ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/12 ገጽ 4-7
  • ልምዲ ምስ ሓቂ ክጋጮ ኸሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልምዲ ምስ ሓቂ ክጋጮ ኸሎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ማያት ሓቂ ምብካል
  • ህዝበ ክርስትያን ነቲ ብከላ ትውስኸሉ
  • ናይ መንፈሳዊ ብከላ ሳዕቤናት
  • ነቲ ልምድታት መርምሮ
  • ልምዲ ምስ ሓቂ ግድን ክጋጮ ኣለዎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • እቲ እትኣምኖ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/12 ገጽ 4-7

ልምዲ ምስ ሓቂ ክጋጮ ኸሎ

ሓደጋ​—⁠ዝስተ ማይ ኣይኰነን። ከምዚኣቶም ዝበሉ መጠንቀቕታታት ንርኢ ንኸውን ኢና። ምኽንያቱ ገሊኡ ናይ ማይ መዐደሊታት በቲ ቀታሊ ብከላ ናይ “መርዛም ቀመም” ተባሂሉ ዝፍለጥ ከም ዝምረዝ ስለ ዝፈልጡ: ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ዝሰትይዎ ማይ ጥንቁቓት ኢዮም። ሓደ መጽናዕቲ: ብምኽንያት እዚ ብከላ እዚ: ማይ ኣብ ክንዲ “ዓቃብን ተኸላኻልን ህይወት” ዝኸውን: “ሕማም ዘምጽኡ ሕዋሳት መመሓላለፊ ከምኡውን . . . በካሊ ቀመማት” ክኸውን ይኽእል ኢዩ ይብል።​—⁠ዎተር ፖሊሽን (ብከላ ማይ)

ነቲ ማያት ሓቂ ምብካል

ምስ ሓቂ ዝጋጨዉ ልምድታት: ልክዕ ከምቲ እተበከለ ናይ ማይ መዐደሊታት ኢዮም። ነቶም በቲ ናይ ሓሶት: ዘጋግዩ ሓሳባትን ፍልስፍናታትን “መርዛም ቀመም” እተበከሉ ልምድታት​—⁠ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ቀጺሉ ዘሎ ወለዶ እተመሓላለፈ ሓበሬታ: ርእይቶታት: እምነታት: ወይ ወግዕታት​—⁠ብቕንዕና ሒዝናዮም ንኸውን ኢና። ልክዕ ከምቲ እተበከለ ማይ: እዚኣቶም እዚ ዘይብሃል ጕድኣት​—⁠መንፈ​ሳዊ ጕድኣት​—⁠ከስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም።

እቲ ልምዳዊ ሃይማኖታዊ እምነታትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኰይኑ እኳ እንተ ተሰማዓና: ኩላትና ተጠንቂቕና ንኽንምርምሮም ግዜ ክንወስድ ኣሎና። ማርቲን ሉተር: ነቲ ናይቲ ግዜኡ ልምዳዊ እምነት ክሕዝ ከምኡውን ንኮፐርኒኩስ ክዅንን ከሎ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደገፍ ከም ዘለዎ ይኣምን ምንባሩ ዘክር። እንተዀነ ግን: ሉተር ናይቶም ‘እስከ ከምኡ እንተዀይኑ: ኢሎም ነቲ [ቅዱሳት ትሓዓ ] ጽሑፋት ዝመርመሩ ደግታት’ ዝነበሩ ጥንታዎት ሰብ ቤርያ ኣብነት ካብ ምስዓብ ሰነፈ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:​10, 11

ነቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ገለ ኣይሁድ እቲ ልምዳዊ እምነታት ዘስዓበሎም ጕድኣት ሕሰቦ። እቲ ልምድታቶም ሓቂ ምዃኑ ሕራይ ገይሮም ኢዮም ዝኣምንዎ ነይሮም። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ልምዲ ኣይሓለዉን ኢሎም ምስ ተቓወሙ: የሱስ “ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ [ልምድኹም ትሓዓ ] ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧” ኢሉ ብምሕታት ኣዋጠሮም። (ማቴዎስ 15:​1-3) እቲ ጌጋ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ የሱስ ነቲ ናይ ነብዪ ኢሳይያስ ቃላት ክጠቅስ ከሎ ነቲ ግድል ኣነጺርዎ ኣሎ:- “ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሃሩ: ንኸንቱ የምልኹኒ [ንኣምላኽ]።”​—⁠ማቴዎስ 15:9፣ ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ኢሳይያስ 29:⁠13

እወ: ንቦታ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝመነጨ ሓቂ: በቲ ካብ ሰብ: አረ ዝገደደስ በቲ ካብ ኣጋንንቲ ዝመነጨ ሓሳባት: ተክእዎ። ንኣብነት: ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: ጥራዝ 1: ገጽ 506 “እቶም ሽዑ ዝነበሩ ፈሪሳውያን: ሓደ ሰብ ንጥሪቱ ሓንሳእ ‘ቍርባን’ ገይረዮ ኢየ ወይ ንኣምላኽ እተወፈየ ህያብ ገይረዮ ኢየ ምስ ዝብል: ወለዱ ክሳዕ ክንደይ ስኡናት ይኹኑ ብዘየገድስ: ድሌቶም ንምምላእ ክጥቀመሉ ኣይክእልን ኢዩ: ይኹን እምበር: እንተድኣ ደልዩ ክሳዕ ዝመውት ንርእሱ ክጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ: ኢሎም ይምህሩ ነይሮም” ብምባል ትገልጽ። እቲ ንማያት ሓቂ ዘበላሸወ ሰብኣዊ ጥበብ: ኣብቲ ናይ ኣይሁድ መንፈሳውነት ሕማቕ ሳዕቤን ኢዩ ነይርዎ። መብዛሕትኦም ነቲ ንነዊሕ እዋን እተጸበይዎ መሲህ እውን ከይተረፈ ነጺጎሞ ኢዮም።

ህዝበ ክርስትያን ነቲ ብከላ ትውስኸሉ

ድሕሪ ሞት የሱስ ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ዕንወት ሰዓበ። ብዙሓት ሰዓብቱ ኢና በሃልቲ: ነቲ ኣፍኣዊ ልምዲ ከም መሰረት ናይ ሓድሽ ትምህርትታት ገይሮም ተቐበልዎ። ብመሰረት እቲ ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተጻሕፈ ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል: ቴኦሎጂካል: ኤንድ ኤክለስያስቲካል ሊተረቸር: ገለ ክርስትያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት እዚ ከምዚ ዝበለ ልምዲ “በተን ናይ መጀመርያ ናይ ክርስትያን ኣብያተ ክርስትያናት ካብ ኣፍ ሃዋርያት እተረኽበ መምርሒ: ካብ ግዜ ሃዋርያት እተመሓላለፈ: ከምኡውን ክሳዕ ግዜኦም ብጽፈት ተዓቂቡ ዝጸንሐ ” ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስምዖም።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ብሓቂ ግን: መብዛሕትኡ ካብቲ ልምድታት ዘይጽፉፍን ጌጋን ሓሳባት ኢዩ። ከምቲ እቲ ሳይክሎፔድያ ዝገለጾ: እዚ ሓደስቲ ፍልስፍናታት እዚ “ካብቲ ካልእ ልምድታት ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ልክዕ ዝዀነ ናይ ሃዋርያት ጽሑፋት እተፈልየ ኢዩ” ነይሩ። እዚ ድማ ፈጺሙ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠8

ሎሚውን: ብዙሕ ልምዳዊ እምነታት ‘ካብቲ ልክዕ ዝዀነ ናይ ሃዋርያት ጽሑፋት እተፈልየ’ ኢዩ። ህዝበ ክርስትያን ብእተፈላለየ መንፈስ ኣጋንንቲ ዘለዎ ሓሳባት: ከም ስላሴ: ሲኦል ሓዊ: ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ: ሃገራውነት: ከምኡውን ኣምልኾ ጣኦት ዝኣመሰለ ገይራ ነቲ ማያት ናይ ሓቂ በኪላቶ ኣላ።a (1 ጢሞቴዎስ 4:​1-3) ናይ ህዝበ ክርስትያን ልምዳዊ ትምህርትታት ኰይኑ ዘሎ ጋኔናዊ ትምህትታት ግዳያት ኰይኖም ዘለዉ ሰባት ሒዝዎም ዘሎ መንፈሳዊ ሕማም: ዛንታ የረጋግጾ ኢዩ።​—⁠ምስ ኢሳይያስ 1:​4-7 ኣረኣእዮ።

ልክዕ ኢዩ: ከምዚ ዝበለ ምብካል ናይ ሓቂ ካብቲ ሰብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኢዩ ክቕጽል ጸኒሑ። ሰይጣን ነቲ ኣብ ኤደን ዝጀመሮ: ናይ ሰባት ኣእምሮ ብሓሶትን ምትላልን ገይርካ ምምራዝ ዝብል መስርሕ ቀጺልዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ 2 ቈረንቶስ 11:⁠3) ድሕሪ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ: ሰብኣዊ ስድራቤት ኣብ መላእ ምድሪ ፋሕ ክብል ምስ ጀመረ: ኣብ ኵሉ ባህልታት ዘለዉ ሰባት መንፈስ ኣጋንንቲ ብዝነፈሶም ፍልስፍናታትን ሓሳባትን ገይርካ ነቲ ናይ ሰብ መኽዘን ፍልጠት ኰነ ኢልካ ናይ ምብካል ግዳያት ኰኑ።

ናይ መንፈሳዊ ብከላ ሳዕቤናት

እዚ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ብከላ እንታይ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል፧ ምስቲ እተበከለ ማይ ኣብ ኣካላዊ ጥዕናና ዘለዎ ሳዕቤን ከነወዳድሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ፈላጥ ከምዚ ይብል:- “ዳርጋ 200 ሚልዮን ሰባት ግዳያት ናይቲ እተበከለ ማይ ኣብ ቈርበት ዘስዕቦ ሲስቶሶምያሲስ (ቢልሃርዝያ): [ስነይል ፊቨር: ደም ዋሕዲ: ቀጨውጨው: ጠቕላላዊ ሕማቕ ጥዕና: ሞት እውን ከይተረፈ ዘምጽእ] ኢዮም። ሓሙሽተ ሚእቲ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት: እቲ ንዑረት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ረቛሒታት ዝዀነ: ብምኽንያት ረሳሕ መሕጸቢ ማይ ዝመጽእ ትራኮማ ኣለዎም። . . . ገለ ክልተ ቢልዮን ዝዀኑ ኣባላት ዓሌት ሰብ ጥዑይ ዝስተ ማይ የብሎምን።” (ኣዋር ካንትሪ: ዘ ፕላኔት) ነቲ ብሓሶትን ጋኔናውን ትምህርትታት እተበላሸወ ልምድታት ብምስዓቦም: ሚልዮናት ሰባት ብመንፈስ ማሲኖም: ዓዊሮም: አረ ተቐቲሎም እውን ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:​20, 21፣ 2 ቈረንቶስ 4:​3, 4

ንኣብነት: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ የሱስ ክርስቶስን ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽን ዘሎ ርክብ ተደናጊሮም ወይ ዓዊሮም ኢዮም። ኣብቶም ገሊኦም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ነቲ ቅዱስ ስም ኣምላኽ: የሆዋ: ካብቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ምሕካኽ ልምዲ ኰይኑ ኣሎ። ጆርጅ ሆዋርድ: ኣብታ ጆርናል ኦቭ ቢብሊካል ሊትረቸር ከምዚ ይብል:- “ብናትና ኣረኣእያ: ምልጋስ ናይታ ቴትራግራም [ማቶን ] ነቶም ቀዳሞት ኣህዛብ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ‘ኣምላኽ ጐይታ’ ከምኡውን ‘ክርስቶስ ጐይታ’ ዘሎ ርክብ ኣብ ኣእምሮኦም ምድንጋር ፈጢርሎም ኢዩ።”

በቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ልምዲ ዝሰዓበ ምድንጋርን ማሪትን ፍርህን እውን ሕሰቦ። (ምስ መክብብ 9:5፣ ህዝቅኤል 18:⁠4 ኣረኣእዮ።) ክንደይ ሰባት ኢዮም ኣብ ትሕቲ ባርነት ናይ ኣምልኾ ኣቦሓጎታት ወይ ምዉታት ተመሊሶም ከይጐድእዎም ብምስጋእ ኣብ ቀጻሊ ፍርሂ ዘለዉ፧ እዚ እምነት እዚ ሰባት ንገዛእ ርእሶምን ካልኦትን ንኽቐትሉ እውን ከይተረፈ ኣተባቢዑ ኢዩ።

ብዙሓት ጃፓናውያን እቲ ኣብ ግዜ ሞት ካብኦም ዝፍለ መንፈሶም ኣብ ካልእ ዓለም ከም ዝራኸብ ይስምዖም። ስለዚ ድማ: ገለ ርእሰ-ቅትለት ዝፍጽሙ ወለዲ: ንደቆም እውን ከይተረፈ ክቐትሉ ዝበለጸ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ። እታ ኣን ኢንግሊሽ ዲክሸነሪ ኦቭ ጃፓኒዝ ወይስ ኦቭ ቲንኪን ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ኣብ ጃፓን ርእሰ-ቅትለት ኵሉ ግዜ ኣይኰነን ዝዅነን: ኣብ ክንድኡስ ንእተገብረ ከቢድ በደል ከም ሓደ ቅቡል ናይ ይቕሬታ መሕተቲ መገዲ ኢዩ ዝርአ። . . . ናይ ስድራቤት ርእሰ-ቅትለት እውን ከይተረፈ ብናይ ድንጋጽ ቃላት እተሓወሶ ጸብጻብ ኢዩ ዝቐርብ።”

ነቲ ልምድታት መርምሮ

ነቲ ልምዳዊ እምነታትን ወግዕታትን ብድብድቡ ምስዓብ ዘምጽኦ ሓደጋታት ብምርኣይ: እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ሃዋርያ ዮሃንስ ንብጾቱ ክርስትያናት እዚ ምኽሪ እዚ ሃቦም:- “ኣቱም ፍቁራተይ: ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ [ልክዕ ከምቲ ንማይ ጽርየቱ እትምርምሮ] እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።” (1 ዮሃንስ 4:1፣ ከምኡውን 1 ተሰሎንቄ 5:21 ርአ።) ሓደ ልምዲ ጐዳኢ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብኸመይ ትፈልጥ፧ ነቲ እትኣምኖ ንኽትምርምር ገለ ዝለዓለ መወከሲ: ገለ ናይ ጽርየት መለክዒ ከድልየካ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝበለ ዝለዓለ መወከሲ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ “በቲ ሓቂ ቐድሶም: ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ገለጸ። (ዮሃንስ 17:17) ከምኡውን “እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ” እውን ኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 4:23) ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃም: ኣብ ክንዲ እቲ እተበከለ ማይ ናይ ሰባትን ጋኔናውን ፍልስፍና: እቲ ጽሩይ ማያት ሓቂ ክትረክብ ኢኻ።​—⁠ዮሃንስ 8:​31, 32፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

እቶም በከልቲ ሒደት እውን ይኹኑ ከቢድ ሳዕቤናት ክህልዎም ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። ሓድሓደ ግዜ: እቲ ሳዕቤን ቅድሚ ምቕልቃሉ ዓመታት ይወስድ ኢዩ። ናይ ዎርልድ ኮንዘርቬሽን ዩንዮን (ዓለማዊ ናይ ዕቃበ ማሕበር) ፕረዚደንት ዝነበረ ሽሬዳት ራምፈል “ረሳሕ ማይ: ናይ ዓለም ዝለዓለ ሓደገኛ ቀታሊ ኰይኑ ኣሎ። ካብኡ ብምጥቃሞም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብውሑድ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ይሞቱ” ይብል። ብመንፈሳዊ መገዲ እተበከሉ ልምድታት ከኣ ዝያዳ ሓደገኛታት ኢዮም።

ንዓመታት ክትስዕቦም ዝጸናሕካ ልምዳውያን እምነታት: ምስ ሓቂ ዝጋጨዉ ኰይኖም ምስ ዝጸንሑ ገዲፈካዮም ክትወጽእ ትብዓት ኣሎካዶ፧ ነቲ መጠንቀቕታታት ኣቕልበሉ። ልምድታትካ ምስቲ ጽሩይ ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ ከም ዝሰማምዑ ብምርግጋጽ: ንርእስኻን ንስድራቤትካን ኣዕቍባ።​—⁠መዝሙር 19:​8-11፣ ምሳሌ 14:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ከምዚኣቶም ዝበሉ ትምህርትታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ከም ዘይብሎም ንምርግጋጽ: ኣብታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ርአ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢያ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ: ከም ሓደ ጽሩይን ንጹህን ማይ ዘለዎ ወሓዚ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ