ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 7 ክፋል 1-4
  • ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትምህሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትምህሮ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ደቅኻ ኸይተሰከፉ ኸም ዚዛረቡኻ ግበር
  • 2 ነቲ ዚብሉኻ ኽትርድኦ ፈትን
  • 3 ምስ መጻምድትኻ ሰሚርኩም ዕየዩ
  • 4 መደብ ይሃሉኻ
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 7 ክፋል 1-4
ኣቦን ወድን ብሽክለታ ይጽግኑ

7ይ ክፋል

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትምህሮ

“እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን፣ ንደቅኻ ድማ ቅረጸሎም።”—ዘዳግም 6:6, 7

እቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ፡ ንውሉዳት ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ንወለዲ እዩ ሂብዎም። (ቈሎሴ 3:20) ከም ወላዲ መጠን፡ ውሉድካ ንየሆዋ ኼፍቅሮን ሓላፍነት ዚስምዖ በጽሒ ኪኸውንን ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ኣሎካ። (2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:15) ብዘይካዚ፡ ኣብ ልቢ ውሉድካ እንታይ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ኣብነት ክትኰኖ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ንቓል የሆዋ ኣብ ልብኻ እንተ ኣንቢርካዮ፡ ንውሉድካ ብዝበለጸ መገዲ ኽትምህሮ ኢኻ።—መዝሙር 40:8።

1 ደቅኻ ኸይተሰከፉ ኸም ዚዛረቡኻ ግበር

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ” ኹን። (ያእቆብ 1:19) ደቅኻ ፍዅስ ኢልዎም ብናጽነት ኪዛረቡኻ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ኺስምዖም ኣለዎ። ኪዛረቡ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን፡ ክትሰምዖም ድሉው ምዃንካ ኺፈልጡ ኣለዎም። ናይ ልቦም ኣውጺኦም ምእንቲ ኺዛረቡኻ፡ ሰላማዊ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ግበር። (ያእቆብ 3:18) ከም እትቝጥዖም ወይ ከም እትነቕፎም ገይሮም ዚሓስቡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ልቦም ዘሎ ኣይኪነግሩኻን እዮም። ስለዚ፡ ትዕግስቲ ይሃሉኻ፣ ከም እተፍቅሮም ድማ ብተደጋጋሚ ንገሮም።—ማቴዎስ 3:17፣ 1 ቈረንቶስ 8:1።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ደቅኻ ኺዛረቡኻ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን፡ ክትሰምዖም ድሉው ኩን

  • ጸገማት ኪህሉ ኸሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ምስ ደቅኻ ኣዕልል

2 ነቲ ዚብሉኻ ኽትርድኦ ፈትን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “እቲ ኣብ ነገር ልቦና ዜርኢ፡ ኣሳልጦ ይረክብ።” (ምሳሌ 16:20) ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ሓቂ ስምዒት ደቅኻ ንምፍላጥ፡ ዜውስእዎ ቓላት ምስማዕ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። መንእሰያት ንሓደ ነገር ኣጋኒኖም ኬቕርብዎ ወይ ከኣ ከይሓሰቡ ኺዛረቡ ይኽእሉ እዮም። “ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነት . . . ይዀኖ።” (ምሳሌ 18:13) ስለዚ፡ ተሃዊኽካ ኣይትቈጣዕ።—ምሳሌ 19:11።

ሓንቲ ኣደ ብዘረባ ጓላ ሓሪቓ ትምልስ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ደቅኻ ዝበሉ ይበሉ ብዘየገድስ፡ ከይትዀልፎም ወይ ኣመና ኸይትስምብድ ተጠንቀቕ

  • ብዕድመ ኽንዳኦም ከለኻ ንዝነበረካ ስምዒትን የገድሰካ ንዝነበረ ነገራትን ዘክር

3 ምስ መጻምድትኻ ሰሚርኩም ዕየዩ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ወደየ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስማዕ፣ ትምህርቲ ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።” (ምሳሌ 1:8) የሆዋ ንኣቦን ንኣደን፡ ኣብ ልዕሊ ደቆም ስልጣን ሂብዎም እዩ። ስለዚ፡ ንደቅኻ፡ ኬኽብሩኻን ኪእዘዙኻን ክትምህሮም ኣሎካ። (ኤፌሶን 6:1-3) ውሉዳት፡ ወለዶም ‘ብሓደ ኣእምሮ ሓድነት’ ከም ዘይብሎም ኬስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 1:10) ስለዚ፡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ምስ መጻምድትኻ እንተ ዘይተሰማሚዕኩም፡ ነቲ ደቅኹም ንዓኻትኩም ዘለዎም ኣኽብሮት ስለ ዚንክዮ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትቋየቑ።

ሓደ ኣቦ ንወዱ፡ ካብ ኣዲኡን ሓዉን ፈልዩ ንበይኑ ገይሩ ይግስጾ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንደቅኹም ብኸመይ ከም እትግስጽዎም ተሰማምዑ

  • ንስኻን መጻምድትኻን ንደቅኹም ብዛዕባ እተሰልጥኑሉ መገዲ እተፈላለየ ርእይቶ እንተ ኣልዩኩም፡ ንኣረኣእያ መጻምድትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ

4 መደብ ይሃሉኻ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ።” (ምሳሌ 22:6) ንደቅኻ ጽቡቕ ትምህርቲ ምሃብ፡ ብኣጋጣሚ እትገብሮ ኣይኰነን። መደብ ኪህልወካ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ንደቅኻ እትግስጸሉ መደብ እውን ዜጠቓልል እዩ። (መዝሙር 127:4፣ ምሳሌ 29:17) ተግሳጽ ኪብሃል ከሎ፡ መቕጻዕቲ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ደቅኻ ሕግታት እተዋህበሉ ምኽንያት ኪርድኦም ምሕጋዝ ማለት እውን እዩ። (ምሳሌ 28:7) ብዘይካዚ፡ ደቅኻ፡ ንቓል ኣምላኽ ኪፈትውዎን ንስርዓታቱ ኺርድእዎን ምሃሮም። (መዝሙር 1:2) ከምኡ ምግባርካ፡ ጥዑይ ሕልና ኼማዕብሉ ኺሕግዞም እዩ።—እብራውያን 5:14።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንደቅኻ፡ የሆዋ ጋህዲ ኸም ዚዀነሎምን ኣብኡ ኸም ዚውከሉን ግበር

  • ነቲ ኣብ ከም ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸብን ኬጋጥም ዚኽእል ስነ ምግባራዊ ሓደጋታት፡ ኬለልይዎን ካብኡ ኺርሕቁን ምሃሮም። ካብቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱሎም ሰባት ብኸመይ ኪርሕቁ ኸም ዚኽእሉ እውን ምሃሮም

ወለዲ ንወዶም ካብ ንእስነቱ ኣትሒዞም ክሳዕ ዚጥመቕ ንየሆዋ ኼገልግል የሰልጥንዎ

“ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ”

የሆዋ ጻማ ጻዕርኻ ኺህበካ እዩ

ከም ወላዲ መጠን፡ ውሉድካ ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልዎ ናይ ምምሃር ፍሉይ ሓላፍነት ኣሎካ። (ኤፌሶን 6:4) እዚ ዕዮ እዚ ቐሊል ከም ዘይኰነ ድማ የሆዋ ይፈልጥ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ጻዕርኻ ንኣምላኽ ውዳሰ ኸም ዜምጽኣሉን ንዓኻ ኣዝዩ ኸም ዜሐጕሰካን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 23:24።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ውሉደይ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ከም ዜዘራርበኒ ኽገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ካብቲ ኻልኦት ወለዲ ንደቆም ዜዕብዩሉ መገዲ እንታይ ክምሃር እኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ