ኣብ ፖርቱጋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዝርጋሕ
ካብቲ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ካሜንያ ክሳዕ እቲ ኣብ ደቡብ ዝርከብ ቪላ ሪዮል ደ ሳንታ ኣንቶዮ: ነቲ ኣብ ኣትላንቲክ ዘሎ 800 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ናይ ፖርቱጋል ገማግም ባሕሪ: ኣሽሓት ዝዀና ገፈፍቲ ዓሳ ጀላቡ ኢየን ዝመልኣኦ። ገፈፍቲ ዓሳ ንዘበናት ዝኣክል: ንብዙሓት ደቂ ፖርቱጋል ቀለብ ዝኸውን ዓሳ ንምግፋፍ ‘ብመራኽቦም ናብ ባሕሪ ወሪዶም ኢዮም።’—መዝሙር 107:23
ኣብዚ ዝሓለፈ 70 ዓመታት: ኣብ ፖርቱጋል ካልእ ዓይነት ምግፋፍ ዓሳ ክካየድ ጸኒሑ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ንዓሰርተታት ኣሽሓት ምሳልያውያን ዓሳታት ንኸካፍልዎ ትሑዛት ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 4:19) ኣብ ግንቦት 1995 ዝለዓለ ቍጽሪ ናይቶም ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ 44,650 ክኸውን ከሎ መጠነ–ዝምድና ድማ 1 ዳርጋ ን210 ዝዀኑ ተቐማጦ ነበረ። ኣብ ገለ ገለ ከተማታት ከኣ እቲ መጠነ-ዝምድና 1 ዳርጋ ን105 ሰብ ኢዩ።
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዘሎ ናይ ምስክርነት ዞባታት ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብኣዝዮም ብዙሓት ዓየይቲ ይሽፈን ኢዩ። ስለዚ እቶም ናይ ፖርቱጋል መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኦም ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍልዎ: እተፈላለየ ኣቀራርባታት ኣብ ምጥቃም ኣዝዮም ትኩራት ኢዮም። እወ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብእተኻእለ መጠን ብዅሉ መገዲ ከም ዝፍለጥ ናይ ምግባር ኣገዳስነት የማስውሉ ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 9:20-23
ነቶም ሃይማኖታዊ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ምሕጋዝ
ብመሰረት እቲ ብ1991 እተገብረ ምቝጻር ህዝቢ: ካብቶም ኣብ ፖርቱጋል ዘለዉ 18 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ሰባት: 70 ካብ ሚእቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ኢና በሃልቲ ኢዮም። ምስናይዚ ዅሉ ግን: እቶም ህዝቢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ፍልጠት ዝተሓተ ኢዩ። እቲ ዦርናል ደ ኖተስዮስ እተባህለ ጋዜጣ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ደንቆሮ ምዃን! እዚ ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ፍጻመ ናይ ምድረ ካቶሊክ ኢዩ” ብምባል ገለጸ። እቲ ኵነታት ከምኡ ዝዀነ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ኤስፕሬሶ እተባህለ ናይ ፖርቱጋል ጋዜጣ እቲ መልሲ ይሕብር። እቲ ጋዜጣ ነቲ ኣብ ፋቴማ እተገብረ ናይ 500 ኣቐሽሽቲ ኣኼባ ኣመልኪቱ ጸብጻብ ክህብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ከምቲ እቲ ኣቡን ዝበሎ: ሓደ ቀሺ ብፍላይ ነቲ ከም ‘ኣዋጂ’ መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ከረጋግጽ ምእንቲ ክኽእል: ገዛእ ርእሱ ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ተደራቢ ንጥፈታት ናጻ ክገብራ ኣለዎ። . . . እቲ ቀሺ ነቲ ወንጌል ንምስባኽ ምሉእ ነፍሱ እንተድኣ ወፍዩ: ንዝዀነ ካልእ ንጥፈታት ዝኸውን ግዜ ኣይኪህልዎን ኢዩ።”
ብኣንጻሩ: ኣብ ፖርቱጋል ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዅሉ ዝኽእልዎ ዘበለ መገዲ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከም ዝፍለጥ ኣብ ምግባሩ ትሑዛት ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት ቅኑዓት ዝዀኑ ኣመንቲ ካቶሊክ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ይረኽቡ ኣለዉ።
ካርሎተ ውፍይቲ ካቶሊክን ኣባል ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ጕጅለ መንእሰያትን ኢያ ነይራ። ኣብቲ ኣንቶንዮ ዝበሃል ምስክር ዝሰርሓሉ ኣጸደ-ህጻናት ድማ መምህር ኢያ ነይራ። ኣንቶንዮ ከም ፓይነር: ወይ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ መጠን ኣብ ግዜ ምሳሕ ንመሳርሕቱ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረቦም ኵሉ ግዜ ኢዩ ዝጽዕር። ሓደ መዓልቲ ካርሎተ ብዛዕባ ሲኦል ሓውን ኣምልኾ ማርያምን ሓተተቶ። ኣንቶንዮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ እንታይ ከም ዝምህር ገለጸላ: እዚ ድማ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ከም ዝጅመር ገበረ። ካርሎተ ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ መንግስቲ ኣዳራሽ ምስ ተሳተፈት ኣዝያ ተመሰጠት። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ኣኼባ ሰዓታት ምስቲ ኣባሉ ዝዀነት ናይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ሰዓታት ተጋጨወ። ውሳነ ክትገብር ከም ዘለዋ ድማ ተገንዘበት። እንታይከ ገበረት፧
ካርሎተ ንብምሉኡ እቲ ናይ መንእሰያት ጕጅለ ኣከበቶ እሞ: ነቲ ጕጅለ ስለምንታይ ትገድፎ ከም ዘላ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለጸትሉ። ብጀካ ሓንቲ ኣዝያ ብጥንቃቐ እትሰምዕ ዝነበረት ስቴለ ዝስማ መንእሰይ ጓል: ኵላቶም ንውሳነኣ ነቐፍዎ። ጸኒሓ ካርሎተ ምስኣ ምስ ተዛረበት: ስቴለ ብዛዕባ ናይ ህይወት መበቈልን ዕላማን ብዙሕ ሕቶታት ሓተተት። ካርሎተ ኸኣ ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧a እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ሃበታ: ምስኣ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።
ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ካርሎተ ጽቡቕ መንፈሳዊ ምዕባለ ገበረት: ኣብ ሰነ 1991 ከኣ ተጠምቀት: ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸኒሓ ድማ ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀመረት። ኣብ ግንቦት 1992 ንሳን ኣንቶንዮን ተመርዓዉ: ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ዝነበረ ድማ: ምስታ ጐረቤት ጉባኤ ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቀጸሉ። ስቴለኸ፧ ኣብ ግንቦት 1993 ተጠምቀት ሕጂ ድማ ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ተገልግል ኣላ።
መንእሰይ ፍራንቸስኮ ኣዝዩ ሃይማኖተኛ ኢዩ ነይሩ። ሰንበት ሰንበት ንግሆ ኣብ ቅዳሴ: ድሕሪ ቐትሪ ድማ ኣብ ናይ መቝጸርያ ድጋም ይሳተፍ ነበረ። ኣብ ግዜ ቅዳሴ ነቲ ቐሺ ብምሕጋዝ ቀሸ–ገበዝ ኰይኑ የገልግል ነበረ። ሓደ መዓልቲ “ቅዱስ” ምእንቲ ክኸውን እውን ከይተረፈ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ኢዩ!
ፍራንቸስኮ ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልዎ ደለየ: ሓደ መዓልቲ ድማ ዓርኩ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሃቦ። ኣምላኽ: የሆዋ ዝብል ስም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠ ድማ ተገረመ። (ዘጸኣት 6:3፣ መዝሙር 83:18) ኣብ ዘጸኣት 20:4, 5 ኣምላኽ ኣብ ኣምልኾ ምስልታት ምጥቃም ከም ዝኽልክል ምስ ኣንበበ እሞ ኣዝዩ ኢዩ ተገሪሙ! እቲ ቤተ-ክርስትያን ብምስልታት መሊኡ ይርኢ ብምንባሩ: እዚ ዅሉ ሕንፍሽፍሽ እንታይ ምዃኑ ንኽርድኦ ምእንቲ ክሕግዞ ካብ ልቢ ተላዒሉ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ብዙሕ መዓልትታት ጸኒሑ ቀደም መማህርቱ ዝነበረ ሰብ ረኸበ እሞ ስለምንታይ ነቲ ምሸታዊ ትምህርቲ ከም ዝሓደጎ ሓተቶ።
እቲ ዓርኩ ድማ “ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ምሸታዊ ትምህርቲ እሳተፍ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ፍራንቸስኮ ኸኣ “ኣበየናይ ቤት ትምህርቲ ኢኻ ዘሎኻ: እንታይከ ኢኻ እተጽንዕ ዘሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ካብ ዓርኩ ድማ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ መልሲ ረኸበ።
እቲ ዓርኩ “ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንግስቲ ኣዳራሽ መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ ኣሎኹ። ምሳይ ክትከይድ ምደለኻዶ፧” በሎ።
ፍራንቸስኮ ኣብቲ እተኻፈሎ ናይ መጀመርታ ኣኼባ: ሕጕስን ፍሽኽታ ዘለዎን ገጽ፣ ኣብ ንሓድሕዶም ብምዉቕን ዕርክነታውን ኣገባብ ዝዘራረቡ ሰባት፣ ምስ ወለዶም ኮፍ ኢሎም ነቲ ዝበሃል ዝነበረ ጽን ዝብሉ ቈልዑ ምስ ረኣየ ክኣምን ኣይከኣለን።
ፍራንቸስኮ “ፈጺመ ጋሻ ኢየ ነይረ: ግን ልክዕ ከም ኣባል ናይቲ ስድራቤት ድማ ተሰማዓኒ!” በለ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ስርዓታዊ ብምዃን ኣኼባታት ይካፈል ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ፍራንቸስኮ ኣብታ ጉባኤ ከም ሽማግለ ኰይኑ የገልግል ኣሎ: ከምኡውን ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ብምዃን: በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ናይታ መንግስቲ ዓቢ መብጽዓታት ይሕጐስ ኣሎ።
ነቲ ሓቂ ነዝማድ ምምቓል
ኣብ ከባቢ ሊዝበን ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና እተገልግል ማንዌለ: ብምኽንያት እቲ ንዅሉ ሰብን ነዝማዳን ብሕያውነት ኣብ ምስባኽ ዘርኣየቶ ዘይምሕላል ብዙሓት መንፈሳውያን ዓሳታት ረኺባ ኢያ። ሓደ ካብኣቶም ብናይ ኣጽዋር ኣጠቓቕማን ካራተን ልምምድ ዝነበሮ: ብስጋ ሓዋ: ዡዘ ኢዝዋርዱ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ሕጊ ብምጥሓሱ ኣብ መወዳእታ ብ22 ገበናት ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቐረበ: ን20 ዓመታት ክእሰር ድማ ተፈርደ። ኣዝዩ ዓመጸኛ ብምንባሩ እቶም መተኣስርቱ እውን ከይተረፈ ይፈርህዎ ነበሩ: ኣብ ሓደ ብጽኑዕ ዝሕሎ ክፍሊ ድማ ንብሕቱ ተኣሲሩ ነበረ።
ማንዌለ ንዡዘ ኢዝዋርዱ ብትዕግስቲ ንሾውዓተ ዓመታት በጽሓቶ: ይኹን እምበር ኵሉ ግዜ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽታ ይነጽጎ ነበረ። ኣብ መወዳእታ: እታ ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምስ ተሓትመት: ተቐበላ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኣብ ጠባዩ ዘገርም ለውጥታት ገበረ። ሓደ ሰሙን ጸኒሑ ን200: ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ድማ ንኻልኦት 600 እሱራት መስከረሎም። ነቶም ኣብቲ ካልእ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክፍልታት ዝነበሩ መተኣስርቱ ክበጽሖም እውን ከይተረፈ ፍቓድ ረኸበ። ብምኽንያት እቲ ዘርኣዮ ፍሉይ ለውጥታት እቲ ፍርዱ ናብ 15 ዓመታት ወረደ። ንዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ ምእሳሩ እቲ ዝተረፈ ኣብ ዝባኑ ዀይኑ ካብ ማእሰርቲ ተፈነወ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ሓሙሽተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ: ሕጂ ድማ ዡዘ ኢዝዋርዱ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ጉባኤ ከም ድያቆን ኰይኑ ዘገልግል ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዩ። ብሓቂ ነቲ “ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር” ኢዩ ዝብል ኵነታት ዝመሳሰል!’—ኢሳይያስ 11:6
ብምኽንያት እቲ ንስድራቤታ ምእንቲ ክትሰብከሎም ዝገበረቶ ቀጻሊ ጻዕራ: ማንዌለ ንበዓልቤታን ንኻልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ስድራቤታን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ክዀኑ ብምሕጋዛ ሓጐስ ረኺባ ኢያ። በዓልቤታ ኸኣ ሕጂ ድያቆን ኢዩ።
“ብቕልዒትን ኩርማጅን ክሰጎም ኢየ”
ማርየ ዱ ኮርሞ መሰኻኽር ክበጽሕዋ ከለዉ ኣብ ከባቢ ሊዝበን ኢያ ትነብር ነይራ። እቲ ዝሰምዓቶ ደስ በላ እሞ: ንበዓልቤታ: ኣንቶንዮ ኸኣ ኣብ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ትኽእል እንተ ዀይና ሓተተቶ። “ኣይትሕሰብዮ እውን! ኣብ ገዛና ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተድኣ ረኺበ: ብቕልዒትን ኩርማጅን ክሰጎም ኢየ” ድማ በላ። ምስናይዚ ኸኣ: ኣንቶንዮ ናይ ካራተ መምህርን ናይ ብላክ ቤልት ሳልሳይ ደረጃ ዝነበሮን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ማርየ ዱ ኮርሞ ኣብ ካልእ ቦታ ኰይና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ወሰነት።
ጸኒሑ: ኣንቶንዮ ናይ ሸሞንተ መዓልትታት ናይ ካራተ ኮርስ ክወስድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኸይድ ነበሮ: ማርየ ድማ ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት መጽሓፈይ እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍb ብሜላ ኣብቲ ሻንጣኡ ጠርነፈትሉ። ኣንቶንዮ ኣብቲ ጕዕዞኡ ብዙሕ ግዜ ስለ ዝነበሮ ነታ መጽሓፍ ኣንበባ። ክምለስ ከሎ ህቦቡላ ነታ ነፋሪት ብሓይሊ ኣናወጻ: ብኽንደይ ሽግር ድማ ዓለበት። ኣንቶንዮ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ ናብ የሆዋ ጸለየ።
ኣንቶንዮ ንገዛ ምስ መጸ: እታ ንበዓልቲ ቤቱ እተጽንዓ ዝነበረት ምስክር ንኣኼባ ዓደመቶ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ኣዝዩ ምቕሉል ኰይኑ ረኸቦ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበር መደብ ተገብረ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ድማ: ኣንቶንዮ ገለ ውሳነታት ክገብር ከም ዘለዎ ተረድአ። ንተማሃሮኡ ካራተ ምምሃር ኣቋሪጹ: ንሕጅን ንዘለኣለምን ሰላማዊ ናብራ ብኸመይ ከም ዝነብሩ ክምህሮም ጀመረ። ሓደ ካብኣቶም: ንሱውን ብላክ ቤልት ዘለዎ: ሕጂ ጥሙቕ ክርስትያን ኰይኑ ኣሎ።
ኣንቶንዮ ድማ ኣብ ሚያዝያ 1991 ተጠምቀ። ኣብታ ድሕሪ ጥምቀቱ ዝነበረት መዓልቲ ኸኣ ከም ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ጀመረ። ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸኒሑ ከም ስርዓታዊ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ጀመረ: ሽዑ ንሽዑ ድማ 12 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይዓዪ ነበረ። ኣብ ሓምለ 1993 ኣብታ ጉባኤ ከም ድያቆን ኰይኑ ተመዘዘ።
ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየ ዞባ
ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ናይታ ሃገር: እቲ ዞባ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ይዕየ ኢዩ። እቶም መሰኻኽር ነቲ ናይ “ምግፋፍ” ዕዮኦም ኣፍራዪ ከም ዝኸውን ዝገብርዎ ብኸመይ ኢዮም፧
ዥዋ ኣብ ገዛ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክረኽቦ ኢዩ ዝፍትን። ንሓንቲ ሰበይቲ ክበጽሓ ኸሎ: ኣብቲ ቤት እቲ ካልኦት ዝነብሩ እንተድኣ ዀይኖም ሓተታ። እታ ሰበይቲ በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ኣብኡ ከም ዝነብሩ: ይኹን እምበር ሰራሕተኛታት ብምዃኖም ንገዛ ምሸት ጥራይ ስለ ዝመጹ ብቐሊሉ ከም ዘይርከቡ ነገረቶ። ስለዚ ዥዋ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ስብከቱ ቀጸለ። ዳርጋ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጸኒሑ ድማ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ።
“ክትዛረበኒ ደሊኻ ነይርካ። በጃኻ እቲ ክትብለኒ ዝደለኻዮ ተዛረበኒ” ብምባል ንዥዋ ተዛረቦ።
ዥዋ ካብ ምግራም እተላዕለ “ይቕሬታ ግበረለይ: ኣይፈለጥኩኻን: መን ኢኻ፧” በሎ።
“ኣንቶንዮ እበሃል: ኣብዚ ጐደና እዚ ኢየ ዝነብር። ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤት ክትዛረቦም ትደሊ ምዃንካ ነደይ ተዛሪብካያ ነይርካ: እንታይ ከም ዝደለኻ ክፈልጥ ድማ መጺአ ኣሎኹ።”
ዥዋ ንኣንቶንዮ ጽቡቕ ምስክርነት ሃቦ: ምስኡ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ካልኣይ ግዜ ጽንዓት ድሕሪ ምዕያዮም: ኣንቶንዮ እቲ ጽንዓት ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ክግበር ዝከኣል እንተ ዀይኑ ሓተተ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ: ምስ ዥዋ ኰይኑ ኣብቲ ጐደናኡ ነቲ ብስራት ክሰብኽ ጀመረ። ሰለስተ ኣዋርሕ ጸኒሑ: ተጠምቀ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣዲኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ኣብቲ ኣገልግሎት ምስ ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ክትዛረብ ምፍታን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣድላዪ ኢዩ!
ከምዚ ዝበለ ዘሐጕስ ተመኵሮታት ኣብቲ ናይ ፖርቱጋል ማያት ጌና ብዙሕ መንፈሳዊ ምግፋፍ ከም ዝግበር ዝሕብር ኢዩ። የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ጻዕረኛታት መሰኻኸር እናወሰኸ ዝኸይድ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሃብ ባሪኽዎም ኢዩ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኵላቶም ሰባት ከም ዝፈልጥዎ ንምግባር ዝያዳ ካልእ መገድታት እናደለዩ ብዝኸዱ መጠን እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎም: “ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ አሎ” ዝብል ቃላት ሎሚ ኣብ ፖርቱጋል ብሓቂ ይፍጸም ኣሎ።—ፊልጲ 1:18
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ስጳኛ
ፖርቱጋል
[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ፖርቱጋል ዘለዉ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከም ዝፍለጥ ንምግባር ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ይጥቀምሉ ኢዮም