ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/1 ገጽ 8-9
  • አይድስ ንመጻኢ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • አይድስ ንመጻኢ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መፍትሒ ክህሉ ኢዩ
  • አይድስ ብኸመይ ከም እትቃለሶ
    ንቕሑ!—1999
  • አይድስ እቲ ለበዳ ይቕጽል
    ንቕሑ!—1999
ንቕሑ!—1999
g99 8/1 ገጽ 8-9

አይድስ ንመጻኢ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧

ንኤች ኣይቪ. ዘሕዊ ወይ ዝከላኸል ፈውሲ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ: ነቲ ሕማም ከም ዘይትቈጻጸሮ ዝገብር ካልእ ረቛሒታት ኣሎ። ሓደ ካብዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ኣነባብርኦም ክልውጡ ብዘይምድላዮም: በቲ ሕማም ክልከፉ ፍቓደኛታት ይዀኑ። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቍጽሪ ናይቶም ኵነታቶም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ አይድስ ዝበጽሑ ሰባት ይውሕድ እኳ እንተሃለወ: ቍጽሪ ናይቶም ዝልከፉ ሰባት ግን ዳርጋ ዘይለዋወጥ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣሶስየትድ ፕረስ ምኽንያት ኢሉ ዘቕረቦ ሓሳብ “ብዙሓት ሰባት ነቲ ብዛዕባ ምክልኻል ዝወሃብ መጠንቀቕታታት ዘይምስምዖም” ዝብል ኢዩ።

ኣብተን ዳርጋ 93 ካብ ሚእቲ ናይቶም ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. እተለኽፉ ሰባት ከም ዘለዉወን ዝዝረበለን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት: ነቲ ሕማም ኣብ ምግጣም ተወሳኺ ጸገማት ኣሎ። መብዛሕትአን ካብዘን ሃገራት እዚኣተን: ነቲ መሰረታዊ ዝዀነ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምሃብ ኣዝየን ድኻታት ኢየን። ብሓፈሽኡ እቲ ሓድሽ መድሃኒት ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ኣይርከብን ኢዩ: እንተ ዝርከብ ነይሩ እውን ዓመታዊ ዋጋ ናይቲ ሕክምና ካብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዘእትዉዎ ገንዘብ ንላዕሊ ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ሕሱር ነቲ ሕማም ከኣ ብሓቂ ዘሕውዮ ሓድሽ መድሃኒት ከም እተረኽበ ገይርና እስከ ንሕሰብ። እዚ ከምዚ ዝበለ መድሃኒት ኣብ ኢድ ኵሎም እቶም ዘድልዮም ሰባት ምበጽሐዶ ነይሩ፧ ምናልባት ኣይበጽሕን ይኸውን። ዩኒሴፍ ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ ኣርባዕተ ሚልዮን ቈልዑ ብምኽንያት ሓሙሽተ ሕማማት ይሞቱ: እዚ ሕማማት እዚ በቲ ሕሱር ድሮ ተረኺቡ ዘሎ ክታበት ምክልኻል ይከኣል ነይሩ ኢዩ።

ብዛዕባ እቶም ንሕክምና ዝኸውን መድሃኒት ኣብ ዘይርከበሉ ሃገራት ዝነብሩ ድሮ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዝብሃል፧ ሩት ሞታ እተባህለት ኣብ ኢንተርናሽናል ሀልዝ ፕሮግራምስ ዝበሃል ማሕበር እትሰርሕ: ኣብ ከተማ ሳንታ ክሩዝ: ካሊፎርንያ: እትነብር ሰበይቲ: ኣብ ብዙሓት ካብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ሓያሎ ኤች.​ኣይ.ቪ. ንምክልኻልን ንምክንኻንን ዝኸውን ፕሮግራማት ኣብ ምውዳብ ሓጊዛ ኢያ። ከምዚ ትብል:- “ካብ ተመክሮይ ከም ዝረኣኽዎ ልክዕ ከምቲ ናይ ሕክምና ኣጋጣሚ ምርካብ ኣድላዪ ዝዀነ: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምህላው እውን ኣድላዪ ኢዩ። ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ተለኺፎም ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ብህይወት ዝጸንሑ መድሃኒት ከኣ ወሲዶም ዘይፈልጡ ሰባት እፈልጥ ኢየ። ይኹን እምበር: መድሃኒት ጠቓሚ እኳ እንተዀነ ምሕዋይ መድሃኒት ኣብ ኣካላትካ ካብ ምእታው ንላዕሊ ኢዩ። ኣመለኻኽታ: ማሕበራዊ ድጋፍ: መንፈሳውነት: ከምኡውን ኣመጋግባ ዘጣመረ ኢዩ።”

መፍትሒ ክህሉ ኢዩ

ሓደ ግዜ አይድስ ክጠፍእ ኢዩ ኢልካ ንምእማን ምኽንያት ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ። እቲ ዝበለጸ ተስፋ ኣብ ቃላት ናይቲ ብዙሓት ሰባት ኣቡነ ዘበሰማያት ብምባል ዝጽውዕዎ ጸሎት ይርከብ። ኣብቲ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ማቴዎስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት: ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ እውን ክፍጸም ኢና እንልምን። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) ሰባት ንዘለኣለም ብሕማም ክቕዘፉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣምላኽ ነዚ ጸሎት እዚ ክምልሶ ኢዩ። ኸምኡ ብምግባሩ ኸኣ ንአይድስ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ንደቅሰብ ዝቐዝፍ ዘሎ ካልእ ሕማማት ብምሉኡ እውን መወዳእታ ከምጽኣሉ ኢዩ። ሽዑ “ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW] እየ: ኣይብልን” ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 33:⁠24

ክሳዕ ሽዑ ግን እቲ ዝበለጸ ሜላ ምክልኻል ኢዩ። ንብዙሕ ሕማማት ክልተ ምርጫ ኢዩ ዘለዎ:- ክትከላኸሎ ወይ ከተሕውዮ ትኽእል ኢኻ። ንኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ግን ከምዚ ዝበለ ምርጫ የብሉን። ክትከላኸሎ ይከኣል ኢዩ: ኣብዚ እዋን እዚ ግን ከተሕውዮ ኣይክኣልን ኢዩ። ስለምንታይ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ተውድቓ፧ ሓንሳእ እንተድኣ ሒዙካ ክፍወስ ስለ ዘይክእል: ኣቐዲምካ ምክልኻል እቲ ዝበለጸ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

“እታ ጉባኤ እትድነቕ ኢያ”

ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ብምባል ተማሕጸኖም። (ገላትያ 6:⁠10) ኣዲኣ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ካረን: ኣብታ ቢልን ካረንን ዝነበርዋ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኤች.​ኣ⁠ይ.⁠ቪ. ከም ዝሓመሙ ምስ ተፈልጠ እንታይ ከም ዝገበሩ ተዘንቱ። ከምዚ ትብል:- “እታ ጉባኤ እትድነቕ ኢያ። ቢል ኒሞንያ ምስ ሓዞ: ካረን ንርእሳ እውን ሓሚማ ኢያ ነይራ: ንዕኡን ነቶም ቈልዑን ንምክንኻን ከኣ ትጽዕር ነበረት። እቶም ኣሕዋት ገዝኦም ኣጽረዩሎም: ማኪንኦም ኣዐረዩሎም: ክዳውንቶም ከኣ ሓጸቡሎም። ሕጋዊ ጕዳያት ንምስላጥን ናብ ካልእ ገዛ ንምግዓዝን ድማ ሓገዝዎም። መግቢ ይዕድጉሎምን ይኽሽኑሎምን ነበሩ። ብሓቂ ስምዒታዊ: መንፈሳዊ: ከምኡውን ንዋታዊ ደገፍ ይጅርብብ ኢዩ ነይሩ።”

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ሓዳር ሓድሕዳዊ ምትእምማን ምህላው ብኤች.ኣይ.ቪ. ካብ ምልካፍ ክከላኸል ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

“ምሕዋይ መድሃኒት ኣብ ኣካላትካ ካብ ምእታው ንላዕሊ ኢዩ። ኣመለኻኽታ: ማሕበራዊ ድጋፍ: መንፈሳውነት: ከምኡውን ኣመጋግባ ዘጣመረ ኢዩ።”​—⁠ሩት ሞታ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ