ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 13 ገጽ 16
  • ጽቡቕ ዝገበሩን ክፉእ ዝገበሩን ነገስታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽቡቕ ዝገበሩን ክፉእ ዝገበሩን ነገስታት
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ጌጋታቱ ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ካብ ጌጋታቱ ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ዮናስ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ይመሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 13 ገጽ 16
መንእሰይ እስራኤላዊ ንጉስ

ክፋል 13

ጽቡቕ ዝገበሩን ክፉእ ዝገበሩን ነገስታት

እስራኤል ተመቕለ። ብዙሓት ነገስታት ንእስራኤላውያን ገዝኡ፡ መብዛሕትኦም ግን እሙናት ኣይነበሩን። የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ተደምሰሰት

ሰሎሞን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ረሓቐ፡ ከምቲ የሆዋ እተነበዮ፡ እስራኤል ተመቕለ። ንዕኡ ተኪኡ ዝነገሰ ሮብዓም ወዱ፡ ተሪር እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ዓሰርተ ነገዳት እስራኤል ካብኡ ዓልዮም፡ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኣቘሙ። ክልተ ነገዳት ግን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ዝፋን ዳዊት እሙናት ኰኑ፣ ንሳቶም ከኣ ደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳ ኣቘሙ።

ክልቲአን መንግስትታት ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ታሪኽ ነበረን፣ ከምኡ ዘጋጠመን ከኣ ብቐንዱ ዘይእሙናትን ዘይእዙዛትን ነገስታት ስለ ዝነበርወን እዩ። ኣብ እስራኤል ዝነገሱ ነገስታት ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ናይ ሓሶት ኣምልኾ ስለ ዘስፋሕፍሑ፡ እስራኤል ካብ ይሁዳ ዝኸፍአ ዅነታት ነበራ። ከም ኤልያስን ኤልሳእን—ክልቲኦም ምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኦም እዮም—ዝኣመሰሉ ነብያት ብዙሕ ተኣምራት እኳ እንተ ገበሩ፡ መንግስቲ እስራኤል ግን ናብቲ እኩይ መገዳ ትምለስ ነበረት። ኣብ መወዳእታ፡ ኣምላኽ ንሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ብኣሶር ክትድምሰስ ፈቐደ።

ይሁዳ ኻብ እስራኤል ልዕሊ ሓደ ዘመን ዚኸውን እኳ እንተ ጸንሐት፡ ካብ መቕጻዕቲ ኣምላኽ ግን ኣየምለጠትን። ሒደት ነገስታት ይሁዳ ጥራይ እዮም ነቲ ነብያት ኣምላኽ ዝሃብዎ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ንህዝቦም ናብ የሆዋ ኺመልስዎ ዝፈተኑ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዮስያስ ንይሁዳ ኻብ ናይ ሓሶት ኣምላኾ ኼጽርያን ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኪሕድሳን ጀመረ። ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ በዅሪ ቕዳሕ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ረኸበ፡ በዚ ልቡ ስለ እተተንከፈ፡ ነቲ ንምሕዳስ ዝገበሮ ወፈራ ኣሐየሎ።

እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብ ክንዲ ዮስያስ ዝነገሱ ነገስታት፡ ነቲ ጽቡቕ ኣብነቱ ኣይቀጸልዎን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንባቢሎናውያን፡ ንይሁዳ ኺስዕርዋን ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ኬዕንዉን ፈቐደሎም። እቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ፡ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ። እቲ ምርኮ ን70 ዓመት ከም ዚቕጽል፡ ኣምላኽ ተነበየ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ፡ እቲ ህዝቢ ናብ ዓዱ ንኺምለስ ክሳዕ ዚፍቀደሉ፡ ይሁዳ ባደመት።

ይኹን እምበር፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መድሓኒ፡ ማለት እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ፡ ክሳዕ ዚነግስ፡ ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዚገዝእ ንጉስ ኣይተላዕለን። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ዝፋን ንጉስ ዳዊት እተቐመጡ ነገስታት፡ ዘይፍጹማት ሰባት ንኺገዝኡ ብቕዓት ከም ዘይብሎም ዘርኣዩ እዮም ነይሮም። እቲ መሲሕ ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ብቕዓት ዘለዎ። ስለዚ ድማ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ መስመር ነገስታት ዳዊት ዝነበረ ናይ መወዳእታ ንጉስ፡ “ዘውዲ ቐንጥጥ፡ . . . እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ ብዓል ፍርዲ [“ሕጋዊ መሰል፡” NW] ኽሳዕ ዚመጽእ፡ እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ” በሎ።—ህዝቅኤል 21:26, 27።

—ኣብ 1 ነገስት፣ 2 ነገስት፣ 2 ዜና መዋእል ምዕራፍ 10 ኽሳዕ 36፣ ኤርምያስ 25:8-11 እተመስረተ።

  • እስራኤል እተመቕለ ብኸመይ እዩ፧ እተን ክልተ መንግስትታትከ እንታይ ኰና፧

  • ንመስመር ነገስታት ዳዊት እንታይ ኣጋጠሞም፧ ስለምንታይከ፧

  • ታሪኽ ዮናስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ (ሳጹን ርአ።)

ዮናስ

እስራኤላውያን ኣብ ክልተ መንግስትታት ተመቒሎም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣምላኽ ንዮናስ፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ርሑቕ እትርከብ ከተማ ነነዌ ዚቕመጡ ዓመጸኛታት ሰባት መጠንቀቕታ ኼብጽሓሎም ለኣኾ። ዮናስ ግን ናብ ኣንጻሩ ናብ እትኸይድ መርከብ ተሰቕለ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓደ ተኣምር ተፈጸመ። ኣምላኽ ዘዳለዎ ዓብዪ ዓሳ ንዮናስ ወሓጦ። ዮናስ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ዀይኑ ናብ የሆዋ ጸለየ፣ የሆዋ ኸኣ ነቲ ዓሳ ናብ ንቑጽ ምድሪ ኸይዱ ንዮናስ ከም ዚተፍኦ ገበሮ። ድሕሪኡ፡ ዮናስ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ፈጸመ።

ኣምላኽ ንዮናስ ብዛዕባ ተኣዛዝነት ምስ መሃሮ፡ ካልእ ሽግር ተቐልቀለ። ዮናስ ንሰብ ነነዌ እኳ እንተ ሰበኸሎም፡ በቲ ንሳቶም ምስ ተነስሑ ኣምላኽ ብርሕራሐ ተደሪኹ ዘርኣዮም ምሕረት ግን ኣመና ጐሃየ። ኣምላኽ ንዮናስ ዝያዳ ርሕራሐ ንምምሃር ብኸመይ ካልኣይ ተኣምር ከም ዝገበረ፡ ኣብታ እትምስጥ መጽሓፍ ዮናስ ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ