ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 12 ገጽ 15
  • ንህይወት ዚጠቅም ጥበብ ኣምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንህይወት ዚጠቅም ጥበብ ኣምላኽ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምሳሌ 3:5, 6—“ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ”
    መብርሂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጥበብ ኣጥሪ ተግሳጽ እውን ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 12 ገጽ 15
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ እኽሊ ይእክቡ

ክፋል 12

ንህይወት ዚጠቅም ጥበብ ኣምላኽ

መጽሓፍ ምሳሌ፡ መብዛሕትኡ ብሰሎሞን እተዘርበ ንመዓልታዊ ህይወት ዚጠቅም መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ እተጠርነፈላ መጽሓፍ እያ

የሆዋ ጥበበኛ ገዛኢ ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽንህበሉ እንኽእል ሓደ ወሳኒ መገዲ፡ ነቲ ንሱ ዚህቦ ምኽሪ ምምርማር እዩ። ምኽሩ ዚዓዪ ድዩ፧ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ንህይወትና ዝሓሸን ዝያዳ ትርጕም ዘለዎን ይገብሮ ድዩ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ብኣማእታት ዚቝጸር ምስላታት ጽሒፉ ነይሩ እዩ። እቲ ምስላታቱ፡ ዳርጋ ንዅሉ መዳይ ህይወት ዚትንክፍ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

እምንቶኻ ኣብ ኣምላኽ ምግባር። ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ኽንእመን ኣሎና። ሰሎሞን፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 3:5, 6) ካብ ኣምላኽ መምርሒታት ብምንዳይን ንዕኡ እዙዛት ብምዃንን ብእኡ ንእመን እንተ ዄንና፡ ህይወትና ዓሚቝ ትርጕም ይህልዎ እዩ። ሰብ በዚ ኸምዚ እንተ ተመላሊሱ፡ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ፡ የሆዋ ድማ ነቲ ተጻራሪኡ ሰይጣን ዚኸውን ምላሽ ይረክብ።—ምሳሌ 27:11።

ምስ ካልኦት ንዘሎካ ርክብ ብጥበብ ምሓዝ። እቲ ኣምላኽ ንሰብኡትን ኣንስትን ውሉዳትን ዝሃቦም ምኽሪ፡ ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣምላኽ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እሙን ኪኸውን ከም ዚግባእ መምርሒ ኺህብ ከሎ፡ “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ምሳሌ 5:18-20) ብሰብኣያን ደቃን ብዛዕባ እትነኣድ ወሓለ ሰበይቲ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ስለ ዘሎ፡ ኣንስቲ ሓዳር ካብኡ ኺጥቀማ ይኽእላ እየን። (ምሳሌ፡ ምዕራፍ 31) ውሉዳት ከኣ ንወለዶም ኪእዘዙ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ምሳሌ 6:20) እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንርእስኻ ምፍላይ ናብ ትምኒትካ ኸም እተተኵር ስለ ዚገብር፡ ዕርክነት ኣገዳሲ ምዃኑ ተጕልሕ። (ምሳሌ 18:1) ፈተውትና እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ኪጸልዉና ስለ ዚኽእሉ፡ ተጠንቂቕና ኽንመርጾም ኣሎና።—ምሳሌ 13:20፣ 17:17።

ንርእስኻ ብጥበብ ምሓዝ። መጽሓፍ ምሳሌ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብዛዕባ ዘይምብዛሕ፡ ብዛዕባ ጠቓምን ጐዳእን ስምዒታት፡ ከምኡውን ጻዕረኛ ብዛዕባ ምዃን፡ ብዋጋ ዘይሽነን ምኽሪ ሒዛ ኣላ። (ምሳሌ 6:6፣ 14:30፣ 20:1) በቲ ምስ ምኽሪ ኣምላኽ ዘይቃዶ ሰብኣዊ ምምዝዛን እንተ ተኣሚንና፡ ናብ ጥፍኣት ከም ዚመርሓና ተጠንቅቐና። (ምሳሌ 14:12) “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል” ድሕሪ ምባል እውን፡ ንውሽጣዊ እንታይነትና፡ ማለት ንልብና፡ ካብ ዜበላሹ ጽልዋታት ክንሕልዎ ትላበወና።—ምሳሌ 4:23።

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት፡ በዚ ምኽሪ እዚ ብምምልላስ፡ ዝሓሸ ህይወት ኪህልዎም ክኢሉ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንየሆዋ ኸም ገዛኢኦም ገይሮም ንኪቕበልዎ እኹል ምኽንያት ኣለዎም።

—ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ እተመስረተ።

  • ካብ መጽሓፍ ምሳሌ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

  • እምንቶና ኣብ ኣምላኽ ብዛዕባ ምግባርን ምስ ካልኦት ንዘሎና ርክብ ኰነ ንርእስና ብጥበብ ብዛዕባ ምሓዝን፡ መጽሓፍ ምሳሌ እንታይ መምርሒ ትህብ፧

መክብብ

ዕግበትን ትርጕም ህይወትን ኣበይ ኪርከብ ይከኣል፧ ሰሎሞን ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ንምሃብ ዜኽእል ፍሉይ ኵነታት ነበሮ። ብዙሕ ሃብትን ጥበብን ስልጣንን ስለ ዝነበሮ፡ እዚ ነገራት እዚ ናይ ሓቂ ዕግበት ዜምጽእ እንተ ዀይኑ ኺምርምር ይኽእል ነይሩ እዩ። ካብ ስጋዊ ነገራት ባህታ ኺረክብ ጽዒሩ፡ ሓያሎ ምልኩዓት ኣንስቲ ኣእትዩ፡ ብሉጽ ዓይነት መዘናግዒ ኸኣ ረኺቡ እዩ። ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ህንጸት ኣካይዱ እዩ። ብዙሕ ጽሑፋት እውን መርሚሩ እዩ። እሞኸ ነዚ ዅሉ ኸመይ ረኸቦ፧ “ኵሉ ከንቱነት እዩ” በለ። ይኹን እምበር፡ ዝበጽሖ መደምደምታ ኺገልጽ ከሎ፡ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” በለ።—መክብብ 12:8, 13።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ