ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 14 ገጽ 17
  • ኣምላኽ ብነብያቱ ኣቢሉ ተዛረበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ብነብያቱ ኣቢሉ ተዛረበ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ምርኮ ዝነበረ ነብዪ ብዛዕባ መጻኢ ራእይ ረኣየ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • መሲሕ መጸ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነግረ ትንቢት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 14 ገጽ 17
ሓደ ነብዪ ኣምላኽ መልእኽቲ የመሓላልፍ

ክፋል 14

ኣምላኽ ብነብያቱ ኣቢሉ ተዛረበ

ነብያት ብዛዕባ ፍርድን ንጹህ ኣምልኾን መሲሓዊ ተስፋን መልእኽትታት ንኼብጽሑ ብየሆዋ እተሸሙ እዮም

ብዘመን ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን፡ ነብያት ዚበሃሉ ፍሉያት ጕጅለ ሰባት ነበሩ። እዞም ቃል ኣምላኽ ዜመሓላልፉ ሰባት እዚኣቶም፡ ሓለፍ ዝበለ እምነትን ትብዓትን ነበሮም። ነብያት ኣምላኽ እተነበይዎ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ጕዳያት እስከ ንርአ።

1. ጥፍኣት የሩሳሌም። ነብያት ኣምላኽ፡ ብፍላይ ከኣ ኢሳይያስን ኤርምያስን፡ የሩሳሌም ከም እትጠፍእን ከም እትባድምን ኣቐዲሞም የጠንቅቑ ነይሮም እዮም። ኣምላኽ በታ ኸተማ ስለምንታይ ከም እተቘጥዐ፡ ብንጹር ገሊጾም እዮም። እታ ኸተማ ንየሆዋ እትውክል ኰይና እኳ እንተ ቐረበት፡ በቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ልምድታትን ብልሽውናኣን ዓመጻኣን ኣቢላ ግን ትኽሕዶ እያ ነይራ።—2 ነገስት 21:10-15፣ ኢሳይያስ 3:1-8, 16-26፣ ኤርምያስ 2:1–3:13።

2. ምሓዳስ ንጹህ ኣምልኾ። ህዝቢ ኣምላኽ ን70 ዓመት ኣብ ምርኮ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ካብ ባቢሎን ሓራ ኺወጹ ምዃኖም ኣቐዲሙ ተነግሮም። ድሕሪኡ፡ ናብታ ዝባደመት ዓዶም ኪምለሱን ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዳግም ኪሃንጹን ነበሮም። (ኤርምያስ 46:27፣ ኣሞጽ 9:13-15) ኢሳይያስ ዳርጋ 200 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ቂሮስ ዝስሙ ሰብ ንባቢሎን ስዒሩ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ንኺሕድሱ ኸም ዚፈቕደሎም ተነበየ። ነቲ ቂሮስ ዚጥቀመሉ ፍሉይ ስልቲ ውግእ እውን ብዝርዝር ገለጸ።—ኢሳይያስ 44:24–45:3።

ምሩኻት ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ይምለሱ

3. ምምጻእ መሲሕን ዜጋጥሞ ነገራትን። እቲ መሲሕ ኣብ ከተማ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ተገልጸ። (ሚክያስ 5:2) ትሑት ከም ዚኸውንን ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእን ተሓበረ። (ዘካርያስ 9:9) ሕያዋይን ለዋህን እኳ ኪኸውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ከም ዘይፈትውዎን ብዙሓት ከም ዘይቅበልዎን ተነግረ። (ኢሳይያስ 42:1-3፣ 53:1, 3) ብዜሳቒ መገዲ ኸም ዚመውት ተሓበረ። እሞኸ ኣኺልዎ ሞይቱ ድዩ ዚተርፍ፧ ኣይፋል። መስዋእቱ ንብዙሓት ሕድገት ሓጢኣት ኪረኽቡ መገዲ ኸም ዚኸፍት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 53:4, 5, 9-12) ትንሳኤኡ ጥራይ እዩ ነዚ ኺፍጽሞ ዚኽእል ዝነበረ።

4. መሲሕ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዚነግስ። ዘይፍጹማት ሰባት ንርእሶም ብሰላም ኬመሓድሩ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ግን መስፍን ሰላም ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ኤርምያስ 10:23) ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ፡ ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶምን ምስ እንስሳታትን ሰላም ኪህልዎም እዩ። (ኢሳይያስ 11:3-7) ሕማም ኣይኪህሉን እዩ። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990) ሞት እውን እንተ ዀነ፡ ንሓዋሩ ኺወሓጥ እዩ። (ኢሳይያስ 25:8) እቲ መሲሕ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን፡ ሞይቶም ዝነበሩ ሰባት ህይወት ረኺቦም ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም።—ዳንኤል 12:13።

—ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ፣ ኤርምያስ፣ ዳንኤል፣ ኣሞጽ፣ ሚክያስ፣ ዘካርያስ እተመስረተ።

  • ነብያት ኣምላኽ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ እዮም ኣብጺሖም፧

  • ነብያት ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌምን ምሕዳስ ንጹህ ኣምልኾን እንታይ ተነብዮም፧

  • ነብያት የሆዋ ብዛዕባ መሲሕን ንዕኡ ዜጋጥሞ ነገራትን እንታይ ኢሎም፧

  • ነብያት ነቲ መሲሕ ንምድሪ ዚገዝኣሉ እዋን ብኸመይ ገሊጾምዎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ