ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/4 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንውህበት ህይወት ግቡእ ኣኽብሮት ይሃሉኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • በቲ ህያው ኣምላኽ ተመራሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/4 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሰራዊት ናይ ሳኦል ስጋ ምስ ደሙ ድሕሪ ምብልየም ከምቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ተሰሪዑ ዘሎ መቕጻዕቲ: ብኡንብኡ ዘይጠፍኡስ ስለምንታይ ኢዩ?

እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ጥሒሶሞ ኢዮም: ዋላኳ ዝያዳ ጥንቁቓት ክኾኑ እንተ ነበሮም ኣብ ደም ብዝነበሮም ክብሪ ግን ምሕረት ተዋሂብዎም ክኸውን ይኽእል።

ነቲ ኩነታት እሞ ንተዓዘቦ። እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ምስ ፍልስጤማውያን ይዋግኡ ኢዮም ነይሮም። ብምኽንያት እቲ ውግእ “እቶም ሰብ እስራኤል: ላህሊሆም” ከለዉ ንጉስ ሳኦል ብታህዋኽ ክሳዕ ጸላእቱ ምሉእ ስዕረት ዝስዕሮም ዋላ ሓደ እንጌራ ከይበልዕ ኢሉ ተማሓሓለ። (1 ሳሙኤል 14:24) ከይደንጐየ ኸኣ እዚ ምምሕሓል እዚ ሽግር ፈጠረ።

እቶም ሰራዊቱ ከቢድ ውግእ ኢዮም ስዒሮም ነይሮም። እቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ከኣ ጥሜትን ድኻምን ኣስዓበሎም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕሉፍ ኵነታት እንታይ ገበሩ? “እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ምርኮ ጐይዮም ኣባጊዕን ኣሓን ምራኹትን ወሲዶም ኣብ ምድሪ ሓረዱ: እቲ ህዝቢ ድማ ምስ ደሙ በልዖ።” — 1 ሳሙኤል 14:32።

ከምቲ ገለ ካብ ናይ ሳኦል ሰባት ዝበልዎ እዚ ነቲ ብዛዕባ ደም ዝነበረ ሕጊ ኣምላኽ ዝጥሕስ ኢዩ ነይሩ: ከምዚ ድማ በልዎ:- “ሽዑ: እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ: እንሆ: ንእግዚኣብሄር ይብድሎ ኣሎ።” (1 ሳሙኤል 14:33) እወ: እቲ ሕጊ ስጋ ንኽብላዕ: እቲ እንስሳ ተሓሪዱ ደሙ ክፈስስ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝነግር ነይሩ። ኣምላኽ ነቲ ደም ንምፍሳስ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ መገዲ ተጠቐሙ ኣይበለን። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንትርጕም ናይ ደም ዘለዎም ኣኽብሮ ብግቡእ መገዲ ደም ብምፍሳሶም ክገልጽዎ ይኽእሉ ኢዮም። (ዘዳግም 12:15, 16, 21–25) ደም እንስሳ ኣብ ታቦት ንመስዋእቲ ክኸውን ይኽእል ነይሩ: ክብላዕ ግን ግቡእ ኣይነበረን። ደይ መደይ ኢልካ ነቲ ሕጊ ምስ ዝጥሓስ ከኣ ናይ ሞት መቕጻዕቲ የስዕብ ነበረ: ምኽንያቱ ንህዝቢ ኣምላኽ:- “ደም ዘበለ እንተ በልዔ: ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ: ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቍሳ እየ” ተባሂሉሎም ነይሩ ኢዩ። — ዘሌዋውያን 17:10–14

እቶም ናይ ንጉስ ሳኦል ሰራዊት ደይ መደይ ኢሎም ድዮም ነቲ ሕጊ ኣፍሪሶሞ? ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ብዛዕባ ደም ሸለልትነት ድዮም ኣርእዮም? — ምስ ዘሁልቍ 15:30 ኣነጻጽርዎ።

ከምኡ ኢልና ክንድምድሞ ኣይግብኣናን ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ነቶም እንስሳታት ‘ኣብ ምድሪ ከም ዝሓረድዎምን ምስ ደሞም ከም ዝበልዕዎምን’ ኢዩ ዝገልጽ። ስለዝስ ነቲ ደም ንምፍሳስ ገለ ፈተነ ገይሮም ነይሮም ኢዮም። (ዘዳግም 15:23) ይኹን እምበር ምስቲ ጥሙይን ድኹምን ኵነታቶም ነቲ ዝሓረድዎ ቍልቍል ኣፉ ብምንጥልጣል ደሙ ንኽፈስስ ግቡእ ግዜ ኣይሃብዎን። ነተን ኣበጊዕን ኣሓን “ኣብ ምድሪ” ኢዮም ሓሪዶመን እዚ ኸኣ ነቲ ምፍሳስ ከደናጕዮ ይኽእል ኢዩ። ብኡንብኡ ድማ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደም ተቐሚጡ ዘሎ ሕሩድ ስጋ ቆሪጾም ክወስዱ ጀመሩ። ዋላኳ ንሕጊ ኣምላኽ ምእዛዝ ኣብ ኣእምሮኦም እንተ ነበረ ብግቡእ መገድን ምሉእ ብምሉእን ግና ኣይተኸተልዎን።

እቲ ውጽኢቱ ኸኣ ‘እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ናብ ምብላዕ ወደቐ’ እዚ ኸኣ ሓጢኣት ኢዩ ነይሩ። ሳኦል ነዚ ነገርዚ ፈለጦ እሞ ዓቢ እምኒ ኣንከራሪኹም ኣምጽኡለይ በለ። “ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምጽእ ኣብዚ ኸኣ ሓሪድኩም ብልዑ: ምስ ደሙ ብምብላዕኩም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ” ኢሉ ንሰራዊቱ ኣዘዞም። (1 ሳሙኤል 14:33, 34) እቶም ዝበደሉ ሰራዊት ተኣዘዝዎ እሞ “ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ።” — 1 ሳሙኤል 14:35።

ነቶም እንስሳታት ኣብ እምኒ ምሕራዶም ደም ብግቡእ ከም ዝፈስስ ይገብር። ናይቶም እንስሳታት ስጋ ድማ ካብቲ ዝተሓርደሉ ኣልዒልካ ክብላዕ ይኽእል። ገለ ካብቲ ዝፈሰሰ ደም እቶም ዝበደሉ ምሕረት ኣምላኽ ምእንቲ ክረኽቡ ሳኦል ኣብ መሰውኢ ተጠቒምሉ ይኸውን። የሆዋ ድማ ነቲ እቶም ሰራዊት ኣዝዮም ደኺሞምን ጠምዮምን ክነሶም እንታይ ክገብሩ ከም ዝፈተኑ ብምርኣይ ክኸውን ኣለዎ ምሕረት ዝገበረሎም። ኣምላኽ እቲ ሳኦል ብታህዋኽ ዝገበሮ ምምሕሓልውን ነቶም ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጕምቲ ከም ዘውደቖም ኣብ ግምት ኣእትይዎ ይኸውን ኢዩ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ህጹጽ ኵነታትውን እንተ ኾነ ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ሸለል ንምባል ምኽንያት ከም ዘይከውን አዩ ዘርኢ። ቅድሚ ብታህዋኽ ምምሕሓልና ኸኣ ኣጸቢቕና ክንሓስብ ከም ዘሎና ንኽንርዳእ ይሕግዘና: ምኽንያቱ ናይ ታህዋኽ መብጽዓ ንዓና ይኹን ንኻልኦት ሽግር ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። — መክብብ 5:4– 6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ