኖም ከየፍቅድሉ ኢዩ ዘተባብዖም ነይሩ። ኣዒንቶም ኣብቲ ክርስትያናዊ መገዲ ዘምጽኦ ዘሐጕስ ፍረ ብምትኳር: ክንዮ እቲ ሽዑ ዝነበሮም ኵነታት ክጥምቱ ነበሮም። እዚ ኸኣ ኢዩ ኣብቲ ውግእ ንቕድሚት ንኽደፍኡ ዝነበሮም ውሳነ ኣብ ጸጽባሕ ከሐድሱ ዝሓገዞም። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ መንፈሳዊ ምርኣይ ክህልዎም ኣድላዪ ኢዩ።
ነዚ ሕጂ ዘሎ ጸበባ ሽዓ ዝሓልፍ ገይርካ ርኣዮ!
ንድለዮ ኣይንድለዮ ብዘየገድስ: መዓልቲ መዓልቲ ክንርእዮ ዘይንደሊ ነገራት ንርኢ ኢና። ኣብ መስትያት ቍሊሕ ምስ እንብል ናይ ስጋዊ ዘይፍጽምና መሐበሪታት ዝዀኑ ኣብ ስጋዊ ኣካልና ዘለዉ ዘይንደልዮም ጕድለታትን ኣበራትን ንርኢ ኢና። ኣብቲ ናይ ቃል ኣምላኽ መስትያት ኣጸቢቕና ምስ እንጥምት: ኣባናን ኣብ ካልኦትን መንፈሳዊ ጕድለታትን ኣበራትን ንርኢ። (ያእቆብ 1:22-25) ከምኡውን ኣብቲ መዓልታዊ ጋዜጣ ወይ ቴሌቪዥን ቀልጢፉ ኣቓልቦና ዝስሕብን ዘሕዝነናን ናይ ምጕዳል ፍትሒ: ናይ ጭካነ: ከምኡውን ናይ ዘሕዝን ፍጻመታት ጸብጻብ ንርኢ ኢና።
ሰይጣን ብሰንኪ እቲ እንርእዮ ነገራት ተስፋ ክንቈርጽ ወይ ካብ መገዲ ክንወጽእ እሞ ኣብ እምነት ሰንከልከል ምባል ክንጅምር ኢዩ ዝደሊ። እዚ ኸይከውን ብኸመይ ክንከላኸሎ ምኸኣልና፧ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ እተማሕጸኖ: ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተሓድገ ኣብነት ክንስዕቦ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 2:21) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ናይ ክርስትያናዊ ናብራ: የሱስ እቲ ፍጹም ኣብነት ኢዩ ነይሩ።
ጴጥሮስ ንየሱስ ኣብነትና ከም ዝዀነ ከመልክት ከሎ: የሱስ ከም እተሳቐየ ብፍላይ ጠቒሱ ኢዩ። ብርግጽ: የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ብዙሕ ተሳቕዩ ኢዩ። ከም ናይ የሆዋ “ሰራሕተኛ” መጠን ደቅሰብ ክፍጠሩ ኸለዉ ኣብኡ ስለ ዝነበረ: ኣምላኽ ሰባት እንታይ ክዀኑ ከም ዝደለዮም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ምሳሌ 8:30, 31) ይኹን እምበር: ሕጂ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ንሰባት እንታይ ይገብሮም ከም ዘሎ ብኣካል ኢዩ ርእዩ። መዓልቲ መዓልቲ ነቲ ናይ ሰባት ዘይፍጽምናን ድኻምን ርእይዎን ምስኡ ድማ ክጋጠምን ነበሮ። እዚ ንእኡ ፈታኒ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።—ማቴዎስ 9:36፣ ማርቆስ 6:34
የሱስ ብጀካ እቲ ዝረኣዮ ናይ ካልኦት ጸበባ: ናቱ ጸበባ እውን ኣሕሊፉ ኢዩ። (እብራውያን 5:7, 8) ይኹን እምበር: በቲ ፍጹም መንፈሳዊ ምርኣይ ገይሩ: ነቲ ንጽህናኡ ብምሕላዉ ዝረኸቦ ናብ ዘይመውት ህይወት ልዕል ናይ ምባል ዓስቢ ክንዮ እቲ ንሳቶም ዝርእይዎ ኢዩ ርእዩ። ድሕርዚ ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን: ነቶም እተወጽዑ ደቅሰብ ካብቲ ሕሱር ኵነታቶም ኣውጺኡ ናብቲ የሆዋ ብመጀመርታ ዓሊምዎ ዝነበረ ፍጽምና ክመልሶም መሰል ረኸበ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ጸበባ ይርኢ እኳ እንተ ነበረ: ዓይኑ ኣብዚ ዘይርአ መጻኢ ተስፋታት ምትኳሩ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ሓጐስ ክዕቅብ ሓጊዝዎ ኢዩ። ጳውሎስ ጸኒሑ:- “ናብቲ: ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 12:2
የሱስ እቲ ሽግርን ፈታኒ ኵነታትን ተስፋ ከቝርጾ: ካብ መገዲ ከውጽኦ: ወይ ካብ እምነቱ ከነቓንቖ ፈጺሙ ኣየፍቀደሉን። ከም ደቀ መዛሙርቱ መጠን: ነቲ ዝለዓለ ኣብነቱ ጠቢቕና ክንስዕቦ ኣሎና።—ማቴዎስ 16:24
ኣብቲ ዘይርአ ዘለኣለማዊ ነገራት ኣተኩር!
የሱስ ንኽጽመም ዘኽኣሎ እንታይ ምዃኑ ክዛረብ ከሎ: ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ንዓና ዝኸውን መገዲ እውን ጽሒፉ ኢዩ:- “በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ: . . . ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።” (እብራውያን 12:1, 2) እወ: ካብቲ ክርስትያናዊ መገዲ ብዓወትን ብሓጐስን ምእንቲ ክንጐዪ: ክንዮ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገራት ኣማዕዲና ክንርኢ ኣሎና። ይኹን እምበር: ብኸመይ ኢና ናብ የሱስ ‘እንጥምት:’ እንታይከ ክገብረልና ኢዩ፧
ሓደ ኣብነት: ብ1914 የሱስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንጉስ ብምዃን ስልጣን ሒዙ ኢዩ: ኣብ ሰማይ ኰይኑ ድማ ይገዝእ ኣሎ። ርግጽ ኢዩ: እዚ ዅሉ ብስጋዊ ኣዒንትና ዘይርአ ነገራት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ናብ የሱስ እንተድኣ ‘ጠሚትና:’ መንፈሳዊ ናይ ምርኣይ ክእለትና ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ መወዳእታ ንኽገብረሉ: ንሰይጣንን ነቶም መጫፍርቱ ኣጋንንትን ድማ ብመቝሕ ንኽኣስሮም: ስጕምቲ ክወስድ ተቐሪቡ ከም ዘሎ ንምርኣይ ክሕግዘና ኢዩ። ኣርሒቕና እንተ ጠሚትና ድማ: መንፈሳዊ ትርኢት ነታ ‘ድሕሪ ደጊም ሞት ዘይኰነላ: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ [“ቃንዛ:” ትሓዓ ] ዘይህልወላ’ ሓዳስ ዓለም ከርእየና ኢዩ።—ራእይ 19:11-16፣ 20:1-3፣ 21:4
ስለዚ እምበኣር: በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘጋጥመና ግዝያዊ ጸበባ ኣብ ክንዲ እንድቈስ: ስለምንታይ ኣብቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ነገራት ኣትኲርና ዘይንጥምት፧ ናይ እምነት ኣዒንትና ብምጥቃም: ነቲ ኣብዛ እተበከለት ምድሪ ዘሎ ሕማምን ስስዐን ሰጊርና ስለምንታይ ኣብታ ብጥዕናን ብሓጐስን ብሓለይቲ ሰባትን ዝመልአት ገነት ዘይንጥምት፧ ነቲ ስጋውን መንፈሳውን ኣበራትና ሰጊርና: ስለምንታይ ንገዛእ ርእስና ብናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ካብ ኵሉ እቲ ኣበራት ናጻ ከም ዝዀነት ገይርና ዘይንርእያ፧ ነቲ ብሰንኪ ውግእ: ገበን: ከምኡውን ዓመጽ ዝመጽእ ህልቂት ሰጊርና: ስለምንታይ ነቶም ብሰላምን ጽድቂ የሆዋን ክማሃሩ ዝትንስኡ ሓደስቲ ሰባት ኣማዒድና ዘይንጥምት፧
ብተወሳኺ: ንየሱስ ‘ምጥማት:’ መንፈሳዊ ናይ ምርኣይ ክእለትና ኣብታ ዘይትርአ እኳ እንተዀነት: ድሮ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ: ሰላም: ፍቕሪ ሕውነታዊ ምፍታው: ከምኡውን መንፈሳዊ ብልጽግና ከም ዝህሉ እትገብር ዘላ መንግስቲ ምትኳር እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ጀርመን እትርከብ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ: ነታ ብመለኮታዊ ትምህርቲ ዝሓበሩ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ቪዲዮ ካሴት ድሕሪ ምርኣያ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እዛ ቪዲዮ እዚኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን: ልክዕ ኣብዛ እዋን እዚኣ—ምጽራር እናገጠሞም ከሎ—ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም የገልግሉ ከም ዘለዉ ብቐጻሊ ክዝክር ሓጊዛትኒ ኢያ። ኣብዛ ዓመጽን ጽልእን ዝመልአት ዓለም እቲ ክርስትያናዊ ሓድነትና ክሳዕ ክንደይ ክቡር ኰን ኢዩ!”
ንስኻኸ የሆዋ: የሱስ: እቶም እሙናት መላእኽቲ: ከምኡውን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ክርስትያናት ብጾት ኣብ ጐድንኻ ከም ዘለዉ ‘ይርኣየካዶ፧’ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: በቲ ተስፋ ብምቝራጽ ኣብ ሰልሚ ዘእትወካን ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ድማ ‘ዘይተፍሪ’ ዝገብረካን ‘ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣ’ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይክትጭነቕን ኢኻ። (ማቴዎስ 13:22) ስለዚ መንፈሳዊ ኣዒንትኻ ኣብታ ኣምላኽ ዘቘማ መንግስትን ኣብቲ ንሕጂ ይኹን ንመጻኢ: ንሳ እትህቦ በረኸታትን ብምትኳር ናብ የሱስ ‘ጠምት።’
ነቲ ሕጂ ዘይርአ ዘሎ ንምርኣይ ጽዓር!
ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ሓዳስ ዓለምን እዛ ሎሚ ዘላ ምሽምሽቲ ኣረጊት ዓለምን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ብምርኣይ: ነቲ ሎሚ ብናይ እምነት ኣዒንትና ጥራይ ክንርእዮ እንኽእል ነገራት ቃሉ ብቓሉ ምእንቲ ክንርኢ ገዛእ ርእስና ብቑዓት ንምግባር ክንለዓዓል ኣሎና። ትንሳኤ ዝረኸቡ ኣእላፋት ሰባት ተባራቢሮም ካብታ ቅድሚ ሙማቶም ዝነበረት ዓለም እተፈልየት: ጽድቂ ዝመልኣ ምድራዊት ገነት ምስ ረኣዩ: ነቲ ዝርእይዎ ምእማን ከጸግሞም ኢዩ። ብህይወት ጸኒሕና ክንቅበሎምን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ድማ ክንገልጸሎምን ከሎና እንረኽቦ ሓጐስ እሞ ሕሰቦ!—ምስ ዮኤል 2:21-27 ኣረኣእዮ።
እወ: ጽቡቕ መንፈሳዊ ናይ ምርኣይ ክእለት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ኢዩ: ንጹር ገይርካ ምሓዙ ድማ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ! ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምስታፍ: ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተሰረተ ተስፋ ብምንጋር: ከምኡውን ልዕሊ ዅሉ መለኮታዊ መሪሕነት ክንረክብ ብምጽላይ ከምዚ ክንገብር ንኽእል ኢና። እዚ ክንዮ እቲ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ነገራት ኣማዒድና ክንጥምት ከም እንኽእል ብምግባር: ንመንፈሳዊ ናይ ምርኣይ ክእለትና ትኩርን ንጹርን ንኽንገብሮ ክሕግዘና ኢዩ!