ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”
ወንጌላዊ ምዃን እንታይ ማለት ኢዩ፧ እታ ቓል ትርጕም ናይታ ኢዩ·ኣግ·ገ·ሊ·ስተስʹ እትብል ምስታ “ብስራት” ዝትርጕማ ኢዩ·ኣግ·ገʹሊ·ኦን: እትብል ቃል ድማ ኣዝያ እተቐራረበት: ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ። ስለዚ ወንጌላዊ ናይ ብስራት ሰባኺ ወይ መልእኽተኛ ኢዩ።
ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ስለ ዝእውጁ ወንጌላውያን ኢዮም። ምስ እዚ ዝሰማማዕ ድማ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ‘ግብሪ ወንጌላዊ ክገብር’ መዓዶ። ጢሞቴዎስ ነዚ ዕዮ እዚ ኣርዚኑ ክርእዮ ነበሮ። ጳውሎስ ‘ብዅሉ ክጥንቀቕ’ ከምኡውን ‘ኣገልግሎቱ ክምልእ’ ኣተባቢዕዎ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:5
ከም ወንጌላውያን መጠን: ንሕናውን ንኣገልግሎትና ኣርዚንና ኢና እንርእዮን ‘እንጥንቀቕን:’ ወይ ድማ ነቲ ብስራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ምእንቲ ከነካፍሎ ትኵራት ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ምስ ረኸብዎም ብዙሓት ሰባት ንየሆዋን ዕላማታቱን ፈሊጦምዎ ኢዮም። ነቲ ኣብ ባርባዶስ ዝነብር ሴሞር እተባህለ ሰብኣይ ከምዚ ኣጋጢምዎ ኢዩ።
ሴሞር ኣብ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ መምህር ኢዩ። ቻርለስ: ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ: ናይ ክፍለ-ግዜ መምህርን ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነን: ትኵር ወንጌላዊ ኢዩ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ወይ ፓይነር ኢዩ: ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ድማ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ንኸካፍሎ ኢዩ ዝጥቀመሉ። ሴሞር በቲ ናይ ቻርለስ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ኢዩ ንመጀመርታ ግዜ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ዝሰምዐ።
ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ሴሞር: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብዝከኣል መጠን ንኻልኦት ከካፈሎ ቈረጸ። ስለዚ ምስቶም ኣብ ስርሑ ዝነበሩ ሰባት: ብፍላይ ድማ ምስ ተማሃሮኡ: ንእግረ መገዱ ክዘራረብ ጀመረ። ሽሕ’ኳ ኣብ ሓድሓደ ሃገራት ሃይማኖታዊ ነገር ኣብ ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርትታት ዘይለዓል እንተዀነ: እዚ ሰብኣይ እዚ ሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን ወግዕታት ክምህር ተመደበ። ይኹን እምበር: ሴሞር ኣብዚ ነገራት እዚ ዝነበሮ ናይ ቀደም ኣረኣእያ: ሕጂ በቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ተተኪኡ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ክፍለ-ግዜ: ንተማሃሮኡ ብዛዕባ ንሓዳስ ዓለም ዝምልከት ናይ ኣምላኽ መብጽዓን ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋን ተዛረቦም።
እቶም ቈልዑ ብኸመይ መለሱ፧ ብዙሓት ኣብቲ ብስራት መንግስቲ የሆዋ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኣዩ። ድሕሪዚ: ሴሞር ምስ 13 ካብቶም ተማሃሮኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ጀመረ። ተገዳስነቶም ኣዝዩ ዓብዪ ብምንባሩ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ መደቡ። ኣብ መወዳእታ: መብዛሕትኦም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንግስቲ ኣዳራሽ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈሉ ጀመሩ። ክሳዕ ሕጂ: ትሽዓተ ካብኣቶም ህይወቶም ዝወፈዩን ጥሙቓትን መሰኻኽር የሆዋ ኰይኖም ኣለዉ። ሴሞር ድማ: ሕጂ ስርዓታዊ ፓይነር ብምዃንን ኣብ ባርባዶስ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ከም ሽማግለ ኰይኑ ብምግልጋልን: ኣገልግሎቱ ይምልእ ኣሎ።
እዚ: ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ገለ ኻብኡ ኣብ ናይ እግረ መገዲ ምስክርነት ብምክፋል: ብኸመይ ‘ግብሪ ወንጌላዊ ከም ዝገብሩ:’ ዘርኢ ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢዩ። ነቲ ኣብ ቈሎሴ 4:5, 6 ዝርከብ “ጊዜ እናዐደግኩም: ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕዶ ኢዮም ዝስዕቡ።