ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/1 ገጽ 4-7
  • አይድስ ብኸመይ ከም እትቃለሶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • አይድስ ብኸመይ ከም እትቃለሶ
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መፍትሕ ምክልኻል
  • እቲ መርመራ መዓስ ከም ዝግበር
  • ትምህርቲ ብኸመይ ኢዩ ክሕግዝ ዝኽእል፧
  • እቲ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት እንታይ ኢዩ፧
  • ክታበት ፍታሕ ይኸውንዶ፧
  • አይድስ ንመጻኢ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧
    ንቕሑ!—1999
ንቕሑ!—1999
g99 8/1 ገጽ 4-7

አይድስ ብኸመይ ከም እትቃለሶ

ኣብዚ እዋን እዚ ንአይድስ ዘሕዊ መድሃኒት ፈጺሙ የለን: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብናይ ሕክምና ስነ-ፍልጠት ክርከብ ከኣ ዘይመስል ኢዩ። ሓደስቲ ሕክምናታት እቲ ሕማም ንኸይጋደድ ዘደናጕዩ እኳ እንተዀኑ: ካብ መጀመርትኡ ንኸይትልከፍ ምጥንቃቕ ግን እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ምክልኻል ቅድሚ ምዝራብ: ናይ አይድስ ቫይረስ (ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ.) ካብ ሓደ ሰብ ናብቲ ሓደ ሰብ ብኸመይ ከም ዝተሓላለፍን ከም ዘይተሓላለፍን እስከ ንርአ።

ሓደ ሰብ ብኣርባዕተ ቀንዲ ነገራት ኢዩ ክልከፍ ዝኽእል:- (1) እተበከለ መርፍእ ወይ ስሪንጋ ምጥቃም: (2) ምስ ሓደ በቲ ሕማም እተለኽፈ ሰብ (ብርሕሚ: ብመሃንቱስ: ወይ ብኣፍ) ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: (3) ብምትሕልላፍ ደምን: ናይ ደም ውጽኢታትን፣ ኣብተን እቲ ደም ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ከይህልዎ ኣጸቢቑ ዝምርመረሉ ኣዝየን ምዕቡላት ሃገራት እዚ ስግኣት እዚ ነክዩ ኢዩ: (4) በታ ሕጻን ቅድሚ ምውላዱ ወይ ክውለድ ከሎ ወይ ከተጥቡ ኸላ ከተመሓላልፈሉ እትኽእል ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. እተለኽፈት ኣደ።

ብመሰረት እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም (ሲ.ዲ.ሲ.) እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖታት (1) አይድስ በቲ ሰዓል ወይ ጉንፋዕ ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ ክሕዘካ ኣይክእልን ኢዩ: (2) ጥቓ አይድስ ዝሓዞ ሰብ ኮፍ ብምባል ወይ ንሓደ እተለኽፈ ሰብ ብምትንካፍ ወይ ብምሕቛፍ ክሓልፈካ ኣይክእልን ኢዩ: (3) ሓደ እተለኽፈ ሰብ ዝሓዞ: ዝሰርሖ ወይ ዝቐረቦ መግቢ ብምብላዕ ክለግበካ ኣይክእልን ኢዩ: ከምኡውን (4) ናይ ሓባር ዓይኒ ምድሪ: ተለፎን: ክዳን: ወይ ናይ ሓባር መስተዪን መብልዕን ኣቑሑት ብምጥቃም እውን ኣይሕዘካን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም ከም ዝገልጾ እቲ ቫይረስ ብጣንጡ ወይ ካልኦት ሓሳኹ ኣይመሓላለፍን ኢዩ።

መፍትሕ ምክልኻል

ናይ አይድስ ቫይረስ ኣብ ደም ናይቶም እተለኽፉ ሰባት ኢዩ ዘድቢ። ሓደ እተለኽፈ ሰብ መርፍእ እንተድኣ ተወጊኡ: ቫይረስ ዘለዎ ሒደት ደም ኣብቲ መርፍእ ወይ ኣብቲ ስሪንጋ ክተርፍ ይኽእል ኢዩ። ብድሕርዚ በቲ እተበከለ መርፍእ ካልእ ሰብ እንተድኣ ተወጊኡ እቲ ቫይረስ ክሓልፎ ይኽእል። ብዛዕባ መርፍእ ወይ ስሪንጋ ምስ እትጠራጠር ነቲ ሓኪም ወይ ነታ ኣላዪት ሕሙማት ምሕታት ፈጺምካ ኣይትፍራሕ። ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለካ፣ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ።

ናይ አይድስ ቫይረስ ኣብ ዘርኢ ተባዕታይ ወይ ኣብ ናይ ርሕሚ ፈሳሲ ናይቶም እተለኽፉ ሰባት እውን ይርከብ ኢዩ። ስለዚ እቲ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም ብዛዕባ ንሕማም አይድስ ምክልኻል ከምዚ ብምባል ይምሕጸን:- “እቲ እንኮን ርግጽን ዝዀነ ዕቝባ: ጾታዊ ርክብ ምውጋድ ኢዩ። ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም እንተድኣ ኴንካ እውን እቲ ከም ምስ ሓደ ዘይተለኽፈ ሰብ ምምርዓው ዝኣመሰለ ነባርን ሓድሕዳዊ ተኣማንነት ዘለዎን ርክብ ክሳዕ ዝህልወካ ተጸበ።”

አይድስ ከይሕዘካ ንምክልኻል “ሓድሕዳዊ ተኣማንነት ዘለዎ ርክብ” ክህልወካ ከም ዝግባእ ኣስተብህል። ንስኻ እሙን ብጸይትኻ ግን ዘይእምንቲ ምስ እትኸውን ወይ ከኣ ንስኺ እምንቲ ብጻይኪ ግን ዘይእሙን ምስ ዝኸውን ካብ አይድስ ምክልኻል ኣይከኣልን ኢዩ። እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ሰብኡት ንኣንስቲ ብጾታውን ቍጠባውን መገዲ ዝጭቁንሉ ሕብረተሰብ ከቢድ ሽግር ኢዩ ዘምጽእ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣንስቲ ይትረፍዶ ብዛዕባ ዝሓሸ ጾታዊ ርክብ ምግባር ክላዘባስ: ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምስ ሰብኡት ክዛረባ እውን ከይተረፈ ኣይፍቀደለንን ኢዩ።

ይኹን እምበር: ካብተን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ዝርከባ ኣንስቲ ሓይሊ ዘለወን እውን ኣለዋ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ገለ ርእሰን ዝኽእላ ኣንስቲ: ብዘይ ገለ ሕማቕ ሳዕቤናት ምስቶም እተለኽፉ ሰብኡተን ጾታዊ ርክብ ደው ከብላ ክኢለን ኢየን። ኣብ ኒው ጀርሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገሊአን ኣንስቲ እቲ ሰብኣይ ኮንዶም ዘይጥቀም እንተ ዀይኑ ጾታዊ ርክብ ምግባር ኣብየን ኢየን። ርግጽ ኢዩ: ኮንዶም ካብ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ከምኡውን ካልእ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ክከላኸል ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ብልክዕን ብቐጻልን ክዝውተር ኣለዎ።

እቲ መርመራ መዓስ ከም ዝግበር

እታ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ካረን: ብኤች⁠.​ኣይ.ቪ. ንኸይትልከፍ ክትገብሮ ትኽእል ብዙሕ ኣይነበረን። ሰብኣያ ቅድሚ ምምርዓዎም ገለ ዓመታት ይገብር ኢዩ ተለኺፉ: እቲ እተመርዓዉሉ ግዜ ኸኣ እቲ ለበዳን እቲ ናይ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. መርመራን ገና ኣብ ምጅማሩ ከሎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሎሚ ናይ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. መርመራ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ልሙድ ኣሰራርሓ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ስለዚ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ናይ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ኵነታቱ ወይ ኵነታታ ዝዀነ ይኹን ጥርጠራ እንተድኣ ኣልይዎ: ንመርዓ ኢሉ ቅድሚ ምልላዩ ክምርመር ጥበብ ኢዩ። ካረን ከምዚ ብምባል ትምዕድ:- “ናይ መርዓ ብጻይ ወይ ብጸይቲ ብጥንቃቐ ምረጽ። ጌጋ ምርጫ ከቢድ ሽግር ከምጽኣልካ አረ ህይወትካ እውን ከይተረፈ ከም እተጥፍእ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ።”

ዝሙት ኣብ እተፈጸመሉ ኵነታት ድማ መርመራ እቲ ንጹህ ብጻይ ንኽከላኸል ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ክሳዕ ሽዱሽተ ወርሒ ብመርመራ ከይርአ ስለ ዝኽእል: ብዙሕ መርመራታት ምግባር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስቲ ዘማዊ ብጻይ እንደገና ጾታዊ ርክብ ምግባር እንተድኣ ጀሚሮም ከኣ (እዚ እቲ ዘማዊ ይቕረ ከም እተባህለሉ ይሕብር): ኮንዶም ምጥቃም ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ካብ ምልካፍ ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።

ትምህርቲ ብኸመይ ኢዩ ክሕግዝ ዝኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ አይድስ ካብ ዝቕልቀል ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ እኳ እንተዀነ: ብስርዓታቱ ምንባር ግን ሕማም ንምክልኻል ይዓዪ ምዃኑ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ነገር ኢዩ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ይዅንን: ኣብ ሓዳር ሓድሕዳዊ ምትእምማን ክህሉ ይእዝዝ: ከምኡውን ክርስትያናት ምስቶም ከምኦም ዝበሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ተግባር ዘውዕሉ ሰባት ጥራይ ክምርዓዉ ከም ዘለዎም ይነግር። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39፣ እብራውያን 13:⁠4) ኣልኮል ብዘይግቡእ ከይነዘውትር: ከም ሓሺሽ ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ነገራት ከይንጥቀም: ከምኡውን እቲ ንኣካላት ዘርክስ ደም ከይንወስድ ይኽልክለና ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠20፣ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1

ንገዛእ ርእስኻ እቲ ምስ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ዘለዎም ሰባት ምርኻብ ከምጽኦ ዝኽእል ጕድኣትን ሓደጋን ክትምህራ ጥበብ ኢዩ። ብዛዕባ አይድስ ምፍላጥ: ሰባት ንርእሶም ክከላኸሉ የዕጥቖም ኢዩ።

እቲ አይድስ ኣክሽን ሊግ እተባህለ ማሕበር ከምዚ ይብል:- “ኣብ መብዛሕትኡ ጕዳያት አይድስ ክትከላኸሎ ይከኣል ኢዩ። ዘሕዊ ፈውሲ ክሳዕ ዝርከብ ኣብዚ እዋን እዚ ትምህርቲ ንአይድስ ዝኸውን እቲ ዝበለጸን እንኮን [ናይ ሕብረተሰብ ] መከላኸሊ ኢዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ወለዲ ንሓድሕዶምን ምስ ደቆምን ብጋህዲ ብዛዕባ አይድስ ክዘራረቡ ሰናይ ኢዩ።

እቲ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት እንታይ ኢዩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰብ ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ድሕሪ ምልካፉ ካብ ሽዱሽተ ክሳዕ ዓሰርተ ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ እቲ ናይ ሕማም ምልክታት ዝርአ። ኣብቲ ዓመታት እቲ ኣብ ውሽጢ ኣካላት ቃልሲ ይካየድ። ነፍሲ ወከፍ ቫይረስ ይራባሕ እሞ: ነቶም ኣብ ኣካላትና ዘለዉ ናይ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል (immune system) ዋህዮታት ይቐትሎም። ናይ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ዋህዮታት ከኣ ብግዲኦም ይቃለሱ። ኣብ መወዳእትኡ: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ቫይረስ ስለ ዝፈርዩ እቲ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ይዕብለል።

ንዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተሓላለኸ ኣስማት ዘለዎም ብፊደላት ዝግለጹ​—⁠ኤይ.ዜት.ቲ.: ዲ.ዲ.ኣይ.: ከምኡውን ዲ.ዲ.ሲ.​—⁠ብዙሕ ዓይነት መድሃኒታት ማዕቢሎም ኢዮም። ገሊኦም ሰባት እዚ መድሃኒታት እዚ ዘደንቕ ጥቕሚ ክርከቦን ናይ ምሕዋይ ዓቕሚ ዘለዎ ክኸውን ከኣ ዝኽእልን ኢዩ ዝብል እምነት እኳ እንተ ነበሮም: እዚ ተስፋታት እዚ ቀልጢፉ ቀሃመ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ዝነበሮም ኣሳልጦ ኣጥፊኦም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ገሊኦም ሰባት ከም ቍጽሪ ዋህዮታት ደም ምውሓድ: ሕማም ምርጋእ ደም: ናይ ኢድን እግርን መትንታት ምብልሻው ዝኣመሰለ ሓደገኛ ሳዕቤናት ኣምጺኦም ኢዮም።

ሎሚ ፕሮተይዝ ኢንሂቢተርስ ዝብሃል ንኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ዘዳኽም ሓድሽ ጕጅለ መድሃኒት ተረኺቡ ኣሎ። ሓካይም ነዚ ሰለስተ መድሃኒታት እዚ ምስ ካልእ ጸረ ቫይረስ መድሃኒት ብምውሳኽ ኢዮም ዝእዝዝዎ። እቲ እተገብረ ፈተነታት: እዚ ናይ ሰለስተ መድሃኒት ሕክምና ነቲ ቫይረስ ዘይቀትሎ እኳ እንተዀነ: ኣብ ኣካላት ንኸይባዛሕ ግን ጠጠው የብሎ ወይ ከኣ ኣጸቢቑ የዳኽሞ።

እዚ ናይ ሰለስተ መድሃኒት ሕክምና ኣብ ጥዕና ናይቶም ሕሙማት ዘደንቕ ምምሕያሽ ኣምጺኡ ኢዩ። ናይ ክኢላታት እምነት ግን: ናይ ሕማም ምልክት ባዕሉ ክርአ ቅድሚ ምጅማሩ ነቶም ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. እተለኽፉ ሰባት ቀልጢፉ እንተ ተዋሂብዎም ኢዩ እቲ መድሃኒት ዝበለጸ ዝዓዪ ዝብል ኢዩ። ከምኡ እንተድኣ ተገይሩ ምናልባት ንዘይተወሰነ ግዜ እቲ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ናብ አይድስ ንኸይልወጥ ክከላኸል ይኽእል ይኸውን ኢዩ። እቲ ሕክምና ሓዲሽ ስለ ዝዀነ: እቲ መድሃኒት ነቲ ሕማም ዓቢጡ ክሕዞ ዝኽእል ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ምዃኑ ገና ክርአ ዘለዎ ነገር ኢዩ።

እዚ ናይ ሰለስተ መድሃኒት ሕክምና ክቡር ኢዩ። ዋጋ ናይቲ ሰለስተ ጸረ ቫይረስ መድሃኒትን ናይ ላቦራቶሪ መርመራን ኣብ ዓመት 12,000 ዶላር ኣመሪካ ኢዩ። ብዘይካ እቲ ናይ ገንዘብ ሽግር: ነዚ ናይ ሰለስተ መድሃኒት ሕክምና ዝወስድ ሕሙም ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ናብቲ መድሃኒት ክቕመጠሉ ዘለዎ ፍሪጅ ክመላለስ ኣለዎ። ሓደ ሰብ ንገሊኡ ከኒናታት ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንገሊኡ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ኢዩ ዝወስዶ። ገሊኡ ኣብ ጥራይ ከብድኻ ዝውሰድ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ኸኣ ድሕሪ መግቢ ዝውሰድ ኢዩ። እቲ አይድስ ዝሓዞ ሰብ ነቲ ብቐሊሉ ዝትንክፎ ካልእ ሕማማት ንምፍዋስ ክወስዶ ዘለዎ ተወሳኺ መድሃኒት ምስ ዝህልዎ ኸኣ እቲ ሕክምና ዝያዳ እተሓላለኸ ይኸውን።

እቲ ንሓካይም ዝያዳ ዘጨንቖም ዘሎ ነገር ከኣ ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ሰለስተ መድሃኒት ሕክምና ምስ ዘቋርጾ እንታይ ከም ዘጋጥም ኢዩ። ናይ ቫይረስ ምርባሕ ብዘይ ከልካሊ እንደገና ይጅምር ይኸውን: እቶም በቲ ሕክምና ዘይጠፍኡ ቫይረስ ከኣ እቲ ሰብ ንምቅላሶም ኢሉ ኣቐዲሙ መድሃኒት ይወስድ ብምንባሩ ነቲ መድሃኒት ዝጻወሩ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። መድሃኒት ዝጻወር ዓይነት ኤች.​ኣይ.ቪ. ምሕካም ከኣ ዝያዳ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝኸውን። ብተወሳኺ: እዚ ሓያል ቫይረስ እዚ ናብ ካልኦት ሰባት እውን ክመሓላለፍ ይኽእል ኢዩ።

ክታበት ፍታሕ ይኸውንዶ፧

ገሊኦም ናይ አይድስ ተመራመርቲ ነዚ ዓለምለኻዊ ናይ አይድስ ለበዳ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ጕድኣት ዘየምጽእን ውጽኢታውን ክታበት ምርካብ ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ንሓደ ዓይነት ዓሶ (የሎው ፊቨር): ንፍዮ: ጽግዕ: ከምኡውን ንናይ ጀርመን ንፍዮ (ሩቤላ) ዝኸውን ዕዉት ክታበት: ካብ ዝደኸመ ቫይረስ ኢዩ ዝውሰድ። ከምቲ ልሙድ ሓደ ዝደኸመ ቫይረስ ኣብ ኣካላት ምስ ኣተወ: እቲ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ነቲ ቫይረስ ንምጥፋእ ይምክት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ናይ ሓቂ ቫይረስ ክመጽእ ከሎ ብዓወት ክስዕር ዘኽእል ዓቕሚ እውን ይሃንጽ ኢዩ።

ክልተ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣህባይ እተገብረ ፈተነ: ናይ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ጸገም እቲ ዝደኸመ ቫይረስ እውን ከይተረፈ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ ሓቢሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ክታበት ነቲ ክከላኸለሉ እተሓስበ ሕማም ባዕሉ የምጽኦ ማለት ኢዩ።

እቲ ናይ ክታበት ሕቶ ተስፋ ዘቝርጽን ዘጨንቕን ኢዩ ኰይኑ። ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. በቲ ንኻልኦት ድኽም ዝበሉ ቫይረስ ከጥፍኦም ዝኽእል እተገብረ ሓያሎ ናይ ፈተነ ፈጠራታት ፈጺሙ ኣይተጐድአን። ብዘይካ እዚ ኸኣ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ቅርጹን ባህርያቱን ዝልውጥ ስለ ዝዀነ ዘደናግር ዒላማ ኢዩ ዝኸውን። (ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ብውሑዱ ዓሰርተ ዓይነት ኤች.​ኣይ.ቪ. ኣሎ።) ተወሳኺ ጸገም ከኣ እቲ ቫይረስ ብቐጥታ ንዋህዮታት ናይቲ ብኽታበት ክሕይል ዝግብኦ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ኢዩ ዘጥቅዕ።

ቍጠባዊ መዳይ እውን ኣብቲ ዝግበር ምርምር ግደ ኣለዎ። እቲ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኢንተርናሽናል አይድስ ቫክሲን ኢኒሽየቲቭ ክገልጽ ከሎ: እቲ “ካብ ናይ ብሕቲ ኢንዱስትሪ [እተረኽበ] ስምምዕ ሒደት ኢዩ” ይብል። ክታበት ናብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ስለ ዝስደድ መኽሰብ ኣየምጽእን ኢዩ ዝብል ፍርሒ ስለ ዘሎ ኢዩ እቲ ሓሳብ እተወቕሰ።

ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ሃለወ: ተመራመርቲ ዕዉት ክታበት ንምርካብ ብእተፈላለየ መገዲ ምምርማር ይቕጽሉ ኢዮም ዘለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ክታበት ቀልጢፉ ክመሃዝ ዘይክእል ኢዩ ዝመስል። ተስፋ ዘለዎ ክታበት ኣብ ላቦራቶሪ ምስ ተዳለወ ግን: እቲ ኣድካምን ክቡርን ከቢድ ሓደጋ ዘለዎን ኣብ ሰባት ምፍታን ክስዕብ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ብኤች.ኣይ.ቪ . ዝልከፉ ዘለዉ መን ኢዮም፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ዳርጋ 16,000 ሰባት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ይልከፉ ኣለዉ። ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ኣብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ዝነብሩ ኢዮም ይብሃል። 1 ካብ 10 ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኡ ቈልዓ ኢዩ። እቶም ዝተረፉ ዓበይቲ ኢዮም ካብኦም 40 ካብ ሚእቲ ኣንስቲ ልዕሊ ፍርቂ ኸኣ ኣብ መንጎ 15ን 24ን ዝዕድሚኦም ሰባት ኢዮም።⁠— ውድብ ዓለማዊ ጥዕና ከምኡውን ጆይንት ዩናይትድ ነሽንስ ፕሮግራም ኦን ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ./​አይድስ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ መንጎ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ከምኡውን አይድስ ዘሎ ርክብ

ኤች.ኣይ.ቪ. “ሂዩማን ኢምዩኖደፊሸንሲ ቫይረስ” ማለት ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ ቀስ እናበለ ነቲ ንሕማም ዝቃወም ክፍሊ ኣካላትና ማለት ንዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ዘዕኑ ቫይረስ ኢዩ። አይድስ “ኣኳይርድ ኢምዩኖደፊሸንሲ ሲንድሮም” ማለት ኢዩ። እዚ ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ድሕሪ ምልካፍ ናይ መወዳእታን ንህይወት ኣብ ስግኣት ዘውድቕን ደረጃ ኢዩ። እቲ ስሙ ከም ዝሕብሮ: ነቲ ሕሙም ግዳይ ናይቲ ኣካላቱ ባዕሉ ክቃወሞ ዝኽእል ዝነበረ ረኽስታት ብምግባር: ኤች.ኣ⁠ይ.ቪ. ከመይ ገይሩ ንዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ኣጸቢቑ ከም ዝጐድእ ኢዩ ዝገልጽ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

መን ከም እተለኽፈ ብኸመይ ትፈልጥ፧

ንሓደ ሰብ ብምርኣይ ጥራይ ከም እተለኽፈ ወይ ከም ዘይተለኽፈ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቶም ምልክታት ዘይብሎም ተሰከምቲ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ጥዕና ዘለዎም እኳ እንተመሰሉ: ንኻልኦት እቲ ቫይረስ እቲ ከማሓላልፉ ይኽእሉ ኢዮም። ንሓደ ሰብ በቲ ንሱ ዝብለካ ጥራይ ከም ዘይተለኽፈ ከተረጋግጽ ትኽእልዶ፧ ኣይትኽእልን ኢኻ። መብዛሕትኦም ካብቶም ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. እተለኽፉ ሰባት ንርእሶም እውን ከም ዝሓዞም ኣይፈልጡን ኢዮም። እቶም ዝፈልጡ ኸኣ ምስጢር ገይሮም ይሕዝዎ ወይ ይሕስዉ ይዀኑ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ካብ 10 ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. እተለኽፉ ሰባት እቶም 4 ነቶም ምስኦም ጾታዊ ርክብ ዝገብሩ ሰባት ብዛዕባ ኵነታቶም ኣይሓበሩን።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

CDC, Atlanta, Ga.

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መርዓ ቅድሚ ምሕሳብ ናይ ኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. መርመራ ምግባር ጥበባዊ ምርጫ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ