ልምዲ ምስ ሓቂ ግድን ክጋጮ ኣለዎ ድዩ፧
ማርቲን ሉተር ቅኑዕ ከም ዝነበረ ኣሚኑ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝደገፎ ኰይኑ ድማ ተሰምዖ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኮፐርኒኩስ: ፖላንዳዊ ናይ ስነ-ኮኸብ ተመራማሪ: እቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ልምዳዊ እምነት ከም ጌጋ ገይሩ ተረድኦ።
ኣየናይ እምነት ኢዩ፧ እቲ መሬት ናይ ኣድማስ ማእከል ኢያ: ኵሉ ነገር ድማ ኣብ ዙርያኣ ኢዩ ዝዘውር ዝብል እምነት ኢዩ። ኮፐርኒኩስ ግን: እቲ ሓቂ: መሬት ንገዛእ ርእሳ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ኢያ ትዘውር ዝብል ኢዩ በለ። ሉተር “ሰባት ነቲ ሰማያት ወይ ጠፈር: ጸሓይ ከምኡውን ወርሒ: ዘይኰነስ መሬት ከም እትዘውር ከርኢ ኢሉ ዝጽዕር: ከዋኽብቲ ዝቘጽር በዓል ግዜ ይሰምዕዎ ኢዮም” ብምባል ነዚ ነጺግዎ ኢዩ።—ሂስትሪ ኦቭ ዌስተርን ፊሎዞፊ
ልምዳውያን እምነታት: ብዙሕ ግዜ ምስ ጭብጥታት: ምስ ሓቂ ተጋጭዮም ኢዮም። ንሰባት ዝጐድእ ነገራት ክገብሩ እውን ከይተረፈ ክደፍእዎም ይኽእሉ ኢዮም።
ርግጽ ኢዩ: ልምዲ ኵሉ ግዜ ምስ ሓቂ ይጋጮ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እኳ ድኣ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ዘመሓላለፈሎም ልምድታት ክስዕቡ ኣተባቢዕዎም ኢዩ:- “ሕጂ ድማ . . . ከምቲ [ዘመሓላለፍኩልኩም ትሓዓ ] ጌርኩም: ነቲ [ልምዲ ትሓዓ ] ስለ ዝሐዝኩምዎ እንእደኩም አሎኹ።”—1 ቈረንቶስ 11:2፣ ከምኡውን 2 ተሰሎንቄ 2:15፣ 3:6 ርአ።
ጳውሎስ “ልምዲ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: ጥራዝ 2: ገጽ 1118: እታ “ልምዲ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ፓ·ራʹዶ ·ሲስ: ንገለ “ብቓል ወይ ብጽሑፍ እተመሓላለፈ” ማለት ኢያ። እታ ናይ እንግሊዝኛ ቃል “ካብ ኣቦታት ናብ ውሉዳት እተመሓላለፈ ወይ ስሩት ናይ ኣተሓሳስባ ወይ ናይ ተግባር ኣገባብ ዝዀነ ሓበሬታ: ሰረተ-እምነታት: ወይ ተግባራት” ማለት ኢያ።a እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘመሓላለፈሎም ልምዲ ካብ ሓደ ጽቡቕ ምንጪ ዝመጸ ብምዃኑ: ክርስትያናት ነዚ ብምሓዞም ጽቡቕ ኢዮም ገይሮም።
ይኹን እምበር: ልምዲ ብርግጽ ሓቂ ወይ ሓሶት: ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ናይ ብሪትሽ ፈላስፋ በርትራንድ ራስል: ንኸም በዓል ኮፐርኒኩስ ዝኣመሰሉ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ሰባት ብቕንዕናን ብትብዓትን ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ልምዳዊ እምነታት ሓቅነት ኣብ ጥርጠራ ከም ዝኣቱ ብምግባሮም ንኢድዎም ኢዩ። ንሳቶም “እቲ ካብ ግዜ ጥንቲ ጀሚሩ እተኣምነ ነገር ሓሶት ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ኣፍልጦ” ኣማዕቢሎም ኢዮም። ንስኻኸ ንልምዲ ብድብዱቡ ኣብ ዘይምስዓብ ዘሎ ጥበብ ይረኣየካዶ ኢዩ፧—ምስ ማቴዎስ 15:1-9, 14 ኣረኣእዮ።
እሞኸ ደኣ: ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነታትን ወግዕታትንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃል፧ ልክዕን ዘይጓድኡን ኢዮም ኢልና ከም ቅቡላት ገይርናዶ ክንወስዶም ንኽእል ኢና፧ ከመይ ገይርና ክንፈልጥ ንኽእል፧ ሃይማኖታውያን ልምድታት ብልክዕ ምስ ሓቂ ዝጋጨዉ ምዃኖም ምስ እንርዳእ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምርምር ኢያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Cover: Jean-Leon Huens © National Geographic Society
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Universität Leipzig