ካብ ድርቅና ተጠንቀቕ!
ጌጋ ካብ ምፍጻም ክርሕቕ ዘይደሊ መን ኣሎ፧ ኣዝዩ ዘሕፍር: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ከቢድን ኣዝዩ ዘጣዕስን ክኸውን ይኽእል ኢዩ! ዝደቍስ ጌጋ ከነርሕቕ ንደሊዶ፧ እምበኣር ካብቲ ብቐሊሉ ናብኡ ክመርሓና ዝኽእል ጠባይ ክንሕሎ ኣሎና። ካብ ድርቅና ክንጥንቀቕ ኣሎና!
ድርቅና እንታይ ኢዩ፧ “ናይ ስልጣን ቦታ: መሰል ምድላይ: ወይ ከየፍለጥካ ፍቓድ ምውሳድ”፣ “ነቲ ግቡእ ደረት ምስጋር:”፣ “ብጠባይ ወይ ኣተሓሳስባ ንምድራቕ ድሉው ምዃን” ማለት ኢዩ። ብርግጽ: ድርቅና ንሓደ ሰብ ብኣተሓሳስባኡ ከም ዝኸይድ: ንምኽርን መኣረምታን ድማ ከም ዝጻረር ኢዩ ዝገብሮ።
ግናኸ መን ኢዮም ደረቐኛታት፧ እቶም ብግሁድ እኩያት ዝዀኑ ጥራይ ድዮም፧ ካብ ድርቅና ክጥንቀቕ ብሓቂ ዘድልዮ መን ኢዩ፧
ደረቐኛታት ኣሳደድቲ
ካብ ደቅሰብ እቶም ቀንዲ ደረቐኛታት ዝበሃሉ እቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዘሳድዱ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ንዕኦም ክትእዘዝ ኣትሪሮም ይዛረቡ። ካብዚ ንላዕሊ ድርቅና እንታይ ኣሎ፧
እታ ጥንታዊት ሓይሊ ዓለም ባቢሎን በዚ ዓይነት ድርቅና እዚ: ገበነኛ ኢያ ነይራ፧ ስለዚ: ኣምላኽ ብነብያቱ ገይሩ ጥፍኣታ ኣወጀ። ኣምላኽ ድማ ከምዚ በለ:- “ንድርቅና ትዕቢተኛታት [“ደረቐኛታት:” ትሓዓ ] ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ: ንዅርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።” ከምኡውን “ኣቲ ትዕቢተኛ [“ደረቐኛ:” ትሓዓ ]: እታ ንዓኺ ዝቐጽዓላ ጊዜ: እታ መዓልትኺ መጺኣ እያ እሞ: እንሆ: ናባኺ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዝብል ነንብብ ኢና።—ኢሳይያስ 13:11፣ ኤርምያስ 50:31
ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ብዙሓት ደረቐኛታት ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሳዲዶምዎም ኢዮም። ይኹን እምበር: እዞም ዕቡያት ኣሳደድቲ እዚኣቶም ጽቡቕ ኣይረኸቡን። ከም በዓል ናይ ናዚ ኣዶልፍ ሂትለር ከምኡውን እቲ ብሕማቕ ግብሩ ውሩይ ዝዀነ ናይ ካናዳ ዱፕሌሲስ ዝኣመሰሉ ደረቐኛታት ኣሳደድቲ ኣበይ ኣለዉ፧
ካብ ዝሓለፈ እተረኽበ መጠንቀቕታታት
እንተዀነ ግን: ብጀካ እቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዘሳድዱ ካልኦት ሰባት ኣብ ናይ ድርቅና መፈንጠራ ወዲቖም ኢዮም። እዚ ካብ ኵነታት ሳኦል: ኣብ ልዕሊ እቶም 12 ነገዳት ናይ ጥንታዊት እስራኤል ዝነገሰ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ንጉስ: ክሳዕ ክንደይ ብሩህ ኰን ኢዩ! መጀመርታ ክሕረ ኸሎ ትሑት ሰብ ኢዩ ነይሩ። አረ: ከም ንጉሶም መጠን ኣብ ቅድሚኦም ክቐርብ ምስ ተደልየስ ተሓቢኡ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 10:17-24) ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ እዋን: እዚ ዕዙዝ ክብሪ እዚ ንሳኦል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከም ዝሓስብ ገበሮ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ እናኣከታተለ ናይ ድርቅና ስጕምትታት ብምውሳድ ገበነኛ ኰነ።
እቲ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ: ኣብ እዋን እቲ ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ውግእ ኢዩ። ሳሙኤል እቲ ነብዪ ኣብ እተወሰነ እዋን ንየሆዋ መስዋእቲ ምእንቲ ከቕርብ ምስ ሳኦል ክራኸብ መዲቡ ነበረ። ይኹን እምበር: እቲ ኵነታት ተስፋ ዘቝርጽ ምስ መሰለ: ሳሙኤል ድማ ናብቲ ቦታ ካብ ምምጻእ ምስ ተረፈ: ሳኦል ብድርቅና ተላዒሉ ባዕሉ ነቲ መስዋእቲ ኣቕረቦ። እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧ እቲ ናይ ድርቅና ስጕምቱ ንንግስነቱ ከም ዝቕንጥጦ ተነግሮ!—1 ሳሙኤል 13:5-14
ቁሩብ ግዜ ጸኒሑ: የሆዋ ንሳኦል ነቲ እስራኤላውያን ኣብቲ ናይ ምድረ በዳ ጕዕዞኦም ከለዉ ኣማሌቃውያን ኣብ ልዕሊኦም ዘውረድዎ ዓመጸኛ መጥቃዕቲ ሕነ ክፈዲ ኣዘዞ። ሳኦል ንኣማሌቃውያን ከጽንቶም ነበሮ: ይኹን እምበር ብስስዐ ተደሪኹ ካብተን ናይ ኣማሌቃውያን መጓሰን ኣሓን እተን ዝበለጻ ኣትረፈ: ድሕሪኡ እዘን እንስሳታት እዚኣተን ንመስዋእቲ ተባሂለን ኢየን ተዓቂበን ኢሉ ኣመኽነየ። ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ እውን መሓሮ። ብሰንኪ እቲ ናይ ድርቅና መገዱ: ሳሙኤል ንሳኦል “ንቓል እግዚኣብሄር [ብድርቅና ተላዒልካ] ስለ ዝነዐቕካዮ: ንሱ ኸኣ ኸይትነግስ ነዐቐካ” በሎ። (1, ሳሙኤል 15:1-23) ንደረቕ ምዃን ከመይ ዝበለ ዋጋ ኰን ኢዩ ዝኽፈሎ!
ካልእ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ድማ ናይቲ ደረቐኛ ዝነበረ ንጉስ ዑዝያ ወይ ኣዛርያ ኢዩ። ዘይግብኦ ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ዕጣን ክዓጥን ፈተነ። እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧ ብምኽንያት እቲ ናይ ድርቅና ስጕምቱ ብዘሰንብድ ለምጺ ተወቕዐ! እወ: “እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ: ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ለምጻም ኰነ።” (2 ነገስት 15:5፣ 2 ዜና መዋእል 26:16-23) እዝስ ካብ ድርቅና ንምጥንቃቕ ከመይ ዝበለ ስምዕታ ኰን ኢዩ!
ናብቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ምቕላብ
ቅድሚ ሕጂ ንህዝቢ የሆዋ ዘሳድዱ ዝነበሩን: ገለ ህይወቶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ውልቀሰባት እውን ከይተረፈ ኣብ ናይ ድርቅና መፈንጠራ ወዲቖም ኢዮም። ይኹን እምበር: እዞም ሎሚ ዘሎናኸ፧ እቲ ደረቐኛ ናይ ምዃን ሓደጋ ጌና ኣሎ። ብምኽንያት እቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ዝንባለታት: ናይዛ እክይቲ ዓለም ፈተናታት: ከምኡውን ብምኽንያት ናይ ሰይጣን ‘ውዲት:’ ኵልና ናይ ድርቅና ስጕምቲ ከይንወስድ ክንሕሎ ኣሎና።—2 ቈረንቶስ 2:11፣ መዝሙር 51:5፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17
የሆዋ ኣምላኽ ብቓሉ ገይሩ ብፍቕራዊ መገዲ ደረቐኛታት ከይንኸውን የጠንቅቐና ኢዩ። ንኣብነት: “ትዕቢት [“ድርቅና:” ትሓዓ ] እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ዝብል ነንብብ ኢና። (ምሳሌ 11:2) ንጉስ ዳዊት ድርቅና ክሳዕ ክንደይ ሕማቕ ምዃኑ ብምርዳእ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ “ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት [“ድርቅና:” ትሓዓ ] ሐልዎ: ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ: . . . ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ” ኢሉ ጸለየ።—መዝሙር 19:13
ትዕቢት ድርቅና ይወልድ
ይኹን እምበር: ድርቅና ከነርሕቕ እንተድኣ ደሊና ንትዕቢት ወጊድ ክንብሎ ኣሎና። ሳኦል ናይ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ምስ ተመርጸ ትሑት ብምዃን ከም ዝጀመረ ትዝክሮ ኢኻ። ይኹን እምበር: ትሑት ኰይኑ ኣይቀጸለን። ብሓቂ: ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናይ ድርቅና ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብውሕዱ ኣብ ሓንቲ ኣጋጣሚ እውን ትኹን ናይ ድርቅናን እከይን ስጕምቲ ክወስድ ዝመርሖ ትዕቢት ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሳኦል ናይ እስራኤል ኣንስቲ “ሳኦል ሽሑ: ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ” ኢለን ክደርፋ ሰምዐ። እዚ ሳኦል ንዳዊት ብጥርጣረን ቅንእን ከም ዝርእዮ ክሳዕ ዝገብሮ ንትዕቢቱ ኣቝሰሎ። አረ: ሳኦል ንዳዊት ክቐትሎ ብምድላይ ክሃድኖ ጀሚሩ ኢዩ። ሳኦል ብትዕቢትን ቍጥዓን ተላዒሉ—ሓደ ካብኣቶም ምስ ዳዊት ስለ እተዓራረኸ—ን85 ካህናት: ከምኡውን ነቶም ናይ ኖብ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን እውን ከይተረፈ ኣጽኒትዎም ኢዩ።—1 ሳሙኤል 18:6-9፣ 21:1-10፣ 22:16-19
ሳኦል ኣብቲ ናይ ትዕቢትን ድርቅናን መገዱ ብምቕጻል: ኣብ መወዳእታ ርእሰ–ቕትለት ኢዩ ፈጺሙ። (1 ሳሙኤል 31:4) ሓደ እዋን ትሑት ንዝነበረ ሰብኣይ ከመይ ዝበለ ዘሕዝን መወዳእታ ኰን ኢዩ!
ከምቲ ናይ ሳኦልን ዑዝያን ዝበለ ናይ ድርቅና መገዲ ነርሕቕ። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ነቕልበሉ ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት ድማ ንጠቐም። (ሮሜ 15:4) ኣብ ርእሲ እዚ: ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ነታ ናይ ትሕትና ባህሪ ንዀስኵስ። እዛ ኣምላኻዊት ባህሪ እዚኣ ትዕቢት: ሓጢኣት ዝመልኦ ድርቅና ከነርሕቕ ክትሕግዘና ኢያ።