ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሓንቲ ስድራቤት የሕብራ
ሎሚ: ኣብ መብዝሕትኡ ክፍልታት ዓለም ናይ ስድራቤት ሕብረት ዳርጋ የለን። ዝኾነ ኾይኑ ግን: መጽሐፍ ቅዱስ ናይ ስድራቤት ሕብረት ንኽህሉ እንታይ ከም ዘድሊ ይገልጽ ኢዩ። እስከ ነቲ ናይ የሱስ ቃላት ኣስተብህሎ:- “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ኹሉ: ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሐ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል።” (ማቴዎስ 7:24) ኣብ ውሽጢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስድራቤታት ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ንመጽሐፍ ቅዱስ ድማ ሕቡር ስድራቤት ንምህናጽ ከም መሰረት ገይሮም ስለ ዝተጠቕምሉን ሕብረት ረኺቦም ኢዮም። ካልኦትውን: እዚ ዝስዕብ ተመኵሮ ከም ዝገልጾ ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ሕብረት ይበጽሕዎ ኣለዉ።
ዳኒኤል ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሰራዊት እናኣገልገለ ኸሎ: ሓደ ናይ ሰራዊት ቀሺ መጽሐፍ ቅዱስ ክዕድግ ሓሳባት ኣቕረበሉ: ንሱ ድማ ዓደገ እሞ ብዘይምቍራጽ ከንብቦ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ታሂቲ ተቐየረ። ገለ ካብቶም ወተሃደራት ብጾት ደንኤል ኣድቨንቲስት ገሊኦም ድማ ሞርሞናውያን ኢዮም ነይሮም። ኣርእስቲ ዕላሎም ድማ ዝበዝሕ ግዜ ሃይማኖት ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ: ሓደ በዓል ቀዳማይ መዓርግ ሰርጌንቲ ንዳንኤል ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣላለዮ: ንሳ ድማ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበረት። ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ግዜ ብምሉኡ ኸኣ ነቲ ብዙሕ ሕቶታት ናይ ዳንኤል ንምምላሽ ኣሕለፈቶ: ምስ ሓንቲ ካብተን ኣብ ታሂቲ ዝነበራ ጉባኤታት ከኣ ኣራኸበቶ። ብኡብኡ ድማ ስርዓታዊ ኰይኑ መጽሐፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ።
ወለዲ ዳኒኤል ኣብ ፈረንሳ ዝቕመጡ ቅኑዓት ካቶሊካውያን ኢዮም ነይሮም። ኣቡኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመንእሰያት ምኽሪ ዝህብን ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ድማ ናይ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሓላፍነት ዘለዎን ሰብ ኢዩ ነይሩ። ዳኒኤል ንወለዱ ገለ ካብቲ ዝመሃሮ ዝነበረ ክቡር መንፈሳዊ ምስትውዓል ምእንቲ ከማቕሎም ኢሉ ኣብተን ደብዳቤታቱ ገለ ሒደት ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ሓሳባት ይሕውስ ነበረ።
መጀመርያ ኣደ ዳንኤል ተሓጒሳ ነይራ: ደሓር ግን ስም የሆዋ ኣብ ሓንቲ ካብተን ደብዳቤታት ወዳ ምስ ረኸበት ሰንበደት። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ ኣብ ናይ ሬድዮ ፕሮግራም ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ሓደገኛታት ኣንቆራ” ኢዮም ዝብል ሰምዐት። ናብ ዳኒኤል ደብዳቤ ጽሒፋ ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎ ኹሉ ርክቡ ብዝቐልጠፈ ግዜ ከቋርጽ ለመነቶ። እንተኾነ ግን ዳንኤል ኣብቲ ትምህርቲ መጽሐፍ ቅዱስ እናማዕበለ ኸደ: ብኡብኡ ድማ ካብ ሰራዊት ተላቒቑ ናብ ፈረንሳ ክምለስ መደበ።
ዳኒኤል ዓዱ ምስ ተመልሰ: ምሸት ምሸት ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዳርጋ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኣዲኡ ነዊሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ የካይድ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንዳንኤል ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣሰንያቶ ክትከይድ ተሰማምዐት። ኣብታ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብዙሕ ስለ ዝተመሰጠት ድማ: ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት ጀመረት። ቅልጡፍ ምዕባሌ ኣርኣየት እሞ ብኡብኡ ድማ ተጠምቀት።
ኣቦ ዳንኤል: ጸዋር ግን ከኣ ኣብቲ ሞያውን ሃይማኖታውን ንጥፈታቱ ኣዝዩ ዉፉይ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ሓደ ግዜ ንበዓልቲ ቤቱን ንወዱን ኣብ ናይ ኣውራጃ ዓቢ ኣኼባ ብመኪና ከብጽሖም ከደ። ሽዑ 14 ሓምለ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ ሃገራዊ በዓል ናይ መዓልቲ ባስታይል ብምንባሩ ኣብታ ኸተማ ዝግበር ሰልፊ ክዕዘብ ሓሳብ ነበሮ። እናተጸበየ ኸሎ ከኣ ብምህንጣይ ዝኣክል ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ኣኼባ ኣደራሽ ክዕዘብ መደበ። በቲ ኣብ መንጐ ህዝቢ የሆዋ ዝረኣዩ ስርዓትን ሰላምን ተመሰጠ: በቲ ዝተፈላለየ ክፍልታት ናይቲ ኣደራሽ እናተዛወረ ኸሎ ድማ ኩሉ ሰብ “ሓውና” እናበለ ይጽውዖ ነበረ። ንኹሉ እቲ ናይ መዓልቲ ባስታይል ሰልፊ ረሲዑ ድማ ክሳዕ እቲ ኣኼባ ዝውዳእ ኣብኡ ወዓለ። ጽንዓት መጽሐፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓተተ: ሓቂ ንምጽናዕ ቅልጡፍ ምዕባሌ ኣርኣየ። ይኹን’ምበር ብመጠን እቲ ዝተማህሮ: እቲ ኵነታት ስርሑ ክጸልኦ ጀመረ: ስለዚ ኸኣ ወዲ 58 ዓመት ከሎ ስርሑ ገደፈ። ሕጂ ሰለስቲኦም ኣባላት ስድራቤት ህይወቶም ወፍዮም ዝተጠምቁ ኢዮም። ንየሆዋ ድማ ሓቢሮም የገልግልዎ ኣለዉ።
ንስድራቤት ዳንኤል ከሕብሮም ዝኸኣለ: እቲ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ሓቂ ኢዩ ነይሩ። ካልኦት ስድራቤታትውን ንመጽሐፍ ቅዱስ እንተተማሂሮሞን ብምሉእ ልቦም ድማ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎሞን ከሕብሮም ይኽእል ኢዩ።