ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብምፍራህ ዝርከብ ጥቕምታት
“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17
1. ከመይ ዝበለ ሓደጋታት ኢዩ ብኣምላኻዊ ፍርሃት ክውገድ ዝኽእል?
ኣዳም ኣምላኻዊ ፍርሃት ኰስኲሱ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ካብቲ ናቱ ዘለኣለማዊ ሞት ከምኡውን ካብቲ ንዘርኡ ንኣሽሓት ዓመታት ጓሂ ዘስዓበሎም ሓጢኣት ክዕገት ምኸኣለ። ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ናብ ምኽሪ የሆዋ ኣቕሊቦም ከምኡውን ንዕኡ ኣፍቂሮም ነይሮም እንተ ዝኾኑ ንምርኮ ናብ ባቢሎን ኣይምተወስዱን: ንወዲ ኣምላኽ ኣይምነጸግዎን ከምኡውን ደሙ ብምፍሳስ ገበነኛታት ኣይምኾኑን ነይሮም። እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንኣምላኽ እንተ ትፈርህ: ኣብ መንግስታት ወይ ንግድታት ብልሽውና ኣይምሃለወን: ገበን: ውግእ እውን ኣይምሃለወን ነይሩ።—ምሳሌ 3:7
2. ኵነታት ናይዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ብዘየገድስ: ስለምንታይ ኢና ፍርሃት የሆዋ ክንኵስኩስ ዘሎና?
2 ይኹን እምበር: እዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም እትገብሮ ብዘየገድስ: ንሕና ከም ውልቀ ሰባት: ከም ስድራቤታት: ከም ጉባኤ ናይ ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን: ፍርሃት ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብምኹስኳስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ ምስቲ ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም መዘኻኸሪ ይሰማማዕ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክትፈርሆ: ብ[ኹ]ሉ መገዱ ኽትመላለስ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ: ብ[ኹ]ሉ ልብኻን ብ[ኹ]ሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ: ምእንቲ ኺጽብቐልካ: . . . ናይ እግዚአብሄር ትእዛዛት . . . ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ ኢዩ[?]” (ዘዳግም 10:12, 13) ገለ ካብቲ ንየሆዋ: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: ክንፈርሆ ከሎና እንረኽቦ ጥቕምታት እንታይ ኢዩ?
ጥበብ—ካብ ወርቂ ትኸብር
3. (ሀ) እቲ ቀንዲ ኽንቅበሎ እንኽእል ጥቕሚ እንታይ ኢዩ? (ለ) ትርጕም ናይ መዝሙር 111:10 እንታይ ኢዩ?
3 እቲ ኣውራ ጥቕሚ ናይ ሓቂ ጥበብ ኢዩ። መዝሙር 111:10: “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ:” ይብል። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ? ጥበብ ንፍልጠትካ ብዕዉት መገዲ ግድላት ንምፍታሕ: ካብ ሓደጋ ንምእላይ: ርግጸኛ ሸቶታት ንምርካብ: ከም እትጥቀመሉ ዝገብረካ ክእለት ኢዩ። እዚ ጥዑይ ፍርዲ ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርያ: ቀዳማይ ክፍሊ: መሰረት ናይ ከምዚ ዝበለ ጥበብ: ፍርሃት የሆዋ ኢዩ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ኵሉ ፍጥረት ተግባር ኢዱ ኢዩ። ኣብኡ እተመርኰሰ ኢዩ። ንደቅሰብ ናጻ ድሌት ደኣ’ምበር ካብ መሪሕነቱ ተነጺሎም ንስጕምትታቶም ብገዛእ ርእሶም ብዓወት ናይ ምምራሕ ክእለት ኣይሃቦምን። (እያሱ 24:15፣ ኤርምያስ 10:23) ነዞም መሰረታውያን ሓቅታት ናይ ህይወት ሞሳ ሂብናን ምስኦም ብምስምማዕ ንነብር እንተደኣ ኴንናን ነባሪ ዓወት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ፍልጠት: ፍቓድ ኣምላኽ ብርግጽ ክዕወት ምኽዋኑ: ንተኣማንነት ዓስቢ ናይ ምሃብ መብጽዓኡን ክእለቱን ድማ ርግጸኛ ምኽዋኑ: ዘይነቓነቕ እምነት ዝህበና እንተደኣ ኾይኑ: ኣምላኻዊ ፍርሃት ብጥበብ ንኽንዓዪ ከለዓዕለና ኢዩ።—ምሳሌ 3:21-26፣ እብራውያን 11:6
4, 5. (ሀ) ንሓደ መንእሰይ ሰብኣይ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ብዘይ ሓቀኛ ጥበብ ዘትረፎስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) እዚ ሰብኣይ እዝን በዓልቲ ቤቱን ጸኒሖም ናይ ሓቂ ጥበብ ዝረኸቡስ ብኸመይ ኢዮም: እዚኸ ንህይወቶም ብኸመይ ለወጦ?
4 ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ገለ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ሓደ መንእሰይ ሰብኣይ ኣብ ካናዳ: ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳስካቼዋን ይማሃር ነበረ። ኣብቲ ስርዓተ–ትምህርቲ ባዮሎጂ እትዊ ስለ ዝነበረ: ፍልቀት ተማህረ። ብድሕሪ ምምራቑ: ብኣቶሚክ ፊዚክስ ፍሉይ ክእለት ከምጽእ ወሰነ እሞ: ኣብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ ትምህርቱ ክቕጽል ከኣ ማህደረ–ትምህርቲ ረኸበ። ክማሃር ከሎ ኸኣ ኣብቲ ኣቶሚካዊ ቅርጽታት ናይ ስርዓትን ንድፍን ዘደንቕ መርትዖ ርኣየ። እንተኾነ ግን: ነዚ ኹሉ መን ኢዩ ወጢንዎ? መዓስ? ስለምንታይከ? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ኣይተዋህቦምን። ብዘይ እተን መልስታት እቲኣተንከ: ነቲ ፍልጠቱ ኣብታ ሽዑ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተኣሊኻ ዝነበረት ዓለም ኰይኑስ ብጥበብ ክጥቀመሉ ምኸኣለዶ ነይሩ? ብምንታይ ኰን ምተመርሐ? ብሃገራውነትዶ? ብትምኒት ናይ ፍቕረ–ንዋይ? ሓቀኛ ጥበብከ ብርግጽ ከጥሪ ክኢሉዶ?
5 ብድሕሪ ምምራቑ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ መንእሰይ ሰብኣይን በዓልቲ ቤቱን: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ነቲ ቅድም ክረኽብዎ ዘይከኣሉ መልስታት ከኣ: ካብ ቃል ኣምላኽ ክረኽብዎ ጀመሩ። ንየሆዋ ኣምላኽ እቲ ፈጣርን ዕላማታቱን ክፈልጥዎ ከኣሉ። ብዛዕባ ሙሴ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡውን ብዛዕባ ዳንኤልን ኣዕሩኹን ኣብ ባቢሎን ምስ ተማሃሩ: ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ምፍራህ ከም ዘድሊ ፈለጡ። (ዘጸኣት 14:10-31፣ ዳንኤል 3:8-30) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ፍርሃትን ንዕኡ ዘለዎም ሓቀኛ ፍቕርን ከነቓቕሖም ጀመረ። ብኡንብኡ ኸኣ ምሉእ ጕዕዞ ህይወቶም ተለወጠ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እዚ መንእሰይ ነቲ ተግባር ኢዱ [ናይ ኣምላኽ] ኣብ ባዮሎጂ ዘጽንዖ ፈለጦ። ንዕላማ ናይቲ ጥበቡ ኣብ መጽናዕቲ ፊዚክስ ተንጸባሪቑ ዝረኣዮ ድማ: ክርድኦ ጀመረ። ነቲ ፍልጠቱ ንብጾቱ ዘጥፍእ መሳርያ ንምስራሕ ኣብ ክንዲ ዝጥቀመሉ: ንሱን ብዓልቲ ቤቱን: ንኻልኦት ንኣምላኽን ንብጾቶምን ከፍቅሩ ክሕግዝዎም ደለዩ። ከም ኣውጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምዱ። ጸኒሖም ከኣ ኣብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈሉ እሞ ሚስዮናውያን ኰይኖም ተላእኩ።
6. ኣብ ፍርሃት የሆዋ እተመስረተ ጥበብ እንተደኣ ኣልዩና ከመይ ዝበሉ ናይ ሓጺር እዋን ድሌታት ኢና እነወግድ: ኣብ ክንድኡኸ እንታይ ኢና እንገብር?
6 ርግጽ’ዩ: ኵሉ ሰብ ሚስዮናዊ ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ይኹን እምበር ኵላትና ነቲ ኣብ ፍርሃት የሆዋ እተመስረተ ጥበብ ከነስተማቕሮ ንኽእል ኢና። ነታ ጥበብ እቲኣ እንተደኣ ኰስኲስናያ: ነቲ ህይወት እንታይ ምኽዋና ግምት ጥራይ ዝህብ ፍልስፍና ናይ ሰባት ብሃንቀውታ ኣይክንቀስምን ኢና። ንገዛእ ርእስና ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነውዕላ ኢና። ንሳ ብመንፈስ ናይቲ ምንጪ ህይወት ዝኾነ: ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ክህበና ዝኽእል: የሆዋ ኣምላኽ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኢያ። (መዝሙር 36:9፣ ቈሎሴ 2:8) ናይቲ ኣብ ገምገም ጥፍኣት ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ንግዳዊ ስርዓት ባሮት ኣብ ክንዲ እንኸውን: ናይ የሆዋ ምኽሪ ብምስማዕ ኣብ ህይወትና ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ቀዳማይ ቦታ ብምሃብ ቀለብናን ክዳንናን እንተሎና ብእኡ ክንዓግብ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:8-12) መጻኢ ህይወትና ዓለማዊ ሞያታት ኣብ ምስዓብን: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ድማ መሺኡና ክንነብር ኣብ ዝብል መንፈስን ኣብ ክንዲ ንምርኰስ: ቃል የሆዋ: ዓለም ትሓልፍ ኢያ ፍትወታ ኸኣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግን ንዘለኣለም ይነብር: ኢሉ ኪነግረና ኸሎ ክንኣምኖ ኢና።—1 ዮሃንስ 2:17
7. (ሀ) ምሳሌ 16:16 ኣብ ጥቕምታት ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክህልወና ብኸመይ ትሕግዘና? (ለ) ኣብ ናብራና ንፍቓድ ኣምላኽ ቀንዲ ዒላማ ብምግባር እንታይ ዓስብታት ይርከብ?
7 ምሳሌ 16:16 ብሓቂ ከምዚ ብምባል የተባብዓና:- “ካብ ምጥራይ ወርቂ ኽንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ [እታ ንየሆዋ ብምፍራህ እትጅምር ጥበብ] ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር።” ከምዚ ዝበለ ጥበብን ምስትውዓልን: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ናይ ህይወትና ቀንዲ ዒላማ ክንገብሮ ከለዓዕለና ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ኣብዚ እዋን ናይ ታሪኽ ወድሰብ ንመሰኻኽሩ ሕድሪ ዝሃቦም ዕዮ እንታይ ኢዩ? ስብከት ብዛዕባ መንግስቱ ከምኡውን ንቅኑዓት ዝልቦም ሰባት ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ክኾኑ ምሕጋዝ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) እዚ ኢዩ እቲ ዓስቢ ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ዘፍሪ ዕዮ። መጽሓፍ ቅዱስ እምበኣር: ብብቑዕ ምኽንያት ከምዚ ይብል:- “እቲ ጥበብ ዚረክብ: ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ [ሕጉስ ትሓዓ] እዩ”።—ምሳሌ 3:13
ጌጋ ካብ ምግባር ተሓሎ
8. (ሀ) ንኣምላኽ ካብ ምፍራህ ክርከብ ዝኽእል ካልኣይ ጥቕሚ ስመ። (ለ) ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ሕማቕ ነገር እንታይ ኢዩ? (ሐ) ኣምላኻዊ ፍርሃት ብርቱዕ መነቓቕሒ ሓይሊ ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ?
8 ንኣምላኽ ካብ ምፍራህ ዝርከብ ካልኣይ ጥቕሚ ኸኣ ጌጋ ዝኾነ ካብ ምግባር ስለ እንሕሎ ኢዩ። ንኣምላኽ ዓሚቍ ኣኽብሮት ዝህቡ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ጌጋ ባዕላቶም ኣይውስኑን ኢዮም። ነቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ዝበሎ ከም ሕማቕ ኣይርእዩን: ነቲ ጌጋ ዝበሎ ኸኣ ከም ጽቡቕ ገይሮም ኣይወስድዎን ኢዮም። (መዝሙር 37:1, 27፣ ኢሳይያስ 5:20, 21) ብተወሳኺ: ሓደ ብኣምላኻዊ ፍርሃት እተለዓዓለ ሰብ: የሆዋ ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ሕማቕ ዝብሎ ፈሊጡ ጥራይ ስቕ ኣይብልን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ነቲ የሆዋ ዝፈትዎ ይፈቱ ከምኡውን ነቲ የሆዋ ዝጸልኦ ኸኣ ይጸልእ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ምስቲ ናይ ኣምላኽ መምዘኒታት ብምስምማዕ ይዓዪ። ስለዚ: ከምቲ ኣብ ምሳሌ 16:6 ተገሊጹ ዘሎ: “ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ።” ከምዚ ዝበለ ኣምላኻዊ ፍርሃት ንሓደ ሰብ ነቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ክገብሮ ዘይኽእል ንኽረክብ ብርቱዕ ዘለዓዕል ሓይሊ ይኾኖ።
9. ንኣምላኽ ከይተጕህዮ ብብርቱዕ ምብሃግ ንውሳኔ ናይ ሓንቲ ኣብ ሜክሲኮ ዘላ ሰበይቲ ብኸመይ ጸለዎ: ምስ እንታይ ፍረኸ?
9 ኣምላኻዊ ፍርሃት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ክዓቢ ይጅምር ጥራይ እኳ እንተሎ: ኣብቲ ዝተረፈ ህይወቱ ከጣዕሶ ዝኽእል ነገር ካብ ምግባር ንኽርሕቕ ከጽንዖ ይኽእል ይኸውን። ንኣብነት: ኣብ ሜክሲኮ ሓንቲ ነፍሰጾር ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ ጥንሲ ምንጻል ሓተተታ። እታ ምስክር ነታ ሰበይቲ ብዙሕ ጥቕስታት ኣንበበትላ እሞ: ቀጺላ ኸኣ “ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ህይወት ኣዝያ ክብርቲ ኢያ: ህይወት ናይቶም ገና ዘይተወልዱ ከይተረፈ እውን ክብርቲ ኢያ” ብምባል ኣረዳኣታ። (ዘጸኣት 21:22, 23፣ መዝሙር 139:13-16) እታ ሰበይቲ ዋላ እኳ ነታ ምስክር እንተ ዘይገለጸትላ: ብናይ ሕክምና መርመራ: እቲ ህጻን ዘይጥዑይ ኪኸውን ከም ዝኽእል ሓሳብ ተዋሂቡዋ ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ግን በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸበቶ ተደሪኻ እቲ ህጻን ንኽውለድ ወሰነት። ሓኪማ ድሕሪ ሕጂ ኣይሕክመክን ኢየ በላ: ብዓል ቤታ ድማ ክሓድጋ ምኽዋኑ ኣፈራርሓ: ንሳ ግን ምንቕ ኣይበለትን። ጸኒሓስ ሓንቲ ጐደሎ ዘይብላ: ጥዕይትን ምልክዕትን ጓል ደኣ ወለደት። ብሞሳ ተደሪኻ ነቶም መሰኻኽር ደለየቶም: ምስ ረኸበቶም ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንሳን በዓል ቤታን ተጠምቁ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ ሓደ ኣውራጃዊ ኣኼባ ነታ መጀመርያ እተዛረብታ ምስክር ምስ ረኸብዋ: ብዙሕ ተሓጐሱ: ምስታ ጓል 4 ዓመት ምጭውቲ ጓሎም ከኣ ኣላለይዋ። ኣብ ኣምላኽ ግቡእ ኣኽብሮትን ንኸይተጕህዮ ዝብል ብርቱዕ ባህጊ ድማ እንተድኣልዩን ብሓቂ ኣብ ህይወትካ ሓያል ጽልዋታት ኣለዎ።
10. ኣምላኻዊ ፍርሃት ካብ ከመይ ዝበለ ዓይነት ጌጋጋታት ኢዩ ንሰባት ናጻ ክወጹ ዘበርትዖም?
10 ኣምላኻዊ ፍርሃት ካብ በብዓይነቱ ብዙሕ ኣበሳታት ይከላኸለልና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ፍርሃት ኣምላኽ ብግቡእ እንተድኣ ተኾስኵሱ ንሓደ ሰብ ነቲ ንሱን የሆዋን ጥራይ ዝፈልጥዎ ስዉር ሓጢኣት ንኸቋርጾ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ካብ ባርነት ኣልኮልን ሓሽሽን ከኣ ሓራ ከውጽኦ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ቀደም ወልፊ ሓሽሽ ዝነበሮ ወዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ከሕድር ምስ ጀመርኩ: ከይጐድኦ ወይ ከየጕህዮ ዝብል ፍርሃት ከኣ ኣማዕበልኩ። ይዕዘበኒ ከም ዝነበረ እፈልጥ ነይረ: ኣብ ቅድሚኡ ሞጐስ ክረክብ ከኣ ሃረር በልኩ። ነቲ ምሳይ ዝነበረ ሓሽሽ ናብ ዓይኒ ምድሪ ክጕሕፎ ድማ ኣለዓዓለኒ።” ኣምላኻዊ ፍርሃት ንኣሽሓት ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ሓጊዝዎም ኢዩ።—ምሳሌ 5:21፣ 15:3
ንሰብ ካብ ምፍራህ ዑቕባ ይህብ
11. ጥዑይ ፍርሃት ናይ የሆዋ ካብ ከመይ ዝበለ ልሙድ መጻወድያ ኢዩ ክከላኸለልና ዝኽእል?
11 ጥዑይ ፍርሃት ናይ ኣምላኽ ንሰብ ካብ ምፍራህ እውን ይሕልወና። መብዛሕትኦም ሰባት ይውሓድ ይብዛሕ ብፍርሃት ሰብ ይጕድኡ ኢዮም። ደቀ መዛሙርቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ከይተረፉ ኣብቲ ናይ ጌተሰማኔ ቦታ ኣታኽልቲ ብወተሃደራት ክተሓዝ ከሎ ንዕኡ ሓዲጎምዎ ሃዲሞም ኢዮም። ጸኒሑ: ኣብቲ ኣጸድ ናይቲ ሊቀ ካህናት: ጴጥሮስ ሚዛኑ ኣጥፊኡ ኣብ ፍርሃት ወዲቑ ስለ ዝነበረ: ሓደ ካብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምኽዋኑን ከም ዝፈልጦ እውን ከይተረፈ ከሓደ። (ማርቆስ 14:48-50, 66-72፣ ዮሃንስ 18:15-27) ይኹን እምበር እቶም ሃዋርያት መንፈሳዊ ሚዛን ክምለሰሎም ተሓጊዞም ኢዮም። ብኻልእ መገዲ: ኣብ ግዜ ንጉስ ዮኣቂም: ኡርያ ወዲ ሸማዕያ ብፍርሃት ተዋሒጡ: ነቲ ከም ነብዪ ናይ የሆዋ ዝነበሮ ኣገልግሎት ሓዲጉ ካብታ ሃገር ሃደመ: ደሓር ግን ተታሒዙ ተቐትለ።—ኤርምያስ 26:20-23
12. (ሀ) ምሳሌ 29:25 ንፍርሃት ናይ ሰብ እንታይ መከላኸሊ ኢዩ ዝሕብር? (ለ) ኣብ ኣምላኽ ምእማን ብኸመይ ይዓቢ?
12 ሓደ ሰብ ንናይ ሰብ ፍርሃት ንኽስዕር እንታይ ክሕግዞ ምኸኣለ? ምሳሌ 29:25 “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ:” ኢሉ ድሕሪ ምጥንቓቑ: ወሲኹ “ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ይብል። እቲ መፍትሕ ኣብ የሆዋ ምእማን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ እምነት ኣብ ፍልጠትን ተመኵሮን እተመስረተ ኢዩ። ቃሉ ብምጽናዕ: ነቲ ናይ የሆዋ ጽድቃዊ መገድታት መርትዖኡ ንርእዮ ኢና። ምስቶም ትውክልቲ ዝግበሮ ምኽዋኑ: ርግጸኝነት ናይ መብጽዓታቱ (እቲ ናይ ትንሳኤውን ከይተረፈ): ፍቕሩን ኵሉ ዝኽእል ሓይሉን ዝገልጹ ፍጻመታት ተላሊና ኢና። ድሕርዚ ነቲ የሆዋ ዝእዝዞ ብምግባር ነቲ ከይንገብሮ ዘጠንቀቐና ኸኣ ብጽኑዕ ብምንጻግ: በቲ ፍልጠት እቲ ክንዓዪ ከሎና: ብቐዳምነት ነቲ ፍቕራዊ ሕያውነቱን ትውክልቲ ዝግበሮ ምኽዋኑን ክንምኰሮ ንጅምር። ንሕና ብብሕትና: ሓይሉ ፍቓዱ ንምፍጻም ክዓዪ ከሎ መረጋገጺታት ንርኢ ኢና። ኣብኡ ዘሎና ተኣማንነት ይዓቢ: ምስኡ ኸኣ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ዘጕህዮ ዘበለ ንምርሓቕ ዘሎና ልባዊ ባህግን ይዓቢ። ከምዚ ዝበለ እምነት ኣብ ጽኑዕ መሰረት እተሃንጸ ኢዩ። ኣንጻር ፍርሃት ሰብ ከም ዕርዲ ኰይኑ የገልግል ኢዩ።
13. ኣምላኻዊ ፍርሃት: ኣብ ስራሕና: ኣብ ቤትና: ከምኡውን ኣብ ቤት ትምህርትና ብኸመይ ይሕግዘና?
13 ሓደ ዋና ስራሕ: ኣብ ሓደ ዘይቅኑዕ ናይ ስራሕ ተግባራት ምክፋል ብምእባይና ስራሕ ከውጽኣና እንተደኣ ኣፈራሪሑና: ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት: ምስ ኣምላኻዊ ፍርሃት ተኣሳሲሩ: ኣብቲ ቅኑዕ ዘበለ ጽኑዓት ከም እንኸውን ይገብረና ኢዩ። (ምስ ሚክያስ 6:11, 12 ኣነጻጽሮ።) ከምዚ ዝበለ ኣምላኻዊ ፍርሃት: ንብዙሓት ኣሽሓት ክርስትያናት: ካብ ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ምጽራር ከጋጥሞም ከሎ: ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንኽጸንዑ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝማሃሩ መንእሰያት እውን ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክፍለጡ ትብዓት ሂብዎም ከምኡውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መለክዒታት ዘናእሱ ደቂ ክፍሎም ንዘምጽኡሎም ላግጺ ክዋጽእሉ ኣጽኒዕዎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ሓንቲ መንእሰይ ምስክር: “እቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ዘይኰነስ: እቲ የሆዋ ኣብ ግምት ዘእትዎ ኢዩ ዘገድስ” ዝበለት።
14. ኣገልገልቲ የሆዋ ህይወቶም ኣብ ስግኣት እውን እንተ ወደቐ ዕዉታት ክኾኑ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም?
14 እዚ ምርዳእ እዚ ኢዩ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ህይወቶም ኣብ ስግኣት ክወድቕ ከሎ ንመገድታት የሆዋ ኣጽኒዖም ክሕዙ ዘሐየሎም። ካብ ዓለም መስጐጕቲ ክጽበዩ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። እቶም ሃዋርያት ከም እተገርፉ ከምኡውን የሱስ ክርስቶስ ንርእሱ በቶም እኩያት ሰባት ከም እተሃርመን እተቐትለን ይርድኡ ኢዮም። (ማርቆስ 14:65፣ 15:15-39፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:40፣ ምስ ዳንኤል 3:16-18 ኣነጻጽሮ።) ይኹን እምበር: ኣገልገልቲ የሆዋ ንኽጽመሙ ከሐይሎም ይኽእል ምኽዋኑ ምሉእ ምትእምማን ኣለዎም፣ ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ ክዕወቱ ይኽእሉ ኢዮም፣ የሆዋ ነቶም እሙናት ዝኾኑ—ኣድላዪ እንተደኣ ኾይኑ እውን ኣብታ ሓዳስ ዓለም ናብ ህይወት ብምትንሳእ—ዓስቦም ብዘይምቍራጽ ኪህቦም ኢዩ። ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ምስ ኣምላኻዊ ፍርሃት ተኣሳሲሩ ንዕኡ ዘጕህዮ ነገራት ካብ ምግባር ንኽርሕቑ ብሓይሊ ከለዓዕሎም ኢዩ።
15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት ንጽህናኦም ክሕልዉ ዘኽኣሎም እንታይ ነበረ?
15 እዚ ምንቕቓሕ እዚ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 1930ታትን 1940ታትን ኣብቲ ራዕድታት ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት ጸኒዖም ንኽቖሙ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ነቲ ኣብ ሉቃስ 12:4, 5 ዝርከብ ምኽሪ የሱስ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ ኢዮም: “ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም አሎኹ፤ ስጋ ንዚቐትሉ: ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ንዜብሎም ኣይትፍርህዎም። ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፤ ነቲ: ምስ ቀተለስ: ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ: ንእኡ ፍርሁ። እወ: ንእኡ ፍርህዎ: እብለኩም አሎኹ።” በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ: ጉስታቭ ኣውሽነር: እቲ ኣብ ዛክሰንሃውዘን መዳጐኒ ደምበ ዝነበረ ምስክር ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈ:- ‘እቶም ኤስ ኤስ ንኣውጕስት ዲክማን ምስ ቀተልዎ: ንዓና ኸኣ ነቲ ንእምነትና ብወግዒ ዝስርዝ ሰነድ እንተደኣ ዘይፈረምናሉ ክቐትሉና ምኽዋኖም ኣፈራርሑና። ዋላ ሓደ ካባና ዝፈረመ ኣይነበረን። ካብ ንጠያይቶም ንየሆዋ ከይነጕሂ ዝያዳ ፍርሃት ነበረና።’ ፍርሃት ሰብ ናብ ምልምማጥ ይመርሕ: ፍርሃት ኣምላኽ ግን ኣብቲ ቅኑዕ ዘበለ ከም እትጸንዕ ይገብር።
እቲ ዑቕባ ናይ ህይወት
16. ንኖህ ክሳዕ እቲ መዓት ዝመጽእ ንዓሰርተታት ዓመታት ልክዕ በታ መገዲ ቀጥ ኢሉ ንክኸይድ ዘኽኣሎ እንታይ ነበረ: ንዕኡን ንስድራ ቤቱንከ እንታይ ኣምጽኣሎም?
16 ኖህ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናይታ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም ኢዩ ዝነብር ነይሩ። የሆዋ ብሰሪ ክፍኣት ሰብ ነታ እክይቲ ዓለም ከጥፍኣ ወሰነ። ይኹን እምበር: ክሳዕ ሽዑ: ኖህ ኣብታ ብዓመጽን ብዙሕ ርኽሰትን ናብቲ መለኮታዊ ፍቓድ ግዲ ዘይምህላውን መሊኣ ዝነበረት ዓለም ኢዩ ነይሩ። ኖህ ሽሕ’ኳ ጽድቂ ይሰብኽ እንተነበረ: “ማይ ኣይሂ መጺኡ ን[ኹ]ሉ ክሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።” (ማቴዎስ 24:39) ገና ግን ኖህ: ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኡ ዘንበረሉ ዕዮ ድሕር ኣይበለን። ንሱ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ን[ኹ]ሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” (ዘፍጥረት 6:22) ኖህ ክሳዕ እቲ መዓት ዝመጽእ ዓመት ድሕሪ ዓመት ልክዕ ኣብቲ መገዲ ንኽቕጽል ዝሓገዞ እንታይ ነበረ? እብራውያን 11:7: ብመሰረት ትርጉም ሓዳስ ዓለም “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር: መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ: ኣምላኻዊ ፍርሃት ኣርኣየ” ኢላ ትምልስ። ከም ውጽኢት ናይዚ: ንሱን ሰበይቱን ከምኡውን ደቁን ኣንስቲ ደቁን ካብቲ መዓት ደሓኑ።
17. (ሀ) ካልኦት ሰባት ዝገብርዎ ብዘየገድስ: እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና? (ለ) እቶም ንየሆዋ ዝፈርሁ ሕጉሳት ህዝቢ ዝኾኑስ ስለምንታይ ኢዩ?
17 ንሕና ኣብቲ ምስ መዓልትታት ኖህ ብብዙሕ መዳያት ዝመሳሰል እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። (ሉቃስ 17:26, 27) ብተወሳኺ: ሓደ መጠንቀቕታ ይወሃብ ኣሎ። ራእይ 14:6, 7 ብዛዕባ ኣብ ማእከል ሰማይ ኰይኑ ካብ ብዘሎ ህዝብታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን ንዝኾኑ ሰባት “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” እናበለ ዝዝምቢ መልኣኽ ይዛረብ። እዛ ኣብ ከባቢኻ ዘላ ዓለም እንታይ ከም እትገብር ብዘየገድስ: ነዞም ቃላት እዚኣቶም ኣስተብህለሎም እሞ ነቲ ዕድመ ናብ ካልኦት ዘርግሓዮ። ከም ኖህ ብእምነት ዕየ: ኣምላኻዊ ፍርሃት ድማ ኣርኢ። ከምዚ ምግባርካ ህይወትካን ህይወት ናይ ብዙሓት ካልኦትን ንምዕቋብ ክመርሓካ ይኽእል ኢዩ። እቶም ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝፈርሁ ዝሕጐስሉ ጥቕምታት ከነስተንትኖ ከሎና: ምስቲ ብመንፈስ: “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ: ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ” ብምባል ዝዘመረ መዝሙራዊ ጥራይ ኢና ክንሰማማዕ እንኽእል።—መዝሙር 112:1
ብኸመይ ምመለስካ?
◻ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ካብ ምፍራህ ዝርከቡ ገለ ጕሉሓት ጥቕምታት እንታይ ኢዮም?
◻ ኣብ ኣምላኻዊ ፍርሃት እተመስረተ ጥበብ ብኸመይ ክከላኸለልና ይኽእል?
◻ ኣምላኻዊ ፍርሃት ካብ ሕማቕ ከም እንርሕቕ ክገብረና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ኣምላኻዊ ፍርሃት ካብ ናይ ሰብ ፍርሃት ዝከላኸለልና ከመይ ገይሩ ኢዩ?
◻ ኣምላኻዊ ፍርሃት ምስቲ ተስፋ ናይ መጻኢ ህይወትና እንታይ ዝምድና ኢዩ ዘለዎ?
[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]
“እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ: ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዝብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 112:1