“ኣብ ጸጽባሕ” ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንንበር
“ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ: ነፍሱ ይቕበጽ: መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። ” —ሉቃስ 9:23
1. ከም ክርስትያናት መጠን ዓወትና ክንዕቅነሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ?
“ብሓቂ ናይ ወፈያ ሰባት ዲና ነይርና?” ከም ኣበሃህላ ጆን ኤፍ. ኬነዲ: መበል 35 ፕረሲደንት ናይ ሕቡራት መንግስታት: ናይዚ ሕቶ እዚ መልሲ ንዓወት ናይቶም ኣብ ህዝባዊ ቤት ጽሕፈታት ዘለዉ ንምዕቃን ዝኸውን ረቋሒ ኢዩ። እዚ ሕቶ እዚ: ነቲ ከም ክርስትያን ኣገልገልቲ ዘሎና ዓወት ንምፍታን ዝዓሞቐ ትርጕም ኣለዎ።
2. ሓደ መዝገበ ቃላት ነታ “ወፈያ” እትብል ቃል ከመይ ገይሩ ይገልጻ?
2 ወፈያ እንታይ ኢዩ? ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮሊገይት ዲክሸነሪ ከምዚ ብምባል ይገልጾ “ንሓደ መለኮታዊ ህላዌ ወይ ንቕዱስ መዓላ ዝኸውን ናይ ምውፋይ ተግባር ወይ ወግዒ” “ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ምውፋይ ወይ ምፍላይ” “ርእሰ–መስዋእታዊ ተወፋይነት።” ጆን ኤፍ. ኬነዲ “ርእሰ–መስዋእታዊ ተወፋይነት” ንኸመልክት ኢዩ እዛ ቃል እዚኣ ተጠቒሙ ዝኸውን። ንሓደ ክርስትያን ወፈያ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ።
3. ክርስትያናዊ ወፈያ እንታይ ኢዩ?
3 የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” በሎም። (ማቴዎስ 16:24) ንመለኮታዊ መዓላ ምፍላይ ማለት: ሰንበት ወይ ናብ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክትከይድ ከሎኻ ጥራይ ናይ ኣምልኾ ተግባር ምግባር ኣይኰነን። ናይ ሓደ ሰብ ምሉእ ኣነባብራ ዘጠቓለለ ኢዩ። ክርስትያን ምኽዋን ማለት ነቲ የሱስ ዘገልገሎ የሆዋ እናኣገልገልካ: ርእስኻ ምንጻግ ወይ ከኣ ርእስኻ ምኽሓድ ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ሓደ ክርስትያን ሰዓብ ክርስቶስ ብምኽዋኑ ዝመጾ ስቅያት ብምጽማም “መስቀሉ” የልዕል።
እቲ ፍጹም ኣብነት
4. ናይ የሱስ ጥምቀት እንታይ ኢዩ ዘመልክት?
4 ኣብ ምድሪ ከሎ የሱስ ገዛእ ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ እንታይ ዘጣመረ ምኽዋኑ ኣርእዩ ኢዩ። ስምዒቱ ከምዚ ኢዩ ነይሩ:- “ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር: መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን።” ቀጺሉውን ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “እንሆ: ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ ኢዩ፤ ዎ ኣምላኽ ፍቓድካ ክገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ።” (እብራውያን 10:5–7) ከም ኣባል ናይ ውፉይ ህዝቢ መጠን: ክውለድ ከሎ ንየሆዋ እተወፈየ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ መጀመርታ ናይ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ርእሱ ንየሆዋ ከም ዘቕረባ ንኸመልክት ገዛእ ርእሱ ንጥምቀት ኣቕረበ: እዚ ኸኣ ህይወቱ ከም በጅነታዊ መስዋእቲ ንኽህብ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ንክርስትያናት የሆዋ ዝደልዮ ዘበለ ንኽገብሩ ኣብነት ሰርዓሎም።
5. የሱስ ኣብነታዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ንስጋዊ ነገራት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ?
5 ድሕሪ ጥምቀቱ ኸኣ ኣብ መወዳእታኡ ናብ መስዋእታዊ ሞት ዝመርሕ ኣነባብራ ሰዓበ። ገንዘብ ንኽገብር ወይ ናይ ምቾት ናብራ ንኽነብር ኣይግደስን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ ህይወቱ ኣብ ኣገልግሎት እተጸግዐ ኢዩ ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ኢሉ መዓዶም። ንርእሱውን ምስ እዘን ቃላት እዚኣተን ተሰማሚዑ ይነብር ነበረ። (ማቴዎስ 6:33) አረ ሓደ ግዜስ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን: ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ እኳ የብሉን” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 8:20) ነቲ ትምህርቱ ካብ ሰዓብቱ ገንዘብ ከም ዝረክብ ገይሩ ከዳልዎ ይኽእል ነይሩ። ጸራባይ ስለ ዝነበረ ኸኣ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ወሲዱ ጽቡቕ ዝኾነ ኣቑሑት ሰሪሑ ብምሻጥ ገለ ዝያዳ ሲቓል ብሩር ክህልዎ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቲ ክእለቱ ስጋዊ ብልጽግና ንምድላይ ኣይተጠቐመሉን። ከም ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን: ንስጋዊ ነገራት ቅኑዕ ዝኾነ ኣረኣእያ ብምሓዝ ንየሱስ ንመስሎዶ ኣሎና?—ማቴዎስ 6:24–34
6. ርእሰ–መስዋእታዊነት ዘርእዩ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምኽዋን ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ?
6 የሱስ እቲ ንኣምላኽ ዘቕርቦ ኣገልግሎቱ ቀዳምነት ብምሃቡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ኣይደለየን። ኣብተን ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ: ኣነባብራኡ ሓደ ካብቲ ናይ ርእስኻ ምስዋእ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ድሕሪ ምውዓሉ: ንኽበልዕውን ግዜ ኸይወሰደ የሱስ ነቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ዝነበሩ ህዝቢ ንኽምህር ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 9:36፣ ማርቆስ 6:31–34) ዋላኳ “ብምኻድ መገዲ ደኺሙ” እንተ ነበረ: ነታ ኣብ ሲካር ኣብ ዔላ ያእቆብ ዝመጸት ሳምራዊት ሰበይቲ ንኽዛረባ ተበግሶ ወሰደ። (ዮሃንስ 4:6, 7, 13–15) ኩሉ ግዜ ኸኣ ካብ ናቱ ናይ ካልኦት ጥቕሚ የቐድም ነበረ። (ዮሃንስ 11:5–15) ንኣምላኽን ካልኦትን ንምግልጋል ናይ ገዛእ ርእስና ጥቕሚ ብልግሲ ብምስዋእ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 6:38) ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝግበኣና ዝወሓደ እንገብር: ንኣምላኽ ብሓቂ ከመይ ገይርና ከም እነሐጕሶ ምስ እንሓስብ በቲ ወፈያና ክንነብር ኢና።
7. ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ክብሪ ብምሃብ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ?
7 የሱስ ንሰባት ብምሕጋዝ ኣትኵሮ ናብ ገዛእ ርእሱ ንኽስሕብ ብምንም መገዲ ኣይፈተነን። ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብር ናብኡ እተወፈየ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ብእተፈጸመ ዝኾነ ይኹን ነገር: ኵሉ ግዜ እቲ ክብሪ ንየሆዋ ኣቦኡ ከም ዝኸውን ይገብር ነበረ። ሓደ መራሒ ነታ “ሄር” እትብል ቃል ከም መዓርግ ገይሩ “ዎ ሄር መምህር” ምስ በሎ “ብጀካ ሓደ: ንሱ ኸኣ ኣምላኽ: ሄር የልቦን” ብምባል ኣረሞ። (ሉቃስ 18:18, 19፣ ዮሃንስ 5:19, 30) ክብሪ ካብ ገዛእ ርእስና ናብ ኣምላኽ ከም ዝኸውን ብምግባር ንየሱስ ንመስሎዶ ኢና?
8. (ሀ) ከም እተወፈየ ሰብ መጠን: የሱስ ገዛእ ርእሱ ካብ ዓለም ዝፈለየ ብኸመይ ኢዩ? (ለ) ብኸመይ ኢና ክንስዕቦ ዘሎና?
8 ኣብ ብምሉኡ እቲ ተወፍዩሉ ዝነበረ ምድራዊ ህይወቱ: የሱስ ንመለኮታዊ ኣገልግሎት ርእሱ ከም ዝፈለየ ኣርኣየ። ከም “ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል” ገይሩ ንርእሱ ንበጅነታዊ መስዋእቲ ምእንቲ ከቕርብ ንርእሱ ብጽፈት ሓዛ። (1 ጴጥሮስ 1:19፣ እብራውያን 7:26) ንኹሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ስርዓታት ሓለዎ: ስለዚ ነቲ ሕጊ ፈጺምዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:17፣ 2 ቈረንቶስ 1:20) ምስቲ ዝምህሮ ዝነበረ ናይ ሞራል ትምህርቲ ተሰማሚዑ ይነብር ነበረ። (ማቴዎስ 5:27, 28) ብእኩይ ድራኼታት ዋላ ሓደ ክኹንኖ ዝኽእል የለን። ብሓቂ እኳ ደኣ ‘ዓመጻ ጸልአ።’ (እብራውያን 1:9) እምበኣር ከም ባሮት ኣምላኽ መጠን ህይወትና አረ ድራኼታትናውን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብጽፈት ብምሓዝ ንየሱስ ንምሰሎ።
ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት
9. ነየናይ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኢዩ ጳውሎስ ዝጠቐሰ: ስለምንታይከ ኢና እዚ ኣብነት እዚ ከነስተብህለሉ ዘሎና?
9 ኣንጻር እቲ ናይ የሱስ ኣብነት: እቲ ናይ እስራኤላውያን ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኣሎና። ኵሉ የሆዋ ዝበለና ንገብር ኢሎም ድሕሪ ምግላጾም እውን ፍቓዱ ካብ ምግባር ሰነፉ። (ዳንኤል 9:11) ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ካብቲ ንእስራኤላውያን ዝወረዶም ክማሃሩ ኣተባቢዑ ኣሎ። ገለ ካብቲ ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኸሎም ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ጠቒስዎ ዘሎ ፍጻሜታት ንመርምር እሞ: ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ኣየኖት መፈንጠራታት ክውግዱ ከም ዘለዎም ንርአ።—1 ቈረንቶስ 10:1–6, 11
10. (ሀ) እስራኤላውያን ብኸመይ ኢዮም ‘እከይ እተመነዩ’? (ለ) እስራኤላውያን ኣብቲ ብዛዕባ መግቢ ዘጕረምረምሉ ካልኣይ ግዜ ዝያዳ ተሓተቲ ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዩ: ካብዚ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት እዚኸ እንታይ ንማሃር?
10 ብመጀመርታ ጳውሎስ “እከይ ምእንቲ ኸይንምነ” ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:6) እዚ ነቲ እስራኤላውያን ማና ጥራይ ብምብልዖም ዘጕረምረምዎ የዘኻኽረካ ይኸውን። የሆዋ ብርኒጎ ለኣኸሎም። ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን: እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝገበርዎ ወፈያኦም ቀቅድሚ ምግላጾም: ኣብ በረኻ ሲን ተመሳሳሊ ነገር ተፈጺሙ ነይሩ። (ዘጸኣት 16:1–3, 12, 13) እቲ ኵነታት ግን ልክዕ ከምኡ ኣይነበረን። የሆዋ ንእስራኤላውያን ንመጀመርታ ግዜ ብርኒጎ ምስ ሃቦም: በቲ ምጕርምራሞም ኣይሓተቶምን። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን እቲ ነገር እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። “እቲ ስጋ ገና ኣብ ኵርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸኣ: ኵራ እግዚአብሄር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ: እግዚአብሄር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም።” (ዘሁልቍ 11:4–6, 31–34) እቲ ለውጢ እንታይ ኢዩ? ከም ውፉያት ህዝቢ መጠን ኣብዛ ግዜ እዚኣ በቲ ዝገብርዎ ተሓተትቲ ኢዮም ነይሮም: የሆዋ ዝበሎ ንገብር ኢና ኢሎም ቃል ኣትዮም እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ የሆዋ ዘዳለወሎም መማሰውቲ ብዘይምኽዋኖም ኣንጻር የሆዋ ከም ዘጕረምርሙ ገበሮም! ብዛዕባ መኣዲ የሆዋ ምጕርምራም ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ገለ ነቲ የሆዋ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘዳለዎ መንፈሳዊ ነገራት ኣየማስዉሉን። (ማቴዎስ 24:45–47 ትሓዓ ) ይኹን እምበር ወፈያና ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ብምምሳው ክንዝክሮን ነቲ ዝህበና መንፈሳዊ መግቢ እውን ክንቅበሎን ዘጣቓልል ምኽዋኑ ንዘክር።
11. (ሀ) እስራኤላውያን ነቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾኦም ብጣኦት ዘባላሸውዎ ብኸመይ ኢዩ? (ለ) ንሕናኸ ብጣኦት ዝመስል ነገር ብኸመይ ክንትንከፍ ንኽእል?
11 ቀጺሉውን ጳውሎስ “ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (1 ቈረንቶስ 10:7) ኣብዚ እቲ ሃዋርያ: እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ነቲ ኪዳን ደድሕሪ ምቕባሎም ዝገበርዎ ናይ ምራኽ ኣምልኾ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። ምናልባት ‘ከም ውፉይ ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ፈጺመ ኣይኣቱን ኢየ’ ትብል ትኸውን። ይኹን እምበር ካብ መርገጽ ናይ እስራኤላውያን ክንርእዮ እንተ ኴንና: ኣምልኾ የሆዋ ኣይሓደግዎን: ጌና ግን ልምዲ ናይ ምራኽ ኣምልኾ—ንየሆዋ ዘፈንፍኖ ነገር—ኣምጽኡ። እዚ ዓይነት ኣምልኾ እዚ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ? እቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መስዋእትታት ገበሩ: “ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ: ኪሰሓቑ ኸኣ ተንስኡ።” (ዘጸኣት 32:4–6) ሎሚ ገለ ሰባት ንየሆዋ ነምልኽ ኢና ይብሉ ይኾኑ። ህይወቶም ግና ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዘይኰነስ ብነገራት ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ምሕጓስ ዘተኰረ ክኸውን ይኽእል። ንየሆዋ ምግልጋሎም ከኣ ምስ እዚ ከም ዝሰማማዕ ክገብርዎ ይፍትኑ ይኾኑ። ሓቂ ኢዩ: እዚ ነገር እዚ ከም ንምራኽ ከተምልኽ ኢልካ ምስጋድ ኣይኰነን: እንተኾነ ግን እቲ መሰረታዊ ስርዓቱ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን። ናይ ባህግታትካ ኣምላኽ ምግባር: በቲ ወፈያኻ ካብ ምንባር ኣዝዩ ዝረሓቐ ኢዩ።—ፊልጲ 3:19
12. ካብቲ እስራኤላውያን ምስ በዓል–ጲዖር ዝገበርዎ ብዛዕባ ርእስኻ ምንጻግ እንታይ ንማሃር?
12 ኣብቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝጠቐሶ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት: ዓይነት ናይ ምዝንጋዕ እውን እትው ኢዩ ነይሩ። “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ: ኣይንመንዝር።” (1 ቈረንቶስ 10:8) ኣብ ሽጢም: እስራኤላውያን በቲ ብኣዋልድ ሞኣብ እተገብረሎም ሰዲዖም: ኣብ ኣምልኾ ናይ ብዓል–ጲዖር ሓበሩ። (ዘሁልቍ 25:1–3, 9) ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ርእስና ምንጻግ ብሞራል ጽፉፍ ዝኾነ ነገር ንምግባር ነቲ ስርዓታቱ ምቕባልውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 5:27–30) ኣብዚ ስርዓት ዝጠፍኣሉ ዘሎ ግዜ: ገዛእ ርእስና ካብ ኵሉ ዓይነት ብዕሉግ ጠባያት ኣጽፊፍና ክንሕዝን እቲ ጽቡቕን ክፉእን ዝኾነ ኸኣ የሆዋ ክውስነልና ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ክንግዛእን ንዘኻኸር ኢና።—1 ቈረንቶስ 6:9–11
13. ናይ ፊንሃስ ኣብነት ንየሆዋ ምውፋይ እንታይ ዘጣመረ ከም ዝኾነ ንኽንርዳእ ብኸመይ ይሕግዘና?
13 ብዙሓት በቲ ኣብ ሽጢም ዝነበረ ናይ ምንዝር መጻወድያ ተታሒዞም እኳ እንተኾኑ: ገለ ግን በቲ ሃገራዊ ወፈያኦም ዝነብሩ ነይሮም ኢዮም። ካብኦም ፊንሃስ ብቕንኢ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ሓደ እስራኤላዊ መራሒ ኣብ ድንኳኑ ሓንቲ ሚድያናዊት ከእቱ ምስ ረኣየ: ፊንሃስ ብኡንብኡ ኲናት ኣብ ኢዱ ሒዙ ወግኦም። የሆዋ ንሙሴ ከምዚ በሎ:- “ፊንሃስ . . . ኣብ ምጎኦም ብምቕንኤይ ስለ ዝቐንኤ: ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ: ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን።” (ዘሁልቍ 25:11) ምስ የሆዋ ዝወዳደር ዝኾነ ነገር ዘይምጽዋር—እዚ ትርጕም ናይ ወፈያ ኢዩ። ንየሆዋ እንገብሮ ወፈያ ኣብ ልብና ክሕዞ ዘለዎ ቦታ: ዝኾነ ይኹን ካልእ ክሕዘልና ከነፍቅድ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ኣብ የሆዋ ዘሎና ቅንኢ ኸኣ: ከቢድ ርኽሰት ምስ ዝፍጸም ነቲ ነገር ከይተጻወርና ንሽማግለታት ብምንጋር ነታ ጉባኤ ብንጽህና ንኽንሕዝ ይደፋፍኣና።
14. (ሀ) እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝፈተንዎ ብኸመይ ኢዮም? (ለ) ንየሆዋ ምሉእ ወፈያ ምግባር ‘ንኸይንስልኪ’ ዝሕግዘና ከመይ ኢሉ ኢዩ?
14 ጳወሎስ ካልእ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነትውን ጠቒሱ ኣሎ:- “ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ: [ንየሆዋ ትሓዓ ] ኣይንፈትኖ።” (1 ቈረንቶስ 10:9) ጳውሎስ ኣብዚ እስራኤላውያን ‘ብምኽንያት መገዲ ዓቕሎም ምስ ኣጽበቡ’ ኣንጻር ኣምላኽ: ንሙሴ ዘጕረምረምሉ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። (ዘሁልቍ 21:4) ከምዚ ዝበለ ጌጋስ ትገብርዶ? ገዛእ ርእስኻ ንየሆዋ ክትውፊ ከሎኻ: ኣርማጌዶን ቀሪባ ኢያ ዲኻ ትብል ነይርካ? ትዕግስቲ የሆዋ ካብቲ እተጸበኻዮ ንላዕሊዶ ኰይኑካ? ንየሆዋ ገዛእ ርእስና ዝወፈናሉ ንገለ እዋን ጥራይ ወይውን ክሳዕ ኣርማጌዶን ጥራይ ከም ዘይኰነ ዘክር። ወፈያና ንዘለኣለም ኢዩ ዝቕጽል። ስለዚ እምበኣር: “እንተዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።”—ገላትያ 6:9
15. (ሀ) እስራኤላውያን ኣንጻር መን ኢዮም ዘጕረምረሙ? (ለ) ናብ የሆዋ ዘሎና ወፈያ ቲኦክራቲካዊ ስልጣን ንኸነኽብር ብኸመይ ይደፋፍኣና?
15 ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ጳውሎስ ብዛዕባ ኣንጻር እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ንኽኾኑ እተመዘዙ ‘መዕዘምዘምቲ’ ኣጠንቀቐ። (1 ቈረንቶስ 10:10) ካብቶም 12 ንምድሪ ከንኣን ክስልዩ እተላእኩ ሰለይቲ: እቶም 10 ክፉእ ወረ ሒዞም ምስ ተመልሱ: እስራኤላውያን ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ብቑጥዓ ኣጕረምረሙ። ንሙሴ ዝትክእ መራሒ ገይሮም ናብ ግብጺ ብዛዕባ ምምላስ እውን ከይተረፈ ተዛረቡ። (ዘሁልቍ 14:1–4) ሎሚውን እቲ ብዕዮ መንፈስ ቅዱስ የሆዋ ዝወሃበና መሪሕነት ንቕበሎዶ ኢና? ነቲ በቲ ኽፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ ዝወሃብ ሽሻይ ዝመልኦ መንፈሳዊ መኣዲ ብምርኣይ: የሱስ ‘ብግዜኡ ምግቢ ንኽቕርብ’ ዝጥቀመሉ ዘሎ መን ምኽዋኑ ርዱእ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) ንየሆዋ ምሉእ ነፍስኻ ምውፋይ ነቶም መዚዝዎም ዘሎ ኣገልገልቱ ኣኽብሮ ምርኣይ ዝሓትት ኢዩ። ከምቶም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ዓለም ንኽመልሶም ሓድሽ መራሒ ዝገበሩ ዘመናውያን መዕዘምዘምቲ ፈጺምና ኣይንኹን።
እጽዕር ድየ?
16. ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም እንታይ ኢሎም ክሓቱ ኢዮም ዝደልዩ?
16 እስራኤላውያን እቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ወፈያ ምስ ኵነታት ዝቀያየር ከም ዘይኮነ እንተ ዝዝክሩ: ኣብ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ጌጋ ኣይምወደቑን ነይሮም። ከምቶም እምነት ዘይነበሮም እስራኤላውያን ዘይኮነስ: የሱስ ምስ ወፈያኡ ተሰማሚዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን ‘ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይንነብር’ ነቲ ናቱ ኣብነት ናይ ምሉእ ነፍስኻ ምውፋይ ንቐድሖ ኢና። (1 ጴጥሮስ 4:2፣ 2 ቈረንቶስ 5:15 ኣነጻጽርዎ።) ሎሚ ፍቓድ ኣምላኽ “[ኹ]ሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ናብዚ ንምብጻሕ መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ “ወንጌል መንግስቲ” ክንሰብኽ ኢና። (ማቴዎስ 24:14) ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ክንደይ ኢና ጻዕሪ እንገብር? ንርእስና ‘እጽዕር ድየ?’ ኢልና ክንሓታ ንደሊ ንኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ኵነታት ይፈላለ ኢዩ። የሆዋ ሰብ “በቲ ዘለዎ” ኸገልግሎ ሕጕስ ኢዩ: “እምበር: ብዘይብሉ ኣይኰነን።” (2 ቈረንቶስ 8:12፣ ሉቃስ 21:1–4) ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ናይ ካልእ ሰብ ወፈያ: ዕምቆትን ቅንዕናን ክፈርድ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ብብሕቱ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ተወፋይነት ክዕቅኖ ይግባእ። (ገላትያ 6:4) እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ‘ንየሆዋ ብኸመይ ከሐጕሶ እኽእል?’ ኢልና ንኽንሓትት ክደፋፍኣና ይግባእ።
17. ኣብ መንጎ ወፈያን ምምሳውን ዘሎ ዝምድና እንታይ ኢዩ? መብርሂ ሃብ።
17 እቲ ኣብኡ ዘሎና ሞሳ እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት እናዓሞቐ ይኸይድ። ሓደ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ኣብ ጃፓን ገዛእ ርእሱ ናብ የሆዋ ወፈየ: ነዚ ወፈያ እዚ ኸኣ ብማይ ጥምቀት ኣርኣዮ። ጸኒሑ ኸኣ ዝለዓለ ትምህርቲ ኽማሃር እሞ ሳይንቲስት ክኸውን ደለየ። ፈጺሙ ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓሲቡ ኣይፈልጥን: ከም ንየሆዋ እተወፈየ ኣገልጋሊ መጠን ግን: ንየሆዋን ነታ እትርአ ማሕበሩን ክሓድግ ኣይደልን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ሸቶኡ ንኽበጽሕ ዩኒቨርሲቲ ተማህረ። ኣብኡ ኸኣ ካብ ዩኒቨርሲቲ እተመረቑ ምሉእ ህይወቶም ንኩባንያታቶም ወይ ንትምህርቶም ክውፍዩ ረኣየ። ‘ኣብዚ እንታይ እገብር ኣሎኹ? ብሓቂ ኣነ ነቲ ናቶም ኣነባብራ ብምስዓብ ገዛእ ርእሰይ ንዓለማዊ ስራሕ ክውፊ ድየ? ድሮ ንየሆዋ እተወፈኹዶ ኣይኮንኩን?’ ብምባል ከኣ ተገረመ። ብእተሓደሰ ሞሳ ኸኣ ስርዓታዊ ፓይነር ኮነ። ናይ ወፈያኡ ምርዳእ ዓበየ እሞ: ኣብቲ ዝድለየሉ ዘበለ ቦታ ንምኻድ ካብ ልቡ ክውስን ደፋፍኦ። ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ተኻፈለ: ኣብ ካልእ ሃገር ከኣ ከም ሚስዮናዊ ኰይኑ ንኸገልግል ተላእከ።
18. (ሀ) ኣብ የሆዋ ዘሎና ወፈያ ክሳዕ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ? (ለ) ካብቲ ናብ የሆዋ ዘሎና ወፈያ እንታይ ዓስቢ ኢና ክንዓጽድ እንኽእል?
18 ወፈያ ምሉእ ህይወትና ዘጠቓለለ ኢዩ። ገዛእ ርእስና ክሒድና “ኣብ ጸጽባሕ” ናይ የሱስ ሰናይ ኣብነት ንስዓብ። (ሉቃስ 9:23) ገዛእ ርእስና ክሒድና ከነብቅዕ ንየሆዋ ናይ ብኩራት ፍቓድ ክህበና ኣይንሓቶን ኢና። ህይወትና ምስቲ የሆዋ ነገልገልቱ ዝሃቦም ስርዓት ይሰማማዕ። ኣብቲ ብሕታዊ ምርጫታት ክንገብረሉ እንኽእል ከባቢታት እውን ንየሆዋ እተወፈየ ህይወት ንነብር ምህላውና ክነርኢ ሰናይ ኢዩ። ንኸነሐጕሶ ዝከኣለና እናገበርና ኣብ ጸጽባሕ ምስ እነገልግሎ: ከም ክርስትያናት ክንዕወት ኢና ከምኡውን ካብቲ ናይ ምሉእ ነፍስና ተወፋይነት ዝግብኦ የሆዋ: ናይ ስምረት ፍሽኽታ ብምርካብ ክንባረኽ ኢና።
ክትገልጾ ምኸኣልካዶ?
◻ ንየሱስ ክርስቶስ ወፈያ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ?
◻ ኣንጻር የሆዋ ካብ ምጕርምራም ክንጥንቀቕ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ኣምልኾ ጣኦት ስሉኽ ኢሉ ኣብ ህይወትና ከይኣቱ በየናይ መገዲ ክንከላኸል ንኽእል?
◻ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ‘ንኸይንስልኪ’ እንታይ ምዝካር ኢዩ ዝሕግዘና?
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ውፉያት ክርስትያናት ‘ንሰናይ ግብሪ ኣይስልክዩን’ ኢዮም