ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 8 ክፋል 1-3
  • ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ኣብ የሆዋ ተወከል
  • 2 ርእስኻን ስድራ ቤትካን ተኸናኸን
  • 3 ሓገዝ ካልኦት ድለ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • የሆዋ ንህዝቡ ይሕልዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ዝመልኦ እዋን ብኸመይ ተስፋ ከም ዝርከብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሞተይ እምነ ኣለኹ—መጽሓፍ ቅዱስ ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 8 ክፋል 1-3
ሰብኣይን ሰበይትን ብሞት ውሉዶም ይሓዝኑ

8ይ ክፋል

ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ

“ንቝሩብ ግዜ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክትጕህዩ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ በዚ ባህ ይብለኩም ኣሎ።”—1 ጴጥሮስ 1:6

ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳርን ስድራ ቤትን ኪህልወካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ሓጐስ ከም እትስእን ዚገብር ሃንደበታዊ ዅነታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይሕግዘና እዩ። ነዚ ዚስዕብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንተ ስዒብካዮ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ንዝኸፍአ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ኽትዋጽኡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

1 ኣብ የሆዋ ተወከል

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:7) ኣምላኽ በቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ፈተናታት ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። (ያእቆብ 1:13) ናብኡ ብዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን፡ ብዝበለጸ መገዲ ኺሕግዘካ እዩ። (ኢሳይያስ 41:10) ስለዚ፡ ‘ልብኻ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስስ።’—መዝሙር 62:8።

በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን እውን ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ‘ኣብ ኵሉ ጸበባና ብኸመይ ከም ዜጸናንዓና’ ኽትምከሮ ኢኻ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ሮሜ 15:4) ንሱ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ከም ዚህበካ ተመባጺዑ ኣሎ።—ፊልጲ 4:6, 7, 13።

ሓደ ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰ ሰብኣይ፡ ምስ ስድራ ቤቱ ይጽሊ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ህድእ ክትብልን ብንጹር ክትሓስብን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ

  • ኣማራጺታትካ ብምግምጋም፡ ብዝበለጸ ዜዋጽኣካ ግበር

2 ርእስኻን ስድራ ቤትካን ተኸናኸን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ልቢ ብዓል ኣእምሮ፡ ፍልጠት የጥሪ፣ እዝኒ ጥበበኛ ኸኣ ፍልጠት ትደሊ።” (ምሳሌ 18:15) ነቲ ጕዳይ፡ ውሽጡን ውሻጠኡን ፍለጦ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ እንታይ ከም ዜድልዮ እውን ፍለጥ። ኣዘራርቦም። ስምዓዮም ድማ።—ምሳሌ 20:5።

እተፍቅሮ ሰብ እንተ ሞይቱኸ፧ ስምዒትካ ኣይትሕባእ። የሱስ እውን ‘ከም ዝነብዐ’ ዘክር። (ዮሃንስ 11:35፣ መክብብ 3:4) ብዘይካዚ፡ እኹል ዕረፍትን ድቃስን ኣገዳሲ እዩ። (መክብብ 4:6) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ዜጨንቕ ኵነታት ክትዋጽኣሉ ቐሊል ኪዀነልካ እዩ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ዜሕዝን ኵነታት ከየጋጠመ ኸሎ፡ ወትሩ ምስ ስድራ ቤትካ እሂን ምሂን ናይ ምብህሃል ልማድ ኣማዕብል። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ስድራ ቤትካ ፍዅስ ኢልዎም ኬዘራርቡኻ እዮም

  • ተመሳሳሊ ዅነታት ንዘጋጠሞም ሰባት ኣዘራርቦም

3 ሓገዝ ካልኦት ድለ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።” (ምሳሌ 17:17) ፈተውትኻ ኺሕግዙኻ እኳ እንተ ደለዩ፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ግና ኣይፈልጡን ይዀኑ። ስለዚ፡ ነቲ ብሓቂ ዜድልየካ ነገራት ካብ ምንጋር ድሕር ኣይትበል። (ምሳሌ 12:25) ብዘይካዚ፡ ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚርድእዎ ሰባት፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ድለ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜርእዩኻ መምርሒ፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:14።

ምስቶም ብኣምላኽን በቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ዚኣምኑ ሰባት ኣዘውቲርካ ትሓብር እንተ ዄንካ፡ ዜድልየካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ምትብባዕ ንዜድልዮም ሰባት ክትሕግዝ ከለኻ እውን፡ ዓብዪ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ብየሆዋን በቲ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ከም እትኣምን ንገሮም። ግዜኻ ደገፍ ንዜድልዮም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ኣሕልፎ፡ ካብቶም ዜፍቅሩኻን ዚሓልዩልካን ሰባት ከኣ ኣይትፈለ።—ምሳሌ 18:1፣ 1 ቈረንቶስ 15:58።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ኣዘራርቦ፣ ኪሕግዘካ ድማ ፍቐደሉ

  • ብዛዕባ እቲ ዜድልየካ ነገራት ብንጹርን ብቕንዕናን ተዛረብ

ኣስፊሕካ ሕሰብ

እቲ ዘጋጠመካ ዅነታት ልዕሊ ዓቕምኻ ዀይኑ ኺስምዓካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣምላኽ ኣተኵር። እዮብ ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ፡ “ስም የሆዋ ይወደስ” በለ። (እዮብ 1:21, 22) ንስኻ እውን ልክዕ ከም እዮብ፡ ንስም ኣምላኽን ንፍቓዱን ልዕሊ እቲ ዜጨንቐካ ነገራት ስርዓዮ። ነገራት ከምቲ ዝሓሰብካዮ እንተ ዘይኰይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ተወከል። “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።’”—ኤርምያስ 29:11።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን እንተ ዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ እውከል ድየ፧

  • ንየሆዋ በብመዓልቱ ስለ ሕያውነቱ ዘመስግነሉ ምኽንያት ኣሎኒዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ