ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 9 ክፋል 1-2
  • ብስድራ ቤት ኴንኩም ንየሆዋ ኣምልኽዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስድራ ቤት ኴንኩም ንየሆዋ ኣምልኽዎ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣደልድል
  • 2 ብኣምልኾ ስድራ ቤትካ ተሓጐስ
  • ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ንኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ዜሐጕስ ክትገብሮ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ‘ንኣምላኽ ቅረቦ፡ ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ’
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 9 ክፋል 1-2
ሰብ ሓዳር ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ

9ይ ክፋል

ብስድራ ቤት ኴንኩም ንየሆዋ ኣምልኽዎ

“ነቲ ሰማይን ምድርን . . . ዝገበረ ኣምልኽዎ።”—ራእይ 14:7

ከምቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ እተምሃርካዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ኪሕግዘኩም ዚኽእል ብዙሕ ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። የሆዋ ድማ ሕጉስ ክትከውን እዩ ዚደልየካ። ንኣምልኾኡ ቐዳምነት እንተ ሂብካዮ፡ ‘እዚ ዅሉ ኸም ዚውሰኸልካ’ ቓል ኣትዩልካ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:33) ዓርኩ ኽትከውን ይደልየካ እዩ። ስለዚ፡ ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት መስርት። እዚ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል እዩ።—ማቴዎስ 22:37, 38።

1 ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣደልድል

ሰብ ሓዳር ሓቢሮም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ይሳተፉ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።” (2 ቈረንቶስ 6:18) ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኽትከውን ይደልየካ እዩ። ከምኡ እትገብረሉ ሓደ መገዲ ድማ፡ ጸሎት እዩ። የሆዋ፡ ‘ከየቋረጽካ ኽትጽሊ’ ዓዲሙካ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳባትካን ዜሻቕለካ ነገራትን ኪሰምዕ ይህንጠ እዩ። (ፊልጲ 4:6) ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘሎካ ኺርእዩ እዮም።

ንኣምላኽ ብጸሎት ክትዛረቦ እኳ እንተ ኣሎካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ክትሰምዖ ኣሎካ። ነዚ ድማ፡ ንቓሉን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማትን ብምጽናዕ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል። (መዝሙር 1:1, 2) ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትን። (መዝሙር 77:11, 12) ንኣምላኽ ምስማዕ፡ ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ እውን ዜጠቓልል እዩ።—መዝሙር 122:1-4።

ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እተደልድለሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ምንጋር እዩ። ብዝያዳ ኸምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ።—ማቴዎስ 28:19, 20።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • በብመዓልቱ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንጸሎትን ዚኸውን ግዜ መድብ

  • ከም ስድራ ቤት መጠን፡ ካብ መዘናግዒ ንላዕሊ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ቀዳምነት ሃቡ

2 ብኣምልኾ ስድራ ቤትካ ተሓጐስ

ሓደ ኣቦ ነቲ ምስ ስድራ ቤቱ ዚገብሮ መጽናዕቲ ይዳሎ፡ ጸኒሑ ድማ ምስ ስድራ ቤቱ ኣምልኾ ስድራ ቤት ይገብር

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8) መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከተውጽእን ኣዘውቲርካ ኽትስዕቦን ኣሎካ። (ዘፍጥረት 18:19) ኰይኑ ግና፡ ካልእ ተወሳኺ ነገር እውን ክትገብር ኣሎካ። ኣምላኽ ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትካ ኪኸውን ኣለዎ። “ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን” ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራብ፡ ነቲ ስድራ ቤትካ ምስኡ ዘለዋ ርክብ ኣደልድሎ። (ዘዳግም 6:6, 7) ከም እያሱ ንምዃን ሸቶ ግበር፣ ንሱ፡ “ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል” በለ።—እያሱ 24:15።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዜድልዮ ነገራት ዜጠቓልል ስሩዕ መደብ ስልጠና ይሃሉኻ

ሓንቲ ኣደ ንወዳ ተንብበሉ፣ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ይዋስኡ፣ ሓደ ኣቦ ንጓሉ መጽናዕቲ ይመርሓላ

ሕጉሳት ኣገልገልቲ የሆዋ

ንየሆዋ ኣምላኽ ካብ ምምላኽ ዚበልጽ ነገር የልቦን። የሆዋ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ካብ ልብኹም ከተገልግልዎ ኸለኹም ብምርኣይ ይሕጐስ እዩ። እዚ ኸኣ ብዝያዳ ኸተፍቅሮን ክትመስሎን ኪድርኸካ እዩ። (ማርቆስ 12:30፣ ኤፌሶን 5:1) ኣምላኽ ንሓዳርካ እንተ ተሓዊስዎ፡ እቲ ምስ መጻምድትኻ ዘሎካ ርክብ ኪድልድል እዩ። (መክብብ 4:12፣ ኢሳይያስ 48:17) ንስኻን ስድራ ቤትካን፡ ‘የሆዋ ኣምላኽኩም ከም ዝባረኸኩም’ ብምፍላጥ፡ ንዘለኣለም ሕጉሳት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።—ዘዳግም 12:7።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ምስ መጻምድተይ ብሓባር ኴንና ኻብ እንጽሊ ኽንደይ ጌርና ኣለና፧

  • እታ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ምእንቲ ኽትድልድል፡ ምስ ስድራ ቤተይ ኰይነ ኸጽንዖ ዝኽእል እንታይ ኣሎ፧

ሓበሬታ ንርእስታት ስድራ ቤት

  • ዝዀነ ይኹን ነገር ንኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ኪዓናቕፎ ኣይትፍቀዱ

  • ኣባላት ስድራ ቤትኩም ተዳልዮም ምእንቲ ኺመጹ፡ ብዛዕባ እንታይ ከም እትመያየጡ ኣቐዲምኩም ሓብርዎም

  • ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ኣብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከም ዘሎ ኣረጋግጹ

  • ሰላማውን ባህ ዜብልን ሃዋህው ከም ዚህሉ ግበሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ