ኣብ ፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ክትረክብ ምምሃር
“ደቀየ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ: ንዑ ስምዑኒ።” —መዝሙር 34:11
1. ፍርሃት ብመንግስቲ ኣምላኽ ዘልግስ ከመይ ኢሉ ኢዩ: ንኹሉ ዓይነት ፍርሃት የልግስ ማለት ድዩኸ?
ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት ካብ ፍርሃት ናጻ ኪኾኑ—እወ ካብ ፍርሃት ናይ ገበንን ዓመጽን: ካብ ፍርሃት ናይ ስእነት ስራሕ: ካብ ፍርሃት ናይ ከበድቲ ሕማማት ናጻ ኪኾኑ ሃረር ይብሉ ኢዮም። እዚ ሓርነት እዚ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክዉን ምስ ኰነስ እታ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ ክንደይ ዓባይ ኰን ክትከውን ኢያ! (ኢሳይያስ 33:24፣ 65:21-23፣ ሚክያስ 4:4) እንተኾነ ግን ኵሉ ዓይነት ፍርሃት ኣይኰነን ዘልግስ: ንሕናውን ሎሚ ኵሉ ዓይነት ፍርሃት ካብ ናብራና ከልግስ ክንደሊ የብልናን። ጽቡቕ ፍርሃት ኣሎ ከምኡውን ሕማቕ ፍርሃት ኣሎ።
2. (ሀ) እንታይ ዓይነት ፍርሃት ኢዩ ሕማቕ: ኣየናይ ዓይነትከ ኢዩ ዝበሃግ? (ለ) ኣምላኻዊ ፍርሃት እንታይ ኢዩ: እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጽሑፋትከ ነዚ ብኸመይ የመልክቱ?
2 ፍርሃት: ናይ ሓደ ሰብ ናይ ምስትውዓል ክእለት ዘልምስ: ናይ ኣእምሮ መርዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንትብዓት ኣድኪሙ ንተስፋ ከዕኑ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ብጸላኢ ዝሰግኤ ሰብ ከምዚ ዓይነት ፍርሃት ኣሕሊፉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 51:30) ንስምረት ናይ ገለ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ምርካብ ኣዝዩ ብዙሕ ዋጋ ዝህቦ ሰብ: ከምዚ ኣሕሊፉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 29:25) ይኹን እምበር: ናይ ሃወኽ ስራሕ ከይንሰርሕ: ርእስና ኸይንጐድእ ዝዓግተና ጥዑይ ዝኾነ ዓይነት ፍርሃትውን ኣሎ። ኣምላኻዊ ፍርሃት ካብኡ ንላዕሊውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብ የሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ምህላው: ከይተጕህዮ ዝብል ጥዑይ ረዓድ እተሓወሶ ዓሚቍ ኣኽብሮት ኢዩ። (መዝሙር 89:7) እዚ ከይተጕህዮ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝመነጨ ፍርሃት ካብቲ ንፍቕራዊ ሕያውነቱን ለውሃቱን ዘሎካ ሞሳ ዝምንጭ ኢዩ። (መዝሙር 5:7፣ ሆሴእ 3:5) ከምኡውን ንሱ ዝለዓለ ፈራድን ኵሉ ዝኽእልን ምኽዋኑ: ነቶም ትእዛዙ ዝነጽጉ ኸኣ ብሞት’ውን ከይተረፈ ኪቐጽዕ ሓይሊ ከም ዘለዎ ምፍላጥ ዘጠቓለለ ኢዩ።—ሮሜ 14:10-12
3. ፍርሃት የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ምስቲ ናይቶም ገለ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዝነጻጸር?
3 ኣምላኻዊ ፍርሃት ጥዑይ ደኣ’ምበር ዘሸቍርር ኣይኰነን። ንሓደ ሰብ ድማ እከይ ብምግባር ንኸይለማመጥ: ንቕኑዕ ዘበለ ጽኑዕ ንምኽዋን የለዓዕሎ። ከምቲ ፎቦስ እተባህለ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ኣምላኽ: ራዕዲ ዝፈጥር እከይ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ ዓይነት ፍርሃት’ውን ኣይኰነን። ከምቲ ካሊ እተባህለት ናይ ሂንዱ ኣምላኽ: ሓድሓደ ግዜ ከም ጽምኢ ደም ዘለዋ እትመስል: ሬሳን ኣትማንን ቀረንቀራን ከም ስልማታ እትገብር ዝርአ ዓይነት ፍርሃት’ውን ኣይኰነን። ኣምላኻዊ ፍርሃት ዝስሕብ እምበር ዘበርግግ ኣይኰነን። ምስ ፍቕርን ሞሳን እተኣሳሰረ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣምላኻዊ ፍርሃት ናብ የሆዋ የቕርበና።—ዘዳግም 10:12, 13፣ መዝሙር 2:11
ስለምንታይ ገሊኦም ኣምላኻዊ ፍርሃት ዘለዎም ካልኦት ግን ዘይብሎም
4. ከምቲ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተገልጸ: ደቅሰብ ኣብ እንታይ ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ: ነዚኸ እቲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?
4 ብሓፈሻ ወድሰብ በዚ ናይ ኣምላኻዊ ፍርሃት ባህሪ ኣይተቐስቀሰን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 3:9-18: ሰባት ካብቲ ናይ መጀመርታ ፍጽምና ክሳዕ ክንደይ ርሒቖም ከም ዘለዉ ይገልጽ ኢዩ። ኵሎም ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ምኽዋኖም ምስ ገለጸ: ጳውሎስ ካብ መዝሙራት ጠቒሱ: “ሓደ እኳ: ጻድቕ የልቦን” ይብል። (መዝሙር 14:1 ርአ።) ብድሕርዚ ኣብ ዝርዝር ብምእታው ከም ሸለልትነት ናይ ሰባት ንኣምላኽ ኣብ ምድላይ: ሕያውነት ዘይምርኣዮም: ብልሳኖም ዝጥብሩ: መርገምን ምፍሳስ ደምን ዝኣመሰለ ይጠቅስ። እዝስ ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብልክዕ ገይሩ ዝገልጻ ኣዘራርባዶ ኣይኰነን! መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽን ዕላማታቱን ተገዳስነት የብሎምን። ዝኾነ ይኹን ሕያውነት ዝመስል ነገር: ብእኡ ገይርካ ዝርከብ ጥቕሚ ክሳዕ ዝመጽእ ኣየዘውትርዎን ኢዮም። ሓሶትን ጽዩፍ ዘረባን ኣብ ኵሉ ኢዩ ገኒኑ ዘሎ። ምፍሳስ ደም ኣብ ዜና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዘናግዒ ከይተረፈ ኢዩ ዝርአ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንኽህሉ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ እንታይ ኢዩ? ሓቂ ኢዩ ኩላትና ዘርኢ ናይቲ ሓጢኣተኛ ዝኾነ ኣዳም ኢና: እንተኾነ ግን ሰባት ነዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ ቃላት ከም ኣገባብ ናብራኦም ገይሮም ዝቕበልዎ እንተደኣ ኾይኖም: ካብዚ ንላዕሊ ዘጠቃለለ ኢዩ ማለት ኢዩ። ቍጽሪ 18 እዚ ነገርዚ እንታይ ምኽዋኑ ኪገልጽ ከሎ:- “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን” ይብል።—መዝሙር 36:1
5. ገለ ሰባት ኣምላኻዊ ፍርሃት ዘለዎም: ገለ ድማ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዩ?
5 ግናኸ ስለምንታይ ኢዩ: ገለ ሰባት ኣምላኻዊ ፍርሃት ክህልዎም ከሎ ካልኦት ግን ዘይብሎም? ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ: ገለ ሰባት ንፍርሃት ኣምላኽ ኵኹስኵስዋ ኸለዉ ገሊኣቶም ግና ኣይኵስኵስዋን። ዋላ ሓደ’ኳ ይኹን ካባና ኣምላኻዊ ፍርሃት ዘለዎ ኰይኑ እተወልደ የልቦን: ይኹን እምበር ኵላትና ከነጥርዮ ንኽእል ኢና። ኣምላኻዊ ፍርሃት ሓደ ክንማሃሮ ዘሎና ነገር ኢዩ። ኣብ ህይወትና ሓያል ድራኸ ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን እምበኣር ክንኵሰኵሶ ይግብኣና።
ዝማርኽ ዕድመ
6. ነቲ ኣብ መዝሙር 34:11 ተመዝጊቡ ዘሎ ዕድመ ዝዘርግሓልና መን ኢዩ: ኣምላኻዊ ፍርሃት ግድን ክንማሃር ከም ዘሎና እዚ ጥቕሲ እዚ ከመይ ገይሩ የርኢ?
6 ኣብዚ ጉዳይ እዚ ፍርሃት የሆዋ ምእንቲ ክንማሃር ኣብ መዝሙር 34 ምሕጽንታ ዝመልኦ ዕድመ ተዘርጊሑልና ኣሎ። እዚ ናይ ዳዊት መዝሙር ኢዩ። ዳዊትከ ናይ መን ጽላሎት ኢዩ? ካብ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ እሞ ናይ መን ክኸውን ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብፍላይ ኣብ የሱስ ዘውዓሎ ትንቢት ኣብ ቁጽሪ 20 ናይዛ መዝሙር ተመዝጊቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 19:36) ኣብዚ ግዜና: የሱስ ኢዩ ምስቲ ኣብ ቁጽሪ 11 ዝመሳሰል ዕድመ ዝዝርግሕ ዘሎ:- “ደቀየ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ: ንዑ ስምዑኒ።” እዚ: ኣምላኻዊ ፍርሃት ክትማሃሮ ዝከኣል ነገር ምኽዋኑ ብንጹር የርኢ: የሱስ ክርስቶስ ድማ ክምህረና ሓለፍ ዝበለ ብቕዓት ኣለዎ። ስለምንታይ?
7. የሱስ ብፍላይ ኣምላኻዊ ፍርሃት እንማሃረሉ ዝኸውንሲ ስለምንታይ ኢዩ?
7 የሱስ ክርስቶስ ኣገዳስነት ናይ ኣምላኻዊ ፍርሃት ይፈልጥ ኢዩ። እብራውያን 5:7 ብዛዕባኡ ከምዚ ትብል:- “ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ: ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ: ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን: ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍርሁ [ተሰምዐ]።” ከምዚ ዝበለ ኣምላኻዊ ፍርሃት: የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ስቓይ ዕንጸይቲ ምስ ሞት ቅድሚ ምግጣሙ እውን ዘርኣዮ ባህርይ ነበረ። ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 8: እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም መሰሌታ ናይ ጥበብ ተገሊጹ ምህላዉ: ዘክር። ከምኡውን ኣብ ምሳሌ 9:10 “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ” ተባሂሉልና ኣሎ። ስለዚ እዚ ኣምላኻዊ ፍርሃት: ወዲ ኣምላኽ: ናብ ምድሪ ከይመጸ ከሎ ቅድሚ ነዊሕ: መሰረታዊ ክፍሊ ባህርይኡ ዝነበረ ኢዩ።
8. ኣብ ኢሳይያስ 11:2, 3 ብዛዕባ ፍርሃት የሆዋ እንታይ ንማሃር?
8 ብተወሳኺ: ብዛዕባ የሱስ ከም መሲሓዊ ንጉስ ኢሳይያስ 11:2, 3 ከምዚ ይብል:- “ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር: መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን: መንፈስ ምኽርን ሓይልን: መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ። ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ።” እዝስ ክንደይ ጽቡቕ ቃላት ኰን ኢዩ! ፍርሃት የሆዋ ባህ ዘየብል ኣይኰነን። ኣወንታውን ሃናጽን ኢዩ። ኣብቲ የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣሉ ምሉእ ግዝኣቱ ዝሰፍን ባህርይ ኢዩ። ንሱ ሕጂ ይገዝእ ኣሎ: ንኹሎም እቶም ከም ተገዛእቱ ዝእከቡ ዘለዉ ኸኣ ፍርሃት የሆዋ ይምህሮም ኣሎ። ብኸመይ?
9. የሱስ ክርስቶስ ፍርሃት የሆዋ ዝምህረና ከመይ ገይሩ ኢዩ: ብዛዕባ ኣምላኻዊ ፍርሃትከ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘሎና?
9 የሱስ: ከም እተሾመ ርእሲ ናይታ ጉባኤ: ከምኡውን ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን: ብናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ገይሩ ኣምላኻዊ ፍርሃት እንታይ ምኽዋኑን ስለምንታይ ኣዝዩ ኣድላዪ ከም ዝኾነን ብንጹር ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ስለዚ ነቲ ናብ ኣምላኻዊ ፍርሃት ዘሎና ሞሳ ክዓሙቕ ኢዩ ዝጽዕር: በዚ ኸኣ ንሕና ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ብፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ምርካብ ክንማሃር ኢና።
ጻዕሪዶ ክትገብር ኢኻ?
10. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና: ንፍርሃት የሆዋ ክንርድኦ እንተድኣ ኰይንና እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘሎና?
10 ልክዕ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብና ወይ ኣብ መንግስቲ ኣዳርሽ ኣኼባታት ምክፋልና ጥራይ ኣምላኽዊ ፍርሃት ክህልወና ውሕስነት ኣይህበናን ኢዩ። ብሓቂ ንፍርሃት የሆዋ ክንርድኦ እንተድኣ ኰይንና ክንዓዪ ከም ዘድልየና ኣስተብህል። ምሳሌ 2:1–5 ከምዚ ይብል:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትርኽቦ ኢኻ።” ስለዚ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና: ናብቲ ዝበሃል ዘሎ ከነቕልብ የድልየና: ነቶም ቀንዲ ሓሳባት ከነስተንቶምን ክንዝክሮምን ድማ ልባዊ ጻዕሪ ንግበር: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣረኣእያና ናብቲ ዝወሃብ ምኽሪ ኣቢሉ ክጸልዎ—እወ ልብና ክኸፍተልና—ግቡኡ ምኽዋኑ ከመይ ከም ዝስምዓና ኣዕሚቍና ንሕሰብ። ሽዑ ንፍርሃት የሆዋ ክንርድኦ ኢና።
11. ኣምላኻዊ ፍርሃት ምእንቲ ኽንኵስኵስ: ካብ ልብን ብተደጋጋምን እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘሎና?
11 መዝሙር 86:11 ናብ ካልእ ኣብቲ ጸሎት ዘሎ ኣገዳሲ ረቋሒ ትሕብረና። እቲ መዝሙራዊ “ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ክፈርህሲ: ንልበይ [ሓደ ግበረለይ ትሓዓ]” ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ነቲ ጸሎት ሰሚርዎ ኢዩ: ከምኡ ስለ ዝኾነ’ኳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጸሓፍ ገይርዎ ኣሎ። ኣምላኻዊ ፍርሃት ምእንቲ ክንኩስኵስ: ንሕናውን ክሕግዘና ናብ የሆዋ ክንጽሊ የድልየና: ከምኡውን ካብ ልብን ብተደጋጋምን ምስ እንጽሊ ክንጥቀም ኢና።—ሉቃስ 18:1–8
ልብኻ እውን ኣብኡ እቱው ኢዩ
12. ልቢ ፍሉይ ቆላሕታ ክወሃቦ ዘድልስ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ?
12 ኣብ መዝሙር 86:11 ካልእ ከነስተብህለሉ ዘሎና ጉዳይ ኣሎ። እቲ መዝሙርዊ ንፍርሃት ኣምላኽ ብኣእምሮኡ ክርድኦ ጥራይ ኣይኰነን ዝሓትት ነይሩ። ልቡ ኢዩ ጠቒሱ ዘሎ። እዚ ምኹስኳስ ናይ ኣምላኻዊ ፍርሃት: ነቲ ኣብ ኵሉ ናይ ህይወት ንጥፋታት ዝግለጽ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምሳልያዊ ልቢ ዘጠቓለለ ኢዩ: ከምኡውን ሓሳባትና: ኣረኣእያና: ባህግታትና: ድራኼታትና: ሸቶታትና እቱው ኢዩ።
13. (ሀ) ልቢ ናይ ሓደ ሰብ ከም እተኸፋፈለ ዝሕብር እንታይ ክኸውን ይኽእል? (ለ) ኣምላኻዊ ፍርሃት ክንኵስኵስ ከሎናስ: ናብ ኣየናይ ሸቶ ገጽና ኢና ክንዓዪ ዘሎና?
13 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ ክመቓቐል ከም ዝኽእል የጠንቅቐና ኢዩ። ልቢ ጠባሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 12:2፣ ኤርምያስ 17:9) ልብና ኣብ ጥዑይ ዝኾነ ንጥፈታት—ከም ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ምኻድን ግራት ኣገልግሎት ምውፋርን—ክንሳተፍ ክድርኸና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንገለ መዳያት ኣነባብራ ዓለም የፍቅርውን ይኸውን። እዚ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝድንፍዕ ንምግበር ብሓቂ ብምሉእ ነፍስና ንኸይንዓዪ ክዓግተና ይኽእል ኢዩ። ሽዑ እዚ ጠባሪ ልቢ እዚ: ከምቶም ብዙሓት ካልኦት ዝገብርዎ ኢና ንገብር ዘሎና ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ ክጥብረና ይፍትን ይኸውን። ወይውን ምናልባሽ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ልብና ብፍርሃት ሰብ ክትንከፍ ይኽእል ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብቲ ከባቢ ንርእስና ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይርና ከነፍልጣ ንወላወል: አረ ክርስትያን ክገብሮ ዘይግባእ ነገርውን ንገብር ንኸውን። ብድሕሪኡ ግን ሕልናና የሸግረና ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ስለዚ እምበኣር ምስቲ መዝሙራዊ ኰይንና “ስምካ ክፈርህሲ ንልበይ [ሓደ ግበረለይ ትሓዓ]” ኢልና ንጸሊ። እቲ ኣብ ኵሉ ናይ ናብራ ንጥፈታትና ዝግለጽ: ውሽጣዊ ሰብና ‘ንኣምላኽ ንፈርህን ትእዛዛቱውን ንሕሉን’ ምኽዋንና መረጋገጺ ክህብ ኢና እንደሊ።—መክብብ 12:13
14, 15. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ ናይ እስራኤል ካብ ምርኮ ባቢሎን ምምላስ ኣቐዲሙ ክዛረብ ከሎ: ንህዝቡ እንታይ ክህብ ኢዩ ተመባጺዑ ዝነበረ? (ለ) የሆዋ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ናይ ህዝቡ ንኽተክል እንታይ ኢዩ ዝገበረ? (ሐ) ስለምንታይ ኢዮም እስራኤላውያን ካብ መገድታት የሆዋ ዘልገሱ?
14 የሆዋ ከምዚ ዝበለ ንኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ ንህዝቡ ክህብ ምኽዋኑ ተመባጺዑ ነበረ። ከምቲ ኣብ ኤርምያስ 32:37–39 እነንብቦ የሆዋ ንህዝቡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት ዘለዎ ልቢ ከም ዝህቦም ኣተስፍዩ ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ ምምላስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ክመልሶም: ብደሓንውን ከንብሮም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪ[ኾ]ኑ እዮም: ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ንደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ኪኸውንሲ: ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ: ሓደ ልብን ሓደ መገድን ክህቦም እየ።” ኣብ ቍጽሪ 40 ከኣ መብጽዓ ኣምላኽ ጸኒዑ ኣሎ:- “ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ: ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ።” ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ተረፍ ኣይሁድ ከምቲ መብጽዓኡ ናብ ዮሩሳሌም መለሶም። ብዛዕባ እቲ ‘ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርህዎስ ሓደ ልቢ ክህቦም’ ምኽዋኑ ዝገልጽ ዝተረፈ ክፍሊ ናይቲ መብጻዓኡኸ ደኣ እንታይ ክንብል ኢና? ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል: የሆዋ ካብ ባቢሎን ምስ ኣውጽኦም ብድሕሪኡ ቤተ–መቕደሶም እንደገና ፈጺማ ከም ዘይትስራሕ ኰይና ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ እትዓኑ ካብኡ ኪዘብሉ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም?
15 እዚ ብወገን የሆዋ ስንፍና ስለ ዝነበረ ኣይኰነን። የሆዋስ እኳ ደኣ ኣብ ልቦም ፍርሃት ኣምላኽ ከሕድር ስጉምቲ ወሲዱ ኢዩ። በቲ ካብ ባቢሎን ኣናጊፉ ናብ ሃገሮም ብምምላሱ ዝገበረሎም ምሕረት: ብዓሚቍ ኣኽብሮት ክርእይዎ ከም ዝግብኦም እኹል ምኽንያት ሂብዎም ኢዩ። ኣምላኽ ነዚ ኹሉ: በቶም ነብያቱ: ሃጌን ዘካርያስን ሚልክያስን፣ በቲ ከም መምህር ኰይኑ ናብኦም እተላእከ እዝራን በቲ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ነህምያን ብዓቢኡ ኸኣ ብወዲ ኣምላኽ ባዕሉ ገይሩ መዘኻኸሪታትን ምኽርን ተግሳጽን ብምሃብ ኣደልዲልዎ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ እቶም ህዝቢ ጽን ኢሎም ሰሚዖምን ተኣዚዞምን ኢዮም። እዚ ኸኣ: ብምድፍፋእ ናይ ሃጌን ዘካርያስን ነታ ቤተ–መቕደስ የሆዋ እንደገና ክሃንጽዋ ከለዉ ከምኡውን ብግዜ እዝራ ነተን ጓኖት ኣንስቲ ምስ ሰደድወን ተራእዩ ኢዩ። (እዝራ 5:1, 2፣ 10:1-4) መብዝሕትኡ ግዜ ግን ኣይተኣዘዙን። ብዛዕባ ምስማዕ ዝምልከት ጽኑዓት ኣይነበሩን: ምኽሪ ንምቕባል ኣይቀጸሉን: ኣልባቦም ኣይከፈቱን። ኣምላኻዊ ፍርሃት ኣይኵስኵሱን ኢዮም ነይሮም: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ኣብ ህይወቶም ብርቱዕ ደራኺ ሓይሊ ኣይነበረን።—ሚልክያስ 1:6፣ ማቴዎስ 15:7, 8
16. የሆዋ ኣብ ኣልባብ ናይ መን ኢዩ ኣምላኻዊ ፍርሃት ዝተክል ዘሎ?
16 እንኾነ ግን: የሆዋ ኣብ ኣልባብ ህዝቡ ኣምላኻዊ ፍርሃት ከሕድር ሂብዎ ዝነበረ ተስፋ ከይተፈጸመ ኣይተረፈን። ምስቶም መንፈሳውያን እስራኤል: ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰማያዊ ተስፋ ዝነበሮም ክርስትያናት: ሓድሽ ኪዳን ኣቖመ። (ኤርምያስ 31:33፣ ገላትያ 6:16) ብ1919 ካብ ምርኮ ናይ ዓባይ ባቢሎን ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ መለሶም: ኣብ ኣልባቦም ናቱ ፍርሃት ኣጽኒዑ ተኸለ። እዚ ኸኣ ንዕኦምን ነቶም ከም ምድራውያን ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ ኰይኖም ናይ ህይወት ተስፋ ዘለዎም “ዓቢ ጭፍራ”ን: ሃብታም ረብሓታት ኣምጺኡ ኢዩ። (ኤርምያስ 32:39፣ ራእይ 7:9 ትሓዓ) ፍርሃት የሆዋ ኣብ ኣልባቦም እውን ሓዲሩ ኢዩ።
ኣምላኻዊ ፍርሃት ከመይ ኢሉ ኣብ ልብና ከም ዝሓድር
17. የሆዋ ኣምላኻዊ ፍርሃት ኣብ ኣልባብና ዝተክል ከመይ ገይሩ ኢዩ?
17 ከመይ ገይሩ ኢዩ የሆዋ ነዚ ፍርሃት እዚ ኣብ ኣልባብና ዘሕድሮ? ብሓይሊ መንፈሱ ገይሩ ኢዩ። ፍረ ናይ መንፈስ ቅዱስከ እንታይ ኣሎና? መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቃሉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሮ: በቲ ሕጂ ንፍጻሜ ናይ ትንቢታዊ ቃሉ ኢሉ ምስ ኣገልገልቱ ዝገብሮ ዘሎ ምምልላስ: በቲ ትንቢታት ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ነገራት: ንኹላትና ኣምላኻዊ ፍርሃት ከነማዕብል ብቑዕ መሰረት ይህበና ኢዩ።—እያሱ 24:2–15፣ እብራውያን 10:30, 31
18, 19. ዓበይቲ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት ከምኡውን ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣምላኻዊ ፍርሃት ንኽህልወና ዝድግፈና ከመይ ገይሩ ኢዩ?
18 ከምቲ ኣብ ዘዳግም 4:10 ተገሊጹ ዘሎ: እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ ቃላት ምስትብሃሉ ኣገዳሲ ኢዩ:- “እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩለን ኵለን መዓልትታት ምፍራሄይ ኪመሀሩ: ንደቆም ድማ ኪምህሩስ: ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም።” ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ህዝቡ ንዕኡ ምፍራህ ምእንቲ ክማሃሩ ኣኽል–ታርፍ ምድላዋት ገይሩልና ኣሎ። ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ነቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነትን ለውሃትን መረጋገገጺ: ነዘንትወሉ ኢና። እዚ ኢዩ ነታ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከነንብብ ከሎና እንገብሮ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ ንዓኹምን: ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኩም ኣረኣእያን ብኸመይ ተንኪፋቶ? እቲ ናይ ኣቦ ዓቢ ባህርይ ብእተፈላላየ መገድታት ኣብ ወዱ ኣንጸባሪቑ ምስ ርኤኹምዎ: ነቲ ንኣምላኽ ፈጺምኩም ከይተጕህይዎ ዝብል ባህግኹም ኣጽኒዑልኩምዶ?—ቈሎሴ 1:15
19 ኣብ ኣኼባታትና: የሆዋ ኣብ ግዜ ጥንቲ ንህዝቡ ከም ዘድሓኖም ዝገልጽ ጸብጻብ ድማ ንማሃር ኢና። (2 ሳሙኤል 7:23) ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሓገዝ ናይታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገይርና ከነጽንዕ ከሎና: ብዛዕባ እቲ ድሮ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበን እተፈጸመ ትንቢታዊ ራእያት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ገና ክመጽእ ዘለዎ ዘፍርህ ፍጸመታት ንማሃር። መዝሙር 66:5 ነዚ ኹሉ ከምዚ ዝበለ ግብርታት ኣምላኽ ኣመልኪታ: “ንዑ: ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርአዩ: ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ” ትብል። እወ: እዚ ግብርታት ኣምላኽ’ዚ ብግቡእ እንተድኣ ተመለኪትናዮ: ኣብ ኣልባብና ፍርሃት የሆዋ ወይ ዓሚቍ ኣኽብሮት ክሓድረና ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: የሆዋ ንመብጽዓታቱ ብኸመይ ከም ዝፍጽም ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና: “ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ: ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ።”—ኤርምያስ 32:40
20. ኣምላኻዊ ፍርሃት ኣብ ኣልባብና ኣዕሚቑ እተተኽለ ምእንቲ ክኸውን: ብወገንና እንታይ ኢዩ ዝድለ?
20 እንተኾነ ግን እዛ ፍርሃት እዚኣ: ብወገንና ብርቱዕ ጻዕሪ ከይገበርና ኣብ ኣልባብና ክትመጽእ ከም ዘይትኽእል ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ፍረ ብቕጽበት ክመጽእ ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ግዲኡ ይገብር ኢዩ። ንሕና ኸኣ ኣምላኻዊ ፍርሃት ብምኹስኳስ ግዴና ክንገብር ኣሎና። (ዘዳግም 5:29) ስጋውያን እስራኤል ከምኡ ንምግባር ሰኒፎም ኢዮም። መንፈሳውያን እስራኤልን ብጾቶምን ግን ናብ የሆዋ ብምጽግዖም ነቲ ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ዝመጽእ ብዙሕ ረብሓታት ድሮ ረኺቦም ኣለዉ። ገለ ካብዞም ረብሓታት ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽና ክንርእዮም ኢና።
ብኸመይ ምመለስካ?
◻ ኣምላኻዊ ፍርሃት እንታይ ኢዩ?
◻ ካብ ፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ምእንቲ ክንረክብ ብኸመይ ኢና እንማሃር?
◻ ኣምላኻዊ ፍርሃት ምእንቲ ክህልወና: ብወገንና እንታይ ጻዕሪ የድሊ?
◻ ኣምላኻዊ ፍርሃት ምህላው ንኹሉ መዳያት ናይ ምሳልያዊ ልብና ዘጠቓለለ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?
[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ስእሊ]
ፍርሃት የሆዋ ምእንቲ ክትርድኦ ህርኩት መጽናዕቲ የድሊ