ንዓሰርተ ዓመታት ብሓደ ግዜ!
ሓንቲ እስጳኛዊት ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ብቋንቋ እስጳኛ እተሓትመ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ምስ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም ብሓደ ግዜ ተሓቲሙ ክወጽእ ብምጅማሩ ከመይ ከም እተሰምዓ ምስ ተሓተት ከምዚ ብምባል ምላሽ ሃበት:- ‘ሕጂ ብሓደ ክንህሉ ስለ ዝኸኣልና በረኸት ኢዩ ተሰሚዑና: ሕጂ ምስ እንግሊዝኛ ኣብ ሓደ ደረጃ ኢና ዘሎና እሞ ስምዒትና ብቋንቋ እንግሊዝኛ ከመይ ጌርኩም ኮን ምገለጽኩምዎ? እንግሊዝኛ ክብል ከሎኹ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ማሕበር ማለተይ ኢዩ። ንማሕበር ክንጠቕሳ ከሎና “ማማ” ኢና እንብላ። ኣዚና ከም እተቐራረብና ኮይኑ ተሰሚዑና። እዝስ ድንቅን መስተንክርን ኢዩ!’
እዛ እምንቲ ሓብቲ እዚኣ ናይ ብዙሓት እንግሊዝኛ ዘየንብቡ ኣንበብቲ ስምዒት ኢያ ገሊጻቶ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ናይ እስጳኛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ካብቲ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገለ ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሑ ኢዩ ዝወጽእ ነይሩ። ካልኦት ቋንቋታትውን ከምኡ ኢለን ኢየን ድሒረን ነይረን። ሓደ ዓይነት ጽሑፍ: ብሓደ ግዜ: ብብዙሕ ቋንቋታት ተሓቲሙ ንኽወጽእ ህንጥዩነት ከም ዝነበረ አየጠራጥርን ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር ምስ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም ብሓደ ግዜ ክወጽእ ካብ ዝጀመሩ ሕታማት እቲ ናይ መጀመርያ እቲ ኣብ 1 ሚያዝያ 1984 ብናይ እስጳኛ ቋንቋ ዝወጸ ሕታም ኢዩ። ብኡንብኡ ካልኦት ቋንቋታትውን ሰዓቡ። ኣብ መጀመርያ ናይ 1985: ምስ እንግሊዝኛ ብሓደ ግዜ እናተሓትማ ዝወጽኣ 23 ቋንቋታት ነበራ። ተርጐምቲ እናተረኽቡን እናሰልጠኑን ብዝኸዱ መጠን ድማ ብዙሓት ቋንቋታት ምስ እንግሊዝኛ ብሓደ ግዜ ይሕተማ ኣለዋ።
እዚ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታም እዚ: ብሓደ ግዜ ምሕታም ካብ ዝጅመር 10 ዓመት ከም ዝገበረ ኢዩ ዘመልክተልና ዘሎ። ሎሚ ግምቢ ዘብዐኛ ብ116 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ: 85 ካብ እዚኣቶም ድማ ምስ እንግሊዝኛ ብሓደ ግዜ እናተሓትሙ ዝወጽኡ ዘለዉ ኢዩም። እዚ ማለት ከኣ ናይቲ ጠቕላላ ገምጋም 16,100,000 ዝኣክል ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ 99.3 ካብ ሚእቲ ሓደ ዓይነት ናይ ገበር መልክዕን ዓንቀጻትን ሒዙ ይሕተም አሎ ማለት ኢዩ። ካብቶም ሰሙናዊ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዓኛ ዘጽንዑ ዘለዉ: ልዕሊ 95 ካብ ሚእቲ ሓደ ዓይነት ጽሑፍ ብሓደ ግዜ ይምሃሩ ኣለዉ።
ተበራበሩ! እታ ንግምቢ ዘብዐኛ ብጸይታ ዝኾነት መጺሄት ብ74 ቋንቋታት ክትሕተም ከላ እተን 37 ብሓደ ግዜ ኢየን ዝወጻ። ዓመታዊ መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ18 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ብሓደ ግዜ እናተሓትመ ዝወጽእ ሕታማት ህዝቢ ኣምላኽ “ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን” ንኽሓብሩ ይሕግዞም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 1:10።